ኣመሪካ፡ ምስ ሓደ እሱር ዝጠፍአት ሓላዊት ቤት ማእሰርቲ ርእሰ ቕትለት ፈጺማ

እሱር ካሲ [ጸጋም] ሓላፊት ህንጸት ቪኪ ዋይት [ክልቲኦም ዝምድና የብሎምን]

ምንጪ ስእሊ, Lauderdale County Sheriff's Office

መግለጺ ስእሊ, እሱር ካሲ [ጸጋም] ሓላፊት ህንጸት ቪኪ ዋይት [ክልቲኦም ዝምድና የብሎምን]

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣብ ኣመሪካ ብገበን ቕትለት ምስ ዝተጠርጠረ እሱር ኣልባማ ብምዃን ዝጠፍአት ሓላዊት ቤት ማእሰርቲ ርእሰ ቕትለት ከምዝፈጸመት ፖሊስ ገሊጹ።

ጓል 58 ዓመት ቪኪ ዋይትን ወዲ 38 ዓመት ካሴይ ዋይትን [ክልቲኦም ምምስሳል ሽም ኣቦ እኳ እንተሃለዎም፡ ዝምድና የብሎምን] ብፖሊስ ክድለዩ ዝጸንሑ ኮይኖም፡ ኣብ ክፍለ ግዝኣት ኢንድያና ብፖሊስ ምስ ተትሓዙ እያ ቪኪ ህይወታ ኣጥፊኣ።

ፍቕራዊ ዝምድና ከምዝነበሮም ዝተጠርጠሩ ክልቲኦም ሚያዝያ 29 እዮም ካብ ቤትማእሰርቲ ላውደርደል ካውንቲ ተሰዊሮም።

ንሳቶም፡ ካሴይ ገምጋም ጥዕና ኣእምሮ ክግበረሉ ትወስዶ ኣብ ዝነበረት እዋን እዮም ተሰዊሮም።

እታ ክልቲኦም ዝተሰወሩላ መዓልቲ፡ ቪኪ ካብ ስራሕ እትሰናበተሉ መዓልቲ እዩ ነይሩ።

ገዛኣ ኣብ ቀረባ እዋን ክትሸጦ እንከላ ዝበዝሐ ግዜኣ ኣብ ገማግም ክተሕልፎ ወጢና ምህላዋ ንብጾታ ነጊራ እያ።

ትማሊ ግን ፖሊስ፡ ቪኪ ዋይት ኣብ ቀይዲ ኣብ እትውዕለሉ ግዜ ኣብ ገዛእ ርእሳ ድሕሪ ምትኳስ ኣብ ሆስፒታል ከምዝዓረፈት ኣረጋጊጾም።

ክልቲኦም ኣብ ቀይዲ ቅድሚ ምእታዎም ዝዝውሩዋ ዝነበረት መኪና ከም ዝተጋጨየት'ውን ኣዛዚ ፖሊስ ላውደርዳል ካውንቲ ሸሪፍ ሲንግልተን ሓቢሩ።

"ሎሚ እቲ ሓደገኛ ሰብ ኣብ ጎደና ሒዝናዮ ኣለና፤ ዳግም ፈጺሙ ብርሃን ኣይርእን" ኢሉ።

ካሴይ ዋይት፡ ብመስከረም 2020 ንጓል 58 ዓመት ኮኒ ሪጅወይ ብካራ ብምውጋእ ብኽልተ ገበናት ቅትለት እዩ ተኸሲሱ።

ኤጀንሲ ኣኽባሪ ፌደራላዊ ሕጊ ኣመሪካ፡ እቲ እሱር ብ2015 ብስርቂ መኪና፣ ብዝምታን ካብ ፖሊስ ብምህዳምን ዝርከቡዎም ዝተፈላለዩ ገበናት ተኣሲሩ ከም ዝነበረ ሓቢሩ።

እቲ ቅትለት ተኣሚኑ ፍርዲ ይጽበ ከም ዝነበረ'ውን ሰብ መዚ ገሊጾም።

ገበነኛ ኮይኑ እንተተረኺቡ ብመቕተልቲ ክቕጻዕ ይኽእል እዩ።