ህወሓት፡ ውሳነ ቦርድ መረጻ ‘ካብ ስምምዕ ፕሪቶርያ’ ወጻኢ’ዩ ብምባል ከምዘይቅበሎ ኣፍሊጡ

ምንጪ ስእሊ, TPLF
ህወሓት ሕጋውነቱን ንብረቱን ናብቲ ቅድሚ ኲናት ምውልዑ ዝነበሮ ደረጃ ንኽምለስ ናብ ሃገራዊ ቦርድ ኮምሽን ምርጫ ኢትዮጵያ ዘቕረቦ ሕቶ፡ በቲ ኮምሽን ድሕሪ ምንጻጉ፡ ካብ ስምምዕ ፕሪቶርያ ወጻኢ’ዩ ብምባል ንውሳነ ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ተቓዊሙ።
ኣብ ትግራይ ኲናት ድሕሪ ምውልዑ፡ ህወሓት ብባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ግብረሽበራዊ ጕጅለ ተባሂሉ ምስ ተመዝገበ ብቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ዝነበሮ ሕጋውነት ከም ዝተሰረዘ ዝዝከር’ዩ።
እቲ ንክልተ ዓመታት ዝቐጸለ ኲናት ንኸብቅዕ ኣብ መንጐ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ውዕል ሰላም ድሕሪ ምኽታሙ፡ እቲ ንህወሓት ግብረሽበራዊ ጕጅለ ዝብል ተዋሂብዎ ዝነበረ ስም ተኣልዩ ኣብቲ ክልል ግዝያዊ መንግስቲ ተመስሪቱ ኣሎ።
ህወሓት 28 ሚያዝያ 2015 [ግእዝ] ንስምምዕ ፕሪቶርያ ብምጥቃስ ንሕጋውነቱን እቲ ተኣጊዱ ዘሎ ንብረት ንኽልዓልን ናብ ቦርድ መረጻ ሕቶ’ኳ እንተኣቕረበ፡ ሕቶኡ በቲ ቦርድ ተቐባልነት ኣይረኸበን።
ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ሕጋውነት ህወሓት ንምምላስ ዘኽእል ሕጋዊ ድንጋገ ከም ዘየሎ ብምግላጽ፡ “ብሕጊ ዝተደገፈ ኣይኰነን” ብምባል ንሕቶ ህወሓት ከም ዘይተቐበሎ ገሊጹ እዩ።
እቲ ሰልፊ ሕጋዊ ኰይኑ ንኽንቀሳቐስ ዘኽእሎ ሕቶ ምዝገባ ኣቕሪቡ፣ እቲ ቦርድ ኸኣ ንሕጊ ሰልፍታት ክማላእ ዝግባኦ ቅጥዒ ከም ዘማልአ ምስ ኣረጋገጸ ጥራይ ሕጋዊ ከም ዝኸውን ገሊጹ።
እንተዀነ ህወሓት በቲ ቦርድ ዝተዋህቦ መልሲ ተቐባልነት ከም ዘይብሉ ብምግላጽ፡ “ኣብ ፕሪቶርያ ንዝተገበረ ስምምዕን ንሕግን መሰረት ዘይገበረ እዩ” ድሕሪ ምባል፡ “ነቲ ንስምምዕ ፕሪቶርያ ንምትግባር ዝካየድ ዘሎ ንጥፈታት ዋና ዘይብሉ ዝገብር’ዩ” ብምባል ንውሳነ እቲ ሃገራዊ ቦርድ ኮምሽን መረጻ ኢትዮጵያ ዘለዎ ተቓውሞ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።
እቲ መግለጺ ወሲኹ፡ “ኣብ ኢትዮጵያ ዝርአ ዘሎ ተስፋ ሰላም ኣክንዲ ምድጋፍ፡ ነቲ ቀንዲ ኣብ ፕሪቶርያ ዝተፈራረመ ህወሓት ኣፍልጦ ከም ዘይህልዎ ንምግባር ዘሕለፎ ውሳነ ብሕግን ብፖለቲካን ተቐባልነት የብሉን” ኢሉ።
እቲ ኣብ ፕሪቶርያ ዝተገበረ ስምምዕ ብዝተፈላለዩ ኣህጉራውያን ትካላት፡ ከምኡ ከኣ ብቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ፡ ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት፡ ብሚኒስትሪ ፍትሕን ካልኦት ኣካላትን ነቲ ስምምዕ ኣፍልጦ ከም ዝሃብዎ ብምግላጽ፡ “ውሳነ ኮምሽን ቦርድ መረጻ ንስምምዕ ፕሪቶርያ ዘይቕበል’ዩ” ብምባል ገሊጽዎ።
ውሳነ ኮምሽን ቦርድ መረጻ፡ “ነቲ ስምምዕ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ’ዩ” ዝበለ ህወሓት፡ ነዚ ከም ዘይቅበሎን ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ከም ዝመያየጠሉን ብምግላጽ፡ “ንስምምዕ ፕሪቶርያን ካልኦት ኣካላት ፌደራል ዘሕለፍዎ ውሳነ ከም መበገሲ ተወሲዱ ንውሳነ ኮምሽን ቦርድ መረጻ ዳግማይ ክርአን” ሕቶኡ ተቐባልነት ክህልዎ ሓቲቱ ኣሎ።
መንግስቲ ፈደራል’ውን ንውሳነ ሃገራዊ ቦርድ ኮምሽን ምርጫ ዳግማይ ብምርኣይ ምስ ሕጋውነት ህወሓት ብዝተሓሓዝ ንዝልዓሉ ሕቶታት፡ “ሕጋውን ፖለቲካዊን ኣማራጺታት” ተጠቒሙ ሰልፊ ህወሓት ናብቲ ቅድሚ ኲናት ዝነበሮ ቅርጺ ከም ዝምለስ ክገብር ሕቶ ኣቕሪቡ ኣሎ።
ኮምሽን ቦርድ መረጻ ኣብ ትግራይ ኲናት ምስ ተወልዐ፡ 10 ጥሪ 2013 [ግእዝ] እዩ ህወሓት፡ “ኣብ ሓይሊ መሰረት ኣብ ዝገበረ ናይ ዓመጽ ተግባራት” ከም ዝተሳተፈ ብምግላጽ ሕጋውነቱ ሰሪዝዎ።
በዚ መሰረት፡ ሓለፍቲ ናይቲ ሰልፊ ብሽም እቲ ሰልፊ ክንቀሳቐሱ ከም ዘይክእሉ ውሳነ ብምሃብ፡ ብስም ህወሓት ዝተመዝገበ ተንቀሳቓስን ቀዋምን ንብረት እቲ ሰልፊ ዕዳ እንተሃልይዎ መሸፈኒ ዕዳ ክኸውን፣ ዕዳ ተሸፊኑ ዝተረፈ ንብረት ይዅን ገንዘብ ከኣ ንትምህርቲ ስነ ዜጋን መረጽትን ንኽውዕል ውሳነ ምሃቡ ዝዝከር’ዩ።
ስምምዕ ሰላም ምስ ተፈረመን ኲናት ደው ምስ በለን ህወሓት ናብ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ከም ዝተመለሰ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ድሕሪ'ዚ፡ ሕጋዊ ኣፍልጦ ክወሃቦን ንብረቱ ክምለሰሉን ዘቕረቦ ሕቶ’ዩ በቲ ቦርድ ተቐባልነት ስኢኑ ዘሎ።
እቲ ቦርድ ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን ንሕቶ ህወሓት ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ ንሕጋውነት ህወሓት ንምምላስ ዘኽእል ኣብ ድንጋገ ኣዋጅ 1162/2011 ከምዘየሎ ብምግላጽ፡ እቲ ሕቶ ብሕጊ ዝተደገፈ ኣይኰነን ብምባል ውዱቕ ከም ዝገበሮ ምግላጽ ይዝከር።
ህወሓት፡ ሕጋዊ ተቐባልነት ረኺቡ ንኽንቀሳቐስ ዳግማይ ንምምዝጋብ ሕቶ ኣቕሪቡ፡ ኣብ ሕጊ ተመርኲሱ ብሃገራዊ ቦርድ መረጻ ተቐባልነት ምስ ረኸበ ጥራይ ምዃኑ ገሊጹ።
ንንብረት ህወሓት ኣብ ዝምልከት ከኣ፡ ንሱ ውጽኢት ናይቲ ህወሓት ከም ሰልፊ ዝተሰረዘሉ ስለ ዝዀነ ከም ብሓድሽ ክሕተተሉ ዝኽእል ባይታ ከም ዘየለ ብምግላጽ ክቕበሎ ከም ዘይክኣለ ምግላጹ ይዝከር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







