ጨው ኣብዚሓትለይ ኢሉ ንሰበይቱ ሓኒቝ ዝቐተለ ህንዳዊ

ምንጪ ስእሊ, TASVEER HASAN
ፖሊስ ህንዲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ንሓደ ወዲ 46 ዓመት ሰብኣይ ኣብ ቀይዲ ኣውዒልዎ። ምኽንያት ማእሰርቱ ድማ ኣብ ዝተዳለወ ቁርሲ፡ 'ጨው ኣብዚሓትለይ' ብዝብል ንበዓልቲ ቤቱ ሓኒቝ ብምቕታሉ'ዩ።
"ሰራሕተኛ ባንክ ዝኾነ ኒከሽ ጋግ፡ እቲ ብንግሆኡ ዝተዳለወሉ መግቢ ብዙሕ ጨው ስለዝነበሮ'ዩ ንጓል 40 ዓመት በዓልቲ ቤቱ ሓኒቑ ህይወታ ክሓልፍ ዝገበረ፡" ክብል ኣዛዚ ፖሊስ ሚሊንዲ ደሳይ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
እቲ ገበን ክፍጸም እንከሎ ዝረኣየ ወዲ 12 ዓመት ወዶም ንፖሊስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ኣቦኡ ክሳብ መደቀሲ ክፍሊ ስዒቡ እቲ ቁርሲ ጨው ከምዝበዝሖ እናተዛረበ ንበዓልቲ ቤቱ [ኒርማላ] ክወቕዓ ከምዝጀመረ ኣረዲኡ።
"ካብቲ ዝፍጽሞ ዘሎ ተግባር ክዕቀብ እናበኸየ ነቦኡ ለሚንዎ" ዝበለ ኣዛዚ ፖሊስ ዴሳይ፣ እንተዀነ ማህረምቲ ከየቋረጸ ብገመን ከምዝሓነቓ ገሊፁ።
ሽዑ እቲ ቘልዓ ንዓባዩን ኣኮኡን ጸውዖም።
"ናብኡ ምስ በጽሑ ብቕልጡፍ ናብ ሆስፒታል ከብጽሕዋ ተጓይየዩ፣ ንሳ ግን ሽዑ ንሽዑ እያ ሞይታ" ብምባል እቲ ፖሊስ ንቢቢሲ ኣረዲኡ።
ነቲ ቕትለት ዝፈጸመ ሰብኣይ ጸኒሑ ኢዱ ንፖሊስ ክህብ እንከሎ፡ ከቢድ ሕማም ጸቕጢ ደም ከምዘለዎ'ዩ ተዛሪቡ፣ ተኣሲሩ ድማ።
ቤተሰብ ናይታ ብሰብኣያ ዝተቐተለት ኒርማላ ንፖሊስ ከም ዝሓበርዎ፡ እቶም መጻምዲ ቅድሚኡ ኣብ ዝነበሩ 15 መዓልታት ብውሽጣዊ ጉዳያት ናብ ቈይቂ ይኣትዎ ነይሮም'ዮም።
ፖሊስ ግን ብዛዕባ እቲ ጐንጺ ካብታ ግዳይ ይኹን ካብ ስድራኣ ዝበጽሖ ሓበሬታ ከምዘይነበረ ይሕብር።
ኣብ ህንዲ ጉዳይ መግቢ ዘንቀሎ ኣንስቲ ብሰብኡተን ተቐቲለን ዝብል ዜና ምስማዕ ልሙድ እናኾነ ይመጽእ ከምዘሎ ይግለጽ።
ገለ ናይ ቀረባ ኣብነታት ንምጥቃስ፡
- ኣብ ወርሒ ጥሪ ሓደ ኣብ ከባቢ ከተማ ደልሂ ዝነብር ሰብኣይ፡ ድራር ኣየቕረበትለይን ንዝበላ ሰበይቱ ከምዝቐተላ ተሰሚዑ።
- ኣብ ሰነ 2021፡ ኣብ ዝቐረበሉ መግቢ "ሰላጣ ኣይሓወስክሉን" ዝበለ ሰብኣይ ንሰበይቱ ቀቲልዋ
- ድሕሪ ኣርባዕተ ወርሒ ድማ ኣብ ከተማ ባንጋሎር፡ ዝተጠበሰት ደርሆ ኣጸቢቕኪ ኣይሰራሕክያን ዝበለ ሰብኣይ ንሰበይቲ ወቒዑ ናብ ሞት ኣብጺሕዋ
- ኣብ 2017፡ ሓደ ወዲ 60 ዓመት ሰብኣይ ድራር ኣብ ምቕራብ ደንጉያትኒ ንዝበላ ሰበይቱ ተኲሱ ከም ዝቐተለ ቢቢሲ ጸብጺቡ ነይሩ
ኣብታ ሃገር ከምዚ ዝበሉ ፍጻመታት ዝዝውተረላ ህንዲ፡ ዘቤታዊ መጥቃዕትታት ካብ ዓመት ናብ ዓመት ይውስኹ ምህላዎም ይግለጽ። ኣብ 2020 ፖሊስ ካብ 112,292 ደቂ ኣንስትዮ ጥርዓን በጺሕዎ ነይሩ። እዚ ማለት ከኣ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ደቒቕ ሓደ ዘቤታዊ ግህሰት ይፍጸም ማለት'ዩ።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከምዝሕብሮ፡ ብደረጃ ዓለም ሓንቲ ካብ ሰለስተ ደቂኣንስትዮ ፆታ መሰረት ንዝገበረ መጥቃዕቲ ዝተቓልዐት'ያ። መብዛሕትኦም ጥሕሰታት ከኣ ብመጻምደን ይፍጸሙ።
ኣብ ህንዲ መጽናዕቲ ንዘካየዱ ኣካላት ሓሳቦም ካብ ዝሃቡ ሰባት፡ እተን ልዕሊ 40 ሚእታዊት ደቂኣንስትዮ፡ 38 ደቂተባዕትዮ ኰይኖም፡ ንሳቶም "ሓንቲ ሰበይቲ ንኣዝማድ በዓል ገዛኣ ክብሪ ዘይትህብ እንተኾይና፣ ንገዛኣን ንደቃን እንተዘይተገዲሳ፣ ንበዓል ቤታ ከይነገረቶ ናብ ደገ እንተወጺኣ፣ ፆታዊ ርክብ ንምግባር ድልውቲ እንተዘይኮይና ወይ መግቢ ብግቡእ እንተዘይሰሪሓ፡ ብሰብኣያ ክትውቃዕ (ክትግረፍ) ኣለዋ፡" ዝብል ርእይቶ ሂቦም።
ብፍላይ ኣብ ኣርባዕተ ግዝኣታት እታ ሃገር፡ ልዕሊ 77 ሚእታዊት ደቂኣንስትዮ፡ ኣብ ልዕሊ ኣንስቲ ንዝፍጸም ማህረምቲ ቅቡል ከምዝገብራ ሓቢረን።
ኣብ ህንዲ ብኦክስፋም ንዝድገፍ ፕሮግራም ፍትሒ ንደቂኣንስትዮ እትመርሕ ኣሚታ ፒተር፡ "ኣብ ህንዲ ንፆታ መሰረት ዝገበረ ግህሰታት ዝለዓለ ቅቡልነት ኣለዎ፣ ምኽንያቱ ደቂኣንስትዮ ከም ተኣዛዚት (ጽግዕተኛ) እያ ትቑጸር፡" ክትብል ተረድእ።
ሰበይቲ ንሰብኣያ ምእዝዝቲ ክትኸውን ኣብቲ ማሕበረሰብ ዝተሃነጸ እምነትን ኣተሓሳስባን ከምዘሎ ብምሕባር ከኣ፡ ውሳነ ናይ ምሃብ ሓላፍነት ናይ ሰብኣይ ከም ዝዀነ፣ ንሳ ንዕኡ ክተገልግል ከምዝግባእ፣ ትምህርቲ ብዝለዓለ ደረጃ ክትመሃር ከምዘይብላ ከምዝእመን ትገልጽ።
ብሰንኪ እዞም ምኽንያታት ድማ ዝበዝሓ ደቂኣንስትዮ ህንዲ፡ ዋላ'ውን እተን ብቐጻሊ ብሰብኡተን ዝህረማ ነቲ ኩነታት ከም ዕጫአን እየን ዝቘጽራኦ። ናብ ፖሊስ ክሲ ከቕርባ'ውን ኣይመርጻን።
ኣብ መሰላት ደቂኣንስትዮ ዝሰርሕ 'ቫናንጋና' ዝተበሃለ ትካል ግብረ-ሰናይ ዘቘመት ኩክሬጃ፡ "ኣብ ህንዲ ዝፍጸም ማህረምቲ ኣንስቲ ናብ ፖሊስ ዝበጽሕ ኣይኮነን። ኣብ ከምዚ ዝበለ ኵነታት ከኣ ክትጽብጽቦ ወይ ክትምዝግቦ ቀሊል ኣይኮነን። ዝበዝሑ ሰባት፡ 'እቲ ኣብ ገዛ ዝተፈጸመ ኣብ ገዛ ክተርፍ ኣለዎ፡' እዮም ዝብሉ። በዚ ምኽንያት ከኣ ደቂኣንስትዮ ናብ ፖሊስ ክኸዳ ኣይተባብዓን፡" ትብል።

ምንጪ ስእሊ, TASVEER HASAN
ነቲ ትካል እትመርሕ ፑሽፓ ሻርማ ብወገና፡ ሰብኡተን ወቒዖምወን ምስ ደቀን ዝተርፋ ኣደታት ከምዘለዋ ትዛረብ፣ ክልተ ኣጋጣሚታት ከም ኣብነት ትጠቅስ።
"ንኽልቲአን ሰብኡተን ብጸጕሪ ርእሰን እናጐተቱ ናብ ደገ ኣውጺኦምወን፤ ኣብ ቅድሚ ጐረባብቲ ኣናሽዮምወን። መግቢ ብዝግባእ ኣይሰርሓን ዝብል'ዩ ናይ ክልቲኦም ምኽንያት። መግቢ እቲ ቀንዲ ምኽንያት'ዩ፡" ክትብል ተዛሪባ።
ዝወልድዎ ቈልዓ ወዲ ክኾነሎም ዝደልዩ ሰብኡት፡ ሰበይቶም ጓል እንተወሊዳ ክወቕዕዋ ከምዝኽእሉ'ውን ወሲኻ ሓቢራ።
ሕብሪ ቆርበተን ጽልም ዝበለ ብምዃኑ፣ "ጽብቕቲ ኣይኮንክን፡" ብዝብል፣ እኹል ገዝሚ ዘምጽኣ እንተ ዘይኮይነን፣ ሰብኣይ ሰትዩ መጺኡ፡ መግቢ ወይ ማይ ቀልጢፈን እንተዘየቀሪበን፣ ኣብ መግቢ ጨው እንተብዚሑ ወይ እንተረሲዑ ከቢድ ማህረምቲ ዘጋጥመን ደቂኣንስትዮ ብዙሓት ከምዝኾና ፑሽፓ ሻርማ ንቢቢሲ ተዛሪባ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







