ቻይና፡ ብህይወት ንዝነበሩ ሰብኣይ ብጌጋ ናብ ቀብሪ ክውሰዱ ዝገበሩ ሓለፍቲ ተሰጒጎም

ሻንጋይ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ናብ ሓድሽ ስጉምታት ካብ እትኣቱ ሽዱሽተ ሳምንታት ተቖጺሮም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሻንጋይ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ናብ ሓድሽ ስጉምታት ካብ እትኣቱ ሽዱሽተ ሳምንታት ተቖጺሮም

እቲ ክስተት ኣብ ቻይና ሻንጋይ ዘጋጠመ ኮይኑ ነቲ ፍጻመ ስዒቡ ኣርባዕተ ሓለፍቲ ካብ ስርሖም ተሰጒጎም ኣለዉ።

እቶም ሓለፍቲ ካብ ስርሖም ዝተሰጎጉሉ ምኽንያት ድማ ንሓደ በዓል ፀጋ ዕድመ ብህይወት እናሃለዉ ብጌጋ ሞይቶም ብዝብል ናብ ናይ ቀብሪ መኪና ክፀዓኑ ብምግባሮም’ዩ።

ብሰንበት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተዘርግሐ ቪድዮ፡ ክልተ ሰራሕተኛታት ስርዓተ ቀብሪ ዝፍጸመሉ ቦታ ነቶም ሞይቶም ዝተባህሉ ሰብኣይ ኣብ ናይ ኣስከሬን መዐሸጊ ፕላስቲክ ዓሺጎም ናብታ መኪና ክፅዕንዎም የርእይ።

ፀኒሖም እቶም ሰራሕተኛታት ነቲ ፕላስቲክ ከፊቶም ክርእዩ ይጅምሩ። እቲ ሓደ ድማ “እዚ ሰብኣይ ብህይወት ኣሎ” ክብል ይስማዕ።

ነዚ ስዒቡ ኣብ ቻይና ዝርከቡ ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚድያ ቁጠዐኦም ክገልፁ ጀሚሮም።

ሰበ ስልጣን ሻንጋይ ዞባ ፑቶ፡ እቲ ክስተት ከም ዘጋጠመ ብምርግጋጽ፡ እቶም ምስ ህይወቶም ክቕበሩ ተሓሲቦም ዝነበሩ ሰብኣይ ናብ ሆስፒታል ከም ዝተወሰዱን ኣብ ፅቡቕ ኩነታት ጥዕና ከም ዝርከቡን ኣፍሊጦም።

ምስቲ ፍጻመ ብዝተሓሓዝ ሓደ ዶክተርን ሓሙሽተ ሓለፍትን ምጽራይ ይግበረሎም ከም ዘሎ እውን ወሲኾም ሓቢሮም።

ምኽትል ዳይሬክተር ናይቲ ከባቢ ቤት ፅሕፈት ሲቪላዊ ጉዳያት ከምኡ’ውን ዳይሬክተር ናይቲ ማእኸል መሕብሐቢ [እቶም በዓል ፀጋ ዕድመ ዝነብሩሉ] ዝርከብዎም ኣርባዕተ ሓለፍቲ ካብ ስርሖም ተሰጒጎም ኣለዉ።

ሓደ ዶክተር ድማ ዝነበሮ ፍቓድ ተሰሪዙ።

ብዙሓት ነቲ ተግባር ይኹንኑ ዘለዉ ኮይኖም፡ ዳርጋ ናብ ሞት ዘቃልዕ ሸለልትነት (ዕሽሽታ) ከም ዝኾነ ዝገለፁ’ውን ኣለዉ።

እታ ኣስታት 25 ሚልዮን ህዝቢ ዝነብረላ ዝዓበየት ቻይናዊት ከተማ ሻንጋይ፡ ብምኽንያት ሓድሽ ተርእዮታት ረኽሲ ኮሮናቫይረስ ናብ ገደባት ካብ እትኣትው ቀንያ’ላ።

በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ካብ ገዝኦም ክወጽኡ ዘይፍቀደሎም ኮይኑ፡ ምስቶም እቲ ቫይረስ ዝተረኸቦም ሰባት ርክብ ዝነበሮም ሰባት ድማ ናብ መንግስታዊ መወሸቢ ማእኸል ክኣትዉ ይግደዱ።

ፖሊስ ንሰባት ካብ መንበሪ ገዝኦም ኣገዲዱ እናወሰዶም ከሎ ዝተፈጠረ ጎንፂ ዘርእዩ ቪድዮታት ተዘርጊሖም ይርከቡ።

ዝበዝሓ ሃገራት ዓለም ምስቲ ቫይረስ ተላሚደን ንምንባር ዝወሰና ኣብ ዝመስላሉ እዋን፡ ቻይና ግን ንኮቪድ ብጥቡቕ ኣብ ምቅላስ ትርከብ።