ኣሜሪካውያን ካብ ቻይና ብፖስታ ዝመጽኦም ዝተዓሸገ ኣዝርእቲ የዘራርብ ኣሎ

ምንጪ ስእሊ, WASHINGTON STATE DEPT OF AGRICULTURE/REUTERS
ኣሻሓት ኣሜሪካውያን ካብ ዘይተፈልጠ ሰዳዲ ዝበጽሖም ዝተዓሸገ ኣዝርእቲ ኣዘራረቢ ኾይኑ ኣሎ።
ኣማዞን፡ እቲ ሚስጢራዊ ዝበሎ ዝተዓሸገ ኣዝርእቲ ኣብዝሓ ካብ ቻይና ዝነቐለ ኾይኑ ‘ብኦንላይን’ መሸጣ ኣብ ዕዳጋ ከይውዕል ኣጊዱ ኣሎ።
እዚ ዓርሞሸሽ ናይ ኦንላይን ዕዳጋ ዝኾነ ኩባንያ ኣማዞን፡ እቲ ንምንታይ ካብ ቻይና ብብዝሒ ይመጽእ ከምዘሎ ዘይተፈልጠ ዘርኢ ብኦንላይ ኣብ ዕዳጋ ከይውዕልን፡ መሰረቶም ኣብ ኣሜሪካ ዝገበሩ ሰባት ጥራሕ ናብ ዕዳጋ ከውፍወርዎን ከምዝወሰነ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ገለ ላዕለዎት ሓለፍቲ እታ ሃገር ድማ፡ ሓረስቶት ከምዚ ዓይነት መበቆሉ ዘይፈልጥዎ ኣዝርእቲ ከይዘርኡ ኣጠንቂቖም።
እተኾነ እቲ ከምዚ ዝዓይነቱ ፍርያት ምስዳድ፡ ንምልላይን ብዛዕባ እቲ ፍርያት ኣወንታዊ ምስሊ ንምፍጣርን ዝዓለመ እዩ ተባሂሉ።
ኣማዞን ግን፡ ካብ መስከመረም 3 ጀሚሩ ኣብ ግብሪ ዝውዕል፡ እቲ ኣዝርእቲ ብፍላይ ኣሜሪካውያን ዘይኮኑ ዜጋታት ነቲ ኣዝርእቲ ኣብታ ሃገር ናብ ዕዳጋ ከየውርዱ ከልኪሉ ኣሎ።
ነዚ ትእዛዝ ጥሒሶም ክሸጡ ዝተረኽቡ ነጋዶ፡ ስጉምቲ ከምዝውሰደሎምን ጠቅሊሎም ካብ ዕዳጋ ክእገዱ ከምዝኽእሉን’ውን ኣጠንቂቁ ኣሎ።
እቲ ክልከላ፡ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ሃገርትከ ይሰርሕ ድዩ ኣይሰርሕን ዝተፈልጠ ነገር የለን።
እቲ ናይ ዕዳጋ ናይ ፖሊሲ ለውጢ ዜና፡ ቀዲሙ ኣብ ጋዜጣ ዎል ስትሪት እዩ ወጺኡ ተባሂሉ።
እዚ ምስጢራዊ ዕሹግ ኣዝርእቲ እንተወሓደ፡ 14 ዓይነታት ኣዝርእቲ ዝሓዘ እዩ ተባሂሉ።
ኣብ ነሓሰ 11፡ ክፍሊ ሕርሻ ኣሜሪካ፡ ኣብቶም ናብ ኣሜሪካ ዝተሰደዱ ኣዝርእቲ ገለ ጸገም ከምዝተረኸቦምን ቻይና ኣብቲ ምርመራ ትተሓጋገዝ ከምዘላን ኣፍሊጡ ነይሩ።
እቲ ክፍሊ፡ ክሳብ ዝጻረ ኣሜሪካውያን ነቲ ኣዝርእቲ ከየፍልስዎ’ዮም ዝመኽሩ።
ምኽንያቶም ድማ፡ እቶም ኣዝርእቲ ዘይመቦቆላዊ ብምዃኖምን፡ ገለ ባልዕ ክህልዎም ይኽእል ዝብል ጥርጣረታት ስለዘለዎምን እዩ።
ከምዚ ዓይነት ተርእዮ ኣብ ከም ዓባይ ብርጣንያ ዝኣመሰላ ሃገራት’ውን ብተመሳሳሊ ተግሂዱ እዩ።
ሰብ ስልጣናት ስኮትላንድ፡ ኣሰሩ ዘይፍለጥ ኣዝርእቲ ከይዘርኡን ኣብ ከባብያዊ ምሕዳር ገለ መጉዳእቲ ከየብጽሑን ኣጠንቂቖም ነይሮም።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







