ኮሮናቫይረስ፡ እንስሳ ዘገዳም ኣፍሪቃ ንዘይሕጋውያን ሃደንቲ ተቓሊዖም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ንእንስሳታት ዘገዳም ኣፍሪቃ ኣብ ምዕቃብ ዝነጥፍ 'ታስክ' ዝተባህለ ትካል ግብረ ሰናይ፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ዝሓለፈ 30 ዓመት ኣጋጢምዎ ዘይፈልጥ ሕጽረታት ኣጋጢምዎ ከም ዘሎ ገሊጹ።
እቲ ትካል፡ ካብ ወለንታውያን ሓገዝቱ ክረኽቦ ዝነበሮ 2 ሚልዮን ዶላር ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ-19 ከም ዝኸሰረ ኣባል እዚ ማሕበር ዝኾነት ቻርሊ ማይሄው ንቢቢሲ ሓቢራ።
ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ብተዛማዲ ውሑዳት ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት'ኳ እንተሃለዉ ጽላት ቱሪዝም ግን ብኸቢድ እዩ ተሃስዩ።
ኣብ ኣፍሪቃ ኣስታት 4 ሚልዮን ሰባት ኣብ ምዕቃብ እንስሳ ዘገዳም፡ ኣብ ምምራሕ መንገዲ በጻሕቲ ዓድን ሆቴላትን ይሰርሑ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ብዙሓት ካብ ስራሕ ደው ኢሎም ስለዘለዉ ግን ኣብ ልዕሊ እንስሳ ዘገዳም ዝግበር ዘይሕጋዊ ሃድን ክስስን ከምዝኽእል እዩ ዝሕበር።
ካብ ቱሪዝም ዝርከብ ኣታዊታት ፍርቁ ነቲ ንእንስሳ ዘገዳም ንምዕቃብ ዝወጽእ ውጻኢታት ከምዝሽፍን እትሕብር ቻርሊ ማይሄው ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ጽላት ቱሪዝም ኣፍሪቃ ብኸቢድ ተጸልዩ ስለ ዘሎ፡ እንስሳ ዘገዳም እዛ ኣህጉር ንሓደጋ ተቓሊዖም ምህላዎም ትሕብር።
ኣብቲ እንስሳ ዘገዳም ዘለዉዎ ዝንቀሳቐሱ ዝነብሩ በጻሕትን መራሕቶምን፡ ኣብቲ ከባቢ ዘይሕጋውያን ሃደንቲ ከይስስኑ ተራ ከም ዝነበሮም ይግለጽ።
ኣብዚ ሕጂ አዋን ግን እቶም ሃደንቲ ነቲ ዘይሕጋዊ ስርሖም ብዘይስክፍታ ከካይድዎ ባይታ ከምዝጣጣሓሎም እዩ ዝሕበር።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







