ክሊማዊ ለውጢ፡ ብሰንኪ ኣብ ብራዚል ዘጋጠመ ባርዕ ጫካ 17 ሚልዮን እንስሳታት ከምዝሞቱ ተገሊጹ

ተመራመርቲ ኣብቲ ባርዕ ዘጋጠመሉ ቦታ ምብጻሕ እንኣካየዱ

ምንጪ ስእሊ, CENAP-ICMBio

መግለጺ ስእሊ, ተመራመርቲ ኣብቲ ባርዕ ዘጋጠመሉ ቦታ ምብጻሕ እንኣካየዱ

ኣብ 2020 ኣብ ብራዚል ዘጋጠመ ባርዕ ጫካ ለመምቲ፣ ኣዕዋፍን መጥበውትን ዝርከብዎም ልዕሊ 17 ሚልዮን እንስሳታት ከም ዝሞቱ ተመራመርቲ ስነ ከባቢ ብራዚል ኣብ ዝገበርዎ መጽናዕቲ ገሊጾም።

እቲ ካብ ወርሒ ጥሪ ክሳብ ሕዳር 2020 ኣብ ጫካታት ብሪዚል ዘጋጠመ ብርቱዕ ባርዕ 30 ሚኢታዊት ናይቲ ካብ ዓለም ዝዓበየ ትሮፒካዊ ጥሉል መሬት ዝኾነ ጫካ ከም ዘብረሶ እቲ ኣብ 'ጆርናል ሳይንቲፊክ' ዝወጽአ ጸብጻብ ገሊጹ።

ላዕለወይቲ ሓላፊት ናይታ መጽናዕቲ ዘካየደት ጉጅለ፡ ዶክተር ማርያና ናፖሊታኖ ኣብቲ ዓመት ኣብ ብራዚል 22 ሽሕ ግዜ ባርዕ ጫካ ከም ዘጋጠመ ገሊጻ።

ጻር ሬሳታት

እቲ ኣብ 2020 ዘጋጠመ ባርዕ ኣዝዩ 'ገሃነማዊ' ምንባሩ ዝገለጸ ኣብ ዩኒቨርስቲ ማንቸስተር ክኢላ ስነ ኸባቢ ዝኾነ ዶክተር ኣሌክስ ሊ፡ በቲ ተደጋጋሚ ባርዕ ዘጋጠመ ዕንወት ፈጺሙ ክጽገን ዘይክእል ምዃኑ ገሊጹ።

ብምስዓብ "ከምዚ ዓይነት ባርዕ ፈጹሙ ንቡር ኣይነበረን፤ ምስ ደረቂ ናይቲ ከባቢ ዝተሓሐዝ ምዃኑ ግን ኣዝዩ ብሩህ እዩ። ኣብዚ እዋን ግን ብተደጋገሚ ይኽሰት ኣሎ" ኢሉ።

ካብቲ ባርዕ ዝድሓነ ዓጋዜን

ምንጪ ስእሊ, CENAP-ICMBio

መግለጺ ስእሊ, ካብቲ ባርዕ ዝድሓነ ዓጋዜን

እቲ መጽናዕቲ ሬሳታት ናይቶም በቲ ባርዕ ናይ ዝሞቱ እንስሳታት ብምቑጻር ምርኵስ ገይርካ ከም ዝተኻየድ እዮም እቶም ተመራመርቲ ገሊጾም።

እቶም ተመራመርቲ ናብቲ ባርዕ ዘጋጠመሉ ቦታታት፡ ድሕሪ ባርዕ ምግጣሙ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ይብጽሕዎ ምንባሮምን በቲ ባርዕ ዝሞቱ እንስሳ ይረኽቡ ምባሮምን ገሊጾም።

ኣብቲ ቦታ ካብ ዝርከባ ዓሌታት እንስሳ

ምንጪ ስእሊ, PA Media

ኣብ ትዕዝብቶም ልዕሊ 300 ዓሌታት ዝሞቱ እንስሳ ከም ዝረኸቡ ገሊጸም።

ነቲ ንሶም ዝዳህሰስዎ ቦታ ምስ ግፍሒ እቲ ብባርዕ ዝተሃሰየ ቦታ ብምንጽጻር ግምታዊ ቁጽሪ ናይቶም ዝሞቱ እንስሳ ክፈልጡ ከም ዝኽኣሉ ኸኣ ሓቢሮም።

ዶክተር ዋልፊሮዲ ሞራለስ ቶማስ ካብ ኢንስቲቱት ኢምብራፓ ፓንታናል ብራሲልያ ንቢቢሰ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ "በቲ ተገሊጹ ዘሎ ቁጽሪ ኣይግረምን'የ" ብምባል እቲ ባርዕ ዝሸፈኖ ስፍሓት መሬት ኣብ ግምት ብምእታው እቲ ቁጽሪ ልዕሊኡ ክኸውን ከም ዝኽእል ሓቢሩ።

ካብቲ ባርዕ ዝድሓነ ዓጋዜን

ምንጪ ስእሊ, Chester Zoo

እቲ ኣብ ዓለም ዝዓበየ ትሪፒካዊ ጥሉል መሬት ኣብ ሃገራት ብራዚል፣ ፓራጓይን ቦሊቭያን ዝርከብ ኮይኑ ምዕቖቢ ናይ ብዙሓት ዓሌታት እንስሳት እዩ።

ኣብቲ ካብ 140,000 ክሳብ 160,000 ትርብዒት ኪሎ ሜትር ስፍሓት ዘለዎ ጥሉል መሬት፡ ነብሪ፣ ፍሒራን ኣዕዋፍን ዝርከብዎም ኣሽሓት ዓሌታት እንስሳታት ከም ዝነብሩ መጽናዕትታት ይሕብሩ።

እቲ መጽናዕቲ፡ ክሊማዊ ለውጢ ካብ ዘኸትሊ ዘሎ ብዙሕ ነገራት ሓደን ቀንድን ባርዕ ጫካታት ምዃኑ ገሊጹ።

እቲ ቦታ ባርዕ ምስ ኣጋጠሞ ካብ ሰማይ ዝተሰኣለ ስእሊ

ምንጪ ስእሊ, CENAP-ICMBio

መግለጺ ስእሊ, እቲ ቦታ ባርዕ ምስ ኣጋጠሞ ካብ ሰማይ ዝተሰኣለ ስእሊ