ዙር ርዋንዳ 2022፡ ናትናኤል ተስፋጽዮን፡ መትከል እዮብን ሄኖክ ሙሉብርሃንን ኣብ ዙር ርዋንዳ ክሳተፉ'ዮም

ናትናኤል ተስፋጽዮን ዕዉት ብጫ ማልያ ዙር ርዋንዳ ኮይኑ

ምንጪ ስእሊ, TourDuRwanda2020

ምስ ኢጣልያዊት ጋንታ ድሮን ሆፐር ዝወዳደር ዕዉት ብጫ ማልያ ዙር ርዋንዳ 2020 ናትናኤል ተስፍጽዮን ኣብ ዙር ርዋንዳ 2022 ክሳተፍ ምኳኑ ጋንትኡ ኣፍሊጣ።

ናትናኤል ተስፋጽዮን፡ ኣብ ዙር ርዋንዳ 2020 ብዘይካ ብጫ ማልያ፡ ንዝበለጸ መንእሰይ ትውሃብ ጻዕዳ ማልያ'ውን ተሸሊሙ ምንባሩ ዝዝከር'ዩ።

ኣብ ዙር ጋቦን ላ ትሮፒካለ ኣሚሳ ባንጎ 2020'ውን ካብ ዕዉት ብጫ ማልያ ብሓንቲ ካልኢት ጥራይ ድሒሩ ካልኣይ ኮይኑ ውድድሩ ክዛዝም እንከሎ፡ ኣብቲ ውድድር ንዝበለጸ መንእሰይ ትውሃብ ጻዕዳ ማልያ ክዕወተላ እንከሎ ኣብ ኣንበሳ ዓቐብ ኸኣ ሓሙሻይ ኮይኑ ውድድሩ ዛዚሙ።

ኣብዚ ካብ 20 ክሳብ 27 ለካቲት ዝካየድ ዙር ርዋንዳ ናትናኤል ተስፋጽዮን፡ መትከል እዮብን ሄኖክ ሙሉብርሃንን መምስ ጋንትኦም ኮይኖም ክወዳደሩ'ዮም።

ካብ 2018 ጀሚሩ ምስ ትራጋጋኑ ፖሊጎን ተጠርኒፉ ዝወዳደር ዘሎ መትከል እዮብ ሎሚ ዓመት ን8ይ ግዚኡ'ዩ ኣብ ዙር ርዋንዳ ዝሳተፍ ዘሎ።

መትከል እዮብ

ምንጪ ስእሊ, Metkel Eyob

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ኣብ ዙር ርዋንዳ ከም ዘይትሳተፍ ኣዳለውቲ እቲ ውድድር ሓቢሮም ነይሮም።

መርበብ ሓበሬታ እቲ ዙር፡ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ንቅጥዕታት መመርሒታት ጥዕና እቲ ውድድር ስለ ዘየማለአት ኣብቲ ውድድር ከም ዘይትሳተፍ ገሊጹ'ዩ።

መትከል እዮብ፡ ኣቀዲሙ ኣብ ዝተሳተፎ ዙር ርዋንዳ 5 ግዜ ናይ መድረኽ ዕዉት ክኸውን ክኢሉ እዩ።

ኣብ 2013 ኣብ 6ይ መድረኽ፣ ኣብ 2015 ኣብ 7ይ መድረኽ፣ ኣብ 2016 ኣብ 5ይ መድረኸ ኣብ 2017 ኸኣ ንራብዓይን ንሻድሻይ መድረኻት ክዕወተለን ክኢሉ።

መትከል ኣብ ዙር ርዋንዳ ኣብ 2016 ከምኡ'ውን 2017 ኣብ ብጫ ማልያ ካልኣይ ኮይኑ ዝዛዘመን ኣብቲ ውድድር ዓቢ ስም ዘጥረየን ተቐዳዳማይ'ዩ።

መትከል፡ ኣብ 2021 ከምኡ'ውን ኣብ 2020 ምስ ጋንታ ትራንጋኑ ፖሊጎን፡ ኣብ 2017 ከምኡ'ውን 2016 ምስ ደቡብ ኣፍሪቃዊት ጋንታ ዳይመንሽን ዳታ፣ ኣብ 2015 ምስ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፣ ኣብ 2013 ከምኡ ኸኣ 2012 ኸኣ ምስ ጋንታ ኣስቤኮ ብምኻን'ዩ ኣብ ዙር ርዋንዳ ተሳቲፉ።

ሄኖክ ሙሉብርሃን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ብደረጃ ሃገር ቢንያም ግርማይ ኸኣ ብውልቁ ዩሲኣይ ኣብ 2021 ካብ ኣፍሪቃ ዝበልጽ ከም ዝበሎም ዝዝከር ኮይኑ፡ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ካብዚ ሓደ ካብ በዳህቲ ውድድራት ኣፍሪቃ ዝኾነ ዙር ርዋንዳ ምብኳራ ኣብ ደረጃኣ ብዙሕ ከኽስራ ከም ዝኽእል ብዙሓት ይዛረቡ።

ዙር ርዋንዳ ኣብ 2019 ደረጅኡ ናብ 2.1 ክብ ካብ ዝብል ኣብ 2019 መርሃዊ ቅዱስ፣ ኣብ 2020 ናትናኤል ተስፋጽዪን ክዕወትሉ እንከለዉ፡ ኣብ 2021 ኸኣ ስጳኛዊ ክሪስትያን ሪድሪገዝ ተዓዊትሉ።

ዳንኤል ተኽለሃይማኖት'ውን ኣብ 2010 ዕዉት ዙር ርዋንዳ ኮይኑ ምንባሩ ይዝከር።

1px transparent line

ዝሳተፋ ጋንታታት

ዎርልድ ቱርእስራኤል ስታርት ኣፕ ኔሽን

ፕሮ ቲም፡ቶታል ዳይሬክት ኢነርጂ [ፈረንሳ]፣ ቢ ኤንድ ቢ ሆቴልስ [ፈረንሳ]፣ ቲም ኖቮ ኖርዲክ [ኣመሪካ]፣ ኣንድሮኒ ግዮካሊ [ጣልያን]፣ ቡርጎስ ቢኤች [ስጳኛ]።

ኣይ ኮንቲነንታል ቲም፡

  • በንዲክሽን ሳይክሊንግ ቲም [ርዋንዳ]፣ ፕሮ ታች ቲም [ደቡብ ኣፍሪቃ]፣ ባይክ ኣይድ [ጀርመን]፡ ቲኤስጂ ተራንጉኑ [ማሊዥያ]. ቲም ኮፕ [ኖርወይ]፣ ዋይልድ ላይፍ ጀነረሽን [ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ]. ቲም ኤስከይሴስ [ጀርመን]፣ ታርተሌቶ ኣይዞረክስ[በልጂም]

ሃገራውያን ጋንታታት:ርዋንዳ፣ ኣልጀርያ፣ ሞሮኮን ዓባይ ብሪጣንያን

1px transparent line

መደብ ጸወታ

እቲ ውድድር ሸሞንተ መድረኻት ዝሓዘ ኮይኑ ተወዳደርቲ 933.2 ኪሎ ሜትር ክሽፍኑ'ዮም።

  • ቀዳማይ መድረኽ፡ ኣብ ውሽጢ ኪጋሊ 4 ኪሎ ሜትር ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር
  • ካልኣይ መድረኽ፡ ኪጋሊ- ርዋማንጋን 148,3 ኪሎ ሜትር
  • ሳልሳይ መድረኽ፡ ኪጋሊ- ሩባቩ 152 ኪሎ ሜትር
  • ራብዓይ መድረኽ፡ ኪጋሊ- ጂኩምቢ 124,3 ኪሎ ሜትር
  • ሓምሻይ መድረኽ፡ ሙሃንጋ-ሙሳንዘ124,7 ኪሎ ሜትር
  • ሻድሻይ መድረኽ፡ ሙሳንዘ-ኪጋሊ 152 ኪሎ ሜትር
  • ሻብዓይ መድረኽ ኪጋሊ- ማውንት ኪጋሊ 152,6 ኪሎ ሜትር
  • ሻምናይ መድረኽ፡ ኣብ ውሽጢ ኪጋሊ 75,3 ኪሎ ሜትር