ኮሎኔል ደመቀ ዘውዱ፡ ብዛዕባ ምዕራብ ትግራይን ዝቐረበሉ ክስን እንታይ ይብል?

ምንጪ ስእሊ, SM
ኢህወደግ ንወተሃደራዊ መንግስቲ ደርግ ኣውዲቝ ቋንቋን መንነትን መሰረት ዝገበረ ምምሕዳራዊ ክልላት ክምስርት እንከሎ፡ ሓደ ካብቶም ሕቶ ‘ይግበኣኒ’ ዝተለዓለሎም ከባቢ ወልቃት እዩ።
ጸኒሑ፡ እቲ ሕቶ ናብ መላእ ዞባ ‘ምዕራብ ትግራይ’ ማለት’ውን፡ ወልቃይት፡ ጸገዴን ቃፍታ ሑማራን እናሰፍሐ ኸይዱ።
በቲ ኣብ ትሕቲ ኣውራጃ ጐንደር ዝመሓደር ዝነበረ ከባቢ ወልቃይት፡ ኣብ 1994 ዝተኻየደ ቆጸራ ህዝቢ ከምዘርእዮ፡ ብዓብላልነት ተዛረብቲ ትግርኛ፡ 96.5 ሚእታዊት፡ ተዛረብቲ ኣምሓርኛ ድማ 3 ሚእታዊት ከምዝነበሩ፡ ጸብጻብ ሃገራዊ ስታስቲክስ እታ ሃገር የመልክት።
በቲ ሓድሽ ኣብ መንነት ዝተመስረተ ስርዓተ ፈደራሊዝም፡ ሓደ ዞባ ክልል ትግራይ ኰይኑ ክመሓደር ጀሚሩ።
ብተመሳሳሊ፡ ኣብቲ እዋን ኣብ ትሕቲ ኣውራጃ ትግራይ ዝነበረ ሰፊሕ ግዝኣት፡ ኣብዚ እዋን ዞባ 2 ተባሂሉ ኣብ ትሕቲ ክልል ዓፋር ተኸሊሉ ይርከብ።
እንተዀነ፡ ንኣስታት ሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ከም ኣካል ምዕራብ ትግራይ ኰይኑ ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን፡ ‘ህዝቢ እቲ ከባቢ ብዘይግባእ ምስ ትግራይ ተሓዊሱ’ ዝብል ሕቶ ዘልዕሉ ሰባት፡ ክሳብ ቤት ምኽሪ ፈደሬሽን ጥርዓን ከቕርቡ ጸኒሖም እዮም።
ሓደ ካብቶም ቀንዲ ነዚ ሕቶ ዘልዕሉ ሰባት ኮሎኔል ደመቀ ዘውዱ እዩ።
ሂዩማን ራይትስ ዎች፡ ንኮ/ል ደመቀ ብስም ጠቒሱ ኣብቲ ከባቢ መንነት መሰረት ዝገበረ ገበን ይፍጽም ከምዘሎ ዝኸሰሰ ኰይኑ፡ ቢቢሲ ኣምሓርኛ ኣዛሪብዎ ኣሎ።
ኣባል ሰራዊት እታ ሃገር ዝነበረ ኮሎኔል ደመቀ፡ ሕጂ ናይቲ ኣብ ትሕቲ ክልል ኣምሓራ ዝርከብ ‘ወልቃይት ጸገዴ ሰቲት ሑመራ’ ተባሂሉ ዝተሰየመ ዞባ፡ ምክትል ኣመሓዳሪን ሓላፊ ክፍሊ ሰላምን ጸጥታን እዩ።
"ህዝቢ ወልቃይት ሕቶ መንነቱ ክምልስ ዝጽዕር ዝነበረ፡ ህወሓት ገና ዕጥቃዊ ቃልሲ ካብ ዘካይደሉ ዝነበረ እዋን ኣትሒዙ እዩ” ይብል እቲ ኮሎኔል።
ሕብረተሰብ እቲ ከባቢ 'ከፋኝ' ብዝብል ኣወዳድባ ዕጥቃዊ ቃልሲ የካይድ ከም ዝነበረ ዝገልጽ ኮሎኔል ደመቀ፡ ካብ መስከረም 2008 ጀሚሩ ብመሰረት ሕገ-መንግስቲ ካብ ክልል ትግራይን መንግስቲ ፈደራልን መልሲ ክወሃቦም ሕቶታቶም ከቕርቡ ከም ዝጸንሑ ይዛረብ።
"ታሪኽናን መንነትናን ምስ ትግራይ ዘይኰነስ ምስ ጎንደር ዝተኣሳሰረ እዩ" ብምባል ሕቶ ‘መንነት ኣምሓራ’ ንምምላስ ዝዓለመ ሕገ መንግስታዊ ሕቶ ምዃኑ ይገልጽ።
ደመቀ፡ ብህወሓት ዝዕብለል መንግስቲ ፈደራል ጠለባቶም ንምዕፋን፡ ንወከልቲ እቲ ሕብረተሰብ የሳቕን ይኣስርን ከም ዝነበረ’ውን ይኸስስ። ህወሓት ነዚ ክስታት ክነጽጐ ጸኒሑ እዩ።
5 ሓምለ 2008 ንሱ ዝርከቦም ኣባላት ኮሚቴ ንምጭዋይ ዝተገብረ ፈተነ ናብ ህዝባዊ ተቓውሞ ከም ዘምረሐ’ውን የዘኻኽር።
ኣብ መንጐ መንግስቲ ፈደራልን ሓይልታት ትግራይ ኣብ ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ግእዝ፡ ኲናት ምስ ተወልዐ፡ ሓይልታት ኣምሓራ ነቲ ሕቶ ይግበአኒ ዝለዓሎ ከባቢ ብሓይሊ ተቘጻጺሮምዎ ከምዝርከቡ ይግለፅ።
ነዚ ስዒቡ፡ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ሰባት ካብቲ ከባቢ ከምዝተመዛበሉ፡ ብዙሓት ኣደዳ ሞትን ማእሰርትን ከምዝዀኑ ዝዝረብ ኰይኑ፡ መንግስቲ ኣመሪካ መጋቢት 2021 ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ‘ምጽናት ዓሌት’ ተፈጺሙ ምባሉ ዝዝከር እዩ።
ነዚ ክስታት ዘይቅበል ኮ/ል ደመቀ ግን፡ ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት "ኵነታት በብእዋኑ እናተለዋወጠ ሕጂ ኮሚተ ምምላስ መንነት ብብዝሒ ዝተሳተፈሉ ምምሕዳር ተመስሪቱ ከባቢና ነመሓድር ኣለና" ይብል።
ጉዳይ ባጀት
ካብዚ ብተወሳኺ ጉዳይ ወልቃይት ሕጋዊ ምላሽን ኣፍልጦን ንኽረክብ ንቤት ምኽሪ ፈደሬሽን ይሓቱ ከም ዘለዉ ይገልጽ። ነቲ ከባቢ ዝምጥን ባጀት ተመዲቡ ነበርቲ ጥቕምታትን ኣገልግሎታትን ክረኽቡ’ውን ንክልል ኣምሓራን መንግስቲ ፌደራልን ሕቶ ከምዘቕረቡ ይዛረብ።
ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን ባጀት 2016 ዓ.ም ኣብ ዝጸደቐሉ እዋን፡ ሕቶ ባጀት ወልቃይት/ምዕራብ ትግራይ ካብ ገለ ኣባላት ፓርላማ ተወከልቲ ኣምሓራ ዝተላዕለ ክኸውን እንከሎ፡ ሚኒስተር ገንዘብ ኣሕመድ ሸዴ፡ ንክልላት ‘ምበር ‘ካብ ሕገ-መንግስቲ ወጻኢ ባጀት ንዞባታት ኣይንምድብን’ ዝብል ምላሽ ሂብሉ።
“ሕቶ እቲ ህዝቢ ንርዳእ ኢና፤ እንተዀነ ንሕና ከምኡ ዝበለ ስልጣን የብልናን። ብቤት ምኽሪ ፈደሬሽን ብዝቐረበልና ቀመር ኢና ንሰርሕ ዘለና።”
ኮ/ል ደመቀ ድማ፡ “ነቲ ከባቢ ነመሓድሮ ክሳብ ዝሃለና፡ መንግስቲ ነቲ ጉዳይ ክሳብ ዝምርምሮ ክንጽበ ኢና። ጉዳይ መንነት ክንድኡ ዝኣክል ዘሀውኽ ኣይኰነን። እቲ መንነት ተመሊሱ’ኳ እንተዀነ፡ እቲ ባጀት ግን ክሳዕ ሕጂ ኣይተዋህበናን ዘሎ። ባጀትን መንነትን ድማ ተነጺሎም ክነብሩ ኣይክእሉን።"
ይዅን እምበር ክልል ትግራይ፡ እቲ ከባቢ ብሓይሊ ከም ዝተወስደ’ዩ ዝገልጽ። ሰበስልጣን ግዝያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ዝተጐበጡ ዝብልዎም ከባቢታት ምምላስ ካብ ቀንዲ ዕላማታቶም ከም ዝዀነ ብተደጋጋሚ ገሊጾም እዮም።
ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ እዋን እቲ ንልዕሊ ክልተ ዓመት ዝጸንሐ ደማዊ ኲናት፡ ኣብ ትሕቲ ክልል ኣምሓራ ክመሓደር ዝጸንሐ ከባቢታት ምዕራብ ትግራይ፡ ከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከም ዝተፈጸመ ዓለምለኸ ትካላት ሰብኣዊ መሰላት ሰፋሕቲ ጸብጻባት ኣቕሪበን እየን።
ኣብ ዝሓለፈ ግንበት፡ ሂዩማን ራይትስ ዎች፡ ድሕሪ ውዕል ፕሪቶርያ’ውን እንተዀነ፡ ካብቲ ከባቢ ብዙሓት ተወለድቲ ትግራይ ብሓይሊ ይስጎጕ ከምዘለውን፡ ‘ምጽጻይ ዓሌት’ ይፍጸም ከምዘሎን ከሲሱ።
ኮሎኔል ደመቀ ግን፡ ምምሕዳር እቲ ከባቢ ዝሰጐጎም ተወለድቲ ትግራይ የለዉን ብምባል ነቲ ክሲ ነጺጕ።
"ህወሓት ነቲ ዝነበረ ሕብረተሰብ ብምምዝባልን ብምቕታልን ከምኡ’ውን ዕጡቕ ሓይሊ ብምስፋርን እዩ ነቲ ከባቢ ናብ ምምሕዳር ትግራይ ኣእትይዎ። እዚ ዕጡቕ ሓይሊ ን27 ዓመታት ብዙሓት ነበርቲ እቲ ከባቢ ስለዘመዛበለን ስለዝቐተለን፡ እቲ ኲናት ምስ ተጀመረ ሃዲሙ እዩ ከይዱ፡" ይብል።
"ንዘመናት ዝተበደልና ንሕና እንከለና፡ ተገልቢጦም ግዳያት ኰይኖም ምቕራቦም ዘሕዝን'ዩ" ዝብል እቲ ኮለኔል፡ ዝዀነ ኣካል፡ ተወለድቲ ትግራይ ሕጂ’ውን ኣብቲ ከባቢ ብሰላም ይነብሩ ከም ዘለዉ መጺኡ ከረጋግጽ ከም ዝኽእል ሓቢሩ።
እንተዀነ፡ እቲ ኲናት ካብ ዝውላዕ ጀሚሩ፡ እቲ ከባቢ ንትካላት ሰብኣዊ መሰላት ኰነ ንኣካላት ሚድያ ዕጹው ከምዝዀነ ይግለጽ።
እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ሂዩማን ራይትስ ዎች ኣብቲ ከባቢ ንዝፍጸም ግህሰት መሰላት ብዝምልከት ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ንኮሎኔል ደመቀ ብስም ጠቒሱ ኣብቲ ከባቢ መንነት መሰረት ዝገበረ ገበን ይፍጽም ከም ዘሎ ይኸስስ።
ቢቢሲ፡ ብዛዕባ’ዚ ክሲ እንታይ ምላሽ ከም ዝህብ ምስ ሓተተ፡ እቲ ኮሎኔል "ህዝቢ ወልቃይት ጸገዴ ኣምሓራ ንዘመናት ዓቢ በደል ክፍጸሞ ርእዮም ከም ዘይረኣዩ ክሓልፉ ጸኒሖም፡ ሕጂ ናይ ገዛእ ርእሶም ኣጀንዳ ምስ ኰነ ግን፡ ክሳብ ንሓደ ውልቀሰብ ምኽሳስ ክበጽሑ ክርእይ ከለኹ ከም ኣፈኛ ህወሓት እምበር ከም ተሓላቒ መሰላት ኣይኰኑን" ኢሉ።
ኮሎኔል ደመቀ ኣብ ቤት ፍርዲ ደው ኢሉ ኣብ ልዕሊኡ ዝቐረበ ክሲ ክከላኸል ድሉው ድዩ ንዝብል ሕቶ፡ “ኣነ ውልቀ ሰብ እየ፤ መንግስቲ እውን ኣለኒ። እዚ መንግስቲ ይርእየኒ ኣሎ፡ እንተ ኣጥፊአ ብሕጊ ክኽሰስ እየ። ይዅን እምበር፡ ዘኽስስ ወይ ገበነኛ ዘብል ስራሕ ሰሪሐ እየ ኣይብልን” ክብል ምላሹ ሂቡ።
ምምላስ ተመዛበልትን

ምንጪ ስእሊ, Rex Features
ውዕል ፕሪቶርያ ስዒቡ ኵነታት በብቕሩብ ናብ ንቡር ይምለሱ’ኳ እንተሃለዉ፡ እቶም ዘሰሓሕቡ ከባቢታት ግን ዕልባት ኣይረኸቡን።
እቲ ውዕል፡ ዘካትዑ ግዝኣታት ሕገ-መንግስታዊ ምላሽ ይረኽቡ ዝብል ዓንቀጽ እንተካተተ’ኳ፡ ዛጊት ግብራዊ ኣይኰነን።
ብፍላይ ምዕራብ ትግራይ፡ ኣብ መንጐ ክልላት ኣምሓራን ትግራይን ዘይተመለሰ ሕቶ ይግባኣኒ ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ።
ብወገን ትግራይ እቲ ከባቢ ብሕገ መንግስቲ እታ ሃገር ኣፍልጦ ዘለዎ ምዃኑ ብምጥቃስ ናብቲ ቅድሚ ኲናት ዝነበረሉ ኵነታት ክምለስ ብትሪ ይሕተት ኣሎ።
እቲ ሕጂ ወልቃይት ጸገዴ ብዝብል ስም ነቲ ከባቢ ዘመሓድር ዘሎ ክልል ኣምሓራ ድማ፡ እቲ ከባቢ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ካብ ኣውራጃ ጎንደር ተወሲዱ ምስ ትግራይ ስለዝተሓወሰን ህዝቢ ብዛዕባ መንነቱ ሕቶታት ስለዘለዎን እቲ ምኽላል ዳግም ክረአ እዩ ዝደሊ።
ድሕሪ ምጅማር እቲ ኲናት ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ተወለድቲ ትግራይ ካብቲ ከባቢ ከምዝተመዛበሉ እቲ ኣብ 2020 ብፈደራል መንግስቲ ቈይሙ ዝነበረ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣፍሊጡ ነይሩ። ልዕሊ 60 ሽሕ ድማ ኣብ ሱዳን ተሰዲዶም ይርከቡ።
ነቲ ኲናት ደው ዘበለ ውዕል ፕሪቶርያ ትዅረት ካብ ዝሃቦም ጉዳያት እቲ ሓደ፡ ብሰንኪ እቲ ግጭት ዝተመዛበሉ ሰባት ናብ መረበቶም ምምላስ ዝብል እዩ።
ኮሎኔል ደመቀ፡ "ተመዛበልቲ ኢትዮጵያውያን ክምለሱ የብሎምን ኢልና ኣይንማጐትን፤ እንተዀነ ኣየናይ ተመዛባሊ እዩ ዝብል ጉዳይ ክርአ ኣለዎ" ይብል።
"ንሕቶ ህዝቢ ወልቃይት ኣፍልጦ ምሃብን በደል ዝፈጸሙ ተሓተትቲ ክዀኑ ምግባርን ናብ ዕርቂ ክመርሕ ይኽእል'ዩ" ብምባል ተመዛበልቲ ቅድሚ ምምላሶም ክፍጸሙ ኣለዎም ዝብሎም ተግባራት ይጠቅስ።
ቅድሚ እዚ ምፍጻም ዝውሰን ውሳነ ግን ደማዊ ግጭት ከስዕብ እዩ ዝብል ስክፍታ ከም ዘለዎ’ውን የመልክት።
መፍትሒኡ ኸ
መጻኢ ዕድል ናይቲ ጠንቂ ምስሕሓብ ወይ ድማ ካልእ ዙር ግጭት ከይኸውን ዝስግእ ከባቢ ብኸመይ እዩ ክፍታሕ ዝብል ሕቶ ይለዓል እዩ፤ ረፈረንደም ወይስ ፖለቲካዊ ውሳነ?
‘ህዝበ ውሳነ ግቡእን ሓቂን’ዩ ኢልና ኣይንሓስብን" ይብል ኮሎኔል ደመቀ። "ወልቃይት ጸገዴ ብሓይሊ ምስ ትግራይ ስለዝተሓወሰ ብሕግን ታሪኽን ሕጋዊ ምላሽ ክወሃበና ኢና ንጽበ" ብምባል ፖለቲካዊ ውሳነ ከም ዝጽበ ይዛረብ።
ወሲኹ፡ "ሕቶና ኣብ ሕጊ ዝተመስረተ እዩ። ብዓይኒ ሕጊ እቲ ጉዳይ ብዝርዝር ክርአ ኣለዎ። ከምኡ’ውን ንሕቶ መንነትና መልሲ ጥራይ ዘይኰነስ ክሳዕ ሕጂ ንዝበጽሓና በደላት ካሕሳ ክንሓትት ኢና” ይብል።
ሰበስልጣን ክልል ትግራይን ዝተፈላለዩ ትካላት ተጣበቕቲ መሰላትን ከም ዝገልጸዎ፡ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ትግራይ ብዙሕ ግህሰትን ምምዝባልን ተፈፂሙ እዩ።
ኮሚተ ምምላስ መንነት ወልቃይት ድማ፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ልዕሊ እቶም ነበርቲ ዝተፈላለየ ዓይነት ግህሰት ከም ዝተፈፀመ ይጠቅስ።
ክልቲኦም ወገናት ብዛዕባ እቲ ዝተፈጸመ ግህሰት መሰላት ተሓታትነት ይጠልቡ።
"ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዓሌታዊ ዓመጽን ስነ-ኣእምሮኣዊ ጸቕጥን ዝፈጸሙ ሰባት ክሕተቱ ኣለዎም" ዝብል ኮሎኔል ደመቀ፡ ብመሰረት ቅዋም እታ ሃገር ሕጋዊ ተሓታትነት ክሰፍን ኣለዎ ይብል።
ብተወሳኺ "ፖለቲካዊ ውሳነ ተዋሂቡ፡ ህዝቢ ትግራይን ኣምሓራን ከመይ ገይሮም ከም ኢትዮጵያዊ ብሓባር ክነብሩ ክኽእሉ ኣለዎም ንዝብል መፍትሒ እንተዝደለ ዝሓሸ ይኸውን" ብምባል፡ ርክብ ክልቲኡ ህዝብታት ምጽጋን ኣገዳሲ ምዃኑ ይጠቕስ።
ብመሰረት ውዕል ፕሪቶርያ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ድሕሪ ውዕል ፕሪቶርያ ነቲ ከባቢ ብዝምልከት ካብ ክልል ኣምሓራ ይዅን ካብ መንግስቲ ፈደራል ዝቐረበ መፍትሒ ሕቶ ወይ ሓሳብ ከም ዘየለን እቲ ኮሎኔል ይገልጽ።
እቲ ሕቶ ሕጋዊ ምላሽ ክሳዕ ዝረክብ፡ እቲ ከባቢ ብመሰረት ሕገ-መንግስቲ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ትግራይ ክጸንሕ እንተተወሲኑ፡ ነቲ ውሳነ ትቕበሎ ዲኻ ንዝብል ሕቶ፡ ‘ዘይከውን ኣማራጺ እዩ’ ዝብል ምላሽ ሂቡ።
"ብመሰረት ውዕል ፕሪቶርያ፡ ምምሕዳር ወልቃይት ጸገዴ ኣብ ትሕቲ ክልል ኣምሓራ ከም ዝጸንሕ ኢና ንርዳእ። ጉዳይ መንነት እዩ ብሕገ መንግስቲ ዝምለስ እምበር፡ እቲ ምምሕዳር ከም ዘለዎ እዩ ዝቕጽል” ኢሉ ይኣምን።
ኮሎኔል ደመቀ፡ ከምቲ ህወሓት ገይርዎ ዝብሎ፡ ድሕሪ ምጅማር እቲ ኲናት ብተራኦም ብሓይሊ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሮም ኣእትዮምዎ ኣለዉ።
"ሓቂ እዩ ህወሓት ብሓይሊ ሒዝዎ። ሰባት መሰሎም ክጠልቡ ከለዉ ከጥፍእን ክቐትልን ጸኒሑ እዩ። ንሓና’ውን ብሓይሊ ሒዝናዮ ኣለና። ግን ከምቲ ብሓይሊ ዝሓዝናዮ ክንቅጽል ኢና ኣይበልናን። እቲ ጉዳይ ብሕጊ ክፍረድ ንሓትት ኣለና።"
ስለዝዀነ እቲ ዘሎ ጸገም ብዕርቂ ይዅን ብኻልእ መንገዲ እንተተፈቲሑ፡ "ጉዳይ ከባብያዊ ምሕደራን መንነትን ብሕጊ ክፍታሕ ኣለዎ" ዝብል እምነት ከም ዘለዎ ገሊጹ።
ምስ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ንምዝርራብ ተገዳስነት ኣለዎ እንተዀይኑ ካብ ቢቢሲ ንዝቐረበሉ ሕቶ፡ “ጉዳይና ብዘተ እንተዘይኰይኑ ብኻልእ ክፍታሕ’ዩ ኢልና ኣይንሓስብን። ብሓይሊ ዝፍታሕ ነገር የለን" ብምባል ምስ ዝዀነ ኣካል ንምዝርራብ ድልው ምዃኑ ተዛሪቡ።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







