ሓደ ኣሜሪካዊ ብዘይድሌቱ ጽምብል ዕለተ ልደቱ ዘብዓለሉ ትካል 450,000 ዶላር ክኽሕሶ ተበይኑሉ

ናይ ዕለተ ልደት መሰለሚ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሓደ ኣሜሪካዊ፡ እቲ ዝሰርሓሉ ትካል ብዘይፍቓዱ ዕለተ ልደቱ ስለዘብዓለሉ፡ 450,000 ዶላር ካሕሳ ክኸፍሎ ብቤትፍርዲ ተበይኑሉ።

ኬቨን በርሊን ዝተባህለ ተቐማጢ ግዝኣት ኬንታኪ፡ ምስ ምኽባር ዕለተ ልደቱ ብዝተኣሳሰር ሕማቕ ተዘክሮታት ስለዘለዎ፡ ጭንቀት ከስዕበሉ ከምዝኽእል ኣቐዲሙ ንትካሉ ኣጠንቂቑ ምንባሩ ተገሊጹ።

ኬቨን፡ እቲ ኣብ 2019 ዝተኻየደ ጽንብል ዕለተ ልደቱ፡ ንብዙሕ ስነኣእምሮኣዊ ጸቕጢ ከምዘቃልዖ እዩ ዝዛረብ።

በዚ ኸኣ፡ ናብ ቤትፍርዲ ኣብ ዘቕረቦ ክሲ፡ እቲ ትካል ኣብ ልዕሊኡ ኣድልዎ ከምዝገበረ ኣመልኪቱ።

እቲ ትካል ግን ዝኣበሶ ከምዘየለ ብምግላጽ፡ ነቲ ክሲ ነጺግዎ።

ብመሰረት እቲ ናብ ቤትፍርዲ ኬንተን ካውንቲ ዝቐረበ ክሲ፡ እቲ ብጭንቀት ዝሳቐ ኬቨን፡ ጽምብል ዕለተ ልደቱ ኣብ ቦታ ስርሑ ከይበዓለሉ ንሓለቓኡ ሓቢሩ ነይሩ።

እቲ ትካል ንዕለተ ልደት ኵሎም ሰራሕተኛታቱ ናይ ምጽንባል ልምዲ እኳ እንተሃለዎ፡ ኬቭን ግን ምስ ዕድመ ንእስነቱ ዝተኣሳሰር ሕማቕ ተዘክሮታት ከም ዘለዎ ኣቐዲሙ ኣፍሊጡ ምንባሩ'ዩ ዝጠቅስ።

እንተኾነ፡ እቲ 'ግራቪቲ ዳያግኖስቲክስ' ዝተባሃለ፡ ኣገልግሎት መርመራ ኮቪድ-19 ዝህብ ትካል፡ ንጠለብ ኬቨን ዕሽሽ ብምባል ኣብ ወርሒ ነሓሰ 2019፡ ኬቨን ከይፈለጠ፡ ነቲ ጽምብል ኣዳልይዎ፡፡

እቲ ህሞት ከኣ ንኬቨን ናብ ስንባደ ከምዘቃልዖን፡ ካብቲ ቦታ ቐልጢፉ ብምውጻእ ምስሑ ኣብ መኪናኡ ኮይኑ ከም ዝተመገበን ተገሊጹ።

ኣብቲ ዝሰዓበ መዓልቲ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ኸኣ፡ ኬቭን ነቐፌታ ከምዝወረዶን፡ "ሓጐሰ መሳርሕቱ ብምስራቕ" ከምዝተጠቀነን እቲ ናይ ሰነድ ክሲ የረድእ።

ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ከኣ እቲ ትካል ንኬቨን ካልእ ምኽንያታት ኣሳቢቡ ካብ ስርሑ ኣባረሮ።

ኬቨን ኣብቲ ናብ ቤትፍርዲ ዘቕረቦ ክሲ፡ 'ግራቪቲ ዳያግኖስቲክስ' ብሰንኪ ስንክልናኡ ኣብ ልዕሊኡ ኣድልዎ ከምዝፈጸመን፡ ግቡእ ዘይኮነ ሕነ ከምዝፈደየን ይገልጽ።

እቲ ቤትፍርዲ፡ ድሕሪ ናይ ክልተ መዓልቲ መጋባእያ፡ ኬቨን ነቲ ኣብ ስምዒቱ ዝወረደ መጉዳእቲ፡ 300 ሽሕ ዶላር፡ ስርሑ ብምስኣኑ ከኣ 150 ሽሕ ዶላር ካሕሳ ክወሃቦ በይኑ።

ዋና ኣካያዲት ንጥፈታት እቲ ትካል፡ ጁሊ ብራዚል ንመራኸቢ ብዙሃን እቲ ከባቢ ኣብ ዝሃበቶ ምላሽ፡ ኬቨን 'ፖሊሲ ጎንጺ ቦታ ስራሕ' ከምዝጠሓሰ ብምግላጽ፡ ካብ ስራሕ ምብራሩ ቅኑዕ ምንባሩ ተዛሪባ።

"ኣብዚ ጉዳይ እቶም ግዳይ ዝኾኑ፡ እቲ ከሳሲ ዘይኮነ፡ ሰራሕተኛታተይ እዮም" ብምባል፡ ትካላ ነቲ ፍርዲ ይግባይ ክብል ምዃኑ ገሊጻ።