ሊዮናርዶ ዲካፕሪዮን ፕረዚደንት ብራዚልን እንታይ ኣባኣሶም

ኮኾብ ተዋስኣይ ፊልም ሆሊውድን በዓል ሞያ ዕቃበ ኣከባብን ዝዀነ ሊዮናርዶ ዲካፕሪዮ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ፕረዚደንት ብራዚል ጃየር ቦልሶናሮ፡ ኮኾብ ተዋስኣይ ፊልም ሆሊውድን በዓል ሞያ ዕቃበ ኣከባብን ዝዀነ ሊዮናርዶ ዲካፕሪዮ፡ ኣብ መወዳእታ'ዚ ዓመት ኣብ ዝግበር ምርጫ፡ ብራዚላውያን መንእሰያት ክመርጽዎ ድሕሪ ምሕታቱ ብትሪ ነቒፍዎ።

"ብራዚል፡ እቲ ንክሊማዊ ለውጢ ዓለምና ኣገዳሲ ዝዀነ ኣማዞንን ካልኦት 'ኢኮ-ስስተም'ን ዘለዋ ሃገር እያ፡" ክብል፡ ዲካፕሪዮ፡ ብሓሙስ ኣብ ትዊተሩ ጠቂዑ።

"እቲ ኣብኡ [ብራዚል] ዝኽሰት ነገር ከኣ ንዅልና ወሳኒ እዩ፣ ስለዚ መንእሰያት ዝህብዎ ድምጺ፡ ጥዕይቲ ዓለም ንምቕያር ዝድርኽ፡ ኣመና ወሳኒ ነገር እዩ፡" ክብል ወሲኹ ጽሒፉ'ሎ።

እቲ ንሓለዋ ከባቢ ዝውዕል ባጀት ከም ዘጕደለ ዝፍለጥ ፕረዚደንት ቦልሶናሮ ግን፡ ነዚ ዘረባ ሽምጠጣዊ ግብረመልሲ እዩ ሂቡሉ።

"ንደገፍካ ነመስግን - ሊዮ! ኣብዚ ዝመጽእ ዘሎ ምርጫ፡ ኵሉ ብራዚላዊ ከድምጽ፡ ብሓቂ ኣገዳሲ ነገር እዩ። ህዝብና ኸኣ፡ ልኡላውነት ብራዚል ኣብ ኣማዞን ድዩ ዝረጋገጽ፡ ወይስ ብምሕደራ 'ቶም ንረብሓታት ወጻኢ ግዙኣት ዝዀኑ ቀጠፍቲ ግን ባዕሉ ክውስን እዩ፡" ክብል መሊሱሉ።

ዲካፕሪዮ፡ ኣብ ዕቃበ ጫካታት ኣማዞን ብግምባር ቀደም ዝስራዕ ሻምፒዮን ኰይኑ፡ ንምዕቃቡ ዝግበር ጻዕሪ ንምድጋፍ፡ ኣብ 2019፡ ሓሙሽተ ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ከም ዘወፈየ ይፍለጥ።

መንግስቲ ቦልሶናሮ፡ ብሰንኪ'ቲ ኣብ ዕቃበ ኣከባቢ ዝኽተሎ ሰንኮፍ ፖሊሲታትን፡ ዝሰዓበ ቅልጡፍ ብርሰት ኣግራብን፡ ሰፊሕ ነቐፌታታት ክወርዶ ጸኒሑ እዩ።

መንግስቲ ብራዚል፡ ኣብቲ ኣብ ዓለም ብዕብየቱን ጻዕቂ ኣግራቡን ዝፍለጥ ጫካ ኣማዞን፡ ብሓረስቶትን ቈረጽቲ ኣግራብን ንዝፍጸም ብርሰት ዕሽሽ ምባሉ፡ ብነጠፍቲ ዕቀባ-ኣከባቢ ብተሪር እዩ ዝውቀስ።

መራሒ ብራዚል፡ ነቲ ኣብቲ ከባቢ ዝካየድ ዝነበረ ዕቃበ-ኣከባቢ ብምድኻሙ'ኳ እንተ ተወቕሰ፡ ንሱ ግን ነቲ ቦታ ድኽነት ንምቅላስ ዓሊሙ ከም ዝተጠቕመሉ እዩ ዝማጐት።

ብመሰረት ሓበሬታ መንግስታዊ ሳተላይት ብራዚል፡ ኣብ ወርሒ ጥሪ ናይዚ ዓመት ዝተቘርጸ ኣግራብ፡ ምስ ተመሳሳሊ ወርሒ ዝሕለፈ ዓመት እንክነጻጸር ኣመና ዝበዝሐ ምዃኑ የመልክት።

ፕረዚደንት ብራዚል ቦልሶናሮ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

እዚ ዓንዩ ዘሎ ከባቢ ኸኣ ሓሙሽተ ዕጽፊ ብርሰት፡ ካብ ናይ 2021 ምዃኑ ይፍለጥ።

ሰፊሕ ጫካታት ብራዚል፡ ኣብቲ ብ'ምስታይ ካርቦን' ዝፍለጥ መስርሕ፡ ኣመና ገዚፍ መጠን ጋዛት 'ግሪን ሃውስ' ከም ዝመጺ እዩ ዝፍለጥ፤ እዚ ኸኣ ኣብዚ ዝዛባዕ ዘሎ ክሊማዊ ኵነታት ዓለማና ወሳኒ እዩ።

እንተዀነ፡ ኣግራብ እናበረሱ ኣብ ዝኸዱሉ እዋን፡ እቲ ጫካ ንክሊማዊ ዓለም ዝህልዎ ጠቕምን ኣገዳስነትን ብኡ መንጽር እናነከየ ከም ዝኸይድ ይፍለጥ።

እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ቦልሶናሮን ዲካፕሪዮን፡ ኣብዚ ጉዳይ ዝፋጠጡ ዘለው ንመጀመርታኦም ኣይኰነን።

ቦልሳናሮ ኣብ 2019፡ "ኣማዞን ሓዊ ንኽርኩዓሉ ገንዘባዊ ሓገዝ ሂቡ፡" ክብል ንዲካፕሪዮ ወንጂልዎ ነይሩ። እንተዀነ ቦልሶናሮ ብዛዕባ'ዚ ዝዀነ መርትዖ ኣየቕረበን፤ እቲ ፕረዚደንት፡ ንዝተፈላለያ ንፖሊሲታቱ ዝጻብኣ ትካላት ተመሳሳሊ ውንጀላታት ከም ዘቕርብ ይፍለጥ።

ሊዮናርዶ ዲካፕሪዮ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ምስቶም፡ 'ብርሰት ኣግራብ ኣብ ኣማዞን እናተፈጸመ፡ ፕረዚደንት ባይደን ምስ ብራዚል ዝዀነ ንኣከባቢ ዝምልከት ውዕል ከይፍርም' ዝጐስጐሱ ዓሰርተታት ህቡባት ሰባት ከም ዝተጸንበረ ኣይርሳዕን።