ዙር ርዋንዳ 2022፡ ገምጋም ብዛዕባ ተሳተፍቲ ዙር ርዋንዳ ብኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ነበር

መበል 14 ዙር ርዋንዳ ካብ ጽባሕ ሰንበት 20 ለካቲት ጀሚሩ፡ ብዘይ እታ ካብ ኣፍሪቃ ዝበለጸት ጋንታ ዓመተ 2021 ዝተብሃለት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ: ብናይ ወልቂ ናይ ግዜ ውድድር መጋረጅኡ ክቕንጥጥ'ዩ።
እንተኾነ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ድኣ ብሰንኪ ቅጥዕታት ጥዕና እቲ ውድድር ዘይምምላኣ ካብቲ ውድድር ትተኣገድ'ምበር፡ ስም ሃገሮም ከጸውዑ ዝኽእሉ ሰልስተ ኤርትራውያን ግን ኣብቲ ውድድር መምስ ጋንታታቶም ብምዃኑ ክወዳደሩ'ዮም።
ተቐዳዳማይ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራን ጋንታ ኤሪ-ቴልን ዝነበረ ከምኡ'ውን ንሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ ጋንታ ዞባ ደቡብ፡ ጋንታ ንኡስ ዞባ በሪኽን ዋርሳይን ዘሰልጠነ ኣኽሊሉ ሃይለ፡ ብዛዕባ እቶም ኣብ ዙር ርዋንዳ 2022 ዝወዳደሩ ኤርትራውያን፡ ናትናኤል ተስፋጽዮን፡ ሄኖክ ሙሉብርሃንን መትከል እዮብን ንህሉው ብቕዓቶም ኣመልኪቱ ሓሳቡ ኣካፊልና ኣሎ።
ኣኽሊሉ ሃይለ፡ ንብዓል ናትናኤል ተስፋጽዮን፡ ያቆብ ደበሳይ፡ መትከል ምስጉንን ነፍስሄር ደሴት ኪዳንነ ዘፍረየ ኣሰልጣኒ ኮይኑ፡ ኣብ ሃገረ ርዋንዳ 'መይ ስታርስ' ዝተበሃለት 'ኮንቲነንታል ቲም' ብምምስራት ከም ኣሰልጣንን ስፖርት ዳይረክተርን ኮይኑ ዝሰርሕ ዘሎ'ዩ።
ኣኽሊሉ ሃይለ፡ ብዛዕባ እታ መስሪትዋ ዘሎ ኮንቲነታል ቲምን ብዛዕባ ዘሕለፎ ቅድድም ብሽክለታን ኣሰልጣንነትን ኣብ ቀጻሊ ጽሑፋትና ከነቕርቦ ኢና፡ ሕጂ ናብቲ ንሱ ዝሃቦ ገምጋም ክንሰግር። ከም ዘለዎ ነቕርበልኩም ኣሎና።

ምንጪ ስእሊ, Aklilu Tseggai
ናትናኤል ተስፋጽዮን
ናትናኤል ተስፋጽዮን ካብ ብንእሽትኡ ምሳይ እዩ ነይሩ፡ ኣብ ጸወታ ኣበይ እንታይ ይገብር ዝፈልጥ መስተውዓልን ንመወዳድርቱ ግዜ ዘይህብን ተጻዋታይ'ዩ።
ኣብዚ ዙር ርዋንዳ ከመይ እዩ ክጻወት ክንብል እንተኾይንና፡ ናይታ ንሱ ዝጻወተላ ጋንታ ኣቓውማ ኣሎ፡ እታ ጋንታ እንታይ ዓይነት ጸወታ እያ ሰሪዓትሉን ሰሪዓን ዘላ? ንብጫ ማልያ ዝጻወት ኮይኑ ድዩ ክጻወት ወይ ከም ሰራሕተኛ? [ወዲ ጋንትኡ ብጫ ማልያ ንኽወዕት ዝሰርሕ] ዝፈለጥክዎ ነገር የለን።

ምንጪ ስእሊ, TourDuRwanda2020
ግን ከም ኤርትራዊ ምዃኑ ብዙሕ ዓቐበታት ኣብ ዘለዋ ሃገር ከም ምዕባዩን ዘለዎ ህሉው ብቕዓት ኣብ ግምት ኣእትየ ክዛረብ እንተኾይነ፡ ናትናኤል ኣብዚ ዙር ኣድማዕን ተፈራሕን ኮይኑ ከምዝኣቱ ፍሉጥ ነገር እዩ፡ ምኽንያቱ ኣብ 2020 ዕዉት ብጫ ማልያ [ናይ ግዜ] ስለዝነበረ፡ ጋንትኡ ብመንገዲ ናትናኤል ብጫ ማልያ ንምውሳድ መራሒ ገይሮም ከእትውዎ እዮም ዝብል ግምት'ዩ ዘለኒ።
ብዓቢኡ ኣብዚ ውድድር ሓደ ካብቶም ክዕወትሉ ይኽእሉ እዮም ዝብሃሉ ተጻወትቲ ኮይኑ ከምዝቐርብ ርዱእ እዩ።
ናትናኤልን ካልኦትን ተጻወትቲ ናይዚ ወቅቲ [ዓመተ ውድድር] ናይ መጀመርታ ጸወተኦም እዚ ዙር ርዋንዳ ይኸውን ስለዘሎ፡ ናይ ኩሎም መወዳድርቱ ህሉው ብቕዓቶም ክትፈልጥን ክትንትን ክኸብድ ይኽል እዩ፡ ናትናኤል ግን ካብ ብንእሽትኡ ንስርሑ ቡኮታት ዘየእቱ ስለዝኾነ ነዚ ጸወታ ኸኣ ብግቡእ ተዳልይሉ መጺኡ ከምዘሎ ኣነ ርግጽ ኮይነ ክዛረብ ይኽእል እየ።
ሄኖክ ሙሉብርሃን
ሄኖክ ሙሉብርሃን፡ ኣብ ሓደ ገዛውቲ ስለዝኾንና ኣነ ካብ ብንእሽትኡ'የ ዝፈልጦ፡ ብኻልእ መንገዲ ኸኣ፡ ካብ ማውንተይን ባይክ ጀሚሩ ሳልሳይ፡ ካልኣይን ቀዳማይን ዲቪዥን እንከሎ ብጽቡቕ እናተዓወተ ዝመጽአ ተቐዳዳማይ እዩ።
ኣብ ብቕዓቱ ዘማትእ ተጻዋታይ ኣይኮነን፡ ኣብቲ ሕጂ ሑዝዎ ዘሎ ኣቓውማ ኸኣ ከምቲ ኣብ ዙር ኣንታልያ [ቱርኪ] ዝርኣናዮ፡ ኣብ ጽቡቕ ኣቃውማ ከምዘሎ ኣርእዩ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ጸወትኡ ክዛረብ እንተኾይነ ሄኖክ ሙሉብርሃን፡ ኣብ ቅጽበታዊ ውድድር የድምዕ'ዩ፡ ኣብ ዓቐበት ጽቡቕ ይድይብ እዩ፡ ኣብ ጎልጎል'ውን ካብ ሰቡ ኣይሓምቕን'ዩ፡ ዙር ርዋንዳ ኸኣ ዝበዝሓ ዓቐብን ቁልቑለትን እዩ፡ ኣብ ዓቐበት ኸኣ ሄኖክ ክዕወት'ዩ ኢለ ካብ ዝጽበዮም ተጻወትቲ ሓደ እዩ።
ሄኖክ ኣመጻጽኡ ጽቡቕ'ዩ፡ ምስ ናትናኤል ተስፋጽየን ብምዃን ነቶም ቅድሚኦም ዝነበሩ ተጻወትቲ ግዜ ከይሃቡ ዓወታት ከመዝግቡ ዝተራኣዩ ተጻወትቲ'ዮም፡ ኣብ ውድድራት ብቕልጡፍ'ዮም ዓብዮም።
ብዩሲኣይ ኣብ ዝተወደበ ጸወታታት ብዙሕ ዓወታት ከመዝግቡ ርኢናዮም ኢና፡ ስለዚ ሄኖክ ሙሉብርሃን ሓደ ካብቶም ዝሓሹ ብቕዓት ሒዙ ናብዚ ውድድር ዝኣቱ ዘሎ እዩ፡ ንነብሱን ንጋንትኡን [ጀርመናዊት ጋንታ ባይክ አይድ] ዓወት ሑዝላ ክወጽእ'ዩ፡ ከም ኤርትራዊ መጠን ኸኣ ኣብዚ ውድድር ባንዴርደኡ ከንበልብል'ዩ ዝብል ግምት ኣለኒ።
መትከል እዮብ
መትከል እዮብ ተመክሮ ዘለዎ ተጻዋታይ እዩ ምስ ጋንትኡ ማሊዥያዊት ጋንታ ትራንጋኑ ፖሊጎን ኮይኑ ኣብ ብዙሕ ቱራት ናይ ዩሲኣይ ብምጽዋት ተመክሮ ዝደለበን ብቕዓት ዘለዎን ተጻዋታይ እዩ።
መትከል ምስ ጋንትኡ ብምዃን ብዙሕ ዓመታት ስለዝተጻወተ ጋንትኡ'ውን ጽቡቕ ገይሮም ብቕዓቱ ክፈልጥዎ ክኢሎም'ዮም።
ኣብ ዓቐበት ጽቡቕ ዘድምዕ ተጻዋታይ'ዩ ኣብዚ ውድድር'ውን ኣድማዒ ኮይኑ ከምዝወጽእ ትጽቢት ገይረሉ ኣለኹ።

ምንጪ ስእሊ, Metkel Eyob
ኣነ ንመትከል ካብ ብንእሽትኡ'የ ዝፈልጦ፡ ናብዚ ዕብየት እዚ ብስርዑንን ዘየቋርጽን ብቕዓት እዩ በጺሑ፡ ኣብ ታሪኽ ናይ ዙር ርዋንዳ እንተሪኢና ኸኣ ዋላ'ዃ ዕዉት ብጫ ማልያ ኮይኑ ውድድሩ ኣይዛዝም፡ ሓሙሽተ ግዜ ተዓዋቲ ናይ መድረኽ ክኸውን ክኢሉ እዩ።
ስለዚ ኣብዚ ውድድር እዚ ነቲ ናይ ቀደም ተመክርኡ ሓዊሱ፡ ኣብ ዙር ኣንታልያ ዘርኣዮ ብቕዓት ኣብዚ ክደግሞ እንተኽኢሉን ጋንትኡ ከም መራሒ ገይራ ናብዚ ውድድረ እንተኣእትያቶን ካብቶም ነዚ ውድድር ክዕወቱሉ'ዮም ዝብሎም ሓደ እዩ።
ኣብ መደምደምታ

ምንጪ ስእሊ, Aklilu Tseggai
ናትናኤል ተስፋጽዮንን ሄኖክ ሙሉብርሃንን ኣብ በበይነን ጋንታታት ድኣ ይዕበዩ'ምበር፡ ካብ ውድድር ማውንተይን ባይክ ኣትሒዞም ብሓደ እዮም ዓብዮም፡ ዓወታት እናተቐባበሉ ዝሓለፉ ተጻወትቲ'ዮም፡ ኣብ ጸወታ ኸኣ ብግቡእ'ዮም ዝናበቡ።
መን ኣበይ የድምዕ ክልቲኦም ይፋለጡ'ዮም፡ ጋንታታቶም ከም መራሕቲ ገይሮም እንተኣእትየነኦም እቲ ውድድር ኣብ ሰለስቲኦም [እንከላይ መትከል እዮብ] ክኸውን ይኽእል እዩ።
እዚ ክብል እንከለኹ መትከል 'ሲንየር' ናቶም እዩ፡ ክልቲኦም ኸኣ ንነዊሕ ዓመታት ብሓደ ዝተጻወቱ እዮም፡ ጋንታታቶም ነናተን ክዕወቱ ክደልየኦም ንቡር እዩ፡ ኣብቲ ናይ ኤርትራውያን ተጻወትቲ ክንዛረብ እነተኾይንና ግን ባንዴርኦም እናሓሰቡ ስለዝወዳደሩ እዞም ተጻወትቲ ንሓድሕዶም ክተሓጋገዙ ምዃኖም ርግጸኛ እየ፡ ካብ ሰለስቲኦም ሓደ ብውሕዱ ኣብ ሓደ መድረኽ ከምዝዕወት ኸኣ ርግጸኛ'የ።
ዝሳተፋ ጋንታታት
ዎርልድ ቱር፡ እስራኤል ስታርት ኣፕ ኔሽን
ፕሮ ቲም፡ቶታል ዳይሬክት ኢነርጂ [ፈረንሳ]፣ ቢ ኤንድ ቢ ሆቴልስ [ፈረንሳ]፣ ቲም ኖቮ ኖርዲክ [ኣመሪካ]፣ ኣንድሮኒ ግዮካሊ [ጣልያን]፣ ቡርጎስ ቢኤች [ስጳኛ]።
ዩሲኣይ ኮንቲነንታል ቲም፡በንዲክሽን ሳይክሊንግ ቲም [ርዋንዳ]፣ ፕሮ ታች ቲም [ደቡብ ኣፍሪቃ]፣ ባይክ ኣይድ [ጀርመን]፡ ቲኤስጂ ተራንጉኑ [ማሊዥያ]. ቲም ኮፕ [ኖርወይ]፣ ዋይልድ ላይፍ ጀነረሽን [ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ]. ቲም ኤስከይሴስ [ጀርመን]፣ ታርተሌቶ ኣይዞረክስ[በልጂም]
ሃገራውያን ጋንታታት: ርዋንዳ፣ ኣልጀርያ፣ ሞሮኮን ዓባይ ብሪጣንያን

መደብ ጸወታ
እቲ ውድድር ሸውዓተ መድረኻትን ሓንቲ ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድርን ዝሓዘ ኮይኑ ተወዳደርቲ ኣብ ሸሞንት መዓልታት 933.2 ኪሎ ሜትር ክሽፍኑ'ዮም።
- ቀዳማይ መድረኽ ፡ ኣብ ውሽጢ ኪጋሊ 4 ኪሎ ሜትር ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር
- ካልኣይ መድረኽ፡ ኪጋሊ- ርዋማንጋን 148,3 ኪሎ ሜትር
- ሳልሳይ መድረኽ፡ ኪጋሊ- ሩባቩ 152 ኪሎ ሜትር
- ራብዓይ መድረኽ፡ ኪጋሊ- ጂኩምቢ 124,3 ኪሎ ሜትር
- ሓምሻይ መድረኽ፡ ሙሃንጋ-ሙሳንዘ124,7 ኪሎ ሜትር
- ሻድሻይ መድረኽ፡ ሙሳንዘ-ኪጋሊ 152 ኪሎ ሜትር
- ሻብዓይ መድረኽ ኪጋሊ- ማውንት ኪጋሊ 152,6 ኪሎ ሜትር
- ሻምናይ መድረኽ፡ ኣብ ውሽጢ ኪጋሊ 75,3 ኪሎ ሜትር





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







