ኣብ ኣፍሪቃ ፈላሚ ፋብሪካ 'ስማርት ፎን' ኣብ ርዋንዳ ተተኺሉ

ኣብ ብሩንዲ ኣብ ኣፍሪቃ ናይ መጀመርታ ናይ 'ስማርት ፎን' ፋብሪካ ተተኺሉ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ፕረዚደንት ርዋንዳ ፓል ካጋመ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ናይ መጀመርታ ዝኾነ ፋብሪካ 'ስማርት ፎን' ኣብ ከተማ ኪጋሊ መሪቑ ከፊትዎ።

እዚ 'ማራ ግሩፕ' ዝተብሃለ ኩባንያ ቴክኖሎጂ፡ ማራ ኤክስን፤ ማራ ዜድን ዝተባሃላ ሞባይላት ከምዘፍርን፡ 'ጉግል ኣንድሮይድ' ዝተብሃለ መተግበሪ ከምዝጥቀማን ተገሊጹ።

እዘን ሞባይላት ኣስታት 190 ዶላር ( 5500 ብር ወይ 2800 ናቕፋ) ከምኡ'ውን 130 ዶላር ( 3700 ብር ወይ 1900 ናቅፋ) ክሽየጣ ተተሚነን ኣለዋ።

ሓላፊ ማራ ግሩፕ ኣሺሻ ታካር፡ እዚ ፋብሪካ ኣብ ኣፍሪቃ ዝትከል ዘሎ ቀዳማይ ምዃኑ ንጋዜጠኛታት ሓቢሩ።

ኣብ ዕዳጋታት ኣፍሪቃ ዘለዋ ሞባይላት መብዛሕትአን ካብ ቻይና ዝመጻ ኮይነን ብዝሓሰራ ዋጋ ይሽየጣ። እዘን ኣብ ርዋንዳ ዝፈርያ ሞባይላት እቲ ትካል ካብ ዝተመኖ ዋጋ ንታሕቲ ናብ ዕዳጋ ክወርዳ ከምዝኽእላ ይሕብር።

ኣብ ኢትዮጵያ፡ ግብጺ ኣልጀርያን ደቡብ ኣፍሪቃን፡ ካብ ቻይና ብዝመጽእ መቀያየሪ ኣቑሑት ዝገጣጠማ ሞባይላት ከምዝለዋ ዝሕብር ታከር፡ "ብደረጃ ፋብሪካ እዚ ናትና ናይ መጀመርታ እዩ፡ ኩሉ ኣካላት እታ ሞባይል ከኣ ኣብዚ እዩ ዝፈሪ" ኢሉ።

እዚ ኣብ መዓልቲ 1200 ሞባይላት ከፍሪ ትጽቢት ዝግበረሉ ፋብሪካ፡ ንምትካሉ 24 ሚልዮን ዶላር ከምዝወደአ ተፈሊጡ።