ኮሮናቫይረስ: ህዝቢ ኤርትራ ክታበት ክወሃቦ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን ሰብሞያ ጥዕና ጸዊዖም

ከተማ ኣስመራ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ውሽጢ ዓዲን ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ኣብ ዘለዉ መዓስከራትን ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ ዕድል ክታበት ኮቪድ-19 ክረክብ ሓያሎ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን ሰብሞያ ጥዕና ጸዊዖም።

እቶም ሓካይም፡ ክኢላታት ባዮሜዲክስ (ስነ ህይወት)፡ ተመራመርቲ፡ ነርሳትን ዝርከብዎም ኣብ ስደት ዝነብሩ 62 ኤርትራውያን ሰብ ሞያ ጥዕና፡ ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ካብቲ ናይ ኮቫክስ (COVAX) ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዓለምለኻዊ ፕሮግራም ንኤርትራ ብህጹጽ ናይ ኮቪድ-19 ክታበት ክምድብ ክታሞም ብምንባር ናብ ውድብ ጥዕና ዓለም መጸዋዕታ ኣቕሪቦም።

ኮቪድ-19 ዓለምለኻዊ ግብረ መልሲ ዘድልዮ ዓለማዊ ለበዳን ግድል ምዃኑ ምስ ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ከምዝሰማምዑ ብምግላጽ ነቲ ለበዳ ንምግታእ፡ ኣንጻር ሳርስ-ኮቭ-2 ዝግበር ክታበት፡ እቲ ዝበለጸ ኣተባባዒ መሳርሒ ምዃኑ ከምዝፈልጡ ኣነጺሮም።

ፕሮግራም ኮቫክስ፡ ኣብ ምሉእ ዓለም ብፍላይ ድማ ኣብ ከም ኤርትራ ዝኣመሰላ ድኻታት ሃገራት ዝግበር ናይ ህይወት ኣድሕን ክታበት፡ ፍትሓውን ማዕርነታውን ኣገልግሎት ንምርካብ ዘኽእል ቅኑዕ ኣንፈት ምዃኑ እውን ኣስሚሮምሉ።

ኤርትራ: ኣብቲ ዓለምለኻዊ ምትሕብባር ኮቫክስ ዘይተጸንበረት እንኮ ኣፍሪቃዊት ሃገር ብምዃና ንኤርትራውያን ናይ ክታበት ዕድል ከም ዝነፈገቶም ድማ እቶም ኤርትራውያን ሰብሞያ ጥዕና ኣረዲኦም።

ከምኡ ዝኣመሰለ 'ዘይሓላፍነታዊ ተግባር ከኣ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ከምዘእትዎን' ነቲ ለበዳ ንምግታእ ኣብ ዝግበር ዓለም ለኻዊ ስትራተጂ እውን ኣሉታዊ ኣበርክቶ ከምዘለዎን ነቶም ብሓድሽ ቅርጽን ምስልን ዝራብሑ ዘለዉ ዓሌታት ናይቲ ቫይረስ ከኣ ምቹእ ናይ ምርባሕ ዕድል ከምዝፈጥረሎምን ኣዘኻኺሮም።

ኣመጻጽኣን ኣመዓባብላን ደልታን ኦሚክሮን ዝተባህሉ፡ ኣብ መስርሕ ዓይነቶምን ምስሎምን ቀይሮም ዝመጽኡ ናይ ኮቪድ-19 ሓደስቲ ዓሌት ዝተፈጥርሉ ኣጋጣሚ ምዝካር ኣገዳሲ ምዃኑ ብምርዳእ ዘይምኽታብ፡ ንኣድማዕነት ሓባራዊ ቃልሲ ኣንጻር ለበዳ ኮቪድ-19 ክብድሆን ከሰናኽሎን ከም ዝኽእል ኣተሓሳሲቦም።

"መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ዘለዎ ሓላፍነት ስለዘይወሰደ፡ ንሕና ሞያውያን ሕክምና ኣብ ክንዲ እቲ ዝተጎድአ ኤርትራዊ ማሕበረሰብ ኮይንና ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ንመንግስቲ ኤርትራ ከይተጸበየ ቤት ጽሕፈትኩም ንህዝቢ ኤርትራ ንምኽታብ ኣድላይ ዘበለ ስጉምቲ ክወስድ ንምሕጸን" ክብሉ ናብ ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ፌርመኦም ዘንበሩሉ መጸዋዕታ ኣቕሪቦም።

ብተወሳኺ፤ ኣዚዮም ብዙሓት ኤርትራውያን ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ንዘለው እውን ተመሳሳሊ ኣቓልቦ ክግበረሎም ኣዘኻኺሮም።

ነቶም ስደተኛታት ኣብ ዝግበር ሓገዝ፤ ኣብ ምዝርጋሕን ምኽታብን ምስ ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ክተሓባበሩ ድልወነቶም ኣረጋጊጾም።

ኣብዚ ቀረባ መዓልታት፡ ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ብሰንኪ ክታበት ኣብቲ ካብ 20 ክሳብ 27 ለካቲት 2022 ዝካየድ ዙር ርዋንዳ ከይትሳተፍ ምኽልካላ ፖሊሲ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ክታበት ከዘራርብ ቀንዩ ነይሩ።

ኣካየድቲ እቲ ውድድር ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ኣባላት እታ ጋንታ ክታበት እንተወሲዶም ወይ ዝተኸትቡ ፕሮፈሽናላት ተቐዳደምቲ እንተለዉ፡ እታ ጋንታ ክትሳተፍ ከምእትኽእል ገሊጾም።

እዋናዊ ኩነታት ለበዳ ኣብ ኤርትራ

መንግስቲ ኤርትራ ስለምንታይ ክታበት ክህብ ከምዘይመረጸ ብወግዒ ዝሃቦ መግለጺ የለን።

ኣብዚ ቀረባ እዋን መጠን መልከፍቲን ሞትን እናወሰኸ ብምኻዱ ግን ተወሰኽቲ እገዳታትን መምርሒታትን ክህብ ተራእዩ ነይሩ።

ቤት ጽሕፈት ሚኒሰትሪ ጥዕና

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ብመሰረት ሓበሬታ ሚኒስትሪ ጥዕና፡ ክሳብ ሎሚ ኣብታ ሃገር 9,580 በቲ ቫይረስ ተለኺፎም፡ 99 ድማ ሞይቶም ኣለዉ።

እቶም 9299 ሓውዮም ናብ ገዝኦም ዝተፋነዉ ክኾኑ እንከለዉ፡ እቶም ዝተረፉ ኣብ ሆስፒታላት ክንክን ይግበረሎም ኣሎ።

ኣብ ፈለማ ዓመት ናይቲ ለበዳ ኤርትራ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ተሪር ዕጽዋ ኣዊጃ ምንባራን፡ እቲ ናይ ምርጋጥ ስጉምቲ ጥምየት ዝርከቦ ከቢድ ቁጠባውን ማሕበራውን ቅልውላዉ ኣስዒቡ ነይሩ።

መንግስቲ ነቲ በቲ ለበዳ ዝተሃስየ ቁጠባ ንምብርባር ይኹን ንድኻታት ስድራቤታት "ንርዱእ ምኽንያታት" ደገፍ ክህብ ከም ዘይክኣለ ገሊጹ ነይሩ።

ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት፡ ኣብ ውሽጢን ኣብ ወጻኢን ዝርከቡ ኤርትራውያን ዜጋታት ብውልቀን እኩብን ንዝተጸገሙ ስድራቤታት ንምድጋፍ ዝንኣድ ጻዕርታት ተራእዮም።