ኤርትራ ኣብ ኣተሓሕዛ ናጽነት ሃይማኖታት ለውጢ ኣሎ ድዩ?

ምንጪ ስእሊ, Anadolu Agency
መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ብሰንኪ ሃይማኖታዊ እምነቶም ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ማእሰርቲ ዳጒንዎም ዝጸንሐ ተኸተልቲ ናይቲ ብልምዲ ጴንጠ-ቆስጠ ዝበሃል እምነት ብተደጋጋሚ ክፈትሕ ተራእዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ከኣ ኣብ ደሴት ዳህላክ ንኣርባዕተ ዓመታት ተኣሲሮም ዝጸንሑ 14 ተኸተልቲ እምነት ወንጌላውያን ምፍትሖም ዝገልጽ ዜና ተሰሚዑ።
ምስኣታቶም ተኣሲረን ዝነበራ 21 ደቂ ኣንስትዮ'ውን ኣብ ፈለማ ናይዚ ዓመት ከም ዝተፈትሓ ዳይሬክተር ረሊዝ ኤርትራ ዝተባህለ፡ ኣብ ኤርትራ መሰል ሃይማኖት ክኽበር ዝጉስጉስ ኣብ ለንደን ዝመደበሩ ማሕበር ገሊጹ።
መንግስቲ ኤርትራ ብግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ናጽነት ሃይማኖታትን ብተደጋጋሚ ክኽሰስ እኳ እንተጸንሐ ነቲ ክሲ ኣይቕበሎን።
ንኣብነት ምኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣብ 2018 ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት፡ "ብዛዕባ ኤርትራ ግጉይ ስእሊ ወይ ዝንቡዕ ሓበሬታ ስለዘሎ'ዩ እምበር ኤርትራ፡ መሰል ናይ እምነት እተኽብር ሃገር እያ. . . መንግስቲ ኣብ ሃይማኖታት ኢዱ ኣየእቱን እዩ" ክብል ምላሽ ሂቡ ነይሩ።
ይኹን እምበር መንግስቲ ኤርትራ ብ22 ግንቦት 2002 ኣብያተ እምነት ጴንጠ-ቆስጠ ብወግዒ ድሕሪ ምዕጻዉ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ኣባይቲ ከምልኹ ንዝጸንሑ ተኸተልቲ እቲ እምነት ክኣስርን ከሳቕን ምጽንሑ ሓያሎ ኣህጉራዊ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን እምነታት ክዛረባሉ ጸኒሐን እየን።
ብሰንኪ ሃይማኖታዊ እምነታ ንሓያሎ ዓመታት ኣብ ኮንተይነር ማይ ስርዋ ተኣሲራ ኣካላዊ ልምሰት ምስ ኣጋጠማ ካብ ማእሰርቲ ተፈቲሓ ንኤውሮጳ ዝወጽአት ፍልጥቲ ዘማሪት ሄለን ብርሃነ እውን ምስ ፕረዚደንት ትራምፕ ተራኺባ ኣብ ኤርትራ ግህሰት ሰብኣውን ሃይማኖታውን መሰላት ከም ዘሎ ምስክርነታ ሂባ ነይራ።
ኣብ ኤርትራ ብመንግስቲ ወግዓዊ ኣፍልጦ ዝተወሃበን ሃይማኖታት፡ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ፣ ምስልምና፣ ካቶሊክን ወንጌላዊት ሉተራዊት ቤትክርስትያን እየን።
ኣብ 2002 መንግስቲ ኤርትራ፡ ብዘይካ እተን ኣፍልጦ ዝተዋህበን ካልኦት ጉጅለታት ሃይማኖት ኣታዊታተንን ወጻኢታተንን ከምኡ'ውን ዝርዝር ኣስማት ናይ ኣባላተን ብምቕራብ ክምዝገባ ዝጠልብ ትእዛዝ ብምሕላፍ ከም ዝኣገደን ጸብጻብ ኮሚሽን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብዛዕባ ዓለም-ለኻዊ ሃይማኖታዊ ናጽነት (USCIRF) ይገልጽ።
ካብኡ ንደሓር ክሳብ ሕጂ ንኣባላት እተን ኣፍልጦ ዝኸልአን ኣብያተ ክርስትያናት ብሕቡእ ኣብ ዘምልኽሉ ኣባይቲ ብሓይሊ እናኣተወ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከእትውዎም ምጽንሑ ዶክተር ብርሃነ ኣብሪሁ።
"ካልኦት ኣመንቲ ኣብ ወርሒ መጋቢት 2021 ኣብ ዓሰብን ኣስመራን ተኣሲሮም እዮም። ቅድሚ ወርሒ ኣቢሉ 23 ሰባት ተኣሲሮም። እቶም 22 ክፍትሑ እንከለው እቲ ሓደ ግን ጌና ኣይተፈትሐን ዘሎ። [ካብቶም ኣብ ዓሰብ ዝተኣስሩ] እቶም 12 ሰባት እውን ጌና ኣይወጹን ኣለው" ይብል።
ስለምንታይ እዩ መንግስቲ ኤርትራ ሕጂ ዝፈትሖም ዘሎ?
መንግስቲ ኤርትራ ብዛዕባ ማእሰርቲ ኮነ ምፍታሕ ናይቶም ምእመናን ዝኾነ ይኹን ሓበሬታ እኳ እንተዘይሃበ፡ ካብ ካልኣይ መፋርቕ ናይ 2020 ጀሚሩ ካብ'ቶም ብዘይ ፍርዲ ንሓያሎ ዓመታት ኣሲሩዎም ዝጸንሐ እሱራት ንገሊኦም ብዋሕስ ክፈትሕ ተራእዩ እዩ።
ካብኣቶም ብፍሉይ ዝጥቀሱ እቶም ድሕሪ 26 ዓመታት ዝተፈትሑ መሰኻኽረ የሆዋ ክኾኑ እንከለው፡ ብሓፈሻ ከባቢ 200 ዝኾኑ ምእመናን በብግዚኡ ከም ዝተፈትሑን ከባቢ 130 ተኸተልቲ እምነት ወንጌላውያን ከኣ ጌና ኣብ ማእሰርቲ ከም ዘለውን ዶክተር ብርሃነ ይገልጽ።
ፍሉይ ወኪል ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳያት ሰኣብዊ መሰላት ኤርትራ፡ መሓመድ ዓብደልሳላም ባቢከር ኣብ ወርሒ ለካቲት ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ኤርትራ፡ "ብርክት ዝበሉ ክርስትያናትን መሰኻኽር የሆዋን ምፍትሓ ዝነኣድ እዩ" ክብል ተዛሪቡ ነይሩ።
ኣብ ጉዳይ እሱራት ፖለቲካን ሕልናን ግን ዝኾነ ምምሕያሽ ከም ዘይተራእየ ገሊጹ።
ገለ ሰባት ግን ምፍታሕ ናይቶም እሱራት ምስ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝተሓሓዝ ክኸውን ከም ዝኽእል ይግምቱ።
እቲ ኣብ ልዕሊ ዝተፈላለዩ ሃይማኖታት ዝረአ ጸቕጢ ካብ ምንታይ ዝነቐለ እዩ?
ሰብ መዚ መንግስቲ ኤርትራ ጭብጥታት እኳ እንተዘየቕረቡ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታት፡ እቶም ዝተኸልከሉ ቤተ-እምነታት ብደገ ከም ዝምወላን መሳርሒ ናይ ወጻኢ መንግስትታት ምዃነንን ክኸሱ ይስምዑ እዮም።
እንተኾነ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ንኣመንቲ እስልምናን ኦርቶዶክስ ተዋህዶን ዝርከብዎም ምእመናን ኣብ ቀይዲ ከም ዘእተወ እውን ዳይሬክተር እቲ ኣብ ኤርትራ ንነጻነት ሃይማኖታት ክኽበር ዝጉስጉስ ማሕበር ይምጉት።
እቲ ኣብ ሃይማኖታት ዝግበር ጸቕጥን ምትእትታውን ካብ ባህርይ እቲ መንግስቲ ዝነቅል ምዃኑ ከኣ ይገልጽ።
"ባህርይ መንግስቲ ኤርትራ ንኹሉ እዩ ዝቆጻጸር፡ ብዛዕባ ሃይማኖት ፈልዩ ዝግደስ ኣይመስለንን። ፓትርያርክ ናይ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን'ውን እቲ መንግስቲ ዝደልዮ ንምግባር ፍቓደኛ ብዘይምንባሮም እዩ ኣብ ቀይዲ ኣእትይዎም።
"ዋላ'ኳ እቲ ናይ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያን እንተዘይተኸልከለ ብዙሓት ኣቕሽሽቲ እታ ቤተ ክርስትያን ብፍላይ እቶም ነጻ ዝኾነ ኣተሓሳስባ ዘለዎም፡ ሕራይ ሕራይ እናበሉ ዘይእዘዙን ተኣሲሮም እዮም፤ ኣመንቲ ምስልምና'ውን ከምኡ" ኢሉ።
ኣብ ሚያዝያ 2019 ኣቡናት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ንሃገራዊ ዕርቀ ሰላም ዝጽውዕ ደብዳበ ድሕሪ ምጽሓፎም፡ መንግስቲ ኤርትራ ብዝተፈላለዩ ኣብያተ እምነት ዝውነኑ ኣብያተ ትምህርትን 22 ማእከላት ጥዕናን ከም ዝዓጸወ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኮሚሽን ንኣህጉራዊ ናጽነት ሃይማኖት ኣብ ናይ 2020 ጸብጻቡ ኣስፊሩዎ ኣሎ።
ኣብ 2017 - 2018 እውን ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ፡ ኣብ እስላማዊ ሃይማኖታዊ ቤት ትምህርቲ ዲያእ ኣል እስላሚያ ንዝገበሮ ምትእትታው ዝተቓወሙ ኣባላት ቦርድ እቲ ቤት ትምህርቲ ዝርከብዎም ብዙሓት ሰባት ከም ዝኣሰረ ሓቢሩ።
ብድሕሪ እቶም ስሙይ ኣቦ ሓጂ ሙሳ ምእሳሮምን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ብሕማም ምሟቶምን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ከቢድ ወቐሳን ነቐፌታን ስዒቡ እዩ። እንተኾነ መንግስቲ ኤርትራ ሽዑ እውን ምላሽ ኣይሃበን።
ኤርትራ፡ ኣብ 2004 ድሕሪ ምእጋድ እተን ኣብያተ ክርስትያናት "ዶክተር ክፍሉ ገብረመስቀል፡ ፓስተር ሃይለ ናይዝጊ፡ ዶክተር ተኽለኣብ መንግስተኣብ፡ ዶክተር ፍጹም ገብረንጉስ፡ ቀሺ ገብረመድህን ገብረገርግሽ ዝበሃሉ ዝርከብዎም መራሕቲ ኣብያተ ክርስትያናት ን17 ዓመታት ኣብ ማእሰርቲ ሒዙዎም ኣሎ" ይብል ዶክተር ብርሃነ፡ ክሳብ ሕጂ ንቡር መስርሕ ፍርዲ ከም ዘይተኻየደሎም ብምዝካር።
ነዚ መንግስቲ ኤርትራ ዝወስዶ ዘሎ ምፍታሕ ምእመናን ብሓያሎ ተጣበቕቲ እምነታት ከም ጽቡቕ ተግባር ይረአ ምህላውን፡ መንግስቲ ነቶም ብዘይካ እምነቶም ካልእ ኣበሳ/በደል ዘይብሎም ኣብ ፎቖዶ ኣብያተ ማእሰርትን ኮንተይነራትን ተኣሰሮም ዘለው ዜጋታት ክፍትሖምን ተላብዩ።









![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







