ኣሜሪካ፡ ብሓባር ንዝጠፍኡ እሱርን ዋርድያን ንምርካብ ዝግበር ኣለሻ

እሱር ካሲ [ጸጋም] ሓላፊት ህንጸት ቪኪ ዋይት [ክልቲኦም ዝምድና የብሎምን]

ምንጪ ስእሊ, Lauderdale County Sheriff's Office

መግለጺ ስእሊ, እሱር ካሲ [ጸጋም] ሓላፊት ህንጸት ቪኪ ዋይት [ክልቲኦም ዝምድና የብሎምን]

ፖሊስ ኣመሪካ ብገበን ቕትለት ዝተኣሰረ እሱርን ምስኡ ዝጠፍአት ዋርድያን ይእልሽ ኣሎ።

እሱር ካሴይ ዋይትን ሓላፊት እሱራት ቪኪ ዋይትን ኣብቲ ኣብ ኣልባማ ላውደርዳል ካውንቲ ኣብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ዓርቢ ንጉሆ እዮም ንመወዳእታ ግዜ ተራእዮም።

ኣብቲ ግዜ እታ ዋርድያ፡ ገምጋም ስነ ኣእምሮ ክግበረሉ ናብ ቤት ፍርዲ ትወስዶ ምህላዋ እኳ እንተገለጸት ድሒሩ ግን ኣብቲ ዕለት ንዕኡ ዝተትሓዘ መደብ ከም ዘይነበረ ተፈሊጡ።

ቪኪ ዋይት፡ ነቲ እሱር ክሃድም ሓጊዛቶ ድያ ዋላስ ጅሆ ተታሒዛ ዝብል ግን ዛጊት ኣይተፈልጠን።

ክልቲኦም ምምስሳል ሽም ኣቦ እኳ እንተሃለዎም፡ ዝምድና የብሎምን።

ካሴይ ዋይት ሕጂ ናይታ ዋርድያ ብረት ሒዙ ክኸውን ስለ ዝኽእል "ዕጡቕን ኣዝዩ ሓደገኛን" ክኸውን ከም ዝኽእል ሰብ መዚ ኣጠንቂቖም ኣለው።

ብዓርቢ፡ ቪኪ እቲ እሱር ስነ ኣእምሮኣዊ ጥዕንኡ ገምጋም ክግበረሉ ከተብጽሖ ምዃና ንብጾታ ነጊራ ከም ዝወጽአትን ኣብቲ ዕለት ጽቡቕ ይስምዓ ስለ ዘይነበረ ናብ ሕክምና ክትኸይድ ከም እትደልን ነጊራቶም ከም ዝነበረት ተገሊጹ።

ድሕሪኡ ግን፡ ሓደ ሰብ መኪንኣ ኣብ መጸግዒ መካይን ሓደ ድኳን ጠጠው ኢላ ርኢዋ።

ድሕሪ ሰዓታት ሰብ መዚ'ውን እቲ እሱር ናብ ቦትኡ ከም ዘይተመልሰ ክፈልጡ እንከለው፤ ነታ ዋርድያ'ውን ክረኽቡዋ ኣይክኣሉን።

ኣገልግሎት ፖሊስ ኣመሪካ እቲ እሱር ንክትሓዝ ሓበሬታ ንዝሃበን ቪኪ ዘላትሉ ንዝሓበረን ክሳብ 10 ሽሕ ዶላር ዝበጽሕ ሽልማት ከም ዝህብ ይገልጽ ኣሎ።

ኣዛዚ ፖሊስ ላውደርዳል ካውንቲ ሸሪፍ ሲንግልተን፡ ቪኪ ዋይት ንዝሓለፉ 25 ዓመታት ከም ዘገልገለት ብምግላጽ ሓጋዚት ዳይሬክተር ህንጸት ከም ዝኾነትን ስርሓ እሱራት ናብ ቤት ፍርዲ ዝኸድሉ መጓዓዝያ ምውህሃድ ከም ዘጠቓልልን ሓቢሩ።

እቲ እሱር ባዕላ ናብ ቤት ፍርዲ ክትወስዶ ምውሳና ጥሕሰት ፖሊሲ ከም ዝኾነ ዝገልጽ ሲንግልተን፡ ብከቢድ ገበናት ዝኽሰስ ሰብ ብኽልተ ሰባት ከም ዝዕጀብ ሓቢሩ።

ቪኪ፡ ንዓመታት "ኣብነታዊት ሰራሕተኛ" ናይዚ ዓመት ተባሂላ ብደጋጋሚ ዝተሸለመት ምስግንቲ ሰራሕተኛ ከም ዝኾነት'ውን ሓቢሩ። ካብዚ ብዝብገስ ክሳብ ጭቡጥ መርትዖ ዝርከብ ብተሓባባርነት ክኸሳ ከም ዘይደሊ ገሊጹ።

ካሲ ዋይት

ምንጪ ስእሊ, Lauderdale County Sheriff's Office

"ንክሃድም ሓጊዛቶ ድያ? ክኸውን ይኽእል። ስለዚ እዚ ሓደ ናይቲ መርመራ ኣካል ገይርና ንርእዮ ኣለና። ናብቲ ቤት ፍርዲ ክትወስዶ እንከላ ተጨውያ ድያ? ብዘይ ድልየታ ተወሲዳ? እዚ'ውን ካልእ እንርእዮ ዘለና ጉዳይ'ዩ። ኩነታት እቲ እሱር ርኢኻ ግን ኣብ ሓደጋ እያ ዘላ" ይብል።

ወዲ 38 ዓመት ዋይት፡ ብመስከረም 2020 ንጓል 58 ዓመት ኮኒ ሪጅወይ ብካራ ብምውጋእ ብኽልተ ገበናት ቅትለት እዩ ተኸሲሱ።

ኤጀንሲ ኣኽባሪ ፌደራላዊ ሕጊ ኣመሪካ፡ እቲ እሱር ብ2015 ብስርቂ መኪና፣ ብዝምታን ፖሊስ ብምጉያይንን ዝርከቡዎም ዝተፈላለዩ ገበናት ተኣሲሩ ከም ዝነበረ ሓቢሩ።

እቲ ቅትለት ተኣሚኑ ፍርዲ ይጽበ ከም ዝነበረ'ውን ሰብ መዚ ገሊጾም።