ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ትሽዓተ ጳጳሳት ክሽየሙ ወሲኑ

ምንጪ ስእሊ, EOTC
ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ንልዕሊ ሓደ ሰሙን ኣብ ዝተናውሐ ኣኼባ፡ ኣብቲ ኣካታዒ ዝነበረ ጉዳይ ሽመት ኤጲስ ቆጶሳት ውሳነ ከምዘሕለፈ ትማሊ ሰኑይ ኣማስዩ ኣፍሊጡ።
ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ካብ ዘጋጠሙ ጸገማት ሓደ ዝነበረ ጉዳይ ሽመት ጳጳሳት ኰይኑ ኣብ መወዳእታ ድማ ትሽዓተ ጳጳሳት ክሽየሙ ተወሲኑ ኣሎ።
ምልኣተ ጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስ እታ ቤተ ክርስቲያን ብሰኑይ 14 ግንቦት 2015 [ግእዝ] ኣብ ዘካየዶ ዘተ እዩ ኣብቲ ኣካታዒ ኰይኑ ዝጸንሐ ሽመት ጳጳሳት ኣብ ምርድዳእ ዝበጽሐ።
ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስን ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ኒውዮርክን ከባቢኣን ኣቡነ ጴጥሮስ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ኣብ ድሌት ቤተ ክርስቲያን ዝተመርኮሰ ዕዉት ዘተ ድሕሪ ምክያድ "ንቤተ ክርስቲያን ዝጠቅም ውሳነ ሓሊፉ ኣሎ" ኢሎም።
ብመሰረት እቲ ውሳነ ድማ ናብተን ፀገም ኣለወን ዝበሃላን ኣገዳሲ ዝዀነለንን ሃገረ ስብከታት፡ ትሽዓተ ሓደስቲ ጳጳሳት ን9 ሓምለ 2015 [ግእዝ] ክሽየሙ ትጽቢት ይግበር።
ካብዞም ትሽዓተ ሕጹያት ጳጳሳት እቶም ሸውዓተ ኣብ ሃገረ ስብከታት ኦሮሚያ፡ እቶም ክልተ ድማ ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ክምደቡ ምዃኖም ተገሊጹ ኣሎ።
እንተዀነ ብዛዕባ መንነት እቶም ዝሽየሙ ትሽዓተ ጳጳሳት ብዝምልከት ዝርዝር ሓበሬታ ኣይተዋህበን።
ነቲ ዝካየድ ሽመት ጳጳሳት መረጻ ዘካይድ ሽማግለ በቲ ሲኖዶስ ዝተመዘዘ ኰይኑ፡ ብፁእ ኣቡነ ኤርሚያስ (ሊቀ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ሰሜን ወሎ)፡ ብፁእ ኣቡነ ሕርያቆስ (ሊቀ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ሃድያ ካምባታን ስልጤን) ከምኡ’ውን ብፁእ ኣቡነ ሳዊሮስ (ሊቀ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ደቡባዊ ምዕራብ ሸዋን ምብራቕ ኣፍሪቃን) እዮም።
እቲ ኮሚቴ ክሳብ 30 ሰነ 2015 [ግእዝ] ነቶም ሕጹያት ሓርዮም ከቕርቡ ትጽቢት ይግበር። ብቅዱስ ሲኖዶስ ምስ ተገምገሙ ድማ ን9 ሓምለ 2015 ሽመቶም ብቕዱስ ፓትርያርክ ይፍጸም።
ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ዝመጽእ ጥቅምቲ ኣብ ዝካየድ ኣኼባ ሲኖዶስ ንሃገረ ስብከታት ኣምሓራ፡ ሶማል፡ ድሬዳዋ፡ ቄለም ወለጋን ኣሶሳን ጳጳሳት ክሽየሙ ምዃኖም ተገሊጹ።
ዝሓለፈ ሰሙን ዝጀመረ ኣኼባ ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ክዛዘም ትጽቢት'ኳ እንተነበረ፡ ክሳብ እዚ ሰሙን ቀጺሉ ጸኒሑ’ሎ።
ቀንዲ ምኽንያት ምድንጓይ ድማ እቲ ጉባኤ ኣብቲ ዘካትዕ ሽመት ጳጳሳት ኣብ ስምምዕ ክበጽሕ ብዘይምኽኣሉ ምዃኑ ይግለጽ።
ሊቀ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ደቡብ ምዕራብ ሸዋን ምብራቕ ኣፍሪቃን ኣቡነ ሳዊሮስ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፡ ጉዳይ ምሻም ጳጳሳት ብዙሕ ከምዘዘራረበን ነዊሕ ግዜ ከምዝወሰደን ኣረጋጊጾም።
ንኦሮሚያ 15 ጳጳሳት ክሽየሙ ሓሳብ ቀሪቡ ከምዝነበረን በዚ ክሰማምዑ ብዘይምኽኣሎም ነዊሕ ዘተ ከምዝተኻየደን ዝሓበሩ እቶም ሊቀ ጳጳስ፡ እዚ ጉዳይ ድማ ጠንቂ ዘይምርድዳእ ከምዝነበረ ኣመልኪቶም።
ኣብ ዝሓለፈ ለካቲት ኣቡነ ሳዊሮስ ዝርከብዎም ሰለስተ ጳጳሳት ብዘይ ፍቓድ ቤተ ክርስቲያን 25 ጳጳሳት ብምሻሞም ዘይምርድዳእን ናዕብን ተወሊዑ ምንባሩ ዝዝከር ኰይኑ፡ ብሰንኪ እዚ ድማ ህይወት ሰባት ጠፊኡ።
ኣብ መንጐ ኣቦታት እታ ቤተ ክርስቲያን ዝነበረ ዘይምርድዳእ ተጋዲዱ ኣብ ከቢድ ደረጃ ምስ በጽሐ፡ ብሽምግልናን ምርድዳእን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ከምዝተፈትሐ ዝዝከር እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







