ሳምሶን ተኽለሚካኤል፡ ደሃዩ ዘይተረኽበ ኣብ ጐደናታት ናይሮቢ ዝተጨውየ ኢትዮጵያዊ

ቅድሚ ኣርባዕተ ኣዋርሕ - ሕዳር ዝሓለፈ ዓመት፡ ብሞባይል ካሜራ ተቐሪጹ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያታታት ኬንያ ብብዝሒ ዝተሰጋገረ ቪድዮ፡ ሳምሶን ተኽለሚካኤል ዝተባህለ ኢትዮጲያዊ ነጋዳይ፡ ብቐትሩ ኣብ ጐደናታት ኬንያ ተጨውዩ ክውሰድ እንከሎ ዘርኢ ነበረ።
እቲ ፍጻመ፡ ኣብ ማእከል ሓደ ጐደና፡ ጥቓ ንግዳዊ ማእከል ናይሮቢ ዘጓነፈ ኰይኑ፡ ሳምሶን ካብ መኪናኡ ብሓይሊ ተደፊኡ ክወርድን፡ ኣብ ካልእ ሽዑ ንሽዑ ብናህሪ ዝተሰወረት መኪና ተደፊኡ ዝስቀልን እንከሎ ኣብቲ ቪድዮ ይርአ።
ኣርባዕተ ዋርሕ ድሕሪ'ዚ ፍጻመ ግን፡ ብዛዕባ ኵነታትን ሃለዋትን ሳምሶን ክነግር ዝኽእል ሰብ ሓደ'ኳ ኣይተረኽበን።
ሰበስልጣን ኢትዮጲያን ቤተሰቡን፡ ብዛዕባኡ ዝዀነ ካብ ትካል ጸጥታ ኬንያ ዝተነግሮም ዛጊት የለን።
በዓልቲ ቤቱ ሚለን መዝገቦ ኣብ ከቢድ ጭንቀትን ጓህን ወዲቓ ትርከብ። ንሳ ከም ዝበለቶ፡ እቲ ፍጻመ ንመላእ ቤተሰብ ዘሰንበደ እዩ ነይሩ።
ደቁ ብዛዕባ ኣቦኦም ብቐጻሊ ይሓቱ፣ እቲ ቪድዮ ድማ፡ ነቲ መዓልታዊ ዝነብርዎ ዘለው ዘይውሑስ ህይወት ዘኻኽሮም ኰይኑ'ሎ።
"ደቀይ፡፣ ነቲ ኣቦኦም እናትደፍአ ካብ መኪናኡ ክወርድን ብኻልእ መኪና ክውሰድን ዘርኢ ቪድዮ ስለ ዝረኣይዎ ስነኣእምሮኣዊ ማህሰይቲ ፈጢርሎም እዩ። ሓንሳእ ኣብ መደበር ፖሊስ ኪልማኒ ቃለይ ምስ ሃብኩ፡ ብድሕረኡ ምስ ሓለፍቲ ፖሊስ ክዘራረብ ኣይከኣልኩን" ትብል።
ኣቶ ሳምሶን ተኽለሚካኤል፡ ንልዕሊ 16 ኣዋርሕ ማእከል ሕድሕድ-ኲናት ኢትዮጲያ ኰይና ካብ ዘላ ትግራይ ዝውለድ እዩ።
ንሱ፡ ኣብ መንጐ ኢትዮጲያን ኬንያን ዝግበር ንግዲ ነዳዲ ዝተዋፈረ ነጋዳይ እዩ። ኣብ ኬንያ ኸኣ ንዝሓለፈ 17 ዓመታት ምስ ስድራቤቱ ክነብር ጸኒሑ።
መንግስቲ ኢትዮጲያ፡ ንሃለዋት ሳምሶን ዝግበር መርመራ ክቀላጠፍ ንኬንያ ተማሕጺኑ'ሎ።
መንግስቲ ኬንያ ብዛዕባ'ዚ ጕዳይ መርመራ ይገብር ከምዘሎ ከም ዝገለጸን፣ ክንዮኡ ግን ዝዀነ ዝርዝር ሓበሬታ ከም ዝሃበን ኣምባሳደር ኢትዮጲያ ኣብ ኬንያ ኣቶ መለስ ኣለም ገሊጹ።
"ንኤምባሲ ዝተዋህበ መልሲ፡ እቲ ብፖሊስ ዝካየድ ዘሎ መርመራ ክሳብ ዝውዳእ ክንጽበ እዩ። ተወሳኺ ሓበሬታ ክወሃበና ንጽበ ኢና ዘለና፡" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
መንግስቲ ኬንያ፡ ነዚ ጕዳይ ዝምልከት ብቢቢሲ ንዝቐረበሉ ሕቶ ኣይመለሰን ዘሎ።

ትካላት ሰብኣዊ መሰላት ኬንያ ከም ዝገለጽኦ፡ ዝሓለፈት ዓመት ኣብ ታሪኽ ታ' ሃገር፡ ካብ ዝዀነ እዋን ንላዕሊ፡ ጭውያን ምስዋርን ውልቀሰባት ብብዝሒ ገኒኑ ዝተራእየላ ዓመት እያ።
ፖሊስ ኬንያ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ጭውያን ምስዋርን ሰባት ኢድ ከም ዘለዎ ይኽሰስ። ኣፈኛ ፖሊስ ኬንያ ብሩኖ ሺዮሶ ግን ነዚ ክሲ ይነጽግ።
ብኣንጻሩ፡ ፖሊስ ብዛዕባ ሃለዋት ሳምሶን ከም ዘይፈልጥን፡ ብወገኑ ነቲ ጕዳይ ይምርምሮ ከም ዘሎን ገሊጹ።
"ንሕና ኣብዚ ዘለና'ኮ፡ ህዝቢ፡ ኵሎም ዜጋታትን ዝዀነ ኣብ ክሊ ግዝኣት 'ዛ ሃገር ዘሎን ሰብ ድሕነቱ ንምሕላው እዩ። ሰባት፡ ከምዚ ማእሰርቲ ዝመስል ነገር ቀሊል ክመስሎም ይኽእል እዩ። ዝተፈላለየ ሜላታት ዘለዎ ኣመና ረቀቕቲ ገበነኛታት ኣለውና። ስለዚ [ኣብዚ ጕዳይ ኢድ ዘለዎ] ፖሊስ ኣይኰነን፣ ፖሊስ ክኸውን'ውን ኣይግብኦን፡" ኢሉ።
ኣብቲ ሳምሶን ክጭወ እንከሎ ዘርኢ ቪድዮ፡ ፖሊስ ትራፊክ ይርአ እዩ።
ሚስተር ብሩኖ ብዛዕባኡ ክዛረብ እንከሎ፡ ኣባሎም ምዃኑ ከም ዘለለዩን፣ እንተዀነ ንግቡእ ስራሕ ወፊሩ ከም ዝነበረን፣ "ካብ መንግስታዊ ኣብያተ ጽሕፈት መልኽትታት ይቕበልን፡ ከም ሓደ ግቡኡ ዝገብር ፖሊስ ከኣ፡ እቲ ዝተፈጥረ ዕግርግር እንታይ ምዃኑ ክሓትት ጥራይ ኣብቲ ቦታ ቈይሙ ነይሩ፡" ድሕሪ ብምባል፡ "እቲ ኣባል ፖሊስ ንኽሕግዝ ወይ ንኽኣስር ኢሉ ኣይኰነን ኣብቲ ቦታ ዝነበረ" ክብል የነጽር።
ኣብ ዝሓለፈ ቐረባ ሳምንቲ፡ ገለ ኣብ ኬንያ ዝነብሩ ኢትዮጲያውያን፣ ነጣጠፍቲን፡ ቤተሰብ ሳምሶንን ንሃለዋቱ ዝሓትት ናብ መንግስቲ ኬንያ ዝቐንዐ ሰልፊ ኣካይዶም ነይሮም።
እንተዀነ ክሳዕ ሕጂ፡ ዝዀነ ዝተባህለ ነገር የለን።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







