ኮሮናቫይረስ፡ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት ንምቁጽጻር ዝፈጠሮ ተስፋ

ኮሮናቫይረስ፡ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማምት ንምቁጽጻር ዝፈጠሮ ተስፋ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብያተ መስተ ርጉጥ! ለይታዊ ትልሂት የለ! ካልኦት ናይ ጾታዊ ርክብ መጻምድቲ'ውን ርሒቖም።

ካብ ገዛ ዘይምውጻእ፡ ነብሰ ምግላልን ውሸባን ፍኑው ጾታዊ ርክብ ዘካይዱ ንዝነበሩ ሰባት ነጥበ-መቐይሮ'ዩ ኮይንዎም ዘሎ።

ተመራመርቲ ድማ ንለበዳ ኮሮናቫይረስ ከም ዘይተሓስበ ጸጋ ብምቚጻር "ብስጋዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት እንተኾነ ካብ ሱሮም ንኽምሓዉ፡ ተዘይኮይኑ ኸኣ ኣዝዮም ክጎድሉ፡ 'ኣብ ሂወት ሓንሳብ ጥራይ ዝርከብ ዕድል' ሕጂ'ዩ" ብምባል ተስፋ ገይሮም ኣለዉ።

ሰባት ኣብ ገዝኦም ተዓጽዮም እንከለዉ መርመራ ብጾታዊ ዝመሓላለፉ ሕማማት ክገበሩ ኸኣ የተባብዑ።

እዚ መበሊኦም፡ ሰባት ኣብ ገዛ ተዓጽዮም ስለዘለዉ ምስ ሓድሽ ሰብ ጸታዊ ርክብ ኣይፍጽሙን'ዮም ዘለዉ ብምባል እዩ።

ዶክተር ጆን ማክሶርሊ፡ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ፕረዚደንት ማሕበር ምክልኻል ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት ኮይኑ፡ "ሕጂ ሰብ ተመርሚሩ ኩነታቱ እንተፈሊጡ፡ ንዓለምና ነጥበ-መቐይሮ ዝኾነ ኣጋጣሚ ክፍጠር ይኽእል እዩ" ይብል።

ንሱን እታ ንሱ ዝመርሓ ማሕበርን ከኣ፡ ሰባት ዋላ ምልክታት ናይ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት ኣይሃልዎም፡ መርመራ ክገብሩ ይጉስጉሱን የተባብዑን ኣለዉ።

መርመራ ንምንታይ ኣድለየ?

ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ፥ ኣገልግሎት ሕክምና ብስጋዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት ዝህባ ካብ ዝነበራ ኣብያተ ሕክምና፡ እተን 54 ሚእታዊት ተዓጽየን ይርከባ።

ኣብተን ትካላት ዝሰርሑ ካብ ዝነብሩ ሓካይም ድማ እቶም 38 ሚእታዊት ኮሮናቫይረስ ንምምካት ኣብ ቅድመ ግንባር ተገዲሞም ኣለዉ።

ምስ ስጋዊ ርክብ ዝተሓሓዙ ጸገማት ዘጋጠምዎም ሰባት ድማ ኣብ ክንዲ ናብ ክሊኒካት ብኣካል እናኸዱ ዝውከሱ ብቴለፎን ብዝግበር ኣገልግሎት ምኽሪ እዮም ዝረኽቡ ዘለዉ።

ግድን ብኣካል ምርኻብ ዘድሊ እንተኾይኑ ኸኣ ሓካይም ናብ ገዝኦም ይልኣኹሎም ወይ'ውን መመርመሪ 'ብኦንላይን' ዓዲጎም ነብሶም ይምርምሩ።

ጀስቲን ሃርቦለት ሓደ ካብቶም ገዛ ገዛ እናኸዱ ኣገልግሎት መርመራ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት ዝህብ ሞያዊ እዩ።

"ኩሉ ሰብ ኣብዚ እዋን እንተዝምርመር ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት ታሪኽ ዝኾኑሉ እዋን ርሑቕ ኣይምኾነን" ይብል።

ጀስቲን ሃርቦለት ብምስዓብ "ኤች-ኣይ-ቪ ተላባዒ ሕማም ካብ ዝብሃል፡ ከምዚ እዋን ንዕኡ ንምጥፋእ ዕድል ኣየጋጠመን፡ ምኽንያቱ ሰባት ኣብ ገዝኦም ተወሺቦም ስለ ዘለዉ ምስ ሓድሽ ሰብ ዝግበር ጾታዊ ርክብ ዳርጋ የለን" ይብል።

ኮሮናቫይረስ፡ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማምት ንምቁጽጻር ዝፈጠሮ ተስፋ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መጠን ኤች-ኣይ-ቪ ብኸመይ ክጎድል ይኽእል?

ኤችኣይቪ ካብ ዝመሓላለፈሉ ቀንዲ ኣገባብ ፍኑው ጾታዊ ርክብ እዩ።

ሓደ ሰብ በቲ ባይረስ ምስ ተለኽፈ፡ ብኡንብኡ ንካልኦት ከመሓላልፍ ዘለዎ ተኽእሎ ዓቢ'ዩ። ምኽንያቱ ድማ፡ ሽዑ'ዩ እቲ ዝበዝሐ መጠን ናይቲ ቫይረስ ኣብ ኣካላቱ ዝህሉ።

ሰብ ኣብ ዕጽዋ ስለዘሎ ኸኣ ምስ ኣመንዝራታትን ምስ ዘይትፈልጦን ሰብ ዝግበር ጾታዊ ርክብ ብምጉዳሉ፡ ንካልኦት ከመሓላልፍ ዘሎ ዕድል ጸቢብ'ዩ።

ስለ ዝኾነ ሰባት ሕጂ ተመርሚሮም ዋላ ውጽኢቶ ኣወንታ እንተመጺኡ፡ ግቡእ ሕክምናዊ ኣግልግሎት ብምርካብ ነንብሶምን ንካልኦትን ክሕልዉ ዕድል ዝፈጥር እዩ።

ምኽንያቱ ኣብ ክንዲ እቲ ቫይረስ ማዕቢሉ ምልክታት ምስ ኣርኣየ ዝምርመሩ፡ እቲ ቫይረስ ኣብ መባእታዊ ምዕባለ እንከሎ ስለ ዝፍለጥ ብዘይ ሓደጋ ዝነብሩሉ ኣጋጣሚ እውን ዘጣጥሕ እዩ።

ዶክተር ጋሪ ዊትሎክ ኣብ ዓባይ ብርጣንያ ኣብ ዝርከብ ለንደን ዲን ስትሪት ዝተባህለ ክሊኒክ ዝሰርሕ ኮይኑ "ሰብ ብዕቱብ መርመራ እንተዝገብር፡ እቲ ሕማም ናብ ካልእ ሰብ ከይሓለፈ ንዘልኣለም ክንቆጻጸረሉ ንኽእለሉ ዕድል እዩ፡

እዚ ጥራይ ኣይኮነን እቶም ሓሚሞም ዘለዉ'ውን ሕማሞም ናብ ዝኸፈአ ጽፍሒ ከይበጽሐ ዘለልይሉ ኣጋጣሚ'ዩ" ይብል።

ዶክተር ጋሪ ዊትሎክ፡ ኣብቲ ንሱ ዝሰርሓሉ ክሊኒክ ቅድሚ ኣዋጅ ዕጽዋ ሰሙናዊ ብማእከላይ ገምጋም 50 ሰባት መድሓኒት ፒኢፒ (ድሕሪ ፍኑው ጾታዊ ርክብ ምግባር ካብ ኤች-ኣይ-ቪ ንምክልኻል ዝውሃብ ቅጽበታዊ መድሃኒት) ደልዮም ይመጽኡ ምንባሮም ብምሕባር፡ እቲ ቁጽሪ ኣብዚ ሕጂ እዋን ትሕቲ 10 ሰባት ጥራይ ከም ዝመጽእዎም ይሕብር።

ነዚ ከም መርትዖ ብምቕራብ ኸኣ ፍኑው ጾታዊ ርክብ ከምዝነከየ ይሕብር "ማለት ድማ መልከፍቲ ኤች-ኣይ-ቪ'ውን ብርግጽ ይጎድሎ ኣሎ ክንብል ንኽእል ኢና" ድማ ይብል።

ዶክተር ማክሶርሊ ካብ ባሽ ሆስፒታል እውን ኮሮናቫይረስን ኣዋጅ ዕጽዋን ሕማም ፍንጣጣ ጠቕሊሉ ንኽጠፍእ ባብ ዘርሓወ ምዃኑ እዩ ዝሕብር።

"ኣብ መጀመርታ እዚ ዓመት ሕማም ፍንጣጣ ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ርኢናዮ ዘይንፈልጥ መጠን እዩ ኣርእዩ፡ ነዚ ሕማም ድሕሪ ሕጂ ጠቕሊልና ካብ መዛግብቲ ሕክምና ንኽንሓኮ ካብዚ ሕጂ ዘለናዮ ዝጥዕም ግዜ የለን" ይብል።

ዶክተር ግረይን ዶክተር ጆንን ንኮሮናቫይረስ ከም ዕድል ተጠቒምካ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት ንምቁጽጻር እቲ እንኮ ኣማራጺ መርመራ ምግባር ኮይኑ፡ እቶም ብቐደሙ እውን ውሑስ ጾታዊ ርክብ ዝገብሩ ዝነበሩ ሰብ ሓዳርን መጻምድትን ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ካብ ጾታዊ ርክብ ዝረኽብዎ ሓጎስ ክንኪ ከም ዘይብሉ እዮም ዝምዕዱ።

ድሕሪ ኣዋጃት ዕጽዋ ሰብ ብጾታዊ ርክብ ምሕሳቡ ኣይክተርፎን'ዩ ዝብሉ እዞም ክልተ ዶኳትር "ኣብ ገዛኻ ተዓጺኻ ምውዓል ቀሊል ኣይኮነን፡ ሓጎስ፡ ውሑስ ጾታዊ ርክብ ክህልወኩም ትምነዩ እንተኾንኩም፡ እሞ ድማ መርመራ ብጾታዊ ዝመሓላለፉ ሕማማት ገይርኩም ዘይትፈልጡ እንተኾንኩም ሕጂ እያ እታ ግዜ" ይብሉ።

ኮሮና
ኮሮና