ካልኣይ ማዕበል ኮሮናቫይረስ ዘስግኣ ርዋንዳ ንዋና ከተምኣ ዳግማይ ናብ ምሉእ ዕጽዋ አእትያታ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ካልኣይ ማዕበል ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዘስግኦ መንግስቲ ርዋንዳ ዋና ከተማ'ታ ሃገር ዝኾነት ኪጋሊ ን15 መዓልታት ኣብ ምሉእ ዕጽዋ ክትጸንሕ ወሲኑ።
እታ ሃገር ነዚ ውሳነ ዘሕለፈት ኣብዚ ካልኣይ ማዕበል ለበዳ "ቅድሚ ሎሚ ዘየጋጠማ ሞትን ልዑል መጠን መልከፍትን" ክረኣይ ብምኽኣሉ'ዩ።
ኪጋሊ ናብ ዕጽዋ ክትኣትው፤ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንፈለማ እዋን ካብ ዝተረኣየሉ እዋን ጀሚሩ ምስዚ ናይ ሎሚ ንኻልኣይ ጊዜኣ ምዃኑ ተፈሊጡ።
መንግስቲ ርዋንዳ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ መጋቢት ን45 መዓልታት ዝጸንሐ ዕጽዋ ኣብ ምሉእ'ታ ሃገር ደንጊጉ ነይሩ።
ትማሊ ምሸት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ድማ ብዘይካ ኣገደስቲ ዝበሃሉ ኣገልግሎታት ዝህቡ ኣካላት፤ ካልእ ሰብ ካብ መንበሪ ገዛ ወጻኢ ንዝገብሮ ዝኾነ ዓይነት ምንቅስቓስ ፍቓድ ፖሊስ ክረክብ ከምዝግደድ ኣጠንቂቑ።
ካብን ናብን ኪጋሊ፣ ግዝኣታትን ኣውራጃታትን ዝግበር ምንቅስቓስ ብዘይካ ንኣገዳሲ ስራሕን ንቱሪዝምን ንኻልእ ጉዳይ ተኣጊዱ'ሎ።
በጻሕቲ ዓዲ'ውን ካብ ኮቪድ-19 ነጻ ምዃኖም ዘረጋግጽ ናይ ሕክምና ወረቐት ምስክር ክሕዙ ከምዘለዎም ተወሲኑ።
ኣገልግሎት ህዝባዊ መጓዓዝያ ክቋረጽ ዝተገበረ ኮይኑ፤ ኣገዳሲ ኣግልግሎት ዝህቡ ጥራይ እንተዘይኮይኖም ኩሎም ኣብ መንግስታውን ውልቀን (ብሕቲን) ትካላት ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ካብ ገዝኦም ኮይኖም ክሰርሑ ከምዝግደዱ እቲ መምርሒ ዕጽዋ የመልክት።
ናይ ኣምልኾ ቦታታትን ትካላት ትምህርትን'ውን ተዓጽየን ክጸንሐ እየን።
መንግስቲ ብደረጃ ሃገር ኣንቢርዎ ዝጸንሐ ኣዋጅ እቶ እቶ (ሰዓት ሕላፍ) ድማ ካብ ኣጋግዘ ሰዓት 6፡00 [12፡00 ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ] ጀሚሩ ክሳብ ወጋሕታ ሰዓት 04፡00 [10፡00] ክኸውን ኣማሓይሹ።
ኣብታ ሃገር ሓድሽ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ይውስኽ ዘሎ ኮይኑ፤ ሓድሽ ዓመት 2021 ካብ ዝኣትው ጀሚሩ ኣብታ ሃገር ካብ ዝተመዝገበ ሓድሽ መልከፍቲ እቲ 61 ሚኢታዊት ኣብ ከተማ ኪጋሊ ምዃኑ ሰብ መዚ ይሕብሩ።
መረዳእታ ዩኒቨርሲቲ ጆንስ ሆፕኪንስ ከምዘመልክቶ ረዋንዳ ዛጊድ 11,259 መልከፍትን 146 ሞትን ኣመዝጊባ'ላ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







