ሕቡራት ሃገራት ንመዝነት ፍሉይ ተኸታታሊ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ከናውሕ ተሓቲቱ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቤትምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ንመዝነት ፍሉይ ተኸታታሊ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ከናውሕ ተሓቲቱ።
ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ሂዩማን ራይትስ ዎችን ዝርከብኦም 42 ዘይመንግስታውያን ማሕበራት ናብ ወከልቲ ቀወምቲ ኣባላትን ተዓዘብትን ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝጸሓፍኦ ደብዳበ እየን ነቲ ጠለብ ኣቕሪበን።
መበል 50 ጉባኤ እቲ ቤት ምኽሪ ካብ 13 ሰነ ክሳዕ 8 ሓምለ 2022 ኣብ ጀነቫ ስዊዘርላንድ ዝካየድ ኮይኑ ንጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ክዝቲ ትጽቢት ይግበር።
እቲ ባይቶ ኪንዮ ምንዋሕ መዝነት እቲ ፍሉይ ተኸታታሊ ሰብኣዊ መሰላት፡ ብሰብ መዚ ኤርትራ ንዝፍጸም ጥሕሰታት ክገልጽን ክኹንን ከምዝግባእ’ውን ኣዘኻኺረን።
እቲ ቤት ምኽሪ ኣብቲ ንኤርትራ ኣመልኪቱ ኣብ ዘሕልፎ ውሳነ ምምሕያሽ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት እንተሎ ንምርኣይ ከም መወከሲ ዘገልግል ዝርዝራት (benchmarks for progress) ከቐምጥ ከኣ ጠሊበን።
እቲ ኤርትራ ኣባሉ ዝኾነት ኣብ ጀነቫ ዝመደበሩ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ሓምለ 2021 ኣብ ዘሕለፎ ውሳነ፡ ንኩነታት ሰባዊ መሰላት ኤርትራ ተኸታቲሉ ጸብጻብ ከቕርብ ንመዝነት ሱዳናዊ መሓመድ ዓብደልሰላም ባቢከር ሓደ ዓመት ኣናዊሑ ነይሩ።
ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ግን ኣብቲ እዋን ብትዊተር ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ "ንኤርትራ ንምስርጣይ" ሕብረት ኣውሮጳን ኣመሪካን ዝጥቀምሉ "ዘሕዝን" ውሳነ'ዩ ክብል ነቒፉ።
እቲ ፍሉይ ወኪል፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ኤርትራ ኣብ ምግሃስ ሰባዊ መሰላት ዘርኣየቶ ምምሕያሽ ከምዘየለን፡ መሰላት ንምኽባር ዝሕግዝ ትካላውን ሕጋውን ኣሰራርሓ ከም ዘይብላን ገሊጹ ነይሩ።
መንግስቲ ኤርትራ ብወገኑ፡ እቲ ጸብጻብ "ዘይተረጋገጸ ክስታት" ብምባል "ፖለቲካዊ ዕላማ" ዘለዎ'ዩ ክብል ግብረ መልሲ ሂብሉ'ዩ።
መንግስቲ ኤርትራ፡ ብዙሓት ኣብ ቀይዲ ዘእተዎም ዜጋታት ብዘይዝኾነ ፍርዳዊ መስርሕ ንዓመታት ኣብ ስዉር ኣብያተ-ማእሰርቲ ከምዝቕይድ ይግለጽ።
ሓይልታት ኤርትራ ኣብቲ ኣብ ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት ከቢድ ግህሰት ዓለምለኻዊ መሰላት ብምፍጻም ከምዝኽሰሱ ዘዘኻኸረ እቲ በተን ዘይመንግስታውያን ማሕበራት ዝተጽሓፈ ደብዳበ፡ ኣብ ኤርትራ ዘይሕጋዊ ማእሰርቲ፡ ገደብ ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ግዱድ ዕዮ ካልእ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ጌና ይቕጽል ከምዘሎ ከሲሱ።
ካብ መንጎ እተን ነቲ ደብዳበ ዝኸተማ 42 ማሕበራት፡ ኤርትራ ፎከስ፣ ማሕበረ-ሰብ ሕጊ ኤርትራ፣ ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንደሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን፣ ኤርትራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ፣ ኮሚተ ምውህሃድ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፣ ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡ ‘ኢንፎርሜሽን ፎረም ፎር ኤርትራ’ ከምኡ’ውን ‘ዋን ደይ ስዩም’ ይርከባ።
ኣብ ጥቅምቲ 2021 ንካልኣይ ግዜ ኣባል ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኮይና ዝተመረጸት ኤርትራ ክሳዕ 2024 ኣባል እቲ ባይቶ ኮይና ክተገልግል እያ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







