ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ንመሐብሐቢ ኣደታት ሓገዝ ወፍዮም

ኣደይ ሮዚና

ኣብ መቐለ ዝዓበየት ኣስቴር ገብረታትዮስ: ገና ቆልዓ እንከላ ኣትሒዛ: ምስ ስድራኣ ን15 ዓመታት ኣብ ስራሕቲ ውፅኢት ጣውላ ትሰርሕ ነበረት።

ካብ እንዳ ጣውላ ነጢራ ናብ ቤት ትምህርቲ እንዳ ስእሊ ኣትያ። ሰልጢና: ናይ ባዕላ ቤት ስእሊ ወኒና ሓድሽ ስራሕ ጀመረት።

ኣስቴር፡ ኣብ ፍቖዶ መንገዲ ምሒር ዝተፀገማ ኣደታት እናረኣየት ንበይና ጥራይ ምንባር ኣይመረፀትን።

ነቲ ተካይዶ ዝነበረት ክቡር ሞያ ጠንጢና፡ ዝያዳ ናብ ዘሐጉሳ ስራሕ ምግባረ ሰናይ ወፊራ።

ካብ ብቐደሙ "ተማቒልካ ምብላዕ ኣየድክን" ዝብል መምርሒ ህይወት ኣብ ልባ ዝቋፀረት ኣስቴር፡ ቅዱስ ሚክኤል መሐብሐቢ ኣረጋውያን ብምባል ዝሰየመቶ ማእከል ኣጣይሻ።

ኣብ ከተማ መቐለ ቀበሌ 11 ብዝብል ኣብ ዝፍለጥ ስፍራ: ኣብ እንዳ ዓዲ ሕማኣ: እንዳ ግራዝማች በቀለ 13 ኣደታት ምሕብሓብ ጀመረት።

በዓልቲ እንዳኦም ንግራዝማች በቀለ: ነብስሄር ጥሩወርቅ: መፀግዒ ንዝሰኣና ኣደታት ኣብ ገዛአን የሕድራ ነይረን። ኣስቴር እውን ብሓዳር ናብቲ ስድራ ምስ ተሓወሰት: ነቲ ቅዱስ ተግባር ወሪሳ ኣቐፀለቶ።

ኣደይ ሮዚና ኣፈወርቂ ምስ ካልኦት መሓዙታ

ምንጪ ስእሊ, Aster

ምሕብሓብ ካብ ትጅምር: ደጊም ኣርባዕተ ዓመታት ኣቑፂራ። ኣብቲ ማእከል ካብ 70 ክሳብ 110 ዕድመ ዝገበራ ኣደታት ይርከባ።

"በዓል ቤተይ ኣማኑኤል በቀለ: ካብ ወለዱ እናረኣየ ዝዓበየሉ: ንኣረጋውያን ምሕብሓብ : ኣነ ምስቀፀልኩሉ እውን ሰናይ ተግባር ስለዝድግፎ: ኣብ ጎነይ ጠጠው ኢሉ" ብምባል ግደ ፍንፃሕ መሰንገላ ትገልፅ።

ኣብ መረባ እንዳ ግራዝማች በቀለ: ዝኣተዋ ኣደታት በበይነን ዝድቅሰሉ ክፍልታት ኣይነበረንን።

ደሓር ማሕበር መናእሰይ ቀበሌ 11 ካብ ሰብ ሃብቲ: ገንዘባዊ ሓገዝ ብምትእኽኻብ ነቲ ኣብ ውሽጢ እቲ መረባ: ንነብሲወከፍ ኣደ ዝኣክል መንበሪ ቤት ሃኒፆምለን።

"ኣነ መፅለሊ ብቆርቆሮ (ዚንጎ) ሰሪሐ እየ ጀሚረዮ:: ነገር ግን ኣብዚ ከይገለፅክዎ ክሓልፍ ዘይደሊ ብኣተሓባባርነት ሓውና ምዕራፍ ካሳ: ማሕበር መናእሰይ ቀበሌ 11 እዘን ገዛውቲ ንኽስርሓ ካብ ሰብ ሃብቲ ገንዘብ ኣኪቦም ሓጊዞምኒ እዮም።

ወናኒ ኣደ ማእከል ሕክምና ዶ/ር ሳምሶን ሙሉጌታ ድማ ንኹለን ዓራት ምስ ፍርናሹ ኣምፂኡለን። ካልኦት ኣስማቶም ዘይዝክሮም መናእሰይ እውን ኣንሶላን ኮቦርታን ኣወፍዮም:: ንኹሎም ካብ ልቢ እየ ዘመስግን"።

ማህሌት ኣረጋዊን ቤቴልሄም ኣባይን ዝበሃላ ግዱሳት እውን ካብ ደገ እናመፃ ነተን ኣደታት ክዳውንተንን ነብሰንን ይሓፅበአን: ጨጉረን ይቑንነአን: ፅፍረን ይኸልአአን የፃውተአን:: "ካብትን ኣደታት ሓንቲ እንተሓሚማ እኳስ እዘን ኣሓተይ እየ ኣብ ጎነይ ጠጠው ዝብላ " ብምባል ትገልፅ።

ካብዚ ወፃኢ እተን ኣደታት: ኣስቴር ኣብ ውሽጢ ስድራኣ ዝርካቡ ዝብላዕን ዝስተን ተማቒለን ከም ኣባላት ስድራ ይነብራ።

ወይዘሮ ሮዚና ኣፈወርቂ: ኣብ ኣስመራ ኣኽርያ ተወሊደን ዓብየን:: ንእሽተይ ቤት ምግቢ ከፊተን ይሰርሓ ነይረን። ክልተ ደቀን ብሞት ተመንጢለን። ናብ ትግራይ መቐለ ምስ መፀኣ ድማ: ንሰለስተ ሓዳር ዘይብሎም ሰባት ነናብ ገዛውቶም እናኸዳ ምግቢ ይሰርሓሎም ነበራ።

ኣደይ ሮዚና ኣፈወርቂ ምስ ካልኦት መሓዙታ

ምንጪ ስእሊ, Aster

ብድሕሪኡ ወዲቐን እግረን ስለዝተሰብራ: እርጋን ተወሲኽዎ ሰሪሐን ክበልዓ ኣይከኣላን:: ኣብዚ እዋን ሓንቲ ካብተን ኣስቴር ትሕብሕበን ኣደ ኮይነን ኣለዋ።

"ኣነ ንኣስቴር ክትድግፍዋ እየ ዝደሊ እምበር ፅቡቕ ኣለኹ:: ክትረድእዋ: ኣጆኺ ክትብልዋ እየ ዝደሊ:: ንሕና ካብኣ ኢና ንፅበ: ንስኻትኩም ከኣ ርድእዋ" ብምባል ንህዝቢ ፀዊዐን።

ኣስቴር እውን ቅድሚ 7 ኣዋርሕ ምስ ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዘካየደቶ ቃለ መሕትት: እተን ኣደታት ኣብ ምሕብሓብ ብፍላይ ቀለብ ከምዝሓፅራ: ዝሕግዛ ስኢና ኣብ ከቢድ ፀገም ከምዝወደቐት ህዝቢ ክሕግዛ ተማሕፂና ነይራ።

እተን ዝሕብሐባ ኣደታት ኣብ ከቢድ ፀገም ከምዘለዋ ዝፈለጡ ኣብ መላእ ዓለም ዝነብሩ: ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ልዕሊ ፍርቂ ምልዮን ብር (560,000) ኣበርኪቶም። ስልኪ ብምድዋል ንኣስቴር ኣተባቢዖምዋ። ኣብዚ እዋን ተስፋ እተን ኣደታት ድማ ለምሊሙ።

ኣደይ ሮዚና ኣፈወርቂ ምስተን ትሕብሐበን ኣደታት

ምንጪ ስእሊ, Aster

ኣስቴር: ሓንቲ ኣደ ብሞት ስለ ዝተፈለየት ብሓዘን ትጥወፍ። ምሕብሓብ ካብ ትጅምር ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመታት እኳስ ኣርባዕተ ኣደታት ብሞት ተፈልየናኣ።

ኣብቲ ዘለናዮ እዋን ለበዳ ኮሮናቫይረስ ድማ ሰባት ኣጆኺ ይብልዋ ኣለዉ:: ጉጅለ ሓኾትርቲ ትግራይ ወርሓዊ ቀለብ: ንፅርየት ዘድልዩ ናውቲ ብምዕዳግ ረዲኦም እዮም። ኣውደኣመት መፀ: ንመውዐሊ ኣውደኣመት ዝሕግዙ ወገናት እውን ኣለዉ።

ናብቲ ዘላቶ ገዛ ብምኻድ እውን ኣጆኺ ብምባል ዘበራትዕዋ ኣለዉ።

ኣስቴር ገብረታትዮስ: ደጊም ነቲ ተዋህሊሉ ዘሎ ገንዘብ መወራወሪ ብምጥቃም: ይውሓድ ይብዛሕ እቶት ዘርክብ ስራሕ ክትሰርሐሉ መዲባ ኣላ:: ካብ ሕዚ ንደሓር ገፅ ሰብ ከይረኣየት: ከይለመነት ባዕሉ ንባዕሉ ዝኽእል ፍልፍል እቶት ክትምህዝ ኣብ ምሽብሻብ ትርከብ።

ንኹሎም ዘዝካኣሎም ገንዘብ: ንብረትን ቀለብን ንዘበርከቱ ድማ ልዑል ምስግና ኣቕሪባ።

መግለጺ ቪድዮ, ኣላዪ ንዘይብለን ኣደታት ኣብ ገዛኣ ትሕብሕብ ግድስቲ