ቤትምኽሪ ሰባዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት መዝነት ፍሉይ ተኸታታሊ ሰባዊ መሰላት ኤርትራ ንሓደ ዓመት ክናዋሕ ወሲኑ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቤት ምኽሪ ሰባዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ ንመዝነት ፍሉይ ወኪል ኣብ ጉዳያት ሰባዊ መሰላት ኤርትራ ብሓደ ዓመት ኣናዊሕዎ።
እቲ ኤርትራ ኣባሉ ዝኾነ ኣብ ጀነቫ ዝመደበሩ ቤት ምኽሪ ትማሊ ኣብ ዘሕለፎ ውሳነ፡ ሱዳናዊ መሓመድ ዓብደልሰላም ባቢከር፡ ንዝቕጽል ሓደ ዓመት ንኩነታት ሰባዊ መሰላት ኤርትራ ተኸታቲሉ ጸብጻብ ከቕርብ ትጽቢት ይግበረሉ።
ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ግን፡ "ንኤርትራ ንምስርጣይ" ሕብረት ኣውሮጳን ኣመሪካን ዝጥቀምሉ "ዘሕዝን" ውሳነ'ዩ ክብል ድሕሪ ነቒፉ።
ኣመሪካን ሕብረት ኣውሮጳን ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ኣብ ልዕሊ ሰበስልጣን ኤርትራን ትካላት ጽጥታን እገዳታት ምንባሮም ይዝከር።
ኣብ መርበብ ሓበሬታ ናይቲ ቤት ምኽሪ ዝወጸ መግለጺ ከምዘነጽሮ፡ ነቲ ውሳነ፡ 23 ሃገራት ክድግፍኦ እንከለዋ፡ 13 ተቓዊመንኦ፡ 13 ካልኦት ድማ ድምጺ ካብ ምሃብ ተዓቂበን።
ብዘይካ'ዚ፡ ኣብ ትግራይ ተፈጺሙ ዝብሃል ምግሃስ ሰባዊ መሰላትን፡ ምጥሓስ ዓለምለኻዊ ሕግታት ሰብኣውነትን፡ ስደተኛታትን ከምዘተሓሳሰቦ ብምግላጽ፡ ፈጸምቱ ክሕተቱ ጸዊዑ። ምውጻእ ሓይልታት ኤርትራ ካብ ትግራይ ብጭብጢ ክረገጋጽ ከምዘለዎ ድማ ገሊጹ።
እቲ ፍሉይ ወኪል፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ኤርትራ ኣብ ምግሃስ ሰባዊ መሰላት ዘርኣየቶ ምምሕያሽ ከምዘየለን፡ መሰላት ንምኽባር ዝሕግዝ ትካላውን ሕጋውን ኣሰራርሓ ከም ዘይብላን ገሊጹ ነይሩ።
መንግስቲ ኤርትራ ብወገኑ፡ እቲ ጸብጻብ "ዘይተረጋገጸ ክስታት" ብምባል "ፖለቲካዊ ዕላማ" ዘለዎ'ዩ ክብል ግብረመልሲ ሂብሉ'ዩ።
ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ቅዋም፣ ናጻ ፍርዳዊ ኣካልን ሓጋጊ ኣካልን ዘይምህላዎም ኣብ ኤርትራ ግዝኣተ-ሕጊ ከም ዘየለ ዘርኢ ምዃኑ'ውን እቲ ፍሉይ ተኸታታሊ ሰባዊ መሰላት ኣብ ጸብጻቡ ጠቒሱ።
እቲ ካብ 2002 ጀሚሩ ብዘይወግዓዊ ኣገባብ ዝፈረሰ ሃገራዊ ባይቶ ዳግም ክቐውም'ውን ፍሉይ ወኪል ባቢከር ጸዊዑ ነይሩ።
ብሰንኪ ሓይልታት ጸጥታ ዝፍጽምዎ ማእሰርትን ምስዋር እሱራትን ኣብታ ሃገር ፍርሒ ከምዝነግስ ኮይኑ'ሎ ዝበለ እቲ ጸብጻብ፡ መንግስቲ ኣብ መዳይ ናጽነታት ምግላጽ ሓሳብ፡ ሃይማኖታዊ እምነት፡ ምፍጣር ማሕበራትን ፕረስን ለውጢ ኣየርኣየን ኢሉ።
መንግስቲ ኤርትራ፡ ብዙሓት ኣብ ቀይዲ ዘእተዎም ዜጋታት ብዘይዝኾነ ፍርዳዊ መስርሕ ንዓመታት ኣብ ስዉር ኣብያተ-ማእሰርቲ ከምዝቕይድ ይፍለጥ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







