ክሊማዊ ለውጢ፡ ኣብ ወርሒ ጥሪ ኣብ ኣብ ኣማዞን ዘኸፈአ ብርሰት ገረብ ተፈጺሙ

ኣብ ወርሒ ጥሪ ኣብ ኣብ ኣማዞን ዘኸፈአ ብርሰት ገረብ ተፈጺሙ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣብ ጥሪ 2022 ምስ ካልእ ዝሓለፈ ጥሪታት ብምንጽጻር ዝኸፈአ ብርሰት ኣግራብ ከምዝተፈጸመ ካብ መንግስታዊ ሳተላይት ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ።

ናይ ጥሪ 2022 ኣብ ኣማዞን ዝተፈጸመ ብርሰት ኣግራብ ምስ ናይ ጥሪ 2021 ብምንጽጻር ብሓሙሸት ዕጽፉ ዝዛየደ ምዃኑን ካብ 2015 ጀሚሩ ጽፉፍ ጸብጻብ ክትሓዝ ካብ ዝጅምር ኸኣ ናይ ጥሪ 2022 ብርሰት ኣግራብ እቲ ኣዝዩ ዝኸፈአ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ተጣበቕቲ ስነ ኣከባቢ ቀንዲ ጠንቂ ብርሰት ኣግራብ ፕረዚደንት ብራዚል ጀይር ቦልሶናራ ምዃኑ እዮም ዝገልጹ።

ክሊማዊ ለውጢ ንምክልኻል ኣብ ኣማዞንን ኣብ ካልእን ዝርከቡ ኣግራብ ምዕቓብ ቀንዲ ሮቋሒ ምዃኑ’ዮም ብዙሓት ዝሰማምዑ።

ኣግራብ ኣማዞን፡ እቲ ቦታ ንሕርሻዊ ኣገልግሎትን ንፋብሪካታትን ንኽውዕል ይበርስ ምህላዉ’ዩ ተጣበቕቲ ስነ ኣከባቢ ዝሕብሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ግላስኮው ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ኮፕ26 ልዕሊ 100 መንግስታት ዓለም ክሳብ 2030 ኣብ ዘሎ ግዜ ምብራስ ኣግራብ ምሉእ ንምሉእ ደው ንኸብሉ ቃል ምእታውኦም ዝዝከር እዩ።

ብመስረት እዚ ናይ ወርሒ ጥሪ ካብ ሳተላይት ዝተረኸበ ስእሊ፡ መንግስቲ ብራዚል ብርሰት ኣግራብ ንምክልኻል ዝኾነ ነገር ይሰርሕ ከምዘየለ ዘርኢ ምዃኑ እቶም ተጣበቕቲ ስነ ኣከባቢ ይገልጹ።

ተጣባቒት ስነ ኣከባብን ኣባል ግሪን ስፔስ ብራዚል ክሪስቲን ማዜቲ “እዚ ስእሊ መንግስቲ ብራዚል ኣብ ምዕቓብ ኣከባቢ ዘለዎ ሸለልትነት ዘርኢ’ዩ” ኢላ።

ኣብ ኣማዞን ኣብ ወርሒ ጥሪ 2022 ጥራይ 450 ትርብዒት ኪሎሜተር ኣግራብ’ዩ በሪሱ።እዚ ኸኣ ክንዲ ሸውዓተ ዕጽፉ ስፍሓት ናይ ማንሃታን ምዃኑ’ዮም እቶም ተጣበቕቲ ስነ ኣከባቢ ዝገልጹ።