ኣብ ኣመሪካ መኽበርቲ ሕጊ ልዕሊ ዝኾነ ሰብ ሕጊ የኽብሩ

ምንጪ ስእሊ, ገመቹ አቡጋሬ
ገመቹ አቡጋሬ በዱኬ እበሃል። ኣብ ምዕራብ ሸዋ፤ ከባቢ ባቱ እየ ተወሊደ ዓብየ። ካልኣይ ደረጃ ትምህርተይ ኣብኡ ተማሂረ።
ካብኡ ናብ ዩንቨርሲቲ ጅማ ኣትየ። ቀዳማይ ዲግረይ ካብዚ ዩንቨርሲቲ ረኺበ። ትምህርተይ ወዲአ ምስተመረቕኩ፤ ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ውልቀን ናይ መንግስትን ትካላት ሰራሕተኛ ኮይነ ሰሪሐ እየ። ካብኡ ዲቪ በፂሑኒ ናብ ኣመሪካ መፂኤ።
ሕዚ ኣብ ግዝኣት ሳውዝ ዳኮታ ሲ ፎልስ ኣብ እትበሃል ከተማ እየ ዝነብር። እዛ ከተማ ኣዝያ ውቅብትን ዘመናዊትን እያ። ካብ በሪኽ ቦታ ውሒዙ ብማእኸል እታ ከተማ ዝሓልፍ ሩባ ድማ ፍሉይ ፅባቐ ይህባ።

ምንጪ ስእሊ, ገመቹ አቡጋሬ
ዓደይ ምስ ኣመሪካ ከነፃፅራ ይኸብደኒ እዩ። ኣሜሪካ ብቴክኖሎጂ ኣብ ልዑል ብርኪ ዝበፅሐት ሃገር እያ። ኣብዚ ዓዲ ኩሉ ነገር ብተግባር እዩ ዝግለፅ። ሕግታት እኳስ ሙሉእ ንሙሉእ እዮም ተግባራዊ ዝግበሩ።
ንኢትዮጵያ ካብ አሜሪካ ኣዐርዩ ዝፈልያ ዝብሎ ነገር ኣተገባብራ ሕጊ እዩ። ኣብ ኢትዮጵያ ዓበይቲ ሕግታት ኣለዉ፤ ግን ከኣ እቲ ኣፈላላይ ኣብ ምፍፃሙ እዩ። ኣብዚ ዓዲ ሕጊ ዝትግበር ብሰብ ጥራሕ ዘይኮነስ ብቴክኖሎጂ እናተሓገዘ እዩ። ብዙሓት ዓይነት ካሜራታትን ካልኦት ውፅኢት ቴክኖሎጂን ንኣገልግሎት ምኽባር ሕጊ ይውዕሉ።
መኽበርቲ ሕጊ ንርእሶም ነቲ ሕጊ ተገዛእቲ እዮም። ኣብ ዓድና ግን ኣብ ታሕቲ ካብ ዘሎ መሕበሪ ሕጊ ጀሚርካ ክሳብ ዓብዪ በዓል ስልጣን ኩሎም ልዕሊ ሕጊ ከምዝኾኑ ገይሮም እዮም ዝሓስቡ። ኣብዚ ዓዲ ግን ብኣንፃሩ እዩ።
መኽበርቲ ሕጊ ብቐዳምነት ነቲ ሕጊ ተገዛእቲ እዮም፤ እዚ ንዓይ ፍሉይ ነገር እዩ።

ምንጪ ስእሊ, ገመቹ አቡጋሬ
ናብ ኣመሪካ ብምምፀአይ ከሲበዮ ዝብሎ ነገር ቁጠባዊ ረብሓ ጥራሕ ከይኮነስ ግብራውን መፍትሒ ኣብ ምምፃእ ዝጥምትን ትምህርቲ ረኺበለ'ኹ።
ዝተፈለየ መዝነት ወይ ሓይሊ ተዝህልወኒ፤ ኣብዛ ዝነብረላ ከተማ ዘሎ ልዑል ክፍሊት አገልግሎት ጥዕናን ትምህርትን ክልውጥ ምደለኹ። ምኽንያቱ ኣዝዩ ዝተጋነነ እዩ።
ኣነ ኣብዝነብረሉ ኸባቢ ብዙሕ ዓይነት መግብታት ኣለዉ፤ ከም እንጀራ ዘሐጉሰኒ ግን የለን። ኣብዚ ካብዘለዉ መግብታት ግን ፒዛ እየ ዝፎቱ። ካብ ዓደይ እቲ ሓደ ዝናፍቖ ነንርእስኻ ዘሎ ምክብባርን ባህልኻ ምሕላውን ካብ ልበይ ኣይጠፍእን።
እዛ ዝነብረላ ከተማ ብዙሕ ተፈጥሮኣዊ መስሕባት ኣለውዋ፤ ንዓይ ፍሉይ ስምዒት ዝህበንን ዝፈትዎን ብማእኸል እታ ከተማ ዝውሕዝ ሩባ ሲ ፎልስ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, ገመቹ አቡጋሬ
ኩልግዜ ነቲ ኣብዚ ዘሎ ዝረቐቐ ቴክኖሎጅን ዝተዋደደ ስርዓትን እንትርኢ ንሃገረይ ይዝክር። ታይ ነይርዎ ኢትዮጵያ እውን ከምዚ እንትትኸውን እብል። መጀመርያ ናብዚ ዓዲ ምስመፃእኹ ዘደንገፀኒ ነገር ደቂ ዓደይ ኣብ ዝተፈላለዩ ወልፍታት ተቐይዶም ምርኣየ ነይሩ።
ብዙሕ ፀገም ሓሊፉ ኣብዚ ምስኣተወ፤ ዝመፀሉ ምኽንያት ረሲዑ ሰብ ከመይ ገይሩ ናብ ወልፊ ይኣቱ ኢለ ብጣዕሚ ሓዚነ። ንርእስኻ ንምምዕባል እቲ ቀንዲ ነገር ናይ ውልቅኸዓ ፃእርን ውሳነን እምበር ካብ ዓዲ ምውፃእ ጥራሕ ከምዘይኮነ ኣምሂሩኒ እዩ።
ገለ ሓይሊ ብተኣምር ናብ ዓደይ አንተዝወስደኒ ኣብ ውሽጢ እቲ ዓብዪ ሓጓፍ ሽንጥሮ፤ ኣብ መገዲ ሸዓሸመኔ ናብ እትርከብ እተወለድኩላ መረበተይ እንተዝኸይድ ደስ ምበለኒ። እዛ ከተማ ብኣናእሽቱ ቃላያት እተኸበትን ንናብራ ዝምቹ መልክኣምድሪ ዘለዋን እያ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







