'ኤርትራ ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ዝኾነ ጭቡጥ ምምሕያሽ ኣይገበረትን' ክብል ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, UN TV
መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ሰባዊ መሰላት ዝኾነ "ገስጋስ" ይኹን "ምምሕያሽ" ከምዘየርኣየ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።
ፍሉይ ወኪል ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳያት ሰኣብዊ መሰላት ኤርትራ፡ ትማሊ ንላዕለዋይ ኮሚሽነር ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ዋላ'ኳ ገለ ብእምነቶም ዝተኣስሩ ሰባት እንተፈትሐት፡ ኣብ ጉዳይ ናይ ሕልና እሱራት ግን ዝኾነ ለውጢ ኣይገበረትን ኢሉ።
"ንኩነታት ሰባዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ዝምልከት ገስጋስ ወይ ርኡይ ምምሕያሽ ከምዝገበረ ዘርኢ ዝኾነ ጭብጢ የለን" ክብል ፍሉይ ወኪል መሓመድ ዓብደልሰላም ባቢከር ኣብ ጸብጻቡ ጠቒሱ።
"ምፍታሕ ሓደ ዓቢ ጉጅለ ክርስትያናትን መሰኻኽር ጆሆቫን ጽቡቕ'ኳ እንተኾነ፡ ንናይ ፖለቲካን ሕልናን እሱራት ብዝምልከት ግን ለውጢ የለን" ክብል እቲ ፍሉይ ወኪል ኣብቲ ብማንዛ ዝተኻየደ መጋባእያ ተዛሪቡ።
ወኪል ኤርትራ ብወገኑ "ክስታት ናይቲ ፍሉይ ወኪል ግምታውን ዘይቅቡልን'ዩ" ብምባል ሃገሩ ከም እትነጽጎ ገሊጹ።

ንኤርትራ ወኪሉ ግብረመልሲ ዝሃበ ኣምባሳደር ተስፋሚካኤል ገራህቱ "ኤርትራ ግዳይ ናይዚ ዘይረትዓዊ፡ ዘይፍትሓዊ፡ ዝበለየን ዝምቡዕን ኣገላልጻታት ኮይና ጸኒሓ'ያ" ክብል ተቓውምኡ ኣስሚዑ።
እቲ ፍሉይ ወኪል ሕቡራት ሃገራት፡ ሱዳናዊ መሓመድ ዓብደልሰላም ባቢከር፡ ትማሊ ኣብ መበል 46 ስሩዕ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ'ቶም ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝርከቡ መዓስከራት ዝጸንሑ ልዕሊ 96 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዘይሕጋዊ መቕተልቲ፡ ጭውያን፡ በስገዳድ ናብ ኤርትራ ምምላስን ዝርከብዎ ከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከምዝፈጸሙ ዝገልጹ ጸብጻባት ከምዝበጽሕዎ ጠቒሱ።
"ብፍላይ ብዛዕባ እተን 25 ሽሕ ስደተኛታት ኣዕቚበን ዝነበራ መዓስከራት ህጻጽን ሽመልባን ተሻቒለ ኣለኹ። እቶም መዓስከራት ካብ ሕዳር 2020 ክሳዕ ጥሪ 2021 ኣብ ዘሎ ግዚያት ብወተሃደራት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዝተኻየደ መጥቃዕቲ ከም ዝዓነው ዝነግር ሓበሬታ በጺሑኒ'ሎ" ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, UN TV
እታ ኣባል ናይቲ ቤት ምኽሪ ዝኾነት ኤርትራ፡ እቲ ጸብጻብ ነቲ ኣብ 2018 ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተበጽሐ "ስምምዕ ሰላም፡ ምሕዝነትን ምትሕብባርን" ንምዕንቃፍ ህወሓት ዝፈጠሮ ጸጥታዊ ስግኣት ብወድዓዊነት ዝገምገመ ኣይኮነን ክብል'ውን ከሲሱ።
ኣመሪካን ሕብረት ኣውሮጳን፡ መንግስቲ ኤርትራ ሓይልታቱ ካብ ክልል ትግራይ ከውጽእ ክጠልቡ ምጽንሖም ይፍለጥ።
ይኹን እምበር መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ንምትእትታዉ ኤርትራ ኣብቲ ኣብ ትግራይ ተወሊዑ ዘሎ ግጭት ክነጽግዎ ጸኒሖም ኣለዉ። ገለ ሰብመዚ ግዝያዊ ምምሕዳር ግን ሓይልታት ኤርትራ ኣብቲ ክልል ከምዘለዉ ክዛረቡ ይስምዑ'ዮም።
መራሕቲ ህወሓት ብወገኖም ሓይልታት ኤርትራ ዝሓዝዎ ቦታታት ትግራይ ከምዘሎን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ገበናት ከምዝፈጸሙን ክኸሱ ምጽንሖም ይዝከር።
ኤርትራ ነቲ ቅድሚ 8 ዓመት እቲ ኣብ ጀነቫ፡ ስዊዘርላንድ ዝመደበሩ ቤት ምኽሪ ዘሕለፎ ወሳነ ፍሉይ ምክትታል ሰባዊ መሰላት ኤርትራ ክቋረጽ'ውን ጠሊባ'ላ።
መንግስቲ ኤርትራ ላዕለዎት ሚኒስተራት ዝርከብዎም ፖለቲከኛታትን፡ ሓያሎ ጋዜጠኛታትን ብዘይ ዝኾነ ፍርዳዊ መስርሕ ኣብ ቀይዲ ኣእትዩ ምህላዉ ይፍለጥ። መብዛሕትኦም ቤተሰቦም ክብጽሕዎም ዘይክእሉን ሃለዋቶም ዘይፍለጥን'ዮም።
እቲ ካብ 1991 ስልጣን ጨቢጡ ዝርከብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብታ ሃገር ሃገራዊ ምርጫ ከይካየድ ከምዝኸልከለ ይግለጽ።
ንሱ፡ ንኣስታት 30 ዓመታት ብዘይ ዝኾነ ቅዋም'ዩ ነታ ሃገር ዝመርሓ ዘሎ። መሰጋገሪ ሃገራዊ ባይቶ እታ ሃገር ካብ ፈለማ 2002 ፈሪሱ ይርከብ።
እቲ ኣብ 1997 ዝጸደቐ ቅዋም "ከይተኣወጀ ዝሞተ'ዩ" ክብል ድሕሪ ምግላጽ፡ ኣብ 2014 ሓድሽ ቅዋም ክነድፍ ምዃኑ ኣፍሊጡ ነይሩ። ይኹን እምበር ክሳብ ሎሚ ዝኾነ ቅዋም ኣይተነደፈን።






![ፕሬዝደንት ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ [ማእከል]፣ ፕሬዝደንት ሶማሊያ መሓመድ ፋርማጆ [የማን]](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/660/cpsprodpb/5E83/production/_107359142_gettyimages-1059886520.jpg.webp)
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







