ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣብ ባህርዳር፡ ‘ብዘይካ ሰላም ካልእ ኣማራጺ የለን’
![ኣቶ ጌታቸው ረዳን ዶ/ር ይልቃል ከፋለን [ካብ ጸገም ናብ የማን]](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/640/cpsprodpb/4a31/live/78ae4180-0900-11ee-ae52-8b394f7c9da3.jpg.webp)
ምንጪ ስእሊ, AMC
ግዝያዊ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ፡ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ዝመርሖ ልኡኽ ካብ ሰንበት 11 ሰነ ጀሚሩ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዑደት ዘካይድ ዘሎ ኰይኑ፡ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ እቲ ክልልን ዓበይቲ ዓዲ ርእሰ ከተማ ባህርዳርን ተራኺቡ፡ ኣብ ጉዳይ ሰላም ክልቲኡ ህዝቢታት ከም ዝተዘራረበ ተሓቢሩ።
ድሕሪ ውዕል ፕሪቶርያ፡ እቲ ንክልተ ዓመት ዝቐጸለ ደማዊ ኲናት ደው ምባሉን ነገራት ቀስ ብቐስ ናብ ንቡር ይምለሱ ከምዘለዉን ክርአ ጸኒሑ እዩ።
ኣብ መወዳእታ ታሕሳስ 2022፡ ብ ኣፈጉባኤ ኣቶ ታገሰ ጫፎ ዝምራሕ ጕጅለ ልኡኽ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ትግራይ ዑደት ብምክያድ ዝጀመረ ምብጻሕ፡ ዝተፈላለዩ ሰበስልጣን ፈደራልን ክልላትን ናብ ትግራይ ክበጽሑን ደገፋቶም ክገልጹን ጸኒሖም እዮም።
ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ዶክተር ይልቃል ከፋለ፡ ካብቶም ናብ ትግራይ ገይሾም ኣብቲ ክልል ዝወረደ ዕንወት ዝተዓዘቡ ኣመሓደርቲ ሓደ ኰይኑ፡ ኣብ መንጐ ክልቲአን ክልላት ዘሎ ምስሕሓብ ብሰላም መዕረፊ ይረክብ ይኸውን'ዩ ዝብል ኣፋፍኖት ፈጢሩ ነይሩ።
ከም መቐጸልታ ናይዚ ድማ፡ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝመርሖ ጕጅለ፡ ድሕሪ 2020 ንፈለማ ግዜ ናብቲ ኣብ ኲናት ትግራይ ፍሉይ ሓይሉ ምስ ሰራዊት ፈዴራል ዘሰለፈን ዘካትዕ ዘሎ ግዝኣት ምዕራብ ትግራይ ተቖጻጺሩ ዝርከብን ክልል ኣምሓራ፡ ዝበጽሕ ዘሎ ዝለዓለ ኣካል ክልል ትግራይ እዩ።
ኣብዚ ኣጋጣሚ፡ ምስ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ዶክተር ይልቃል ከፋለ ብሓባር ብምዃን፡ ምስ ወከልቲ ህዝቢ ባህርዳር ዘተ ዘካየዱ ኰይኖም፡ "ድሌትን ቈራጽነት እቶም ላዕለዎት መራሕቲ ንሰላም ማዕረ ክንደይ እዩ?" ዝብል ሕቶ ከምዝተልዓለ መራኸቢ ብዙሃን እታ ክልል ጸብጺበን።
“እቲ ህዝቢ ብዓንተዎኡ’ውን ካብ ኲናት ጥፍኣት እንተዘይኰይኑ ዝዀነ መኽሰብ ከም ዘይርከብሲ ይፈልጥ ነይሩ እዩ፡” ዝበለ ኣቶ ስማቸው ንጋቱ ዝተባህሉ ሓደ ካብ ነበርቲ ባህርዳር፡ ነቲ ብእምነት፡ ባህሊ፡ መንነትን ጕርብትናን ሓደ ዝዀን ህዝቢ ምፍላይ፡ 'ነዚ ዘለነዮ ቅልውላው ሸሚሙና'፡ ብምባል ኣስተንቲኑ።
'ካብቲ ዝሓለፈ ዕንወት ክንምሃር እዩ ዝሕሸና' ብምባል፡ ነቲ ዘሎ ፍልልያት ብሰላማዊ መገዲ ንምፍታሕ ግን ማዕረ ክንደይ እዩ እዚ መሪሕነት ቅሩብነት ዘለዎ ክብል ሓቲቱ።
ካልእ ነባሪት ባህርዳር ዝዀነት ወ/ሮ የዝቡጥላ ካሳ፡ ምስቲ ኣብ 2011 ዓ.ም [ግእዝ] ንመቐለ ዝተጓዕዘ ልኡኽ ሰላም ምንባራ ብምጥቃስ፡ 'እቲ ሽዑ ተበጊሱ ዝነበረ ኣማራጺታት ሰላም ግዲ ከይተዋህቦ ንጐድኒ ተደፊኡ፡ ነዚ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ዝኸፈልናዮ፡ ሰብኣዊ፡ ነገራውን ስነኣእምሮኣውን ቅልውላው ኣቃሊዑና' ኢላ።
ወ/ሮ የዝቡጥላ ወሲኻ፡ “ሕጂ ኸ ነዚ ዝጅመር ዘሎ ተበግሶ ሰላም ኣብ ምዕራፉ ንምብጻሕ፡ ብሓቂ ድሉዋት ዲኹም?” ክትብል ሕቶ ኣልዒላ።
እታ ወይዘሮ፡ እቶም ዘለዉ ፍልልያት ንምጽባብ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዘለዎ ድሉውነትን ዝኸዶ ዘሎ ርሕቀትን ወሲካ ሓቲታ።
ኣብ ዝቐረበ ሕቶታት ምላሽ ዝሃበ ግዝያዊ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ዋጋ ዘይክፈሎ መገዲ ሰላም እናሃለወ፡ ብሰንኪ ግጭት ፖለቲከኛታት ከቢድ ዕንወት ከምዝወረደ ተዛሪቡ።
“ፍልልያት’ኳ እንተነበረ፡ ንሱ ግን ልዕሊ ህዝቢ ትግራይን ኣምሓራን ዝስራዕ ኣይነበረን፡” ብምባል፡ ሕጂ ምዕራፍ ኲናት ዓጺና ኣማራጺታት ሰላም እንርእየሉ መድረኽ እዩ፡ ኢሉ።
“ኣጀንዳ ህወከትን ዕግርግርን ዝረኣዮም ክህልዉ ይኽእሉ እዮም፡ ንህዝቢ ሓሲብና እንተሰሪሕና ግን፡ ብዘይካ ሰላም ካልእ ኣማራጺ የለን፡” ኢሉ።
ዝምድና ክልቲኡ ክልላት፡ ቅድሚ እቲ ኲናት ምጅማሩ’ውን ይልሕልሕ ምንባሩ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ናብ ዝኸረረ ምብታኽን ግጭትን ዝተኣተወ ግን፡ ሓይልታት ኣምሓራ፡ ምዕራብ ትግራይን ክፋል ደቡብ ትግራይን ንምቍጽጻር ዓሊሞም ኣብ ጐድኒ ሰራዊት ፈደራል ብምዃን ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ኣብ ወግእ ድሕሪ ምእታዎም እዩ።
ኣቶ ጌታቸው፡ ድሕሪ ስይመተ ግዝያዊ ኣመሓዳሪነት ክልል ትግራይ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ነዚ ምስ ክልል ኣምሓራ ዘሎ ጉዳይ ኣስሚሩሉ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።
ኣብቲ ኣጋጣሚ ኣቶ ጌታቸው፡ ብመሰረት ውዕል ፕሪቶሪያ ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ሕገ መንግስታዊ ብዝዀነ መገዲ ንኽፍታሕ ኣዘካኺሩ ነይሩ።

ምንጪ ስእሊ, AMC
ሕገ መንግስታዊ መሬት ትግራይ ምርግጋጽ ካልእ ቀንዲ ዕማማት ምምሕዳሩ ምዃኑ ብምዝኽኻር ድማ፡ “ምዕራብ ትግራይ፡ ደቡብ ትግራይ፡ ኣካል ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ዝዀነ ጸለምቲ” ናብ ንቡር ከምዘይተመልሰን፡ ካብቶም ከባቢታት ዝተፈናቐለ ህዝቢ ብህጹጽ ናብ መበረቱ ክምለስ ክም ዝግባእን ሓቢሩ ነይሩ።
ኣቶ ጌታቸው፡ እቶም ኣብ ልዕሊ እዞም ከባቢታት ዝቐርቡ ሕቶታት ብሰላማውን ሕገ መንግስታውን መገዲ ክፍጸም ከም ዘለዎ ብምግላጽ፡ “ሓይልታት ጸጥታ ኣምሓራ ነዚ ክግንዘቡ፡ ዝተጀመረ ሰላም ዘተዓናቕፉ ተግባራት ካብ ምፍጻም ክቝጠቡ ሓደራ ክብል እደሊ፤ ንርክብ ክልቲኦም ህዝብታት ዘምጽኦ ሳዕቤን’ውን ቀሊል ስለ ዘይከውን” ክብል ኣተሓሳሲቡ ነይሩ እዩ።
ኲናት ትግራይ ምውልዑ ስዒቡ፡ ካብቲ ከባቢ ልዕሊ ሓደ ሚዮን ህዝቢ ተመዛቢሉ ኣብ ግዝያዊ መዕቖብታት ዝርከብ ኰይኑ፡ ኣስታት 70 ሽሕ ዝግመት ድማ ኣብ ሱዳን መዓስክር ስደተኛታት፡ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከምዝርከብን ናብ መረበቱ ክምለስ ከምዝደልን ጸብጻባት ይሕብሩ።
ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ፡ ዶ/ር ይልቃል ከፋለ፡ ኣብቲ ናይ ሰንበት ርክብ ብወገኑ፡ “ፍልልያት ኣለዉ፡ እንተዀነ ብሕጊ፡ ብሰላምን ብምልዝብን ምፍትሖም” ድሌት ህዝቢ ኣምሓራ ምዃኑ ገሊጹ’ሎ።
ህዝብን መንግስትን እቲ ክልል ንሰላማዊ ኣማራጺታት ድሉው ምህላዉ’ውን ኣፍሊጡ።
እዚ ጉዳይ ምዕራብ ትግራይን ክፋል ደቡብ ትግራይን እቲ ቀንዲ ጠንቂ ምትፍናን ክልቲኡ ክልላት ኰይኑ፡ ሕገመንግስታዊ መሰረት ዝገበረ ፍታሕ ክግበረሉ ዝሕተት ዘሎ እዩ።
እንተዀነ፡ ሓይልታት ኣምሓራ ተቘጻጺሮምዎ ዘለዉ ቦታታት፡ ተጋሩ ብምፍንቓል፡ ሰፈራታት ብምስፋሕ፡ ወረቐት መንነት ብምዕዳልን ዝተፈላለየ ግፍዒታት ብምፍጻምን ብተደጋጋሚ ክኽሰሱ ጸኒሖም እዮም።
ከንቲባ ከተማ ኣላማጣ ኣቶ ኣበራ ሃይሉ ኣብ ዝሓለፈ መጋቢት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ነቲ ምዕዳል ወረቐት መንነት ኣረጋጊጹ እዩ።
“እቲ ሕጂ ዘሎ ምምሕዳር ግዚያዊ’ኳ እንተዀነ፡ ነባሪ እታ ከተማ ኣብ ክሕዞ ዘለዎ መለለይ መንነት ‘ምምሕዳር ከተማ ኣላማጣ ዞን ሰሜን ወሎ’ ዝብል ክኸውን ግድን እዩ። እዚ ታሴራ ኣየድልየንን ዝብል ሰብ ግን ኣይግደድን” ኢሉ ምንባሩ ይዝከር።
ዶ/ር ይልቃል ኣብዚ ምስ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ብሓባር ምስ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዘስምዖ ዘረባ፡ ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ናብቲ ዝነበሮ ኵነታት ክምለስን ንግዳዊ ምንቅስቓስን መጓዓዝያን ክጅመርን ብምዝኽኻር፡ "ተኸባቢርናን ተሰማሚዕናን ፍልልያትና ንምፍታሕ ክንሰርሕ ይድለ ኣሎ"፡ ኢሉ።
እዚ ብፖለቲካዊ መራሕቲ ዝጀመረ ርክብ ሰላም፡ መራሕቲ ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓዲን ብፍላይ ድማ ኣብ መዳውብቲ ዓድታት ዝነብር ህዝቢ ክልቲኡ ክልላት ርክባቶም ክሕይል ከም ዝግባእ፡ እቲ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ኣተሓሳሲቡ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







