'ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ንምትዕራቕ'ውን ድሉውነት ኣለና' ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል

መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን፡ ነቲ ሂወት ኣማኢት ኣሽሓት ዝቐዘፈ፡ ሚልዮናት ዘመዛበለን ዝተፈላለዩ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰል ዘስዓበ ደማዊ ኲናት ትግራይ፡ ኣብ ሕዳር 2022 ኣብ ፕሪቶሪያ ዝኸተምዎ ውዕል ሰላም ሻብዓይ ወርሒ ገይሩ ኣሎ፤ ይዅን እምበር ኣብ ትግባረ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ድሮ ሕቶታት ክለዓሉ ጀሚሮም ኣለዉ።
ቢቢሲ ንመስርሕ ኣፈጻጽማ ስምምዕ ፕሪቶርያ ምርኩስ ብምግባር፡ ኣብዚ ኲናት ብዛዕባ ዝጠፍአ ሂወት ሰብ፡ ኵነታት ሓይልታት ትግራይ፡ ዕርቂ መራሕቲ ትግራይን ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ካልኦት እዋናዊ ጉዳያትን ኣመልኪቱ፡ ምስ ኣቦ ወንበር ህወሓትን ፕረዚደንት ትግራይ ነበርን፡ ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ፍሉይ ቃለ-መሕትት ኣካይዱ ኣሎ።
ዶክተር ደብረጽዮን፡ እቲ ስምምዕ ካብ ከቢድ ውግእ ናብ ሰላማዊ ፖለቲካዊ መድረኽ ከምዘሰጋገረ ብምግላጽ፡ ገለ ዝተተግበረን ገና ኣብ መስርሕ ትግባረ ዝርከብን ጉዳያት ከምዘሎ ሓቢሩ።
“እቲ ስምምዕ ስሉጥ’ዩ ክበሃል ኣይከኣልን’ዩ፤ ግን ከኣ ነቲ ዝተፈጥረ ሰላም ንምጥንኻር፡ ብመንግስቲ ፈደራልን ግዝያዊ መንግስቲ ትግራይን ዝተወስደ ጽቡቕ ስጕምትታት ኣሎ” ኢሉ።
ይዅን እምበር ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ፡ መንግስቲ ፈደራል፡ ሰራዊት ትግራይ ዕጥቂ ከቢድ ብረት ምስፈትሑ፡ ሰራዊት ኤርትራን ሓይልታት ኣምሓራን ካብ ትግራይ ከውጽኦም ሓላፍነቱ እኳ እንተኾነ ዛጊት ከምኡ ስለ ዘይተገብረ እቲ ዝተመዛበለ ህዝቢ ኣብ ስቓይ ከም ዝርከብን ሓቢሩ።
ህላወ ሓይልታት ኣምሓራን ኤርትራን፡ “ሰላምና ምሉእ ከይከውን፡ ህዝብና ናብ ቦታኡ ከይምለስን ስቓዩ ክቕጽልን [ምኽንያት ኰይኑ’ሎ]” ብምባል፡ እቲ ውዕል ኣብ ኣፈጻጽማኡ ዓብይ ሓጓፋት ከምዘለዎ ገሊጹ።
ዝተመዛበለ ህዝቢ

ብሰንኪ እዚ ደማዊ ኲናት ዝተመዛበሉ ሚልዮናት ሰባት ንዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት፡ ኣብ መዕቈቢ ተመዛበልቲ፡ ኣብ ሕሰም ይርከቡ።
ዶክተር ደብረጽየን፡ ብሰንኪ እቶም “ወረርቲ” ክብል ዝገለጾም ሓይልታት ኣምሓራን ኤርትራን እቶም ብሚልዮናት ዝቝጽሩ ብደማዊ ኲናት ተመዛቢሎም ኣብ መዕቈቢ መዓስከራት ዝርከቡ ዜጋታት ናብ ቤት ንብረቶም ክምለሱ ከምዘይከኣሉ ተዛሪቡ።
“ኣብ ባይታ ዝተቐየሩ ነገራት ኣለዉ፤ እቶም [ሓደስቲ ሰፈርቲ] ክወፅኡ ኣለዎም፡" ዝበለ ኣቦ መንበር ህወሓት፡ እቶም ተመዛበልቲ ንኽምለሱ፡ ናይ ትግራይ ምምሕዳር ፖሊስ፡ ኣካላት ፀጥታ ክኣትዉን ምስቲ ኣብ ትሕቲ ወራር ዝፀንሐ ህዝብን ዓበይቲ ዓድን ምርድዳእን ምምኽኻርን ከምዘድሊ ሓቢሩ።
"[እቶም ድሕሪ ውግእ] ዝኣተው ሰፈርቲ ከይወፅኡ [ንዓኣቶም] ክትድረቦም ኣይከኣልን እዩ። ንቕድም እቶም ሰፈርቲ ካብቲ ቦታ ክለቍ ኣለዎም። ዘድሊ ሎጅስቲክስ ተቐሪቡሉ እቲ ህዝቢ ተወዲቡ’ዩ ክኣቱ ዘለዎ፡" ብምባል ነቲ ክኸውን ኣለዎ ዝብሎ ዝርዝር ኣፈጻጽማ ኣሚቱ።
ዕጫ ምዕራብን ደቡብን ትግራይ?
ዶክተር ደብረጽዮን ንምዕራብን ገለ ክፋል ደቡብ ትግራይን ተቘጻጺሮም ዘለዉ ሓይልታት ኣምሓራን ምምሕዳር እቲ ክልልን፡ ሓደስቲ ሰፈራታት የጣይሱን ወረቐት መንነት ይዕድሉን ከምዘለው ሓበሬታ ከምዘለዎ ብምግላጽ፡ ንመንግስቲ ፈደራል ተቓውሞኦም ከምዝገለጽሉን፡ “ግዜ ጥራይ ሃቡና ክንፈትሖ ኢና” ዝብል መተሃዳድኢ ምላሽ ከም ዝተዋህቦም ሓቢሩ።
ኣብዚ ቀረባ ግዝያት ኣይተ ጌታቸው ረዳ ዝመርሖ ልኡኽ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ባህርዳር ኣብ ዝበጽሓሉ እቲ ኣብ ባይታ ዝኸውን ዘሎ ነገር ምስ ዝምልከቶም ከም ዝተዘራረበ ኣሚቱ። እቲ ርክባት ብመንግስቲ ፈደራል ዝምእከል ኰይኑ ንስምምዕ ፕሪቶርያ ዘራጉድ ከምዝዀነ ገሊጹ።
ህላወ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ
ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ምብራቕን ሰሜን ምዕራብን ትግራይ ብርክት ዝበሉ ቦታታት ሒዞም ከምዘለው ይሕብር።
“ሰራዊት ኤርትራ፡ ኣብቲ ብመሰረት ውዕል ኣልጀርስ ተወሲኑልና ዝበሃል ከባቢታት ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣብ መሬት ትግራይ፡ ኣብ ወሰና ወሰን እገላ፡ ዓዲ ኣርባዕተ፡ ሰሜን ምዕራብን ኣለዉ” ኢሉ።
ድሕሪ ኲናት ትግራይ ኣብ ጐድኒ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኰይኑ ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ዝተዋግአ ሰራዊት ኤርትራ፡ ሕዚ ንባድመ ተቘጻጺሩ ከምዘሎ'ዩ ዝፍለጥ።
ንሰራዊት ኤርትራ ካብ ባድመ እውን ክወጽኡ ዲኹም ትጽበይዎም? እቲ ዝነበረ ጉዳይ ዶብን፡ ኣቐዲሙ ዝተበጽሐ ውዕል ኣልጀርስን ከ ብኸመይ መዕለቢ ክግበረሉ ኣለዎ? ክብል ተሓቲቱ ክምልስ እንከሎ፡
“ጉዳይ ዶብ፡ ናይ ኤርትራን ትግራይን ጉዳይ ኣይኰነን። ጉዳይ ዶብ ፈደራል መንግስቲ’ዩ [ዝሕዞ] በዓል ዋና። ግን ኣብ መሬት ትግራይ ስለ ዘለዉ፡ ካብ ትግራይ ክወፅኡ ኣለዎም። ናይ ኣልጀርስ ይዅን ካልእ ሓሳብ ብሓይልኻ ዝተሓዝ ዝዀነ ነገር ክህሉ ኣይክእልን’ዩ - ፈደራል እውን በዚ እዩ ዝኣምን።
ስለዚ ፈደራል መንግስቲ’ዩ ብዛዕባ ዶብ ክዘራረብ ዝምልከቶ፤ ሕዚ ናይ ዶብ ናይ ምጥራር ጉዳይ’ውን ኣይኮነን ዘሎ። ብሓይሊ ዝተወረረ ቦታ ክለቅቕ ኣለዎ! ናይ ኣልጀርስ፡ ናይ ባድመ ዝበሃል ነገር ሕዚ ክመፅእ ኣይክእልን። ብሓይሊ ዘይኮነ፡ ብሕጊ ብስርዓት ተረዳዲእኻ’ዩ ክፍፀም ዘለዎ። ብሓይሊ ዝተሓዝ ቦታ ክህሉ የብሉን’ዩ እቲ ናትና መርገጺ” ድሕሪ ምባል፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ሰራዊት ኤርትራ ዝወጽኣሉ ናይ ግዘ ገደብ ከምዘየቐመጠ ሓቢሩ።
ዕርቂ ምስ ፕረዚደንት ኤርትራ
ንተበግሶ ዕርቂ ኣብ ዝምልከት፡ ድሕሪ’ዚ ኵሉ ሞትን ህልቂትን፡ ምስቲ “ውልቀ መላኺ” ኢልካ ትጽውዖ ዝነበርካ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ተዓሪቕኩም፤ ኣብ ምትግባር ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ብዝተጻወቶ ተራ’ውን ኣመስጊንካዮ ኔርካ። ብተመሳሳሊ፡ ምስ ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንኽትዕረቑ’ኸ ቅሩባት ዲኹም? ንዝብል ብጋዜጠኛ ቢቢሲ ንዝቕረበሉ ሕቶ ክምልስ እንከሎ፡ ዶክተር ደብረጽዮን፡
መራሕቲ ትግራይ “ቅድሚ ናብ ኲናት ምእታውና እውን፡ ምስ ኵሉ ወገን [ንዘለና ጉዳያት] ብሰላም፡ ብሕግን ስርዓትን ክፍታሕ ኣለዎ ኢልና ኢና ንንቀሳቐስ ኔርና” ዝበለ ኣቦ መንበር ህወሓት፡ ከም ህዝብን ውድብን ምስ ኤርትራ እውን ኵሉ ነገር ብሰላም ክፍታሕ ኢና ንደሊ ክብል ኣረዲኡ።
ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ ክሳብ ሕዚ ምስ [ኤርትራ] ንምትዕራቕ ዝተወስደ ስጕምቲ እኳ እንተዘየለ፡ ሃገራዊ ርክባት ብደረጃ ፌደራላዊ መንግስቲ ከም ዝትግበር ብምሕባር፡ ሰራዊት ኤርትራ፡ ሕዚ እውን እንተዀነ ኣብ ትግራይ ግፍዕታት ይፍጽሙ ስለዘለው፡ " [መታን] እቲ ናይ ሰላም ድልውነት ክጠናኸር” ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወፅኡ ኣለዎም ክብል ኣተሓሳሲቡ።
ዝተሰርቀ ሰብኣዊ ረድኤት
ኣብ ዝሓለፈ ግንቦት ካብ ዓለምለኸ ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ፕሮግራም ምግቢ ዓለምን ዩኤስአይድን ዝተላእከ ናይ ረድኤት ንብረት ተሰሪቝ ኣብ ዘይመዓላኡ ከምዝወዓለን ኣብ ዕዳጋታት ክሽየጥ ከም ዝተርኣየን ኣቃሊዖም ነይሮም።
ብዛዕባ’ዚ ብዝምልከት ዶ/ር ደብረጽየን፡ ምጥፍፋእ የጋጥም ምንባሩን ንምእራሙ በብእዋኑ ስጕምትታት ይውሰድ ከምዝነበረ ገሊጹ።
ብዛዕባ’ቲ ኣብ እዋን መሪሕነቱ ዝስረቕ ዝነበረ ረድኤት ብዝምልከት እውን፡ ኣብ ኣተዓዳድላ እቲ ሓገዝ ምጥፍፋእን ናይ ህዝቢ ቅሬታን ከምዝነበረ፣ ዘድሊ ምጽራይ እናተገበረ ኣድላይ ኣራሚ ስጉምቲ ይወሰድ ከምዝነበረን ኣረዲኡ።
ንሚልዮናት ካብ ቤት ንብረቱ ዝተመዛበለ ህዝቢ ካብ ሓደጋ ጥሜት ንምድሓን ግን ረድኤት ኣድላይ እኳ እንተኾነ ልዕሊ ኵሉ ግን ህዝቢ ናብ ቦታኡ ተመሊሱ እግሪ ምስዝተክልን ምዃኑ ሓቢሩ።
መራሕቲ ህወሓትን ስልጣንን
ብሰንኪ'ቲ ንልዕሊ ክልተ ዓመት ዝተኻየደ ደማዊ ኲናትን ዝወረደ ሰፊሕ ዕንወትን ሰብን ንብረትን ሰበስልጣን ህወሓት፡ ስለምንታይ ካብ ስልጣን ዘይወረዱ? ብዛዕብኡ’ኸ መን’ዩ ዝሕተት? ንዝብል ሕቶ፡ ዶክተር ደብረጽዮን፡ ሕዚ እውን ኣብ መኸተ ከምዘለዉ፡ ወረርቲ ካብ ትግራይ ወጺኦም ዝተመዛበሉ ናብ ቤቶም ምስተመልሱን ኵለንትናዊ ገምጋም ተገይሩ ዝምለስ ጉዳይ ምዃኑ ተዛሪቡ።
ብዛዕባ ካብ ስልጣን ምውራድ ብዝምልከት ከኣ እቲ ናብ ስልጣን ዘደይብን ዘውርድን ህዝቢ ምዃኑ ብምግላጽ፡ “ማንም ሰብ መጺኡ ውረድ ወይ ስልጣንካ ሕደግ ስለዝበላካ ዝሕደግ ኣይኰነን” ብምባል፡ ህወሓት፡ ብህዝቢ ትግራይ ስለዝተመረፀ፡ ህዝቢ ትግራይ ከምዘውርዶ ኣረዲኡ።
ምስሕሓብ ህወሓትን ቦርድ መረጻን
ኣብዚ እዋን፡ ህወሓት ሕጋውነቱ ንምምላስ ምስ ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ኣብ ዘይምስምማዕ ከም ዘሎ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ዶክተር ደብረጽዮን፡ ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ፡ “ንሕና ንመንግስቲ ፈደራል ኣፍልጦ ሂብና፡ ፈደራል መንግስቲ እውን ንህወሓት ኣፍልጦ ሂቡ ስለዝተፈራረምና፡ ሃገራዊ ቦርድ መረጻ፡ ህወሓት እንደገና ከም ሓድሽ ውድብ ክምዝገብ ኣለዎ እኳ እንተበለ፡ 50 ዓመት ዝገበረ ውድብ ከም ሓድሽ ክምዝገብ ከምዘይግባእ ተዛሪቡ።
መንግስቲ ፈደራል፡ "ዋላ እውን ነቲ ውድብ ኣሸባሪ እናበሎ፡ ንሕና መንግስቲ ትግራይ ይዅን እንትንብል፡ ‘የለን ምስ ህወሓት’የ ዝፍርም። ዋላ ኣሸባሪ ይዅን ደሓር ክነልዕሎ ኢና፡ ምፍራም ይሕሸና’ ኢሉ። ስለዚ ኣፍልጦ ተዋሂቡ’ዩ" ክብል ነቲ ዝነበረ መስርሕ ኣረዲኡ።
ብምቕጻል "ድሕሪኡ ቤት-ምኽሪ፡ እቲ ኣሸባሪ ዝብል ዝነበረ ጥብቆ/ክሲ ኣልዒሉ፤ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ናይ ዝነበሩ ኣመራርሓ ህወሓት ክሲ ተላዒሉ’ዩ። ስለዚ ቦርድ መረጻ ነዚ’ዩ ክፍፅም ዘለዎ፡" ብምባል ህወሓት ከም ብሓድሽ ክምዝገብ ኢሉ ክሲ ከቕርብን ቅቡል ከምዘይኰነ ብምሕባር እቲ ጉዳይ ብፖለቲካን ዲፕሎማስን ክፍታሕ ከም ዝግባእ ኣዘኻኺሩ። ከምኡ እንተዘይኰይኑ፡ እቲ ስምምዕ እውን ቀጻልነት ከምዘይህልዎ ኣነጺሩ። ኣብ ርእሲኡ ኣስታት 70 ሚልዮን ብር ዝተወርሰ ገንዘብ ክምለሰሎም ከምዝሓተተን እውን ሓቢሩ።
ፍትሕን ተሓታትነትን
ኣብዚ ደማዊ ኲናት ዝተሳተፉ ኵሎም ተቐናቐንቲ ሓይልታት፡ ብቕትለት፡ ጾታዊ ዓመጽን ዝተፈላለዩ ገበናትን ግህሰታት ሰብኣዊ መሰልን ብምፍጻሞም ይኽሰሱ እዮም።
ብሰሪ’ዚ ኲናት ዝተበደሉን ስድራን ግዳያትን ክረኽቡዎ ዝግባእ ፍትሒ ብዝምልከት፡ እቲ ጉዳይ ምስ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ከምዝተሓሓዝን እቲ ዝርዝራት ብመገዶም ክምለስ ከም ዝሓይሽን ኣዘኻኺሩ።
ንተሓታትነት ብዝምልከት ከኣ ድሕሪ እቲ ዝግበር ኵለንትናዊ ገምጋም ዝረአ ምዃኑ ብምግላጽ፡ “ወረርትን ተወረርትን ብሓደ ዓይኒ ክንረአ ኣይግባእን፤ ንሕና ኣብ መኸተ ኢና” ነይርና ክብል መሊሱ።
ጉዳይ ውጉኣት ኣባላት ሓይልታት ትግራይ
ካብ ዲያስፖራ ብስምና ዝእከብ ገንዘብ ናባና ኣይበጽሐን፡ ተረሲዕና፡ ብማለት ተደጋጋሚ ሰልፊ ተቓውሞ ዘካየዱ፡ ሕጽረት ሕክምናን መግብን ከምዘለዎም ዝገልጹ ውጉኣት ኣባላት ሓይልታት ትግራይ ብዝምልከት፡ ዶክተር ደብረጽዮን፡ እቲ ፀገም ከምዘሎ ከምዝፈልጥ፡ ዝምልከቶም ኣካላት ከኣ ነቲ ጉዳይ ይርእዩዎን ምስቶም ዝተፀገሙ ውጉኣት ተዘራሪቦም፡ መፍትሒ ይእልሹ ከምዘለዉ ብምሕባር እቲ ዝርዝር ምላሽ ግን ብግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ክኸውን ከምዝሓይሽ ተዛሪቡ።
ኣብዚ ኲናት ዝተኸፈለ ሂወት ሰብ
ኣብቲ ኲናት፡ ብወገን ትግራይ ክንደይ ዝኣክል ሰብ ከም ዝተኸፈለን ብሓፈሻ ክንደይ ሰብ ከምዝሞተን ኣብ ዝምልከት ሕቶ፡ ዶክተር ደብረጽዮን “ብእዋኑ ክግለጽ’ዩ” ብምባል ካብ ምምላስ ተዓቂቡ።
ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ንስድራቤታት ደሃይ ደቀን ንምፍላጥ ምድላው ይገብር ከምዘሎ’ውን ሓቢሩ።
ኣብ እዋን መሪሕነቱ ብዝተወልዐ ደማዊ ውግእ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ህዝቢ ከምዝጠፍአ ብምዝኽኻር፡ “ንሓዋሩ ህዝቢ ትግራይ ብኸመይ ክዝክረኒ እዩ ኢልካ ትሓስብ?” ንዝብል ብቢቢሲ ዝቐረበሉ ሕቶ፡ “ብዛዕባ’ዚ ዝምልከት መልሲ ክህብ ኣይደልን” ኢሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







