ትርጕምን ኣገዳስነትን ምሻም ኤጲስ ቆጶሳት ኣብ ትግራይ እንታይ እዩ?

ምንጪ ስእሊ, DIMTSI WOYANE
ኲናት ትግራይ ድሕሪ ምውልዑ ኣብ መንጐ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያን ላዕለዋይ ቤተ ክህነት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ትግራይን ዝተፈጠረ ፍልልይ እናገፍሐ ክመጽእ ጸኒሑ'ሎ።
ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ኢትዮጵያ ምስ መራሕቲ ሃይማኖት ትግራይ ብምዝርራብ ነታ ዝተነጸለት ቤተ ክህነት መንበረ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ክመልስ ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪታት እወንታዊ መልሲ ኣይረክብን ዘሎ።
“ህዝቢ ብኲናት ክሃልቕ ከሎ ኣበይ ኔርኩም? ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት ደጊፍኩም” ዝብል ቅሬታ እዩ ካብ ቤተ ክህነት ትግራይ ናብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያን ዝቐርብ።
እዚ ምስሕሓብ መዕለቢ ኣብ ዘይረኸበሉ እዋን ድማ ላዕለዋይ ቤተ ክህነት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ትግራይ፡ ኣብ ውሽጢ ዓድን ወጻእን 10 "ኤጲስ ቆጶሳት" ኣብ ቀረባ መዓልቲ ክሸይም ምዃኑ ወግዓዊ ገይሩ’ሎ።
ኣብዚ ዛዕባ ምስ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ላዕለዋይ ቤተክህነት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ትግራይ፡ ሊቀጳጳስ ብጹእ ኣቡነ መርሃ ክርስቶስ ቃለ-መሕተት ኣካይድና'ለና።
ቢቢሲ፤ ንኲናት ትግራይ ስዒቡ ካብ ቤተ-ክርስትያን ኢትዮጵያ ዝተነፀለት ቤተ ክርስትያን ትግራይ፡ ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን 10 "ኤጲስ ቆጶሳት" ኣብ ቀረባ መዓልቲ ከም ዝሸውም ኣፍሊጣ ኣላ። ኣገዳስነት'ዚ ምሻም ሓደስቲ ኤጲስ ቆጶሳት እንታይ እዩ? ዝህልዎ ትርጕም ከ?
ብጹእኣቡነ መርሃ ክርስቶስ፤ እዞም ጳጳሳት ኣቦታት ኰይኖም ዝመርሑ፤ ንህዝቢ ዝመኽሩን ዝግስፁን፡ ቀሳውስትን ዲያቆናትን ዝሾሙ፤ ቁምስና ዝህቡ እዮም።
ቢቢሲ፤ ቤተክርስትያን ትግራይ ካብ መስርሕ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ተዋህዶ ኢትዮጵያ ብዝተፈለየ መንገዲ እያ ትኸይድ ዘላሞ፡ እዚ እንታይ የመልክት?
ብጹእ ኣቡነ መርሃ ክርስቶስ፤ ንህዝብና ዘሕጕስ እዩ። ባዕሉ ብባዕሉ ምምሕዳር፣ ትግራይ ብደቃ ክትግልገል ይገብር። ኣብ ውሽጥን ወፃእን ዘሎ ህዝቢ ትግራይ ነቢዑ እዩ። ስለዚ ንብዓት ህዝብና ይሕብስ፤ ናይ ህዝብና ልቢ የተርክስ ማለት እዩ።
ቢቢሲ፤ ኣብ ገለ ዞባታት ንኣብነት ዞባ ደቡብ ትግራይ ቅድሚ ሕዚ ተሸይሞም ዝነበሩ ኤጲስ ቆጶሳት ነይሮም እዮም፡ ሕዚ ከም ብሓድሽ ኣብዘን ከባቢታት ሹመት ክትካይዱ ዝደረኸኩም ምኽንያት እንታይ እዩ?
ብጹእ ኣቡነ መርሃ ክርስቶስ፤ እቶም ዝነበሩ ነቲ ህዝቢ ጠሊሞም ሓዲጐምዎ ስለዝኸዱ፡ ክጭፍጨፍ ከሎ ኣብ ፀገሙ ስለዘይበፅሑሉን እግዚኣብሄር የፅንዕኻ ስለዘይበልዎን፡ ኣብ ልዕሊ ደቆም ስለዝጨከኑ፡ ኣብቲ እዋን ዕፅዋን ከበባን ኮነ ድሕሪ ሰላም ምምፃእ ‘ኣጆኹም’ ስለዘይበልዎም፡ ህዝቢ ‘ኣቦ ይወሃበና’ ስለዝበለ እዩ።
ቢቢሲ፤ ኣብቲ ሕዚ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ፡ ኣውስትራልያ፡ ካናዳን ኣውሮጳ፡ ማእኸላይ ምብራቕን እተካይድዎም ሹመታት ነቲ ቅድሚ ሕዚ ብሲኖዶስ ኢትዮጵያ ሹመት ተኻይዱለን ዝነበራ ድየን፡ ወይስ ከም ብሓድሽ ንዝተጣየሻ ኣብያተ ክርስትያን ትግራይ ዝውክሉ እዮም?
ብጹእ ኣቡነ መርሃ ክርስቶስ፤ እቲ ኣብ ወፃኢ ሃገራት ዘሎ [ኣማኒ] በቲ ናይ ኣዲስ ኣበባ እዩ ዝምራሕ ነይሩ። ኣብ ትግራይ ጨፍጫፍ ምስተጀመረ ግን እቶም ተጋሩ ተፈልዮም ናይ ባዕልቶም ቤተክርስትያን ዘጣየሹ እዮም። ጨፍጫፍ፡ መከራን ሞትን ምስበዝሐ ‘እንድሕር ዘይረድኡና ኮይኖምስ ርእስና ክንክእል ኢና፡ ክንፍለ ኢና’ ኢሎም ተፈልዮም። እቲ ዝገርም፡ ኣብ እየሩሳሌም ዝገልገሉ ተጋሩ ንልዕሊ ክልተ ዓመት ካብቲ ቤተክርስትያን ብኣድማ ኣባሪሮምዎም እዮም። ኣብ ፀገም ድማ ኣለዉ። ስለዚ መከራ በርቲዕዎ ዝተፈለየ እዩ። ነተን [ኣብ ወፃኢ] ዝተጣየሻ ኣብያተ ክርስትያን ዘገልግሉ ኣቕሽሽቲ ኣለውወን፤ ግን ድማ ጳጳሳት ስለዘድልይወን ኢና ተመኻኺርና ጌርናዮ።
ቢቢሲ፤ ቤተ ክርስትያን ኦርቶዶክስ ኢትዮጵያ፡ ሹመት ኤጲስ ቆጶሳት ንሳ ጥራይ ከም ትህብ እያ ትገልፅ እሞ፡ ናይቲ ሕዚ ትገብርዎ ቅብኣ ተቐባልነት ክንደየናይ ይኸውን?
ብጹእ ኣቡነ መርሃ ክርስቶስ፤ ህዝቢ ትግራይ እዩ ዝቕበልን ዘይቕበልን። ‘ይሸወሙልና፤ ኣቦ የድልየና እዩ’ ዝብል ዘሎ ህዝቢ እዩኮ ዝቕበል። ብኻልእ ኣካል ተቓውሞ ክህልው ከምዝኽእል ዘጠራጥር ኣይኮነን። በቲ ህዝብና ግን ተቐባልነት ኣለዎ።
ቢቢሲ፤ ብፁእ ኣቡነ ማትያስ ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ናብ ትግራይ ኣብ ዝመእሉ እዋን ብዛዕባ ሓድነት እታ ቤተ ክርስትያን ኣልዒሎም ዶ ነይሮም?
ብጹእ ኣቡነ መርሃ ክርስቶስ፤ ብዛዕባኡ ኣየልዓሉልናን። ሓደ ኣቦ ዓረፎም ንናቶም ቀብሪ እዮም መፂኦም ነይሮም። ኣብቲ ቀብሪ ተሳቲፎም ድማ ብቕልጡፍ ተመሊሶም።

ምንጪ ስእሊ, TIGRAY TV
ቢቢሲ፤ ከም ቤተ ክርስትያን ኦርቶዶክስ ትግራይ ካብቲ ናይ ኢትዮጵያ ቤተ ክርስትያን ተነፂልኩም ናይ በዓልኹም ቤተ ክህነትን ጳጳሳትን ምሻምኩም፡ ዝበፅሐኩም ፀቕጢ ኣሎ ዶ?
ብጹእ ኣቡነ መርሃ ክርስቶስ፤ ክሳብ ሎሚ ዝበፅሐና ፀቕጢ የለን። ንድሕሪ ሕዚ ድማ እንታይ ከምዝግበር ክንሪኦ ኢና። ነቲ ሓደ ወገን ሓጐስ፣ ነቲ ካልእ ወገን ድማ ሓዘን እዩ። ፖለቲካን ሃይማኖትን ይፈላለ እዩ። ንሕና ብመንፈሳውነት ህዝብና ኢልና ቤተክርስትያንና ሒዝና ክንመሓደር ንኽእል ኢና። ንሕና ብዘዋፅአና መንግስቲ ድማ ብዘዋፅኦ ምኻድ ይከኣል እዩ። ክልቲኦም ዝተፈላለዩ እዮም።
ቢቢሲ፤ ቅድሚ ሕዚ ቤተ ክርስትያን ኦርቶዶክስ ኢትዮጵያ፡ እቲ ርክብ ናብ ንቡር ክምለስ ደብዳበ ልኢኻ ነይራ። መሊስኹም ሓደ ናይ ምዃን ዕድል ኣሎ ዶ? መርገፂኹም እንታይ እዩ?
ብጹእ ኣቡነ መርሃ ክርስቶስ፤ መርገፂናኮ ኣፍሊጥና ኢና። ካብ መጀመርታ ኢና እናገለፅና መፂና። ‘ሰይጣን ይበልፀና’ ዝበሉ ሊቀ-ጳጳሳት ስለዝነበሩ ነዚኣቶም ‘ኣደብ ግበሩ በልዎም፣ ቀኖና ሃብዎም፣ እንተዘይኰይኑ ርእስና ክኢልና ክንግንፀል ኢና’ ኢልና ብተደጋጋሚ መግለፂታት ሂብና ኔርና። ግን ድማ ነቲ መግለፂና ክቕበልዎ ኣይከኣሉን። ካብዚ ብምብጋስ ድማ ንሕና ‘ሸይጣን ይሕሸና’ ምስ ዝብሉ ሰባት ክንነብር ኣይንኽእልን ብዝብል ብዶግማ፣ ቀኖና ማለት ሕገ-ቤተ ክርስትያን ተፈላሊና። ንሕና ንሸይጣን ዝኸሓድና ኢና። ስለዚ ንሱ ይሓሸና ምስ ዝበሉ ሓቢርና ክንከይድ ኣይንኽእልን ብዝብል ኢና ውሳነ ኣሕሊፍና።
ቢቢሲ፤ ዕርቅን ምርድዳእን ንክፍጠር፡ ናብቲ ዝነበረ ንኽትምለሱ፡ እተቐምጥዎ ቅድመ-ኵነት ከ ኣሎ'ዶ?
ብጹእ ኣቡነ መርሃ ክርስቶስ፤ የለን! የለን! . . . ካብ ሎሚ ንደሓር ዝተፈጠረ ይፈጠር ንምለሰሉን ምስኣቶም እንኸደሉን ኵነታት የለን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







