ንመጭወይቲ ኢትዮጵያዊ ነጋዳይ ሳምሶን ተ/ሚካኤል ዝቃወም ሰልፊ ኣብ ኬንያ ተኻይዱ

ኣብ ርእሰ ከተማ ኬንያ ናይሮቢ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን፡ ንመጭወይቲ ኢትዮጵያዊ ነጋዳይ ብምቅዋም ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።
ኣቶ ሳምሶን ተክለሚካኤል ቅድሚ ሰለስተ ወርሒ ፖሊስ ከኾኑ ከምዝኽእሉ ብዝጥርጠሩ ሰባት ቀትሪ መዓልቲ ካብ መኪንኡ ተወሲዱ።
ንሱ፡ ዛጊድ ኣበይ ከምዘሎ ከምዘይተፈልጠን ኣብ ኬንያ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ሃለዋት እቲ ኢትዮጵያዊ ሓበሬታ ክወሃቦ ሓቲቱ ኣሎ።
እቲ ኢትዮጵያዊ ነጋዳይ ኣብ ኢንዳስትሪ ነዳድን ጋዝን ከምዝነጥፍ ዝተገለጸ ኮይኑ፡ ካብ ኣኼባ ወጺኡ እንተኸይድ እዩ መንነቶም ብዘይተፈለጡ ሰባት ተወሲዱ።
ኣብቲ እዋን ኣቶ ሳምሶም ኣብ ከተማ ናይሮቢ ክሌሌሸዋ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ከባቢ ኣብ ማእከል ትራፊክ ጠጠው ኢላ ካብ ዝነበረት መኪንኡ ስቪል ብዝተኸድኑ ሰባት ብሓይሊ ተደፊኡ ክወጽእን ክዳን ትራፊክ ፖሊስ ዝተኸድነ ሰብ ክተሓባበሮምን ዘርኢ ምስሊ ተዘርጊሑ ቀንዩ ነይሩ።
ኣብቲ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝተዘርገሐ ምስሊ፡ ኣቶ ሳምሶን ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ሰባት እቲ ኩነታት ብቪድዮ ክቐድሕዎ ክምሕጸን ይስማዕ።
ካብ ሽዑ መዓልቲ ጀሚሩ ድሃዩ ከም ዘይተፈልጠን ኣብ ኢድ መን ኣሎ ዝብል ሓበሬታ ከም ዘይብላን በዓልቲ ቤቱ ወይዘሮ ሚሊየን ሓለፎም ቅድሚ ሰሙናት ንቢቢሲ ገሊጻ ምንባራ ዝዝከር እዩ።።
"ናብ ገዛ ዝምለሰሉ ሰዓት እዩ ነይሩ፤ ቴሌፎን ደዊሉ ዘይፈልጦም ሰባት ከም ዝጨወዩዎን ናብ የዕርኽቱ ደዊለ ክነግሮምን ምስ ሓበረኒ ቴሌፎን ተዓጽያ። ድሕሪኡ ክረኽቦ ኣይክኣልኩን። ፖሊስ ንክፈልጥ ኩሉ ነገር ገይርና ክሳብ ሕጂ ግን ዋላ ሓደ ኣንፈት የብሉን" ትብል።
እቲ ጉዳይ ናብ መደብር ፖሊስ ኪሊማኒ ሪፖርት ዝተገብረ ኮይኑ፡ ሓላፊ እቲ መደብር ፖሊስ ኮማንደር ኣንድሪው ሙቱሪ ክኢላታት ዳይሬክተር መርመራታት ገበን [ዲሲኣይ] ይምርምሩዎ ከም ዘለው ንማዕኸናት ዜና እታ ሃገር ሓቢሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







