ካብ ወናኒ መዐደሊ ነዳዲ፡ ናብ ስእነት መዓልታዊ እንጀራ . . . ተመዛበልቲ ምዕራብ ትግራይ

ወይዘሮ ኣጸደ መብራህቶም ካብቶም ኣብ ሽረ ዝርከቡ ተመዛበልቲ ምዕራብ ትግራይ ሓንቲ እየን
መግለጺ ስእሊ, ወይዘሮ ኣጸደ መብራህቶም ካብቶም ኣብ ሽረ ዝርከቡ ተመዛበልቲ ምዕራብ ትግራይ ሓንቲ እየን

ኣቶ ቢነጋ ጉዕሽ፡ ካብቲ ምስ ዘፍቅራ በዓልቲ ቤቱን ደቁን ስሒቘም፡ በሊዖም - ሰትዮም ዝሓድርሉ ምውቕ ቤቶምን ካብቲ ከቢሮም ዝነብርሉ መረበቶምን ካብ ዝርሕቁ ነዊሕ ኰይኑ እዩ።

ኣቶ ቢነጋ፡ ሃብቱን ንብረቱን ኣስኢኑ ንዘይለመዶ ናብራ ከሕልፍ ኣገዲድዎ ዘሎ ብሰንኪ ኲናት ዝስዓበ ኵነታት “ስደት” ብምባል ይገልጾ።

24 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም [ግእዝ] ድሕሪ ዝተወልዐ ኲናት፡ ብ30 ጥቅምቲ ካብ ቤቱ ክወጽእ እንከሎ ዝነበረ ምዝንባል ሰባት፡ “ብጣዕሚ ዘሕዝን ማዕበል ስደት’ዩ ዝመስል ነይሩ” ብምባል ይዝክሮ።

“ተሰዲድና፤ ብመካይን ብእግርን ፈሊስና። የሕዝን . . . እቲ ህዝቢ ብሓንቲ ጸሓይ ብዓሰርታት ኣሽሓት ዝቝጸር ህዝቢ ወጺኡ” ብምባል ብዝተሰብረ ልቢ የዋግዕ።

ኣቶ ቢነጋ፡ ካብ ምዕራብ ትግራይ ተመዛቢሉ ኣብ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ናብ እትርከብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ምንባር ካብ ዝጅምር ኣስታት ሰለስተ ዓመታት ኰይኑ’ሎ።

እቲ ኲናት ግን፡ ንክልተ ዓመታት ክነውሕ’ዩ፣ ኣብ ማእከል ተመዛበልቲ ንነዊሕ እዋናት ክንጸንሕ ኢና ዝብል ግምት ኣይነበረንን፣ ብምባል ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝነበሮ ጻንሒት ይገልጽ።

“ግን፡ እቲ ሓዊ ድሕሬና እናስዓበ መጺኡ። ክሳብ ሕጂ ድማ ኣብ እንዳስላሰ ጸኒሕና።”

ድሕሪ ሕጂ ግን ናብ ከባቢኦም፡ ምዕራብ ትግራይ ክምለሱ እምበር ኣብቲ ንሕሰም ዘዘኻኽሮም ቦታን ኵነታትን ክጸንሑ ኣይደልዩን። “ናብ መረበትና ዘይመልሱና እንታይ ኢና ገይርና?” ብምባል ይሓቱ።

እዚ፡ ሕቶ እቶም ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ኣብ ውሽጢ ትግራይ ዘለዋ ዝተፈላለያ ግዝያዊ ማእከላት ተመዛበልቲ እዩ።

ነዚ ኣመልኪቱ ሎሚ ኣብ ርእሰ ከተማ ትግራይ መቐለን፡ ዓድግራት፡ ኣክሱም፡ ዓቢይ ዓዲ፡ ሽረን ካልኦት ከተማታትን እቲ ክልል ዝተፈላለየ ሕቶታት ዘልዓለ ሰላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ ኣሎ።

ስእሊ ኣብ ከተማ መቐለ ዝተኻየደ ሰልፊ ተመዛበልቲ

ምንጪ ስእሊ, TTV

ኣቶ ቢነጋ ኣብቲ ሰልፊ ጸኒሑ ናብቲ ከም ቦታኡ ተቐቢሉ ዝነብረሉ ክምለል እንከሎ ኢና ብተሌፎን ረኺብናዮ።

ንዕኡ፡ ጠለባትን ህልዊ ኵነታትን ተመዛበልቲ ምዕራብ ትግራይ፡ “ናትና ነገር፡ ከምቲ ዓውዓው ዝበሃለሉ ዝነበረ ደርፊ ካልእ ደርፊ ክወጽእ እንከሎ ድማ ዝርሳዕ እዩ ኰይኑ። እቲ ተመዛባሊ ክልተ ነገር’ዩ ኣብ ፈተና ኣውዲቝዎ ዘሎ፤ ንጠምን ንቘርርን ኣለና” ክብል ይዛረብ።

ንሱ ከም ዝብሎ፡ እቶም ኣብ ዝተፈላለያ መባእታውን ካልኣይን ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ ሽረ ዝርከቡ ተመዛበልቲ ምዕራብ ትግራይ፡ ንዝሓለፉ ሸሞንተ ኣዋርሕ ሰብኣዊ ረድኤት ኣይረኸቡን።

“ሰብ ምስ ጠበቕ፡ ኣንጭዋ፡ ምስ ተመን ይነብር ኣሎ። ሸሞንተ ወርሒ ምሉእ እኽሊ ኣይተዋህበናን። ከም ሰብ መዓልታዊ ክንበልዕ፡ ሓሚምና ክንሕከም ነይሩና። ግን እቶም ንሰብ ዝዀኑ መሰረታዊ ነገራት’ውን ክወሃቡና ኣይክኣሉን” ብምባል ሰብኣዊ ረድኤት ሓደ ካብ ጠለባት እቶም ሎሚ ዝተኻየዱ ሰልፍታት ከም ዝነበረ ሓቢሮም።

ኣብ ሽረ፡ ልዕሊ 18 ማእከላት ተመዛበልቲ ከም ዘለዋ ኣተሓባበርቲ እተን መሳለጥያታት ይዛረቡ።

ንኣስታት ሰለስተ ዓመታት ኣብ ማእከል ተመዛበልቲ ቤት ትምህርቲ ጸሃየ ተመዝጊቦም ኣብ ሽረ ዝነብር ዘሎ ኣቶ ቢነጋ፡ ቅድሚ እቲ ምኽንያት ሕጂ ዘማርርሉ ዘለው ኵነታት ምግጣሙ ብዛዕባ ዝነበሮ ህይወት ክነግረ ተወኪስናዮ።

ምናልባት ክዛረበሉ ስለ ዘይደለየ ክኸውን ይኽእል ኣብ መጀመርታ ሕቶና ከይመለሰ “መንግስቲ (ፈደራል) ዜጋታት ምዃንና ዝሓስብ እንተዀይኑ ናብ መረበትና ይምለሰና፤ ገዛ ኣለና ናብ ገዛና ክንኣቱ” ዝብል መልሲ ጥራይ’ዩ ሂቡ።

ደጊምና ኣቶ ቢነጋ፡ ቅድሚ እቲ ኲናት ዝነበረ ህይወትካ ግን እንታይ’ዩ ዝመስልን? ኢልና ሓቲትናዮ።

ሽዑ፡ ስምዒቶም ተቐይሩ፣ ድምጹን ሓሳቡን ክቈራረጽ ጀሚሩ።

ድሕሪ ነዊሕ ስቕታን እህህታን “ሕጂ ቁስለይ ኢኺ ትትንክፊ ዘለኺ . . . ምኽንያቱ እቲ ቃንዛ ብቓላት ኣይዝረብን። ስለዚ መታን ከይትሓትኒ እየ ንዅሉ ጠቕሊለ ነጊረኪ ነይረ፤ ብዙሕ በሰላ ኣሎ። ንሕና ከም ሰብ ከይኰነ ‘ኣንበሳን ዝብእን ተባኢሶም’ ተባሂሉ ዜና ምስ ዝስራሓሎም’ውን ማዕረ ክንርአ ኣይክኣልናን” ብምባል ንድሕረ ባይታኡ ክዋግዕ ጀሚሩ።

“ኣብ ሰቲት ሑመራ ሰለስተ መዐደሊ ነዳደ ኣለኒ፤ ሕጂ . . . ሰብ . . . ህዝብና ዝበልዖ ስኢኑ ቈጽሊ ይበልዕ፡ ኦም ይበልዕ፡ ፈሓምን ሓሙኽሽትን ይበልዕ ኣሎ፤ በቃ ንሱ’ዩ፤ ብዅሉ በሪስና ኢና። ካልእ ግን እንድሕር ደፊርኪ ኣይትሕተትኒ” ብምባል ተሌፎን ዓጸዎ።

ኣብ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ማይ ወይኒ እትርከብ ተመዛባሊት ኲናት ትግራይ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ማይ ወይኒ እትርከብ ተመዛባሊት ኲናት ትግራይ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ካብ ወረዳ ቃፍታ ሑመራ ጣብያ ባዕኸር ዝተመዛበለት ኣደ ኣርባዕተ ቈልዑ ዛይድ፡ ኣብ ከተማ መቐለ ክፍለ ከተማ ሚዘር ኣብ ዝርከብ 70 ካሬ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ግዝያዊ መዕቈቢ ተመዛበልቲ ትርከብ።

ንሳ፡ ሓንሳእ ናብ ሽረ ድሕሪኡ ድማ ናብ መቐለ ክትመዛበል እንከላ፡ ግዳይ ጾታዊ መጥቃዕቲ ካብ መንጐ ዝዀና ደቂ ኣንስትዮን ኣደታትን ሓንቲ እያ።

“ዓርሰይ ክኢለ ዝነብር ቤት መግብን ሆቴልን ዝነበረኒ ሰራሕተኛ ሰብ እየ፤ ሕጂ ግን ስራሕ ዘይብለይ ተጐሳቚለ ኣለኹ። እዚ ከይኣክል ምሉእ ሕክምና ኣይንረክብን። ኣብ ልዕሊኡ ጥምየት ኣሎ፣ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣይንረክብ፣ ህጻናት ክመሃሩ ኣይክእሉን፤ ብጥምየት ሰብ ተሳቕዩ፤ ብሽምና እዩ ዝሽቀጥ ዘሎ” ክትብል ብኣንጸርጽሮት ትገልጽ።

ኵሎም ደቃ ካብ 2012 ዓ.ም [ግእዝ] ጀሚሩ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ድሒሩ ድማ ብሰንኪ እቲ ምኽንያት ምምዝባል ሚልዮናት ዝዀነ ኲናት ካብ ትምህርቲ በዅሮም ብምህላዮም ድማ ትሓዝን።

“ዓሰርተ ሓደ ክፍሊ ክበጽሕ ዝግባኦ ወደይ ተሰናኺሉ ፈቘድኡ ኣብ ለመና ይውዕል ኣሎ። ወሃባይ ነይርካ ተቐባላይ ኴንካ’ውን ክትስእን ከለኻ፡ ብዙሕ ጥቕዓት በጺሑካ ኣእምሮኻ ቀሲኑ ክነብር ኣይክእልን። ደጊምስ መንግስቲ ናብ ቦታና ክመልሰና’የ ዝደሊ” ኢላ።

ሃለቃ ሃፍታይ ኣብርሃ ካብ ምዕራብ ትግራይ ተመዛቢሉ ኣብ ከተማ መቐለ ዝነብር ዘሎ ኰይኑ ኣብቲ ሎሚ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ ተሳቲፉ ነይሩ።

ቅድሚ ኲናት ኣብ ዝነበረ እዋን ኣብ እንዳባኒ፡ ምርባሕ ደርሁን ትካል ንግድን ብምውፋር ዝሓሸ ህይወት ይመርሕ ዝነበረ ሃለቃ ሃፍታይ ኣብ ምጅማር እቲ ኲናት “ካብ ሰራዊት ኤርትራ ይትኮስ ካብ ዝነበረ ከበድቲ ኣጽዋር ንምህዳም ናብ መቐለ ክንብገስ ከለና ኣብ ሑመራ ስለዝተትሓዝና ንሓደ ዓመትን ሰለስተ ወርሕን ተኣሲረ” ክብል ይዝክር።

ንሱ ከም ዝብሎ ድሕሪ እቲ ኣብ ፕሪቶሪያ ንዝተበጽሐ ስምምዕ ሰላም ንሱን ካልኦትን ካብ ማእሰርቲ ስለ ዝተፈትሑ ንሩባ ተከዘ ኣስጊሮም ሰጒጐምዎም።

“ብሓይልታት ኣምሓራ ኣብ ቤት ህንጸት ሑመራ ተኣሲረ ነይረ። ኣብኡ ስቅያት ኢና ኣሕሊፍና” ክብል ንዝሓለፎ ይዝክር።

ነዚ ኵነታት ሓሊፉ ከም ተፈናቓሊ ኣብ ከተማ መቐለ ዝነብር ዘሎ እዚ ኣብ ሓደ እዋን ንነብሱን ስድራኡን ኣብ ዝሓሸ መነባብሮ ዝመርሕ ዝነበረ ትግራዋይ፡ ካብ ማእሰርቲ ምስተፈትሐ ምስ 4 ደቁን በዓልቲ ገዛኡን ኣብቲ ኣብ ከተማ መቐለ ብልሙድ “70 ካሬ” እናተባህለ ዝጽዋዕ ከባቢ ኣብ ዝተደኰነ ግዚያዊ መዕቈቢ ተፈናቐልቲ እዩ ረኺብዎም።

“ኣብኣ ምስ ጸንሑኒ ክሳብ ሎሚ ኣብኣ ንነብር ኣለና። ካብ ዝመጽእ ጀሚሩ ረድኤት ኣይረኸብኩን። ንእሱራት ተባሂሉ ዝተወሃበና ረድኤት ኰነ ካልእ ሓገዝ የለን። ዝፈልጠና ሰብ እዩ ዝሕግዘና። ካብ መንግስቲ ኮነ ገበርቲ ሰናይ ግን ዝቐረበልና ነገር የለን” ይብል።

ኣብ ትግራይ ሚሊዮናት ተጸበይቲ ሰብኣዊ ረድኤት ከም ዝዀኑ ይፍለጥ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ትግራይ ሚሊዮናት ተጸበይቲ ሰብኣዊ ረድኤት ከም ዝዀኑ ይፍለጥ

ኣብቲ ሎሚ ሰሉስ ኣብ ከተማ መቐለ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ ዝተረኸበ ሃለቃ ሃፍታይ “ዓለም ንዅነታትና ክትርእይን መረበትና ዝሓዙ ሓይልታት ኣምሓራ ክወጽኡልናን ዝጽውዕ እዩ” ክብል የረድእ።

ናብ መረበቱ ተመሊሱ ብዛዕባ ክጽበዮ ዝኽእልን ንሱ ዝደልዮን ህይወት ዝምልከት ሓሳቡ ከካፍለና ዝሓተትናዮ እቲ ምስ ኣርባዕተ ደቁን ሰበይቱን ዝተፈናቐለ ውልቀሰብ፡ “ንብረትና ገና ኣብኡ ከለና እዮም ምውሳድ ጀሚሮም። ስለዚ ንብረትና ክጸንሐና ተስፋ ኣይንገብርን። ግን ድማ ጥራይ ናብ ቦታ ይምለሱና ሰሪሕና ክንልወጥን ክንዓብይን ኢና” ይብል።

ኣብ ሽረ ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ ኣወሃሃዲ ዝዀነ ተመዛባላይ ምዕራብ ትግራይ ጀንበር ግርማይ ብወገኑ፡ እቶም ተመዛበልቲ ኣብ ገበላታት ኣብያተ ትምህርቲ ከም ዝርከቡ፣ እቶም ቴንዳታት’ውን ብጸሓይን ንፋስን ተቐዲዶም ከም ዘለው እዩ ዝዛረብ።

ብቐንዱ፡ እቲ ሎሚ ዘካየድዎ ሰልፊ፡ እቲ ብክሲታት ስርቅን ምጥፍፋእን ተቛሪጹ ዘሎ ቀረባት ሰብኣዊ ረድኤት ንኽወሃቦም ምዃኑ ዝገልጽ ነጋዳይን ኣቦ ክልተ ቈልዑን መንእሰይ ጀንበር፡ ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ዘሕለፎ ህይወት ኣዝዩ ከም ዝኸብዶ ይገልጽ።

“ነጋዳይ እየ፤ ኣብ ሑመራ ናይ ባዕለይ መንበሪ ዝሰራሕኹ፣ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ዝግመት ሆቴል ዝነበረኒ፣ ዓቢይ ትካል ፕሮሞሽን ዝነበረኒ እየ። መነባብሮይ ኣብ ኢንቨስትመንትን ዝሓሸ ብርክን ነይሩ፤ ካብኡ ክንወጽእ እንከለና ግን ቅያር ክዳን ከይሓዝና ኢና ወጺእና” ኢሉ።

ንሱን ስድራኡን ናብቲ “ዓደይ” እናበለ ዝገልጾ ከባቢ ተመሊሱ ዳግም እግሪ ክተክል የመዓዱ።

“ምዕራብ ዓድና’ዩ፤ ካብኡ ካብ እንወጽእ ግን ሳልሳይ ዓመት ገይርና። ንብረተይ ኵሉ ተወሲዱ፣ ናይ ሆቴል ንብረተይ ተሸይጡ እዩ፤ ካሜራታትን ካልእ ናይ ቢሮ ንብረትን’ውን ከምኡ። ናይ መብዛሕትኡ ከምኡ’ዩ። ንሕና ሰሪሕና ናብ ንቡር ህይወትና ክንመለስ ዘይንኽእለሉ ምኽንያት የለን፤ ጥራይ ግን ብሓይልታት ኣምሓራ ዝግበር ዘሎ ስራሕቲ ደው ክብል ክኽእል፣ ተመዛባላይ ናብ ህይወቱ ክምለስ ኣለዎ” ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

እቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ተጀሚሩ ናብ ጐረባብቲ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ልሒሙ ዝነበረ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ኣብ ተመሳሳሊ ወርሒ 2022 [ኣ.ኣ] ኣብ መንጐ ህወሓትን መንግስቲ ፈደራልን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ፕሪቶሪያ ብዝተበጽሐ ስምምዕ ምቍራጽ ተጻብኦታት ደው ከም ዝበለ ይፍለጥ።

እቲ ስምምዕ፡ ካብ ሰራዊት ምክልኻል ፈደራል ወጻኢ ዝዀኑ ኣብቲ ኲናት ክሳተፉ ዝጸንሑ ሓይልታት ኣምሓራን ወጻኢን ካብ ትግራይ ክወጽኡን ተመዛበልቲ ናብ ንቡር ህይወቶም ክምለሱን ይጠልብ።

ምዕራብ ትግራይ፡ ካብቶም መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ሕቶ ይግብኣኒ ዘልዕለሎም ከባቢታት ትግራይ ሓደ ኰይኑ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር እቲ ክልልን ሓይልታቱን ከም ዝርከብ ይግለጽ።