ቴሌቪዥን ማሕበረ ቅዱሳን ኢትዮጰያ ንግዚኡ ተኣጊዳ

ምንጪ ስእሊ, MAHBERE KIDUSAN/FB
ቴሌቪዥን ማሕበረ ቅዱሳን ኢትዮጰያ፡ ህዝባዊ ናዕቢ ከለዓዕል ዝኽእል መልእኽቲ ፈንያ ብዝብል ክሲ ንግዚኡ ከም ዝተኣገደት ብመንግስቲ ዝውነን ማዕከን ዜና ኢትዮጵያ ሓቢሩ።
በዓል መዚ መራኸቢ ብዙሓን ኢትዮጵያ፡ እታ ቴሌቪዥን ብዕለት 13 ግንቦት 2015 (ኣቆጻጽራ ግእዝ) ካብ ግደ ሃይማኖታዊ ሚድያ ወጻኢ ዝዀነ መልእኽቲ ከም ዝፈነወት ገሊጹ።
እታ ትካል ፈነወ፡ ኣኼባ ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ዘተዓናቕፍን ኣብ መንጎ ህዝቢ ግጭት ዘለዓዕልን መልእኽቲ ከም ዘመሓላለፈት እውን ሓቢሩ።
ብመሰረት ኣዋጅ መራኸቢ ብዙሃን ዓንቀጽ 70 ኣዋጅ፡ "ሃይማኖታዊ መራኸቢ ብዙሃን ኣብ መንጎ ሰዓብቲ ሃይማኖት ግጭት ከለዓዕላ ወይ ኣብ መንጎ ሰዓብቲ ሃይማኖት ዘይምጽውዋር ከለዓዕላ የብለንን።"
ስለዚ ህጹጽነት እቲ ጉዳይን ከስዕቦ ዝኽእል ጉድኣትን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ቀዋሚ ውሳነ ክሳብ ዝህብ፡ ነዚ ፍቓድ እታ ቴለቪዥን ንግዚኡ ከም ዝኣገደ ኣፍሊጡ ኣሎ።
እታ ኣብ ትሕቲ ክፍሊ ትምህርቲ ሰንበት ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ እትርከብ መንፈሳዊ መደበር ቴሌቪዥን፡ ነቲ ግዝያዊ እገዳ ዝገልጽ ደብዳበ፡ ሎሚ ሰኑይ ከም ዝተቐበለት ብምግላጽ፡ እቲ ውሳነ ዘይግቡእን ሕጊ ዘይኽተልን እዩ ብምባል ተቓውሞኣ ኣስሚዓ ኣላ።
ቴሌቪዥን ማሕበረ ቅዱሳን ኣብ ዝሃበቶ መልሲ፡ እቲ ዝተዋህበ ሓበሬታ ኣንጻር ዕላማ እቲ ትካል ከም ዘይኰነ ብምግላጽ እቲ ዝተወስደ ስጉምቲ ሕጊ ኣይተኸተለን ክትብል ተቓዊማ።
ኣብ ወርሒ ለካቲት፡ ሰለስተ ጳጳሳት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን፡ ካብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወፃኢ ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት፡ ብዘይ ኣፍልጦ ፓትርያርክን ቅዱስ ሲኖዶስን፡ 26 ኤጲስ ቆጶስ ምሿሞም ስዒቡ ኣብታ ቤተ ክርስትያን ምፍንጫል ኣጋጢሙ ከም ዝነበረ ይዝከር።
ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ፡ ብሓሙስ ኣብ ዘካየዶ ህፁፅ ኣኼባ፡ ነቶም መራሕቲ ሃይማኖት ብምውጋዝ ካብታ ቤተ-ክርስትያን ክእለዩ ወሲኑ ነይሩ።
ነቲ ስጉምቲ ስዒቡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር፡ ብፍላይ ኣብ ኦሮምያ፡ ወጥሪ ክውስኽን ግጭታት ክለዓሉን ከም ዝገበረ ይፍለጥ።
ብተወሳኺ ኣብ መንጐ እታ ቤተ ክርስትያንን መንግስትን እውን ወጥሪ ተፈጢሩ ነይሩ።
ይኹን’ምበር ብሲኖዶስ ተወጊዞም ናይ ባዕሎም ሓድሽ "ሲኖዶስ" ክሳብ ምምስራት በጺሖም ዝነበሩ ሰለስተ ጳጳሳት፡ ብመንጎኝነት ኣተዓረቕትን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድን ድሕሪ ዝተኻየደ ልዝብ ናብታ ቤተክረስትያን ከም ዝተመልሱ ዝፍለጥ’ዩ።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ቅዱስ ሲኖዶስ እታ ቤተ ክርስትያን፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዓመታዊ ጉባኤኡ የካይድ ኣሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







