ላዕለዋይ ቤተ ክህነት ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያን ትግራይ 10 ኤጲስ ቆጶሳት ከምዝሸይም ኣፍሊጡ

ጳጳሳት መንበረ ሰላማ ላዕለዋይ ቤተክህነት ትግራይ

ምንጪ ስእሊ, DIMTSI WOYANE

ላዕለዋይ ቤተ ክህነት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ትግራይ፡ ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን 10 "ኤጲስ ቆጶሳት" ኣብ ቀረባ መዓልቲ ክሸዉም ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ላዕለዋይ ቤተ ክህነት መንበረ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ቤተ ክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ትግራይ፡ ካብ 14 ግንቦት ክሳዕ 15 ግንቦት ዘካየዶ ዋዕላ ስዒቡ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ “ህዝብና ዝጠልቦም” ዝበሎም ውሳነታት ከም ዘሕለፈ ሓቢሩ።

እቲ መግለጺ ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ዝርከብ መእምን “ዝተማልአ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ንምርካብ ካብ ዘለዎ ድሌት ኤጲስ ቆጶሳት ክሽየመሉ ዝተደጋጋሚ ሕቶታት” ከልዕል ምጽንሑ የዘኻኽር።

ትማሊ ሰኑይ ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ኣብ ዘሕለፎ ውሳነ፡ ሓደስቲ ጳጳሳት ከምዝሸይም ድሕሪ ምፍላጡ'ዩ ቤተክህነት ትግራይ ነዚ ስጉምቲ ከምዝወስድ ገሊጹ ዘሎ።

እቲ ሲኖዶስ ንልዕሊ ሓደ ሰሙን ኣብ ዘካየዶ ዝተናውሐ ኣኼባ፡ ኣብቲ ኣካታዒ ዝነበረ ጉዳይ ሽመት ኤጲስ ቆጶሳት ውሳነ ከምሕላፍ 9 ጳጳሳት ክሸይም ተሰማሚዑ።

ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ካብ ዘጋጠሙ ጸገማት ሓደ ዝነበረ ጉዳይ ሽመት ጳጳሳት ኰይኑ፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ትሽዓተ ጳጳሳት ክሽየሙ ተወሲኑ ኣሎ።

ቤተ ክህነት ትግራይ ኣብ መግለጺኡ ኣብ ዞባ ደቡብ ምብራቕ ትግራይ፡ ዞባ ምዕራብ ትግራይ፡ ዞባ ደቡብ ትግራይ ኣብ ወፃኢ ድማ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ፡ ኣዉሮጳ፡ ኣወስትራሊያ፡ ካናዳን ማእኸላይ ምብራቕን ዘገልግሉ ኤጲስ ቆጶሳት ክሸውም ምዃኑ ሓቢሩ’ሎ።

እቶም ነቲ ሲመት ዝቕበሉ ኤጲስ ቆጶሳት ኣብ ቀረባ መዓልቲ ዕላዊ ስረሖም ከም ዝጅምሩ’ውን እቲ መግለጺ የመልክት።

ብተወሳኺ ካብ ኩለን ሃገረ ስብከት፡ ካብ ከሳቴ ብርሃን ኣባ ሰላማ መንፈሳዊ ኮሌጅን ካብ ዓለም ለኸ ማሕበረ ካህናት ትግራይን ዝተውጻጽአ ኮሚተ ከም ዝጣየሽ የመልክት።

እቲ ኮሚተ፡ ሲመተ ኤጲስ ቆጶሳት ንምክያድ መመልመሊ ረቛሒ ብምውጻእ ኣብ ሓጺር መዓልቲ በዓለ ሲመት ከካይድ እዩ።

ማርያም ጽዮን ኣክሱም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ፈለማ ናይዚ ዓመት፡ ሰለሰተ ጳጳሳት ካብ ሶኖዶስ ወጻኢ ብኢደወነኖም ልዕሊ 20 ጳጳሳት ብምሻሞም እታ ቤተክርስትያን ኣብ ከቢድ ቅልውላው ኣትያ ምንባራ ይዝከር።

ብመንጎኝነት ሽማገለታትን መንግስትን ብዝተኻየደ ልዝብ ግን፡ ኣብ መወዳእታ እቲ ዘይሕጋዊ ዝተባህለ ሽመት ተቐንጢጡ እቶም ዝተወገዙ ሰለስተ ጳጳሳትን ሰዓብቶምን ናብታ ቤተክረስትያን ተመሊሶም'ዮም።

ጠንቂ ናይቲ ምስሕሓብ፡ ሽመት ኤጲስ ቆጶሳት ምንባሩ'ዮም እቶም ተፈልዮም ዝነበሩ ሊቃነጳጳሳት ገሊጾም ነይሮም። ገለ ወገናት ግን ምስቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ብሄር መሰረት ዝገበረ ፖለቲካ ዝተሓሓዝ ውሳነ ምዃኑ'ዮም ዝምጉቱ።

ኣቐዲሙ'ውን ብሰንኪ'ቲ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት ቅሒሩ ዝጸንሐ ቤተ ክህነት ትግራይ ነዚ ውሳነ ምውሳዱ ንኦርቶዶክስ ቤተክረስትያን ኢትዮጵያ ናብ ሓድሽ ቅልውላው ዘእቱ ከይኮነ ኣይተርፍን'ዩ።