እንስሳ፡ ወርቂ መዳልያ ዝተሸለመ ኣፍሪቃዊ ኣንጭዋ ኣብ ሻምናይ ዓመቱ ሞይቱ

ማግዋ

ምንጪ ስእሊ, APopo

ብጅግንነቱ ናይ ወርቂ ሜዳሊያ ዝተሸለመ ማጋዋ ዝተባህለ ኣንጭዋ ኣብ ሻምናይ ዓመቱ ዓሪፉ።

እቲ ኣንጭዋ፡ ኣብ ካምቦድያ፡ ኣብ ሓሙሽተ ዓመት ናይ ስራሕ ዕድመኡ ኣስታት 100 ዝተቐብሩ ፈንጂታት ካልእ ነተጕትን ብምሽታት ንክወጽእ ተሓባቢሩ።

እቲ ብቤልጅማዊ ገባሪ ሰናይ ሰልጢኑ፡ ነተጕቲ ብምሽታት ንደቂ ሰብ ካብ ሓደጋ ዘድሓነ ማግዋ፡ ካብቶም ደቂ ሰባት ዘሰልጠኖም ዕውታት እንስሳታት እዩ።

እቲ ገባሪ ሰናይ ትካል፡ እቲ ግዙፍ ኣፍሪቃዊ ኣንጭዋ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰናብቲ ብሰላም ከምዝዓረፈ ሓቢሩ።

ማጋዋ፡ ቅድሚ ሰሙን ምስ ምሉእ ኩነታት ጥዕናኡ ከምቲ ልሙድ ብውዕዉዕ ስምዒት ከምዘሕለፎን እንተኾነ ኣብ ቀዳመ ሰናብቲ ሸውሃቱ ተዓጽዩ ክታኸስን ከምዝጀመረ ገሊጹ።

ኣብ ታንዛንያ ዝዓበየ ማጋዋ ናብ ካምቦድያ ቅድሚ ምኻዱ ኣብ ቤልጂየም ንሓደ ዓመት ስልጠና ወሲዱ ኣብ ካምቦድያ ነታጕ ኣብ ምሽታት ተዋፊሩ ብዙሕ ህይወት ኣድሒኑ።

ኣብ ሃገራት ደቡብ ምብራቕ ኤስያ፡ ክሳብ ሽድሽተ ሚልዮን ዝኸውን ነታጕ ኣብ ትሕቲ መሬት ተቐቢሩ ከም ዘሎ’ዩ ዝእመነሉ ።

ማጋዋ፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ነተጕቲ ንዝርከብ ኬሚካላዊ ባእታ ንከለሊ እዩ ሰልጢኑ።

እቲ ኣንጭዋ ልዕሊ 141,000 ትርብዒት ሜትር ስፍሓት መሬት ኣጽርዩ። እቲ ስፍሓት ከኣ ማዕረ 20 ናይ ኩዕሶ እግሪ ስታድዩም እዩ ።

እቲ ኣንጭዋ ክብደቱ 1.2 ኪሎግራም ክኸውን ከሎ፡ ቁመቱ ከኣ 70 ሴንቲ ሜትር እዩ ነይሩ ።

ማጋዋ ካብ ካልኦት ዓሌታት ኣናጹ ኣዝዩ ዝገዘፈ እኳ እንተኾነ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ነታጒ እውን እንተተጓዕዘ ነቲ ፈንጂ ክትኩሶ ኣይኽእልን።

ማጋዋ ኣብ ውሽጢ 20 ደቓይቕ ክንዲ ናይ ቴንስ ባይታ ዝኸውን ስፍሓት መሬት ናይ ምድህሳስ ክእለት ነይሩዎ።

እቲ ኣፖፖ ዝተባህለ ገባሪ ሰናይ ግና፡ እቲ ማጋዋ ኣብ ደቓይቕ ዝገብሮ ስራሕ ንሓደ መመርመሪ ነታጕ ሒዙ ዝሰርሕ መሃንዲስ ካብ ሰዓት ክሳብ ኣርባዕተ መዓልቲ ከም ዝወስደሉ ይገልጽ ።

ኣብ 2020 ማጋዋ ብዘርኣዮ ህይወት ናይ ምድሓን ተወፋይነት ወርቂ ሜዳልያ ተሸሊሙ።

እቲ ግብረ ሰናይ ኣብ 77 ዓመት ታሪኽ ንፈለማ ግዜ እዩ ንኣንጭዋ መዳልያ ሂቡ።

እቲ ኣንጭዋ እናደኸመ ስለዝኸደ ኣብ ዝሓለፈ ሰነ’ዩ ጡረታ ወጺኡ።

እቲ ኣፖፖ እተባህለ ግብረ-ሰናይ “ማጋዋ ንኹላትና እዩ ሞይቱና። ነቲ ዘደንቕ ዕዮኡ ከኣ ነመስግኖ" ኢሉ ።

ማግዋ በቲ ዘደንቕ "ናይ ምሽታት ክእለቱ" ንብዙሓት ማሕበረሰብ ካምቦድያ ብህይወት ክነብሩ ፡ ክሰርሑ ፡ ክጻወቱ ፡ ንቡር ህይወት ክመርሑን መሓውር ንከይስእኑ ሓጊዙዎም እዩ ኢሎም።

ኣፖፖ ካብ 1990 ኣትሒዙ ንሄሮራላት ዝብሃሉ እንስሳታት የሰልጥን ምንባሩ ይፍለጥ።

መግለጺ ቪድዮ, 10 ሽሕ እንስሳ ዘቤት ዝሓብሐበ ቻይናዊ