ኣብ ወጻኢ ሃገራት ንዝርከቡ ርዋንዳውያን ምእዙዛት ክኾኑ ዘገድድ ማሕላ

ኣብ ኤምባሲ ርዋንዳ ኣብ ለንደን: ሰባት ንሰልፊ ኣርፒኤፍ ምእዙዛት ክኾኑ ቃለ ማሕላ እናፈጸሙ ካብ ዘርእይ ቪድዮ ዝተወስደ ስእሊ

ምንጪ ስእሊ, YouTube

መግለጺ ስእሊ, ኣብቲ ቪድዮ፡ ሰባት ን "ጻላእቲ" ርዋንዳ ክቃለሱ ቃል እናኣተው ይረኣዩ፤ ቢቢሲ ገጾም ከም ዘይልለዩ ገይሩ ኣሎ።

ለንደን ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ርዋንዳ ዝተሳእለ ኣዘራራቢ ኮይኑ ዘሎ ቪድዮ-ስነስርዓት "ማሕላ"፡ ኣብ ልዕሊ ምልካዊ መንግስቲ እታ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ እትርከብ፡ ብገለ ነቐፍቲ'ውን ሓዳስ "ሰሜን ኮርያ" ዝብል ስም ዝወሃባ ሃገር ብዙሕ ክስታት ኣስዒቡ ኣሎ።

ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝነብሩ ርዋንዳውያን፡ እቲ ከምዚ ዝኣመሰለ ጽምብላት ልሙድ ምዃኑን፡ ፍርሕን ተማእዛዝነትን ንምስራጽ ዝግበር ምዃኑን ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ሓደ ሰብኣይ ምስቲ ስርዓት ንምትሕብባር ፍቓደኛ ብዘይምዃኑ፡ ኣብ ርዋንዳ ዝርከቡ ስድራቤቱ ከም ዝተጨወዩን ተቐቲሎም'ውን ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ይዛረብ። ሰበስልጣን ርዋንዳ ግና እቲ ክሲ መሰረት ዘይብሉ ሓሶት ብምባል ይነጽግዎ።

ኣብቲ ኣብ ዝሓለፉ መዓልትታት ኣብ 'ዋትስኣፕ' ዝዝርጋሕ ዘሎ ቪድዮ፡ ልዕሊ 30 ዝኾኑ ሰባት ኣብ ሓደ መኣከቢ ክፍሊ ኤምባሲ ርዋንዳ ኣብ ብሪጣንያ ኮይኖም፡ ኣእዳዎም ኣልዒሎም፡ ነቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሰልፊ ኣር-ፒ-ኤፍ ተኣማንነቶም የረጋግጹ።

"እንተጠሊመ ወይ ካብ ትልሚ ኣር-ፒ-ኤፍ እንተወጺአ፡ ንኹሎም ርዋንዳውያን ከም ምኽዳዕ እዩ፤ ብማሕነቕቲ ድማ እቕጻዕ" ክብሉ ይስምዑ: ብቋንቋ ኪንያርዋንዳ። ንሳቶም ወሲኾም፡ "ኣብ ዝሃለው ይሃልው፡ ንጸላእቲ ርዋንዳ" ክቃለስዎም ቃል ይኣትው።

ሰልፊ ግንባር ሓርበኛታት ርዋንዳ (ኣር-ፒ-ኤፍ) ነቲ ኣብ ለንደን ዝርከብ ኤምባሲ ንቅሉዕ ፖለቲካዊ መብጽዓ ምጥቃሙ ንባዕሉ'ውን ክስተብሃለሉ ዝግባእ እዩ።

'ፍርሒ ኣለዎም'

ገለ ካብቶም ኣብቲ ጽምብል ዝተሳተፉ፡ ኣብ 2017 ዝተፈጸመ ምዃኑን ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝነብሩ ሓቀኛታት ደገፍቲ እቲ ገዛኢ ሰልፊ ክኾኑ ከም ዝኽእሉን ክገልጹ እንከለው፡ ካልኦት ግና፡ ብዙሓት ኣብቲ ኣኼባ ዝተረኽቡ ብሰንኪ ዝበጽሖም ምፍርራሕ ምዃኑ ይዛረቡ።

"እዚ'ዩ ኣብ ኩሉ ዝኸውን ዘሎ፤ ተለሚዱ እዩ። ወይ ትምሕል ወይ ድማ ተቓዋሚ ኢኻ። ንጹር እዩ" ይብል ላዕለዋይ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ፖል ካጋመ ነበር፡ ዳቪድ ሃምቢራ።

ዳቪድ ካናዳዊ ኮይኑ፡ መምህር ዩኒቨርስትን ኣክቲቪስትን እዩ። ንሱ ህይወቱ ብሓይልታት ጸጥታ ርዋንዳ ብተደጋጋሚ ኣብ ሓደጋ ከም ዝኣተወ ይዛረብ።

ኣብ ቀረባ ኣብ ብሪጣንያ ብስርቂ ዝተኣሰረ ብሪጣንያዊ ርዋንዳዊ ተሓላቒ መሰላት ሬነ ሙጌንዚ፡ "መብዛሕትኦም ስለ ዝፈርሑ እዮም ዝኸዱ። እንተዘይከይዶም፡ ንኣባላት ስድራቤቶም [ኣብ ርዋንዳ] ጸገም ከጋጥሞም እዩ ኢሎም ይኣምኑ" ይብል።

"ኣብ ኣር-ፒ-ኤፍ ንጡፍ ክትከውን ኣሎካ። ወላ ገለልተኛ እንተኾንካ . . . ንተቓወምቲ ከም እትድግፍ ይጥርጥሩኻ" ኢሉ።

ብዛዕባ እቲ ናይ ቃለ ማሕላ ስነስርዓት ዝተሓተተ ኤምባሲ ርዋንዳ ኣብ ብሪጣንያ፡ ብኢመይል ኣብ ዝሃቦ ምላሽ ርዋንዳውያን ኣባላት ዳያስፖራ ነቲ መኣከቢ ኣዳራሽ ንዝተፈላለየ ባህላዊ ጉዳያት ከም ዝጥቀምሉን ንሰልፊ ኣር-ፒ-ኤፍ ድጋፎም ምግላጾም ሕጋውን ብድልየቶም ዝገበርዎን ወላ ሓደ ዝተገደደ ከም ዘየሎን ሓቢሩ።

"ኣሕዋተይ ተጨውዮም ነይሮም"

ቢቢሲ ግና፡ መንግስቲ ርዋንዳ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ንዝነበሩ ዘይምእዙዛት ዜጋታቱ ከፈራርሕ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ርዋንዳ ንዝርከቡ ኣዝማድ እዞም ሰባት ዕላማ ብምግባር ከሳቕዮም ከም ዝፍትን ዘርእይ ሓድሽ መርትዖ ረኺቡ።

ጂን ሰንጊማና (ጸጋም) ምስ ኣንቶይን ዚሃባምወ (የማን)

ምንጪ ስእሊ, Noel Zihabamwe

መግለጺ ስእሊ, ንዓመታት ሃለዋቶም ዘይፍለጥ ጂን ሰንጊማና (ጸጋም) ምስ ኣንቶይን ዚሃባምወ (የማን)

"ንዓይ ከፈራርሑ፡ ንኽልተ ኣሕዋተይ ጨውዮምዎም። ኣብ ፖለቲካ ዝኾነ ተሳትፎ ኣይነበሮምን። ኣብ ርዋንዳ እዮም ነይሮም። እዞም ሰባት ስለምንታይ ብዘይዝኾነ በደል ነዚ ከቢድ ዋጋ ይኸፍሉ?" ይብል ኣብ ኣውስትራልያ ዝነብር ኖኤል ዚሃባምዌ።

ዚሃባምዌ: ኣብ ማሕበረሰብ ርዋንዳ ኣብ ሲድኒ፡ ኣውስትራልያ ፍሉጥ ኣባል እዩ። ንሱ ኣብ 2006 እዩ፡ ካብቲ ዝተርኣዮ ጨቋኒ ፖለቲካዊ ኩነታት ብምህዳም፡ ስደተኛ ኮይኑ ናብታ ሃገር ኣትዩ።

ንመንግስቲ ኣር-ፒ-ኤፍ ብንጥፈት ክሕግዝ ፍቓደኛ ብዘይምንባሩ፡ ኣብ 2017 ካብ ሓደ ርዋንዳዊ ዲፕሎማት ናይ ሞት ምፍርራሕ ከም ዝበጽሖን ናብ ሰብ መዚ ኣውስትራልያ ከም ዝሓበረን ይዛረብ።

ብድሕሪ'ዚ ጂን ሰንጊማናን ኣንቶኒ ዚሃባምዌን ዝበሃሉ ክልተ ኣሕዋቱ ኣብ መስከረም 2019፡ ኣብ ከባቢ ከተማ ካራንጋዚ ካብ ኣውቶቡስ ብፖሊስ ከም እተወስዱን ብድሕሪኡ ከም ዘይተራእዩን ገሊጹ።

"ብዙሕ ጊዜ ከምዚ ዝኣመሰለ ምጭዋይን ምቕታልን ኣባል ስድራቤት እዮም ዝፍጽሙ። እዚ ደው ክብል ኣለዎ" ኢሉ።

ንሱ ወሲኹ፡ "መንግስቲ ርዋንዳ፡ ደሞክራስያዊ መሰላት ንኹሉ ዜጋ ከረጋግጽ፡ ዕላማ ዝገበረ ቅትለት፡ ምጭዋይ፡ ዘይሕጋዊ ማእሰርትን ከምዚ ከማይ ኣብ ዝኣመሰሉ፡ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝነብሩ ዜጋታት ነበር ምፍርራሕ ከቋርጽ" ይግባእ ኢሉ።

ንሱ ነዚ ጉዳይ ክዛረበሉ ዝወሰነ ኣሕዋቱ ተቐቲሎም እዮም ኢሉ ተስፋ ብምቑራጹ ምዃኑ ይገልጽ፤ እንተኾነ ግና: ጌና ንገዛእ ርእሱን ንኻልኦት ኣባላት ስድራቤቱን ስግኣት ከም ዘለዎ ሓቢሩ።

"ስለምንታይ እዮም እቲ ኣስከሬናት ኣበይ ከም ዘሎ ነቲ ስድራ ዘይሕብሩ፡ ሽዑ ብኣገባብ ክንቀብሮም? ኣብ ወጻኢ ብዙሓት ርዋንዳውያን መቕርቦም ስኢኖም ወይ ናፊቖም ኣለው።

"ኣንጻር ዘይፍትሓውነት ክዛረብ እየ። ንውሕዳት ጥራይ ዘይኮነ ንኹሉ ደው ዝብል መሪሕነት የድልየና ኣሎ" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

'እቲ ክስታት መሰረት የብሉን'

ኤምባሲ ርዋንዳ ኣብ ለንደን፡ እቲ ዚሃባምዌን ዝቐረበ ክስታት "ፖለቲካዊ ተቓወምቲ ናይ ሚድያ ኣቓልቦ ንምርካብ ዝብልዎ ሕሱር ብልሓት'ዩ" ብምባል ነጺግዎ።

እንተኾነ ግና ብዙሓት ተመራመርቲ፡ ጉጅለታት ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ዲፕሎማሰኛታትን ነቲ ከምዚ ዝኣመሰለ ክስታት ብዕቱብ ይርእይዎ እኳ እንተኾኑ፡ ሰብመዚ ርዋንዳ እቲ ብመንግስታት ምዕራብ ዝወሃብ ነቐፌታ ኣብ ኣህጉራዊ ዝምድናታት ርዋንዳ ብዙሕ ጽልዋ ከም ዘይብሉ ገምጊሞም እዮም ይብሉ።

መንግስቲ ርዋንዳ፡ ብምኽንያት እቲ ንርዋንዳ ዝቐየረን፡ ኣብ ኣፍሪቃ ሓንቲ ካብ ሰሓቢ ቁጠባ ክትከውን ዘኽኣለን ዕውት ናይ ልምዓት መደባቱ፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ካብ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ብዙሕ ምትብባዕን ገንዘባዊ ሓገዝን ተዋሂቡ እዩ።

"እቲ ኣተሓሳስብኦም - ድላይና ክንገብር ንኽእል ኢና፡ ንዝደለናዮ ንቐትል" ይብል ሓደ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ምንጭና።

ኣብ መጀመርታ እዚ ዓመት፡ እቲ ኣብ እዋን ህልቂት ርዋንዳ 1994 ንብዙሓት ዘዕቆበ ርዋንዳዊ ብግብረሽበራ ተኸሲሱ ናብ ርዋንዳ ከም ዝወሃብ ምስ ተገበረ ብዙሕ ተቓውሞታት ተሰሚዑ እዩ።

ህቡብ ዘማሪ ኪዚቶ ሚሂጎ ኣብ ቀይዲ ፖሊስ ድሕሪ ምምዋቱ'ውን ቁጥዐ ኣስዒቡ እዩ።

ኪዚቶ ሚሂጎ

ምንጪ ስእሊ, Kizito Mihigo/Facebook

መግለጺ ስእሊ, ወዲ 38 ዓመት ዘማሪ ኪዚቶ ሚሂጎ ኣብ ፈለማ ናይዚ ዓመት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሞይቱ ተረኺቡ

ኪዚቶ ብዘይሕጋዊ መገዲ ዶብ ርዋንዳ ክሰግር ከም እተትሓዘ ሰብ መዚ ይዛረቡ። ድሒሩ ርእሰ ቅትለት ከም ዝፈጸመ'ውን ገሊጾም። እንተኾነ ግና ብዙሓት ነዚ መብርሂ ኣይተቐበልዎን።

ዳይሬክተር ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ሳራ ጃክሰን "ርዋንዳዊ እንተኾይንካ፡ እቲ ዝቐለለን ውሑስን፡ ሱቕ ምባል እዩ" ትብል።

"ሰብ መዚ ርዋንዳ ኣብ ውሽጢ ኮነ ኣብ ወጻኢ፡ ዝርአ ኣብያ ንምጭፍላቕ ዝጥቀሙሉ ዝተፈላለየ ሜላታት ኣለዎም። ካብ ምስርጣይ ክሳብ ዘይሕጋዊ ማእሰርቲ፡ ጭውያ፡ ምስቓይን ኣብ ወጻኢ ሃገራት ንዝነብሩ ብዘይ ሕጋዊ መስርሕ ናብ ርዋንዳ ምምላስን ኣባላት ስድራቤትካ ምፍርራሕን ይርከብዎም" ኢላ።

ኤምባሲ ሩዋንዳ ኣብ ለንደን እዞም ክስታት ሓቅነት ከምዘይብሎምን፡ "ብኣጻብዕ ዝቑጸሩ. . . ንምስሊ ርዋንዳ ንምብልሻው ዝንቀሳቐሱ ተቓወምቲ" ዝናፈስ ምዃኑ ገሊጹ።

'ምል'

ፕረዚደንት ፖል ካጋመ ኣብ 2017 ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ ዳርጋ 99% ድምጺ ከም ዝረኸበ ይፍለጥ።

ኣብ ለንደን ዝርከብ ኣባል መሪሕነት ተቓዋሚ ሰልፊ ሃገራዊ ጉባኤ ርዋንዳ፡ ኣብዱለካሪም ዓሊ "ወይ ንኣርፒኤፍ ምእዙዝ ትኸውን ወይ ድማ ጸላኢ ሃገር ትኸውን። ምስ ሰሜን ኮርያ ኢና ነመሳስሎ" ኢሉ።

ኣብ ካናዳ ዝርከብ ሂምባራ ብወገኑ: ንስነ ሓሳብ መንግስቲ ርዋንዳ ክገልጾ እንከሎ፡ "ንኹሉ ሸነኻት ህዝቢ ርዋንዳ፡ ኣብ ወጻኢ ሃገራት'ውን ከይተረፈ፡ ክቆጻጸር ዝደሊ ምልካዊ" ይብሎ።

ኤምባሲ ርዋንዳ ኣብ ለንደን፡ መንግስቲ ቀንዲ ኣተኩሮኡ ንርዋንዳውያን ካብ ድኽነት ምውጻእን ዝሓሸ ህይወትን ዕድላትን ንኹሉ ምፍጣርን ምዃኑ ይገልጽ።

"ኣተኩሮ እቲ ኤምባሲ፡ ኣብቶም ብኣጻብዕ ዝቑጸሩ፡ ንምስልን ልምዓትን ርዋንዳ ንምድዋን ብቐጻሊ ዝንቀሳቐሱ ተቓወምቲ ኣይኮነን" ኢሉ።