ሩዋንዳ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ብኣግባቡ ንዘይገብሩ ሰባት 10 ዶላር ክትቐጽዕ እያ

ሰበስልጣን ዋና ከተማ ሩዋንዳ ዝኾነት ኪጋሊ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ብኣግባቡ ዘይገብሩ ሰባት 10 ዶላር ክቐጽዑ ምዃኖም ኣፍሊጦም።
ኣብ ህዝባዊ ቦታታት መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ዘይገበሩ ከምኡ’ውን ብኣግባቡ ዘይተጠቐሙ ነበርቲ እታ ከተማ ግዳይ እቲ መቕጻዕቲ ከምዝኾኑ ተሓቢሩ’ሎ።
ብዘይካ’ዚ ክሳብ 2 ሜትሮ ኣካላዊ ርሕቐት ዘይሓለዉን ንዝተኣወጀ ሰዓት እቶ እቶ ዘየኽበሩን ዜጋታት’ውን ከምዝቕጽዑ’ዩ ዝተገለጸ።
ዝተፈላለዩ በዓላት ኮነ ካልኦት ድግሳት ዘዳለዉ ኣካላት 200 ዶላር ኣብቶም ምድላዋት ዝተረኸቡ ድማ 25 ዶላር ክቕጽዑ እዮም።
ኣብታ ሃገር ዛጊድ ልዕሊ 4,200 ሰባት ኮሮናቫይረስ ክተሓዙ ከለዉ 17 ሰባት ከምዝሞቱ ይግለጽ። ርዋንዳ ኣብ ምክልኻል እቲ ለብዒ ብዝወሰደቶም ዕውታት ስጉምትታት ትነኣድ።
ካብ ሃገራት ትሕቲ ሳህራ ኣፍሪቃ’ውን ፈለማይ ሕሙም ኮሮናቫይረስ ምስረኸመት ምሉእ ዕጽዋ ዝኣወጀት ፈላመይቲ ሃገር እያ።
ንገደባት ጥሒሶም ዝተረኸቡ ሰባት ከኣ ናብ ሜዳታት ኩዕሶ ወይ ኣብያተ ትምህርቲ ተወሲዶም ምሉእ መዓልቲ ወይ ምሉእ ለይቲ ከሕልፉ ይግበር ነይሩ።

![ቀዳማይ ሚኒስትር ነበር ኣቶ መለስ ዜናዊ [ጸጋም] ከምኡ'ውን ኣቶ ልደቱ ኣያሌው](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/660/cpsprodpb/879D/production/_113871743_1dd72b6c-7821-4bca-8314-9645bf4fd460.jpg.webp)


![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







