ፈተነ ሚሳኤል ቻይና ኣዝዩ ዘሻቕል እዩ - ኣመሪካዊ ጀነራል

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቻይና ኣካይዳቶ ተባሂሉ ዝጥርጠር ኣዝዩ ፈጣን ሃይፐርሶኒክ ሚሳኤል ምስቲ ‘እዋን ስፑትኒክ’ ተባሂሉ ዝፍለጥ ሩስያ ሰብ ሰራሕ ሳትላይት ዝፈተነትሉን ንምኽንያት ቅድድም ምውናን ኣጽዋር ዝሑል ኲናት ዝኾነን ኣጋጣሚ ከምዝመሳሰል ላዕለዋይ ኣመሪካዊ ጀነራል ገሊጹ፡፡
ኣቦ መንበር ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ኣመሪካ ዝኾነ ማርክ ሚለይ ምስ ወኪል ዜና ብሉምበርግ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት፡ ወታሃደራዊ ሓይሊ ቻይና ብፍጥነት ይዓቢ ከምዘሎ ተዛሪቡ፡፡
እቲ ቻይና ኣካይዳቶ ዝተባህለ ፈተነ ሚሳኤል ንሰራዊት ምክልኻል ኣመሪካ ከምዘሰምበደ ፋይናንሻል ታይምስ ኣብዚ ወርሒ ጸብጺቡ ነይሩ።
ቻይና ግና ናይ ህዋ መንኮርኩር ከምዝወንጨፈት'ምበር ፈተነ ሚሳኤል ከምዘየካየደት እያ እትገልጽ።
ኣብ ቻይና ከቢድ ናይ ሃይፐርሶኒክ ኣጽዋር ፈተነ ከምዝተርኣየ ዝገልጽ ጀነራል ሚለይ "ኣዝዩ ዘሻቕል እዩ" ክብል ተዛሪቡ።
"ብርግጽ ኣብ ናይ ስፑትኒክ እዋን ብዛዕባ ምህላውና ኣይፈልጥን፤ናብኡ ዝቀራረብ ግን ይመስለኒ። ኣቓልቦና ወሲዱ ኣሎ።"
ርእይቶ እቲ ጀነራል ነቲ ቻይና ኣብዚ ክረምቲ ክልተ ፈተነታት ሚሳኤል ከምዘካየደት ዝገልጽ ክሲ ዘረጋገጸ ፈላማይ ዕላዊ መግለጺ እዩ፡፡
እቲ ሚሳኤል ንስርዓት ምክልኻል ሓይሊ ኣየር ኣመሪካ ጥሒሱ ናይ ምሕላፍ ተኽእሎ ከምዘለዎ እዮም ጸብጻባት ዝሕብሩ፡፡
ኣብ 1957 ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ፡ ሶቭየት ሕብረት ዝሰረሐቶ ሳትላይት ስፑትኒክ፡ ኣመሪካውያን ብቴክኖሎጂ ተበሊጽና ኢሎም ከምዝስንብዱ ገይሩዎም ነይሩ።
እቲ ኣጋጣሚ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዝነበረ ጆን ኤፍ ኬኔዲ ንፈለማ እዋን ኣብ ወርሒ ሰብ ክነዕርፍ ኢና ናብ ዝብል ንሕንሕ ዘእተዎ ኮይኑ ካብ ዓሰርተ ዓመት ኣብ ዝነኣስ እዋን ክዕወት ክኢሉ እዩ፡፡
ኣብ ርእይቶ እቲ ጀነራል ተሓቲቱ ምላሽ ንምሃብ ፍቓደኛ ዘይኮነ ወሃቢ ቃል ፔንታጎን ጆን ኪርቢ ድማ ‘‘እዚ ቴክኖሎጂ ኣይኮነን፤ ናዓና ሓድሽ ነገር እዩ፡፡ ንነዊሕ እዋን ዘይሓሰብናዮ ነገር እዩ’’ ኢሉ፡፡
ኣመሪካ ሓይሊ ምክልኻላ ንምጥንኻርን ናይ ባዕላ ሃይፐርሶኒክ ዓቕሚ ንምጥራይን ትሰርሕ ከምዘላ እውን ወሲኹ ሓቢሩ፡፡
ሃይፐርሶኒክ ሚሳኤላት ካብ ፍጥነት ድምጺ ሓሙሽተ ዕጽፊ ቀልጢፎም ናይ ምጉዓዝን መከላኸሊ ኣየር ናይ ምጥሓስን ተኽእሎ ኣለዎም፡፡
ኣመሪካ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብቲ ኣብ ቨርጂንያ ዝርከብ ማእከል ናሳ ሰለስተ ፈተነታት ሃይፐርሶኒክ ሚሳኤል ኣካይዳ እያ፡፡
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዳይረክተር ሲኣይኤ ቢል በርንስ፡ ቻይና ዝዓበየት ቴክኖሎጂያዊ ስግኣት ኣመሪካ ከምዝኾነት ብምግላጽ ኣብ ልዕሊኣ ዘካይድዎ ስለላ ከምዘሐይልዎ ተዛሪቡ እዩ፡፡
ምምሕዳር ጆ ባይደን ንርክብ ክልቲአን ሃገራት ብስትራተጂካዊ ውድድር ዝተሰነየ ከምዝኾነ እዩ ዝገልጽ፡፡





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







