መንግስቲ፡ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ምዕራብ ትግራይ ንዘውጽኡዎ ጸብጻብ ምላሽ ሂብሉ

ምንጪ ስእሊ, AFP
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ "ካብዚ ምድሪ ከነጥፍኣኩም ኢና'፡ ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነት ዝፍጸም ገበንን ምጽጻይ ዓሌትን ኣብ ምዕራብ ትግራይ" ብዝብል ኣርእስቲ ንዝተዳለወ፡ ጸብጻብ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ምላሽ ሂብሉ።
ኣብቲ ትማሊ ኣማስዩ ዝወጽአ መግለጺ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ትሕዝቶ እቲ ጸብጻብ ገለ ሕቶታት ዘልዐለ ኮይኑ፡ ብፍላይ ዝተሰናደአሉ መገድን ኣቀራርብኡን ጸገም ከም ዘለዎ ይነቅፍ።
እቶም ኣምነስትን ሂይማን ራይትስዎችን፡ ኣብ ጸብጻቦም ዝተጠቐሙሎም ብዙሓት ጉዳያት ድማ ሓቃውነቶም ኣብ ሕቶ ኣእትዩ ኣሎ።
ብቐዳምነት፡ ንጉዳያት ወሰን ዘልዕል እቲ መግለጺ፡ እዞም ጉዳያት ሕገ መንግስታዊ ስልጣን ብዘለዎ ኣካል ጥራይ ዝርኣዩ ጉዳዮት ምዃኖም ብምግላጽ፡ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ሂዩማን ራይትስ ዎችን "ኣብ ከምዚ ዓይነት ርእሰ ጉዳያት ፍርዲ ምሃቦም ቅንዕና ዝጎደሎ እዩ" ክብል ነቒፉ።
እቶም ትካላት ኣብ ጸብጻቦም፡ እቲ ኲናት ካብ ዝውላዕ ጀሚሩ ሰብ መዚ ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ፣ ፍሉይ ሓይልን ሚሊሻን እቲ ክልል ምስ ሓይልታት መንግስቲ ፌደራል ብምዃን ኣብ ምዕራብ ትግራይ "ምጽጻይ ዓሌት" ከም ዝፈጸሙ ከነረጋግጽ ክኢልና ይብሉ።
ብተወሳኺ፡ ኣብ መጀመርታ ኣዋርሕ እቲ ኲናት ኣብ ዝነበራ መዓልታት ኣባላት ሓይልታት ትግራይ'ዮም ዝብሃሉ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ማይ ካድራ ዝነበሩ ተወለድቲ ኣምሓራ "ገበናት ኲናት" ከም ዝፈጸሙ የዘኻኽር።
መንግስቲ፡ እቲ ጸብጻብ ንፖለቲካዊ ረብሓ ከም ዝውዕል ብምጥርጣር፡ "እቲ መርመራ ብኣግባቡን ብጥንቃቐን ዘይምክያዱ ዘርእን ተቐባልነት ዘይብሉን" እዩ ኢሉ።
ከምኡ'ውን እቲ ጸብጻብ ዓሌት ተኮር ትሕዝቶ ከም ዘለዎን፡ ንመንግስቲ ዘሻቕል ከም ዝኾነነን ሓቢሩ።
እዚ ብዝምልከት፡ ሚኒስትሪ ሓበሬታ እታ ሃገር "ሓደ ወገን ንምሕጓስ ኣብ ዝፍተነሉ እዋን፡ እቲ ገበናት ፍትሓዊ ብዘይኾነ መገዲ ዝተመቓቐለ ይመስል። እዚ ድማ ዓሌታዊ ጽልኢ ዘጋድድ ኮይኑ ጠንካራ ሃገር ንምፍጣር ዝግበር ዕርቂ ዘርሕቕ እዩ" ኢሉ።
ከምኡ'ውን እቲ ጸብጻብ ስምዒት ዝትንክፍ ተገይሩ ዝቐረበን ሓቃውነት እቶም ርኽበታት ዘጠራጥር'ውን ይብል።
እቲ ንሓደ ወገን ጥራይ ዝወቅስ ዝበሎ እቲ መግለጺ፡ 'ሰብኣዊ መሰላት ንምኽባርን ሰላም ንምምጻእን ኣይጠቕምን' ክብል ቅርታኡ ገሊጹ።
'እቶም ኣብቲ ጸብጻብ ዝሰፈሩ መሰኻኽር ዓይኒ ናይ ሓደ ወገን እዮም' ዝብል ነቐፌታ'ውን ይርከቦ።
እቲ ብኽልቲኦም ዓለምለኸ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ዝተሰነደአ ጸብጻብ፡ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ዝተጸንዐ ኾይኑ፡ ልዕሊ 400 መሰኻኽር ዓይንን ውጻእ መዓትን ምስክርነት ከም ዝሓዘ ይገልጽ።
እቲ ኲናት ቅድሚ ምጅማሩ፡ ብኣምነስቲ ተሰሪሖም ዝነበሩ ጸብጻባት ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት'ውን ኣተሓሒዙ ኣሎ።
ከምኡ'ውን፡ ኣብ ሱዳን ኣብ መዓስክር ስደተኛታት ዝርከቡ ስደተኛታት፣ ብኣካል ስፍሕ ዝበለ ቃለ መሓትት ከም ዝተገብረ፡ ካብ ምዕራብ ትግራይ ምስ ዝተመዛበሉ ተወለድቲ ትግራይ ከምኡ'ውን ተወለድቲ ኣምሓራ ካብ ከባቢ ወልቃይት ከም ዘዘራረቡ ገሊጾም።
ኣብቲ ዞባ፡ ዘራእትን ጥሪትን ተጋሩ ከም ዝተዘምታን መንበሪ ኣባይቶም ከም ዝተወረሰን ምንጪ መነባብሮኦም ዝነበሩ ከም ዝዓነውን ይሕብር።
ኣብቲ ጸብጻብ፡ ጸብጻባት ሕክምናን ፎረንሲክን፣ ምስልታት ሳተላይት፣ ተንቃሳቓሲ ምስልታትን ኣሳእልን ከም መረዳእታ ከም ዝተጠቐሙ ሓቢሮም።
ብተወሳኺ፡ ታሪኽን ዓውድን እቲ ግዝኣት ንምርዳእ ኣድላይ ዝበሃሉ ሰነዳት ታሪክ፣ መዛግብቲ፣ መጻሕፍትን ውሳነታት መንግስትን ከም ዝተመልከቱ'ውን ሓቢሮም።
ክልቲኦም ትካላት ናብ ትግራይ ከይዶም መጽናዕቲ ከካይዱ ሕቶ ኣቕሪቦም እንተነበሩ'ኳ፡ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምላሽ ከም ዘይረኸቡ ጠቒሶም።
ኣምነስቲ ኣብ ጉዳይ ሓበራዊ ጸብጻብ ሰብኣዊ መሰላት
መግለጺ መንግስቲ፡ እቲ ጸብጻብ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ኢትዮጵያን ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራን ፍትሓዊ ዘይኮነ 'መጸለምታ' ከም ዘቕረበ እዩ ዝገልጽ።
መንግስቲ ነቲ ጸብጻብ ሙሉእ ንሙሉእ ከም ዘይነጸጎ ዘርኢ እቲ መግለጺ፡ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ገበናት ዝፈጸሙ ውልቀሰባትን ጉጅለታትን ግን ብሕጊ ክሓትት ምዃኑ ጠቒሱ።
መንግስቲ፡ ነቲ ብኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላትን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ዝተዳለወ ሓበራዊ ጸብጻብ ሰብኣዊ መሰላት፡ ንምትግባር ኮሚቴ ኣጥይሹ ይንቀሳቐስ ምህላዉ ከም ኣብነት ገይሩ ይጠቅስ።
ኣምነስቲ፡ እቲ ሓበራዊ ጸብጻብ ሰብኣዊ መሰላት፡ መርመርቱ ናብ ከተማታት ሑመራ፣ ማይካድራን ዳንሻን ከይዶም ምርኣዮም'ኳ እንተጠቐሰ፡ ክካተቱ ዝግበኦም ተጋሩ ስደተኛታትን ተመዛበልትን ከይሓተተ ዝተዳለወ ብምዃኑ ዘይተማልአ ጸብጻብ ምዃኑ ገሊጹ።
ክልቲኦም ዓለምለኸ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣብ ዘውጽእዎ ጸብጻብ ካብቲ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ዘካየዱዎ ጸብጻብ ኣፈላላይ ከም ዘለዎም፡ ካብዚ ሓደ፡ ሓይልታት ኣምሓራን ሰብ ስልጣንን ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ትግራይ ዘብጽሕዎ ሽበራ፣ ግፍዕን በደለን፤ ጾታዊ ዓመጽን ዘየካተተ ከም ዝኾነ ኣብሪሁ።
ብፍላይ ድማ፡ ሓይልታት ጸጥታ ኣምሓራ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ተጋሩ ዘብጽሕዎ ጃምላዊ ጾታዊ ዓመጽን ጾታዊ ባርነትን ኣየካተተን ብምባል፡ ካብቲ ናታቶም ሪፖርት ብመሰረቱ ዝፍለየሉ ኣገባብ ምህላው ኣመልኪቱ።
ኣምነስቲ፡ ኣብቲ ዞባ ዝተዋፈሩ ሓይልታት ጸጥታ ኣምሓራ ኣብ ትሕቲ ሓድሽ ምምሕዳር ኣምሓራን ኣመሓደርቲ ወልቃይትን ብምዃን ካብ ፍርዲ ወጻኢ ንዝተፈጸሙ ቕትለታት፣ ጾታዊ ዓመጽን ካልኦት ተግባራት ጾታዊ ጎነጽን ተሓተትቲ ይገብር።
እዞም ብዓለምለኻዊ ሕጊ ዝተኸልከሉ ገበናት ኲናትን ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ክኾኑ ዝኽእሉ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ክፍጸሙ ንዝገበሩን ንዝፈጸሙ ዝበሎም፡ ንጉጅለ ፋኖሓዊሱ፡ መንግስቲ ነዞም ኣወዳድባታት ከፍርስን ተሓተቲ ክገብር ኣለዎ ይብሉ።
ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ሂዩማን ራይትስዎችን፡ ኣብቲ ከባቢ ከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ጠጠው ንምባል ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝምራሕ ዓቃቢ ሰላም ኣብ ምዕራብ ትግራይ ክዋፈር ሓቲቶም ኣለው።
እዚ ኣብቲ ከባቢ ሰብኣዊ መሰላት ክሕሎ፣ ሰብኣዊ ረድኤት ክበጽሕን ኣብ ትግራይ ኣብ ሓደጋ ዝወደቑ ሰባት ንምድሓንን ኣገዳሲ ስጉምቲ እዩ ኢሎም።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







