ኮሮናቫይረስ፡ ኤርትራ ክታበት ብዘይምጅማራ ህዝቢ ዘጋጥሞ ዘሎ ጸገማት

ክታበታት ኮሮናቫይረስ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ብርክት ዝበላ ሃገራት፡ ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ ንምቁጽጻር ብዝብል ካብ ዘውጽእኦ ወይ ዝትግብርኦም መምርሒታት ሓደ ሰብ ክታበት ኮሮናቫይረስ ከም ዝወሰደ ዘረጋግጽ ሰርተፊኬት ክታበት ክህልዎ ይግባእ ዝብል ይርከቦ።

በዚ ምኽንያት መንግስታት ዜጋታቶም እቲ ክታበት ክወስዱ ዘተባብዑ መገዲታት ክጥቀሙን ከገድዱን ይረኣዩ ኣለው።

ኣብ ኣፍሪቃ፡ እታ እንኮ ንህዝባ ክታበት ኮሮናቫይረስ ምሃብ ዘይጀመረት ሃገር ኤርትራ ምዃና ካብ ማእከል ምቁጽጻር ሕማማት ኣፍሪቃ [ሲዲሲ] ዝተረኽበ መረዳእታ የመልክት።

ኣብዚ እዋን፡ ብዙሓት ሃገራት ዘይተኸተበ ሰብ ናብ ሃገረን ከይኣቱ ዝኽልክል ሕግታት የተኣታትዋ ስለ ዘለዋ ከኣ ኤርትራውያን ክገሹለን ዝኽእሉ ሃገራት ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናውሓዳ ይኸዳ ኣለዋ።

ሓያሎ ዜጋታታ ድማ ብስራሕ ይኹን ካልእ ንግዳዊ ንጥፈታት ካብ ኤርትራ ኣብ ዝወጽኡሉ ኣብተን ዝኣተዉለን ሃገራት [ብፍላይ ጎረባብቲ ሃገራት] ክታበት ክወስዱ ይግደዱ ምህላዎም ምጭታት ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ሰለሙን ካብ ሃገረ ሆላንድ ብምብጋስ ንወላዲቱ ኣብ ኬንያ ከሐክመን ውጥን ካብ ዘውጽእ ሓያሎ እዩ ገይሩ።

ሕጂ ግዚኡ ስለ ዝኣኸለ ግን ኣዲኡ ካብ ኣስመራ ንሱ ካብ ሆላንድ ኣብ ኬንያ ክራኸቡ ተቛጺሮም።

"ኣደይ ናብ ኬንያ ከይተኸተበት ክትኣቱ ስለ ዘይትኽእል፡ ናብ ኢትዮጵያ ከይዳ ከምእትኽተብ ገይረ። ቀዳማይ ብልቃጥ ምስ ወግኡዋ ነቲ ካልኣይ ንኽወግእዋ ናይ ሰለስተ ሰሙን ቆጻራ ስለ ዝሃብዋ፡ ክሳብ ትኽተብ ኣብ ሓደ መቐበሊ ኣጋይሽ ኣጽኒሐ ዘይሓሰብክዎ ወጻኢታት ኣውጺአ" ብምባል ከይተሓስበ ኣዱኡ ኣብ ኢትዮጵያ ልዕሊ ሓደ ወርሒ ከም ዝገበረት ይገልጽ።

ብዙሓት ሰልዲ ዘለዎም ኤርትራውያን'ውን ናብ ኢትዮጵያ ገይሾም ተኸቲቦም ይምልሱ ምህላዎም ሓበሬታ ከም ዘለዎ ሰለሙን የዕልል።

"ሕጅስ ድሓን ኢትዮጵያ ዘይተኸተቡ ሰባት ትቕብል ኣላ፤ ጽባሕ ንጉሆ፡ ኢትዮጵያ ዘይተኸተቡ ሰባት ኣይቕበልን'የ እንተኢላ እንታይ እዩ ክኸውን?" ብምባል ከኣ ስክፈትኡ ይገልጽ።

ቢቢሲ፡ ብስራሕን ብኻልእ ጉዳይን ካብ ኤርትራ ዘወጽኡ ዜጋታት ተኸበቲኦም ከምዝመለሱ ኣረጋጊጹ። ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝርከቡ ግን እዚ ዕድል ተነጊፍዎም'ዩ ዘሎ።

ሓላፊ ማእከል ምቁጽጻር ሕማማት ኣፍሪቃ ሲዲሲ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ታሕሳስ ኤርትራ ክሳብ ሕጂ ንህዝባ ምኽታብ ዘይጀመረት እንኮ ኣፍሪቃዊት ሃገር ኮይና ትቅጽል ኣላ ምባሉ ይዝከር።

"ኤርትራ፡ ንስድራቤት ናይተን ክታበት ክህባ ዝተበገሳ 55 ሃገራት (ሕብረት ኣፍሪቃ) ዘይተጸንበረት እንኮ ሃገር'ያ" ክብል ዳይሬክተር ዶክተር ጆን ንከንጋሶንግ ተዛሪቡ።

ሲዲሲ፡ ዋላ'ውን ኤረትራ ክታበት ምሃብ ክትጅምር ተስፋ እንተሃለዎ እቲ ህዝቢ ዘይምኽታቡ ግን ቀስ እንዳበለ ዘለዎ ጸገማት እናጎለሐ ዝመጽእ ዘሎ ይመስል።

ኤርትራ ክታበት ብዘይምጅማራ ህዝቢ ዘጋጥሞ ዘሎ ጸገማት

ምንጪ ስእሊ, dikobraziy

ዘይምኽታብ ዝፈጥሮ ዘሎ መሰናኽላት

ኣዳለውቲ ቅድድም ብሽክለታ ርዋንዳ ኤርትራ ተቐዳደምታ ስለ ዘየኽተበት ኣብቲ ካብ 20 ክሳብ 27 ለካቲት 2022 ዝካየድ ውድድር ዙር ርዋንዳ ክሳተፉ ከም ዘይክእሉ ምስ ገለጹ ኣዘራራቢ ኮይኑ ቀንዩ።

ፕረዚደንት ፈደረሽን ቅድድም ብሽክለታ ርዋንዳ ሜሩንዚ ዓበደላ ንቡኩራት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣመልኪቱ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት እቲ ምኽንያት ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ክታበት ኮሮናቫይረስ ብዘይምውሳዶም ከም ዝኾነ ገሊጹ።

"ብዩሲኣይን [UCI] ብኣናን ንዝርገሐ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ዝሕግዝ ሕጋጋት ወጺኡ ኣሎ። ዝኾነ ኣብቲ ውድድር ዝሳተፍ ተጻዋታይ ይኹን ኣባል ጋንታ ዝተኸተበ ክኸውን ከም ዘለዎ ድማ ኣብቲ ሕጊ ሰፊሩ ኣሎ። ኣብ ኤርትራ ክኣ ጉዳይ ክታበት ቆላሕታ ዘይተውሃቦ ጉዳይ እዩ" ኢሉ።

ብርሃነ [ስሙ ክጥቀስ ስለ ዘይደለየ ዝተቀየረ] ተንታኒ ቅድድም ብሽክለታ እዩ።

ንሱ፡ ምስ ናይ ወጻኢ ጋንታታት ኮይኖም ዝጻወቱ ዘለዉ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ናብቲ ብመገዲ መሰልጠኒ ማእከል ዩሲኣይ ዝረኽብዎ ስልጠናን ኣብ ውድድራት ብዘርእይዎ ብቕዓትን ዓይኒ ዓበይቲ ጋንታት ከም ዝዓልቦም ይጠቅስ።

"ንኣብነት ቢንያም ግርማይ ኣብ ዙር ጋቦን ናትናኤል ተስፍጽዮን ኸኣ ኣብ ዙር ርዋንዳ ብዘርኣይዎ ብቕዓት ናብ ዝሓሻ ጋንታታት ንኽሰጋገሩ ዕድል ፈጢርሎም'ዩ" ይብል።

ብምስዓብ "እቶም ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኮይኖም ስኖም ነኺሶም ዝወዳደሩ ኸኣ ሓንቲ መዓልቲ ኣብ ከም ዙር ርዋንዳ ብቕዓቶም ኣርእዮም ናብ ዝበለጸ ደረጃ ንምሕኳር'ዩ። ሕጂ ግን ስለዘይተኸተቡ ክወጽኡ ኣይክኣሉን፤ እንተዘይወጺኦም ናብ ደረጃ ፕሮፌሽናል ኣይክሰጋገሩን'ዩ። ስለዚ ዘይምክታብ ሕልሚ ብዙሓት ተቐዳደምቲ እዩ ዘብርዕን ዘሎ" ይብል።

ዓለምለኻዊ ማሕበር ቅድድም ብሽክለታ ቅድሚ ሰሙን ኣብ ዘውጽኦ ደረጃ ቢንያም ግርማይ ብውልቁ ኤርትራ ኸኣ ብደረጃ ሃገር ካብ ኣፍሪቃ ቀዳሞት ከም ዝተሰርዑ ኣበሲሩ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።

ቢንያም ግርማይ ካብ መወዳእታ ጥሪ 2021 ክሳብ መወዳእታ ጥሪ 2022 ብሓፈሻ 877 ነጥቢ ብምውህላል'ዩ ካብ ኣፍሪቃውያን ተቐዳደምቲ ጸብለል ክብል ክኢሉ።

ብደረጃ ሃገራት ኣፍሪቃ ኤርትራ 1,974 ነጥቢ ብምውህላል ቀዳመይቲ ክትከውን ክኢላ።

ብርሃነ "ምናልባት ቢንያም ኣብ ወጻኢ ኮይኑ ይወዳደር ስለዘሎ፡ ነዚ ዘለዎ ደረጃ ክዕቅቦ ይኽእል ይኸውን፡ ኤርትራ ግን ካብ ዙር ርዋንዳ ክትእክቦ እትኽእል ዝነበረት ነጥቢ ድሮ ከሲራቶ ኣላ። ንኽታበት ዝምልከት ዝኾነ ፍታሕ እንተዘይመጺኡ ደረጃኣ ኣብቶም ኣብ ወጻኢ ኮይኖም ዝወዳደሩ ጥራይ ስለዝምርኮስ ንታሕቲ ገጹ ሸታሕታሕ ክብል'ዩ" ኢሉ።

ምሕጽንታ ሰብ ሞያ

ኣብ ውሽጢ ዓዲን ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ኣብ ዘለዉ መዓስከራትን ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ ዕድል ክታበት ኮቪድ-19 ክረክብ ሓያሎ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን ሰብ ሞያ ጥዕና ጸዊዖም ኣለው።

እቶም ክኢላታት ባዮሜዲክስ (ስነ ህይወት)፣ ተመራመርቲ፣ ነርሳትን ዝርከብዎም ኣብ ስደት ዝነብሩ 62 ኤርትራውያን ሰብ ሞያ ጥዕና ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ካብቲ ናይ ኮቫክስ (COVAX) ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዓለምለኻዊ ፕሮግራም ንኤርትራ ብህጹጽ ናይ ኮቪድ-19 ክታበት ክምድብ ክታሞም ብምንባር ናብ ውድብ ጥዕና ዓለም መጸዋዕታ ኣቕሪቦም።

ኮቪድ-19 ዓለምለኻዊ ግብረ መልሲ ዘድልዮ ዓለማዊ ለበዳን ግድል ምዃኑ ምስ ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ከም ዝሰማምዑ ብምግላጽ ነቲ ለበዳ ንምግታእ፡ ኣንጻር ሳርስ-ኮቭ-2 ዝግበር ክታበት፡ እቲ ዝበለጸ ኣተባባዒ መሳርሒ ምዃኑ ከም ዝፈልጡ ኣነጺሮም።

ፕሮግራም ኮቫክስ፡ ኣብ ምሉእ ዓለም ብፍላይ ድማ ኣብ ከም ኤርትራ ዝኣመሰላ ድኻታት ሃገራት ዝግበር ናይ ህይወት ኣድሕን ክታበት፡ ፍትሓውን ማዕርነታውን ኣገልግሎት ንምርካብ ዘኽእል ቅኑዕ ኣንፈት ምዃኑ እውን ኣስሚሮምሉ።

ኤርትራ: ኣብቲ ዓለምለኻዊ ምትሕብባር ኮቫክስ ዘይተጸንበረት እንኮ ኣፍሪቃዊት ሃገር ብምዃና ንኤርትራውያን ናይ ክታበት ዕድል ከም ዝነፈገቶም ድማ እቶም ኤርትራውያን ሰብሞያ ጥዕና ኣረዲኦም።

ከምኡ ዝኣመሰለ 'ዘይሓላፍነታዊ ተግባር ከኣ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ከም ዘእትዎን' ነቲ ለበዳ ንምግታእ ኣብ ዝግበር ዓለም ለኻዊ ስትራቴጂ እውን ኣሉታዊ ኣበርክቶ ከም ዘለዎን ነቶም ብሓድሽ ቅርጽን ምስልን ዝራብሑ ዘለዉ ዓሌታት ናይቲ ቫይረስ ከኣ ምቹእ ናይ ምርባሕ ዕድል ከም ዝፈጥረሎምን ኣዘኻኺሮም።

ኣመጻጽኣን ኣመዓባብላን ደልታን ኦሚክሮን ዝተባህሉ፡ ኣብ መስርሕ ዓይነቶምን ምስሎምን ቀይሮም ዝመጽኡ ናይ ኮቪድ-19 ሓደስቲ ዓሌት ዝተፈጥርሉ ኣጋጣሚ ምዝካር ኣገዳሲ ምዃኑ ብምርዳእ ዘይምኽታብ፡ ንኣድማዕነት ሓባራዊ ቃልሲ ኣንጻር ለበዳ ኮቪድ-19 ክብድሆን ከሰናኽሎን ከም ዝኽእል ኣተሓሳሲቦም።

ኣብ ሀልዝ ካናዳ ሬጉላቶሪ ሳይንቲስት ከምኡ'ውን ኣብ ዩኒቨርስቲ ካርልተን ኣጃንክት ፕሮፌሰር ዮውሃንስ ሃይለ'ውን ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት ነዚ ዘራጉድ ሓሳብ እዩ ሂቡ።

"ውድብ ጥዕና ዓለም ኩሉ ሰብ ክሳብ ዘይትኸተበ ዝኾነ ዝድሕን የለን ዝብል ጭርሖ ሒዙ'ዩ ዝኸይድ ዘሎ" ድሕሪ ምባል፡ ኣብ ኤርትራ ክታበት ዘይምጅማሩ ንኹሉ ህዝቢ ዓለም ስግኣት ምዃኑ ይገልጽ።

እቲ ምኽንያት ከረድእ እንከሎ ኸኣ "ከምዚ ንርእዩ ዘለና እዚ ቫይረስ ኣብቲ ዘይተኸተበ ሕብረተሰብ ኣትዩ ባህርያቱ ብምቕያር ካልእ ፈልቂ ወይ 'ቫርያንት' ኮይኑ ክመጽእ ይኽእል'ዩ ልክዕ ከምዚ ኦሚክሮን" ይብል።

ኣብ ኤርትራ ክሳብ ሎሚ 9651 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም ኣለው።

ካብዚኦም እቶም 9403 ሓውዮም ነናብ ቤቶም ዝተፋነው ኯይኖም 101 ብሞት ክፍለዩ እንከለዉ 147 ሰባት ኣብ ሆስቲታላት ተዓቊቦም ከም ዝርከቡ ሚኒሰትሪ ጥዕና እታ ሃገር ገሊጹ።

መንግስቲ ኤርትራ ስለ ምንታይ ክታበት ምሃብ ከም ዝተሓሰመ ክሳብ ሕጂ ብወግዒ ዝሃቦ መግለጺ የለን።

ትካል ህጻናት ሕቡራት ሃገራት ዩኒሴፍ፡ ኣብ ናይ 2021 ሓፈሻዊ ጸብጻቡ፡ መንግስቲ ኤርትራ ንክታበት ኮቪድ-19 ኣመልኪቱ ብተወፋይነት ይሰርሕ ከም ዘሎን ሕቡራት ሃገራት'ውን ምስ መንግስቲ ኤርትራ ይሰርሕ ከም ዘሎ ጠቒሱ ኣሎ።

ፕሮፌሰር ዮውሃንስ ሃይለ ግን "ብነጻ ክታበት ክንህበካ ኢና ንዓ ውሰድ ተባሂሉ ዝሕሰም መንግስቲ እንታይ ኢልካ ኢኻ'ሞ ክትገልጾ፡ ኣንጻር ህዝቡ ደው ኢሉ ዓጡቑ ኣሎ ኢኻ ክትብሎ ትኽእል" ብምባል ይገልጾ።

ሚኒስትሪ ጥዕና ኣብ ካልኣይ ሰሙን ወርሒ ታሕሳስ ኣብ ዘውጽኦ ሓዲሽ መምርሒ፡ ነቲ ለበዳ ንምግታእ ብ6 ሰነ 2021 ዝወጸ መምርሒታት ኣብ ቦትኡ ከም ዘሎ ብምዝኽኻር፡ ኩሉ ዜጋ ብእኡ ተመሪሑ ክኸይድ ብምጽዋዕ መምርሒታት ኣውጺኡ።

እቶም ኣብዚ እዋን'ዚ ጸኒዖም ዘለዉ መምርሒታት ከም መርዓ፣ ሓዘንን ጥምቀት ወይ ስማያ ዝበሉ ማሕበራዊ ጉዳያት ብኣዝዩ ውሑድ ቁጽሪ [ካብ 40 ዘይበዝሑ] ክካየዱ፣ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ምጥቃም ከምኡ'ውን ኣካላዊ ምርሕሓቕ፣ ከምኡ'ውን ጽሬት ኣእዳውን ምምካን ኣቚሑን ብጥብቂ ክዝውተር ይግባእ ዝብሉ'ዮም።