ጥርጡር ገበን ምጽናት ዓሌት ርዋንዳ፡ ድሕሪ 26 ዓመታት ኣብ ፈረንሳይ ተታሒዙ

ፌሊሲዬን ካቡጋ

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ኣመሪካ ነቲ ብገበን ጥርጡር ዝጠቆመ 5 ሚልዮን ዶላር ክትህብ ቃል ኣትያ ነይራ

ፌሊሲዬን ካቡጋ፡ ኣብ ሩዋንዳ ብዝተፈጸመ ገበን ምጽናት ዓሌት ኣዐርዩ ክደለ ዝጸንሐ ውልቀ ሰብ እዩ።

እዚ ብገበን ምጽናት ዓሌት ዝጥርጠር ሰብ፡ ኣብ ሃገረ ፈረንሳይ [ፈረንሳ] ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተወ ሚኒስተር ፍትሒ ፈረንሳይ ኣፍሊጡ።

ካቡጋ፡ ኣብ ፈረንሳይ አዝኒዬር ሱር ሴን ኣብ ዝተብሃለ ከባቢ፡ መንነቱ ቐይሩ ክነብር ጸኒሑ።

ዓለምለኻዊ መጋባእያ ሩዋንዳ ነዚ ወዲ 84 ውልቀሰብ፡ ብገበን ምጽናት ዓሌት [ዘርኢ ምጥፋእ]ን ከምኡ'ውን ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰባት ስቅያት ጸጺሙ ብዝብል ክእልሾ ጸኒሑ።

ካቡጋ፡ ኣብ 1994 ዳርጋ ሓደ ሚልዮን ዝጽጋዑ ተወለድቲ ቱትሲ ንዝጨፍጨፉ ኣኽረርቲ ዓሌት ሁቱ ብገንዘብ ሓጊዙ ተባሂሉ እዩ ዝጥርጠር።

ዓመጽቲ ሁቱ፡ ኣብቲ እዋን ብቑጽሪ ውሑዳት ንዝኾነ ዓሌት ቱትሲን ፖለቲካዊ መራሕቶምን ከጥፍኡ እዮም ተንቀሳቒሶም።

ኣመሪካ፡ ነዚ ሰብ ኣብ ዘለዎ ንዝጠቆመ 5 ሚልዮን ዶላር ከምእትኸፍል ቃል ኣትያ ነይራ።

እንታይ መልእኽቲ እዩ ዘሕልፍ?

ኣብ ሄግ ነቲ ዋኒን ዝከታተል ዓቃቢ ሕጊ፡ ፈረንሳይ ነዚ ጥርጡር ክትረኽቦ ዝኸኣለት ድሕሪ ብዙሕ ኣለሻን ሕቡእ ወፍሪን ከምዝኾነ ገሊጹ።

ዋና ዓቃቢ ሕጊ ሰርጌይ ብራሜርትዝ፡ "ናይ ፌሊሲዬን ካቡጋ ኣብ ቀይዲ ምውዓል፡ ብገበን ምጽናት ዓሌት ዝተጠርጠሩ ኩሎም ድሕሪ 26 ዓመታት'ውን ከምዘየምልጡ መርአያ እዩ" ኢሉ።

እቲ ዋና ዓቃቢ ሕጊ ወሲኹ'ውን፡ ሃገራት ዝተሓባበራ እንተኾይነን፡ ገበን ዝፍጽም ዝኾነ ውልቀ ሰብ መሕብኢ ከምዘይብሉ ዘርእይ እዩ ኢሉ።

ሩዋንዳ፣ ብሪጣንያ፣ ጀርመንን ኣመሪካን ኣብቲ ዋኒን ተሓባቢረን ከምዝሰርሓ 'ውን ተዛሪቡ።

ካቡጋ፡ ብሸውዓተ ዓይነት ገበናት ከምዝድለ ንፈለማ እዋን ዝተገልጸ ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ፡ ብ1997 እዩ።

እቲ ገበን ንክፍጸም ኣብቲ እዋን ንዝነበረ ጊዝያዊ መንግስቲ ገንዘባዊ ሓገዝ ገይሩ ተባሂሉ ናይ ዝኽሰስ ትካል መስራቲ እዩ።

ካብኡ ሓሊፉ እቲ ውልቀሰብ፡ ነቲ ምጽናት ዓሌት ኣጎሃሂሩን ነቲ ገበን ዝፈጸሙ ሓይልታት ብረት ኣዕጢቑን ተባሂሉ እዩ ዝሕመ።

መግለጺ ቪድዮ, ደቃ ብጎዞሞ ንዝቖረጸላ ሰብ ይቅረ ዝበለት ርዋንዳዊት