ኣብ ኣተገባብራ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ‘ዓበይቲ ክፍተታት’ ከምዘለዉ ተገሊጹ

ስምምዕ ፕሪቶሪያ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ኣብ ኣተገባብራ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ርኡይ ክፍተታት ከምዘሎ ‘አፍሪካንስ ፎር ዘ ሆርን’ ዝተባህለ ጥምረት ሲቪላዊ ማሕበራት ገሊጹ።

እቲ ንኽልተ ዓመት ዝቐጸለ ደማዊ ኲናት ብሰላም ንኸብቅዕ ህወሓትን ፌደራል መንግስትን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ፕሪቶርያ ስምምዕ ሰላም ከም ዝፈጸሙ ዝዝከር እዩ።

ነዚ ስምምዕ ሰላም ዝገምገመ እቲ ማሕበር፡ ምስ ብዙሓት ሰባት ዝተገብረ ቃለ መሕትት፡ ዝተፈላለየ ህዝባዊ ሓበሬታ፡ ርኡይ ክፍተታትን ለበዋታትን ዘጠቓለለ 25 ገጻት ዘለዎ ጸብጻብ’ዩ ኣውጺኡ።

እቲ ጸብጻብ ከም ዝሕብሮ፡ ገለ ካብዞም ርኡይ ክፍተታት ብሰንኪ ድሩትነት ናይቲ ስምምዕ ዝተፈጠሩ ክዀኑ እንከለዉ፡ ገሊኦም ድማ ጉድለታት ኣተገባብራ ዘስዓቦም እዮም።

እቲ ኣብ ትግራይ ኣብ ሰላማውያን ሰባት ቅትለትን ጉድኣትን ዘስዕብ ዝነበረ ኲናት ደው እኳ እንተበለ፡ ኣብቶም ሓይልታት ኣምሓራን ኤርትራን ዝቆጻጸርዎም ከባቢታት ግን ድሕንነት ሰላማውያን ሰባት ሕጂ’ውን ኣብ ሓደጋ ከምዘሎ እቲ ጸብጻብ ይሕብር።

ድሕሪ ስምምዕ ሰላም፡ ኣብ ምዕራብን ደቡብን ከባቢታት ትግራይ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት መጥቃዕቲ ከም ዝፍጸም ዝሕብሩ ጸብጻባት ሕጂ’ውን ይወጽኡ ከም ዘለዉን እዞም ከባቢታት ዘይሻሕራዊ ተቖጻጸርቲ ክበጽሕዎም ዘይኽእሉ ምዃኖምን ወሲኹ ኣመልኪቱ።

ብመሰረት እቲ ጸብጸባእ፡ ኣብ ገለ ከባቢታት ትግራይ ዝርከቡ ወተሃደራት ኤርትራ ኣብ ሓለዋ ሰላማውያን ሰባት ኣሉታዊ ጽልዋ የሕድሩ ኣለዉ።

ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያን ሰነድ ኣተገባብራ ናይሮቢን፡ ምፍታሕ ኣጽዋር ሓይልታት ትግራይ ዝፍጸም ናይ ወጻእን ዘይፈደራላዊን ሓይልታት ምክልኻል ብሓንሳብ ካብ ትግራይ ምስ ወጹ ከም ዝዀነ ይጥቀስ።

ይኹን እምበር ሓይልታት ኤርትራን ኣምሓራን ካብ ክልል ትግራይ ስለዘይወጹ ስሞም ምስቲ ኣብቲ ክልል ዝፍጸም ዘሎ ጥሕሰት ክለዓል ጸኒሑ’ዩ።

እንተኾነ ግን ወተሃደራት ኤርትራ ኣበየኖት ቦታታት ከምዘለዉ ብንጹር ኣይጠቐሰን።

ሓደ ፕሎማሰኛ ኤርትራ፡ ሰራዊት ሃገሩ ካብ ትግራይ ከምዝወጸ ብምጥቃስ፡ እቲ ዝቐርብ ዘሎ ጠቐነታት ነታ ሃገር ንምጽላም ዝዓለመ ምዃኑ ተዛሪቡ ነይሩ።

ሰራዊት ንገለ ካብቲ ጠንቂ ዶባዊ ምስሕሓብን ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ 1998-200 ዝነበረ ከም ብዓል ባድመ ዝበለ ብዓለምለኻዊ ኮሚሽን ዶብ ንኤርትራ ዝተዋህበ ቦታታት ተቖጻጺርዎ ከምዘሎ ይፍለጥ።

ብዘይካ'ዚ፡ እቶም ንክልላት ትግራይን ኣምሓራን ዘሰሓሕቡ ከባቢታት ነባሪ ሰላም ንኽርከብ ወሰንቲ’ኳ እንተዀኑ፡ ኣብ ስምምዕ ፕሪቶርያ ከም ዘይተጠቓለሉ እቲ ጸብጻብ ይገልጽ።

እቲ ጸብጻብ ኣስፊርዎ ዘሎ ካልእ ክፍተት ድማ ምስ ጉዳይ ኣማኢት ኣሽሓት ተመዛበልቲ ዝተኣሳሰር እዩ።

እዞም ተመዛበልቲ ክሳዕ ሕጂ ናብ መረበቶም ከም ዘይተመልሱን ብዛዕባ ዘጋጥሞም ዘሎ ጸገም እኹል ርድኢት ከም ዘየለን ከምኡ’ውን ሕጋዊ መሰል ከም ዘይብሎምን ጠቒሱ። እቶም ተመዛበልቲ ሕጋዊ ሓለዋን ካልእ ብዙሕ ደገፍን ኣብ ዘድልዮም ኵነታት ከም ዝርከቡ ይፍለጥ።

ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት ስዒቡ ዝተቛረፁ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ዳግማይ ተጀሚሮም እኳ እንተሃለዉ፡ ምስ ጥዕናን ትምህርትን ዝተተሓሓዙ ኣገልግሎታት ግን ሕጂ’ውን ብግቡእ መልክዑ ከም ዘይወሃቡን ወፍሪ ክግበረሎም ከም ዝግባእን ወሲኹ ኣመልኪቱ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ምስ ስልጣን ናይ ሕብረት ኣፍሪቃ ጉጅለ ክኢላታት ምክትታልን ምርግጋጽን ምትግባርን ዝተኣሳሰር ክፍተት ከምዘሎ'ውን ገሊጹ'ሎ።

ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ዝከታተል ጉጅለ ክኢላታት ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ብዛዕባ ዝፍጸሙ ዘለዉ ጥሕሰት ብግልጺ ናይ ምጽብጻብ ስልጣንን እኹል ቁጽሪ ሰራሕተኛታትን ከም ዘይብሉ’ዩ እቲ ጸብጻብ ዘመልክት።

እቲ ጉጅለ ክኢላታት ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣፈፃፅማ እቲ ሰላም ክከታተል ኣብ ስምምዕ ተበፂሑ’ኳ እንተነበረ፡ ናይ ስራሕ ዘመኑ ክሳዕ ዝቕፅል ዓመት ውርሒ ታሕሳስ ከም ዝተናውሐ ይዝከር።

ሓይልታት ትግራይ ኣብ መስርሕ ምርካብ ኣጽዋር ጽቡቕ ምዕባለ እኳ እንተርኣዩ፡ ምስ ተሃድሶ ዝተኣሳሰር ኣገልግሎት ጥዕና ኣእምሮን ግን ድሩትነት ከምዘሎ እቲ ጸብጻብ ይጠቅስ።

በቲ ኩናት ብኸቢድ ዝተሃስያ ደቂ ኣንስትዮን ማሕበረሰባትን ኣካል መስርሕ እቲ ሰላም ስለዘይኰኑ ዝያዳ ይሳቐያ ከምዘለዋ’ውን ሓቢሩ።

ነፃ ሲቪል ማሕበራትን ጋዜጠኛታትን ሕጂ’ውን ናብ ብዙሕ ከባቢታት ትግራይ ክበፅሑ ስለዘይተፈቐደሎም፡ ሓለዋን ኵነታትን ሲቪል ሙሉእ ብሙሉእ ክግምግም ኣይክኣለን።

ብፍላይ ኣብ ምዕራብ ትግራይን ደቡብ ትግራይን ከምኡ እውን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ኤርትራ ዝርከቡ ከባቢታት ሰሜን ትግራይ ዝምልከት ሓበሬታ ምእካብ ኣፀጋሚ ምዃኑ እቲ ጸብጻብ ኣመልኪቱ። ተቖጻጻሪ ጉጅለ ሕብረት ኣፍሪቃ ናብዞም ከባቢታት ከይኣቱ ከም ዝተኸልከለ’ውን ገሊጹ።

እቲ ፀብፃብ ኣብቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ኲናት ኣብ ጎኒ ፌደራል መንግስቲ ኰይኖም ብቐጥታ ዝተሳተፉ ሓይልታት ክልል ኣምሓራን ዓፋርን ከምኡ’ውን ሓይልታት ኤርትራ ኣካል እቲ ስምምዕ ሰላም ዘይምዃኖም እቲ ስምምዕ ድሩት ምዃኑን እዚ ድማ ነባሪ ሰላም ኣብ ምጥያሽ ብድሆ ክኸውን ከም ዝኽእልን የመልክት።

እቲ ግጭት ንምቁራጽ ዝግበር ቀዋሚ ስምምዕ፡ ኩሎም ኣብቲ ኲናት ዝተሳተፉ ወገናት እንተዘይሓዊሱ ምሉእ ሰላም ከረጋግጽ ከምዘይክእል ኣጠንቂቑ።

እቲ ትካል፡ ብኲናት ዝተሃስዩ ሰባት ብዘይ ምቁራጽን ዘላቕን ተበፃሕነት ንምርግጋፅን ምዝማት ንምክልኻልን ዝኣተውዎ ቃል ከኽብሩን ንዝተመዛበሉ ዜጋታት ፖሊሲ ማዕቀፍን ሕጋዊ ኣፍልጦን ከማዕብሉን ተላብዩ።

መንግስቲ ፌደራል፡ ኣብ ክልል ትግራይ ንሲቪል ህዝብን መሰረተ ልምዓትን ዒላማ ዝገበሩ መጥቃዕቲታት ዝፍጽሙ ሓይልታት "ብትሪ ክኹንን ኣለዎ" ኢሉ።

ብተወሳኺ "ሓይልታት ኤርትራ ካብ ግዝኣታት ኢትዮጵያ ክስሕቡ ክጽውዕ” ከም ዝግባእ’ውን ሓቢሩ።

አፍሪካንስ ፎር ዘ ሆርን፡ እቲ ተቖጻጻሪ ጉጅለ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ስምምዕ ሰላም ተግባራዊ ዘይኰኑ ጉዳያት ብግልጺ ናይ ምግላጽ ስልጣን ክህልዎ ጸዊዑ።

ወሲኹ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ እቲ ተቖጻጻሪ ጉጅለ ዘጋጥሞ ዘሎ ብድሆታት ብንጹር ክገልጽን ሲቪል ማሕበራት እውን ዝሳተፍሉ ማዕቀፍ ክፈጥርን ጻውዒት ኣቕሪቡ ኣሎ።