መራሕቲ ኬንያን ብሪጣንያን ንትምህርቲ ዝውዕል 5 ቢሊየን ዶላር ንምትእኽኻብ ጎስጓስ ክጅምሩ'ዮም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቀዳማይ ሚኒስትር ብሪጣኒያ ቦሪስ ጆንሰንን ፕሬዝደንት ኬኒያ ኡህሩ ኬኒያታን ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ 5 ቢሊየን ዶላር ገንዘብ ንምርካብ ጻውዒት ከቕርቡ እዮም።
እዚ ገንዘብ፡ ኣብ መላእ ዓለም ዚያዳ ንሓደጋ ንዝተቓልዑ ህጻናት ንምምሃር ዝውዕል ከም ዝኾነ ተገሊጹ።
ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ቑጽሪ ካብ መኣዲ ትምህርቲ ዝቦኽሩ ህጻናት ብዝለዓለ መጠን ወሲኹ እዩ።
ትካል ትምህርቲ፣ ባህልን ሳይንስን ውድብ ሕቡራት ሃገራት (ዩኔስኮ) ኣብ ዓለም ኣስታት 1.3 ቢሊየን ተመሃሮ ካብ ትምህርቲ ከም ዝቦኾሩ ይገልጽ።
ሰብ ሞያ ድማ፡ እዞም ተምሃሮ ብምኽንያት ኣብተን ሃገራት ዘሎ ቑጠባዊ ዓቕሚ ዳግም ናብ ትምህርቶም ንከይምለሱ ይኽእሉ’ዮም ክብሉ የጠንቅቑ።
እዞም ክልተ መራሕቲ፡ ኣብ መፋርቕ 2021 ነዚ ዝጅምሩዎ ምትእኽኻእ እቶት ዝሕግዝ ጉባኤ ትምህርቲ ኣብ ዓባይ ብሪጣኒያ ከም ዘካይዱ ገሊጾም።
በዚ ቑጽሪ ናብ ቤት ትምህርቲ ዝኸቱ ተመሃሮ ንምዕባይ ከም ዝተለሙ ኣፍሊጦም ኣለዉ።
ቅድሚ ኮሮናቫይረስ፡ ኣስታት ርብዒ ቢሊየን ህጻናት ካብ ትምህረቲ ቦዂሮም ነይሮም። እዚ ቑጽሪ፡ ብምኽንያት እቲ ለበዳ ኣብ ወርሒ ሚያዚያ እተን ኣብያተ ትምህረቲ ምስተዓጸዋ ብሽዱሽተ ዕጽፊ ወሲኹ።
እዚ ብፍላይ ኣብ ድኻ ዓድታት ዝርከቡ ህጻናት ተመሃሮ ዚያዳ ተቓላዕቲ ክኾኑ ገይሩዎም’ዩ።
ደቂ ኣንስትዮ ግዳያት ምኽንሻብ፣ ትሕቲ ዕድመ መርዓን ኣብ ዘይዕድሚአን ነፍሰ ጾር ክኾናን ከም ዝተራእየ ክግለጽ እንከሎ፡ እቶም ደቂ ተባዕትዮ ድማ ብፍላይ ኣብ ጎንጺ ዝርኣየለን ከባቢታት ብዕጡቓት ጉጅለታት ይምልመሉ ምህላዎም ተሓቢሩ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







