ክሊማዊ ለውጢ ብኸመይ እዩ ንተጠላብነት ቡን ኢትዮጵያ ከምዝውስኽ ዝገብሮ?

ቡና ብቤኬሪ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብዚ እዋን ኣዘራራቢ ዛዕባ ናይዛ እንነብረላ ዓለም፡ ኣብ ምህርቲ ቡን ሓዊሱ ኣብ ብዙሓት ነገራት ጸቕጢ ዝፈጥር ዘሎ ክሊማዊ ለውጢ እዩ፡፡

ብሰንኪ ልቀት በከልቲ ጋዛት ዝፍጠር ዘሎ ለውጢ ኣየር፡ ቡን ኣብ ዘብቁሉ ብዙሓት ከባቢታት ናይ ምህርትን ጣዕምን ለውጢ ከምዘስዕብ እዩ ዝንገር፡፡

ኢትዮጵያ ግና ካብተን ጣዕሙ ዘይለወጠ ቡን ከቕርባ ዝኽእላ ውሑዳት ሃገራት ሓንቲ እያ፡፡ በዚ ድማ ኣብ ዝቕጽል እዋናት ተጠላብነት ቡን ኢትዮጵያ ከምዝውስኽ ይግለጽ፡፡

ኣብ ሮስትወርክስ ኮፊ ዝተተኸለ ናይ ቡን ተኽሊ ካብ ኢትዮጵያ ዝመጸአ እዩ፡፡ እዞም ነቲ ተኽሊ ብህያብ ዝተቐበልዎ ቤተሰብ፡ ህይወት ናይቲ ተኽሊ ንምርኣይ ብዝብል እዮም ተኺሎምዎ፡፡

ናይቲ ቤተሰብ ናይ ቡን ንግዲ ኣብ 90ታት ካብ ፊንላድ ናብ ዓዲ እንግሊዝ እንትዘዋወር፡ ነቲ ተኽሊ እውን ተማሊኦምዎ ከይዶም፡፡

እቲ ተኽሊ ን30 ዓመታት ዝኾነ ፍረ ከምዘይሃበ እዩ ነቲ ትካል ዘመሓድር ዘሎ ዊሊ ሊትል ዝዛረብ፡፡

ኣብ መወዳእታ ግን እቲ ተኽሊ ፍረ ሂቡ፡፡ በዚ ከምዝተገረመ ይዛረብ፡፡

ኮይኑ ግና እቲ ተኽሊ ፍረ ዝሃበ ዝሓሸ ሙቐት ናብ ዘለዎ ከባቢ ብምምጽኡ ድዩ ወይስ ግዚኡ ኣኺሉ፡ ሊትል ዝፈልጦ የብሉን፡፡

እቲ ተኽሊ ፍረ ብምርኣዩ ዝተገረመ ሊትል፡ ብኣገባብ ክከናኸኖ ጀመረ፤ ኮይኑ ግና ሓምሳ ግራም ካብ ዝኾን ፍረ ቡን ወጻኢ ካልእ ክህብ ኣይከኣለን፡፡ ንሱ ግን ተስፋ ኣይቆረጸን፡፡

ኣብ ዝቕጽሉ ዓመታት ቁሩብ ምምሕያሽ ኣርእዩ፡፡ 400 ግራም ዝኸውን ፍረ ተረኺብዎ፤ እዚ ተፈልፊሉ 50 ግራም ዝኸውን ቡን ይርከቦ፡፡ ንቕምሶ ዝኸውን እኹል መጠን እዩ፡፡

ሊትል እተን 50 ግራም ንኽልተ ከፊሉ፡ እተን 25 ግራም ቆልዩወን፡፡ ንሱን መሳርሕቱን ነተን ቡን ኣፍሊሖም ክቐምሱወን ተዳልዮም፡፡

ሓደ ፍንጃል ቡን 12 ግራም ፍረ እዩ ዝኸውን፤ ስለዚ ዳርጋ ክልተ ፍንጃል ንቕምሶ ተዳልዩ፡፡

ሊትል ነቲ ቡን ጥዒምዎ፡፡ ጣዕሙ ፍልይ ይብል እዩ፡፡ ዋላኳ ከምቲ ልሙድ ናይ ኢትዮጵያ ቡን ኣዐርዩ ጽቡቕ ዝበሃል እንተዘይኮነ፡ ፍሉይ ዝኾነ ናይ ቸኮሌት ጣዕሚ ዘለዎ ኮይኑ፡፡

ጃክ ክሮከር ኣብ ውሽጢ ገዛ ዝተኸሎ ቡን

ምንጪ ስእሊ, Roastworks Coffee Co

መግለጺ ስእሊ, ጃክ ክሮከር ኣብ ውሽጢ ገዛ ዝተኸሎ ቡን

ቡንን ክሊማዊ ለውጥን እንታይ እዩ ዘራኽቦም?

ብዙሕ ህዝቢ ዓለም ንጉሆ ንጉሆ ዘጠዓዕሞ ቡን ምስ ክሊማዊ ለውጢ ዘለዎ ዝምድና ኣሉታዊ እዩ፡፡

መዓልታዊ ዝስተ ቡን ልዕሊ 300 ግራም ከባቢ ኣየር ዝብክል ካርበን ጋዝ የመንጩ፡፡ እዚ ኣብ ዓመት 116 ኪሎ ግራም ምዃኑ እዩ፡፡ ብኻልእ ኣገላልጻ ሓንቲ መኪና ሓደ ሽሕ ማይልስ ተጓዒዛ ካብ እተውጸኦ ትኪ ዝበዝሕ ማለት እዩ፡፡

ሓንቲ ፍንጃል ቡን ናብ ከባቢ ኣየር እትሰዶ መጠን በካሊ ጋዝ ዝፈጥሮ ጽልዋ፡ ሓደ ብርጭቆ ወይኒ ካብ ዝፈጥሮ ጽልዋ ዝዛየደ እዩ፡፡

50 ሚኢታዊት ዝኸውን ልቀት ካርቦን፡ ሓረስቶት ቡን ኣብ ዘፍርዩሉ እዋን ዝወጽእ እዩ፡፡ 20 ሚኢታዊት ድማ ካብ ተረፍ ምህርቲ ዝምንጩ እዩ፡፡

እዚ መጠን ልቀት በካሊ ጋዝ፡ ቡን ኣብ ውሽጢ ገዛ ብምፍራይ ምክልኻል ይከኣልዶ ይኸውን?

ዋለኳ ቡን ንምምልላስ ዘድሊ ትራንስፖርት ክቕንስ ዝከኣል እንተኾነ፡ እቲ ቀንዲ ነገር ግን ቡን ኣበይን ብኸመይን ይፈሪ ዝብል እዩ፡፡

ከባቢ ኣየር እናተለወጠ እንትመጽእ፡ ቡን ንምፍራይ ምቹዋት ዝነበሩ ከባቢታት እናደረቑ፡ ካልኦት ከባቢታት ኣትክልቶም እናተቖረጸ ናይ ሕርሻ ቦታታት ምዃኖም ኣይተርፍን፡፡

ፍሉጥ ዓይነት ቡን 'ኮፊ ኣረቢካ' ክሊማዊ ለውጢ ምጽዋር ኣይኽእልን።

ኢትጵያን ኬንያን ንቐጻሊ ቡን ንምፍራይ ኣዝየን ተመረጽቲ ሃገራት ከምዝኾና ይትንበ፡፡ ብኣንጻሩ ኣብ ብራዚልን ኒካራጓን ዝርከቡ ንፍርያት ቡን ምቹኣት ዝኾኑ ከባቢታት ኣብ ትሑት መሬት ስለዝርከቡ ተጎዳእቲ ክኾኑ ይኽእሉ'ዮም ዝብል ግምት ኣሎ፡፡

ብራኸ ንምህርቲ ቡን ምቹእ ከምዝኾነ እዩ ሊትል ዝገልጽ፡፡ "ቡን ከም ናይ በሪኽ ከባቢ ደረቕን ልስሉስን ኣየር ይደሊ" ይብል፡፡ ኣብ ከምዚ ዓይነት ከባቢ ዝበቁል ‘‘ሃይ ግሮውን’’ ዝተባህለ ቡን ድማ ዋግኡ ክቡር ከምዝኾነ ይዛረብ፡፡

ዋለኳ ቡን ኣብ ውሽጢ ገዛ ምፍራይ፡ ምስ ክሊማዊ ለውጢ ብዝተሓሓዝ ጥቕሚ እንተሃለዎ፡ ናይ ኢትዮጵያ ቡን ንምፍራይ ዘድሊ እሳተ ጎመራዊ ሓመድ ምርካብ ግን ዝሕሰብ ኣይኮነን፡፡

ተመራመርቲ ንከባቢ ኣየር ዘይጻባእ ናይ ቡን ዘርኢ ንምርካብ ላዕልን ታሕትን ይብሉ ኣለዉ፡፡ ሓሳቦም እንተሰሚሩ ኣብ ዝሑል ከባቢታት እውን ቡን ምፍራይ ይከኣል እዩ፡፡

ሊትል ግና ‘‘ዋላኳ ኣብ ገደናና ቡን ምፍራይ እንተኸኣልና፡ ነቲ ኢትዮጵያን ኮሎምብያን ዘፍርየኦ ቡን ዝወዳደር የለን’’ ይብል፡፡