ሰባዊ መሰላት ኤርትራ፡ ሕቡራት ሃገራት ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ ክእከብን ግዝኣተ-ሕጊ ክነግስን ጸዊዑ

ንኩነታት ሰባዊ መሰላት ኤርትራ ንምክትታል ብሕቡራት ሃገራት ዝተመዘዘ ፍሉይ ወኪል፡ ዓመታዊ ጸብጻቡ ንቤት ምኽሪ ሰባዊ መሰላት ናይቲ ውድብ ኣቕሪቡ'ሎ።
መሓመድ ዓብደልሳላም ባቢከር ኣብ ጸብጻቡ፡ ኤርትራ ኣብ ሓያሎ ካብቶም ክትክሰሰሎም ዝጸንሐት ጉዳያት ምግሃስ ሰባዊ መሰላት፡ ምምሕያሽ ከም ዘየርኣየት ገሊጹ።
እታ ሃገር ሰባዊ መሰላት ንምኽባር ዝሕግዝ ትካላውን ሕጋውን ኣሰራርሓ ከም ዘይብላ'ውን ኣብ ጸብጻቡ ኣስፊሩ።
መንግስቲ ኤርትራ እቲ ጸብጻብ "ዘይተረጋገጸ ክስታት" ብምባል "ፖለቲካዊ ዕላማ" ዘለዎ'ዩ ክብል ግብረመልሲ ሂብሉ'ሎ።
ሃገራዊ ባይቶ ክቐውም ኣለዎ
እቲ ንስሩዕ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ሰባዊ መሰላት ኣብ ጀኔቫ ዝቐረበ 17 ገጽ ዘለዎ ጸብጻብ፡ ኣገደስቲ ትካላት ዴሞክራሲ ኣብ ዝበኾርሉ ኩነታት ሰባዊ መሰላት ዜጋታት ክሕሎ ከም ዘይክእል ገሊጹ።
"ኤርትራ፡ ዛጊት ነቲ ኣብ ዴሞክራስያዊ ሕብረተሰብ ሰባዊ መሰላት ዝሕለወሉ ትካላዊን ሕጋዊን መሰረት ኣየንበረትን" ኢሉ።
ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ቅዋም፣ ናጻ ፍርዳዊ ኣካልን ሓጋጊ ኣካልን ዘይምህላዎም ኣብ ኤርትራ ግዝኣተ-ሕጊ ከም ዘየለ ዘርኢ ምዃኑ'ውን እቲ ፍሉይ ተኸታታሊ ሰባዊ መሰላት ጠቒሱ።
"ዴሞክራስያዊ ሕብረተሰብ ንምህናጽ፡ ተፈጥሮኣውን ኣካል ግዝኣተ-ሕጊ ዝኾነን ንሓድሕዱ ዝተሓላሎ ምምቕራሕ ስልጣን ዘረጋግጽ ኣገዳሲ ስጉምቲ ንምውሳድ፡ ሃገራዊ ባይቶ ዳግም ክእከብ" ፍሉይ ወኪል ባቢከር ተማሕጺኑ።
ኣብ 2014 ፕረዚደንት ኢሳይያስ ሓድሽ ቅዋም ክነድፍ ምዃኑ ቃል ኣትዩ ምንባሩ ዝጠቐሰ እቲ ጸብጻብ፡ ክሳብ ሕጂ ዝተገልጸ ነገር ብዘይምንባሩ ኣብታ ሃገር "ሕጋዊ ባዶሽ" ተፈጢሩ ከምዘሎ ኣረዲኡ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ 2015 ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት "ከይተኣወጀ ዝሞተ እዩ" ክብል ዝገለጾ ኣብ 1997 ዝጸደቐ ሃገራዊ ቅዋም ኤርትራ ክሳብ ሕጂ ኣብ ግብሪ ከም ዘይውዓለ ይፍለጥ።
እቲ ስልጣን ንበይኑ ብሒቱ ተባሂሉ ዝንቀፍ ኣቶ ኢሳይያስ፡ ካብ 1991 ጀሚሩ ነታ ሃገር ብዘይ ዝኾነ ሃገራዊ ምርጫ ይመርሓ'ሎ።
ሃገራዊ ምርጫታት ንምክያድ ልዕሊ ኣርባዕተ ዓሰርተታት ዓመታት ክወስድ ከም ዝኽእል ተዛሪቡ ምንባሩ'ውን ይዝከር።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ትማሊ ነቲ ጸብጻብ ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ፡ ኣብታ ሃገር ዘሎ ገበናዊ ሕግታት፡ ዞባዊ ምርጫታት ህዝባዊ ተሳትፎን መርኣያ ግዝኣተ-ሕጊ ምዃኑ ገሊጹ።
ኣብታ ሃገር ብቐጻሊ ዝፍጸሙ ዘይሕጋዊን ዘይስሩዕን ማእሰርቲ፡ ንብኩራት ናጻ ፍርዳዊ ትካላት ዘርኢ ምዃኑ'ውን ሕቡራት ሃገራት ኣነጺሩ'ሎ።
ገደብ-ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት
ኩነታት ናይቲ ቀንዲ ጠንቂ ዋሕዚ መንእሰያት ኤርትራ ንስደት ምዃኑ ዝንገረሉ ግዱድን ገደብ-ኣልቦን መደብ ሃገራዊ ኣገልግሎት'ውን፡ ካብቲ ዝሓለፈ ዓመት ምምሕያሽ ከም ዘየርኣየ እቲ ጸብጻብ ይጠቅስ።
ኣብ 1995 ዝተኣወጀ መደብ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ፈለማ ን18 ኣዋርሕ ተባሂሉ ዝተጀመረ'ኳ እንተኾነ፡ ድሕሪ ዶባዊ ኲናት ኤርትራን ኢትዮጵያን ግን፡ ገደብ-ኣልቦ እናኾነ ከም ዝኸደ ይግለጽ።
ኣብ ክረምቲ 2018 ክልቲአን ሃገራት ነቲ ን20 ዓመታት ዝቐጸለ ምትፍናን ዘወግድ ስምምዕ ሰላም ምስ ፈረማ፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ናብ ንቡር ክምለስ ትጽቢት'ኳ እንተነበረ፡ ፖሊሲ መንግስቲ ኣብቲ ጉዳይ ዘርኣዮ ለውጢ የለን።

ጸብጻብ ናይቲ ፍሉይ ተኸታታሊ ከም ዝብሎ፡ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ግዱድ ስራሕ፣ ሕማቕ ኣተሓሕዛን ማእሰርትን ዝርከብዎም ምግሃስ መሰላት ይፍጸም ኣሎ።
መንግስቲ ንካልኣይ ደረጃ ኣገልግሎት ትምህርቲ ካብ ወተሃደራዊ ምምሕዳር ክፈልዮ'ውን ጸዊዑ'ሎ።
ተምሃሮ ካልኣይ ደረጃ፡ ናይ መወዳእታ ዓመት ትምህርቶም ኣብ መዓስከር ወተሃደራዊ ስልጠና ሳዋ ክዛዝሙ ከም ዝግደዱ ይፍለጥ።
ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኣብ ዘውጽኦ መግሊጺ፡ ድሕሪ'ቲ ኣብ 2000 ዝተፈረመ ስምምዕ ኣልጀርስ ጥራይ 105,000 ወተሃደራት ከም ዘጣየሰ ብምጥቃስ፡ ንመነባብሮ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ንምምሕያሽ ናይ ደሞዝ ምምዕርራይ ከም ዝገብር ሓቢሩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ምግዳብ ናጽነታትን ኣድልዎን
ብሰንኪ ሓይልታት ጸጥታ ዝፍጽምዎ ማእሰርትን ምስዋር እሱራትን ኣብታ ሃገር ፍርሒ ከምዝነግስ ኮይኑ'ሎ ዝበለ እቲ ጸብጻብ፡ መንግስቲ ኣብ መዳይ ናጽነታት ምግላጽ ሓሳብ፡ ሃይማኖታዊ እምነት፡ ምፍጣር ማሕበራትን ፕረስን ለውጢ ኣየርኣየን ኢሉ።
ኣባላት ብመንግስቲ ዝተኣገዳ ማሕበራትን ኣብያተ-ክርስትያናትን ቀጻሊ ምስዳድን ማእሰርትን ከምዘጋጦም' ይግለጽ።
ፍሉይ ወኪል ዓብደልሰላም ባቢከር፡ ነቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን መንግስቲ ዝወሰዶ እሱራት ናይ ምፍታሕ ስጉምቲ ብምንኣድ፡ መሰረታዊ መሰላትን ናጽነታትን ዜጋታት ከኽብር ጸዊዑ።
እቲ ጸብጻብ ከምዝብሎ፡ ኣብ ነሓሰ 2020 ብዙሓት ሰዓብቲ ምስልምና ተፈቲሖም። ካብ ጥሪ ክሳብ ለካቲት 2021 ኣብ ዝነበረ እዋን ድማ 70 ሰዓብቲ ወንጌላውያንን ኦርቶዶክስን ኣብያተ ክርስትያናት ተፈቲሖም።

ምንጪ ስእሊ, Anadolu Agency
እንተኾነ ግን፡ ኣብ ዝቐጸሉ ኣዋርሕ ዝተኣስሩ ኣመንቲ ከምዘለዉ'ውን እቲ ጸብጻብ ጠቒሱ'ሎ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ መንግስቲ ነተን ብካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ዝመሓደራ ዝነበራ ብዙሓት ትካላት ጥዕናን ኣብያተ-ትምህርትን ምውራሱ'ውን፡ ምስ መራሕቲ ናይታ ቤተክርስትያን ኣብ ምፍሕፋሕ ከምዘእተዎ ይግለጽ።
ብዘይካ'ዚ፡ ሓያሎ ኣቕሽሽትን ሰዓብትን ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን'ውን ኣብ ቀይዲ ኣእትዩዎም ይርከብ።
መበል 3ይ ፓትሪያርክ ናይታ ቤተክርስትያን ዝነበሩ ኣቡነ ኣንጦንዮስ'ውን ንማእሰርቲ ኣባላቶም ብምቅዋሞም፡ ንዓመታት ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ክኣትዉ ከምዝተገብረ ተጣበቕቲ ይገልጹ።
ኣብ ልዕሊ ገለ ብሄራት ኣድልዎ ከምዘሎ'ውን እቲ ጸብጻብ ጠቒሱ'ሎ።

ምንጪ ስእሊ, Eparchy of Keren
ግዳያት ናቶም ምግሃስ መሰላት ዝኾና ደቂ-ኣንስትዮ'ውን፡ ተወሳኺ ጾታዊ ዓመጽ ከምዝበጸሐን ባቢከር ገሊጹ።
"ከም ኩለን ሃገራት ዓለም፡ ኤርትራ ብድሆታት ኣለውዋ። መንግስቲ ኤርትራ ድማ ነቶም ብድሆታት ብምፍታሕ ኩነታት ሰባዊ መሰላት ንምምሕያሽ ብቐጻሊ ይሰርሕ እዩ" ክብል ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ዘውጽኦ መግለጺ የነጽር።
ግጭት ትግራይ
እቲ ጸብጻብ ብዛዕባ'ቲ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ክልል ትግራይ ተወሊዑ ዘሎ ኲናትን፡ ምትእትታው ሓይልታት ኤርትራን'ውን ጠቒሱ'ሎ።
ወተሃደራት ኤርትራ ፈጺሞሞ ዝብሃል ጃምላዊ ቅትለት ዝርከቦ ምግሃስ መሰላት ብምጥቃስ፡ እቲ ግጭት ንኤርትራን ኤርትራውያንን ዝጸለወ ምዃኑ ኣሚቱ።
መንግስቲ ኤርትራ ግን ነቲ ክስታት ብምንጻግ፡ ተሓታቲ ናይቲ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ዝተወልዐ ኲናት ህወሓት'ዩ ክብል ይምጉት።
ሰራዊት ኤርትራ፡ ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ተዓቚቦም ዝነበሩ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባን ስደተኛታትን ብሓይሊ ናብ ኤርትራ ወሲዱ ዝብል ጸብጻብ ከምዝበጽሖ ብምግላጽ ብናጻ ናይ ሕቡራት ሃገራት ኣካል ክምርመርን ጸዊዑ።
ኣብ መወዳእታ፡ ፍሉይ ልኡኽ ባቢከር፡ ነቲ ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ልዕሊ ትካል ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ዘንበሮ እገዳ ዘለዎ ደገፍ ገሊጹ'ሎ። እቲ እገዳ፡ ብሰንኪ ኣባላት ጸጥታ ዝፍጽምዎ፡ ስቅያት፡ ዘይጋዊ ማእሰርቲ፡ ቅትለትን ምርሻንን ዝተወስደ ምዃኑ ይዝከር። ኤርትራ ነቲ ስጉምቲ ኣትሪራ ነቒፋቶ ነይራ።
ኣብቲ ኣኼባ ዝተሳተፉ ኤርትራውያን ተጣበቕቲ መሰላት፡ ነቲ ጸብጻብ ብምድጋፍ፡ ነቲ ኩነታት ንምፍታሕ ስጉምቲ ክውሰድ ጸዊዖም ኣለዉ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







