ስለምንታይ ኣብ እዋን ዕጽዋ መገሻ ናብ ኢትዮጵያ?

ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ

ምንጪ ስእሊ, Yemane G. Meskel

መግለጺ ስእሊ, ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ

ኣብዚ ሳልስቲ ፕረዚደንት ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ የማነ ገብረኣብን ኣሰንዩ እዩ ናብ ኢትዮጵያ ገይሹ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድን ፕረዚደንት ሳህለ ወርቅን ዝርከቡዎም ሰበስልጣን ተራኺቡ።

ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ክልተኣውን ዞባውን ጉዳያት፣ ኣንጻር ኮቪድ-19ን ወራር ዕስለ ኣንበጣ ኣብ ዝግበር ቃልሲ ብሐባር ንምምካት ከም ዝዝትዩ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል ምሕባሩ ይዝከር።

መገሻ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ኣብዚ ዳርጋ ኩለን ሃገራት ዓለም ብሰንኪ ኮቪድ-19 ዶባተን ዓጽየን ንጡፍ ምንቅስቓስ ዜጋታተን ኣጊደን፡ ካብን ናብን ጎዶቦታት ዝግበር መገሻ ዓጽየን፡ ሃገራውን ኣህጉራውን ጉዳያተን ብሓገዝ ብቴክኖሎጂ ብዝተፈላለየ መራኸቢታት እናካየድኦ፡ ንክልተኣዊ ጉዳይ ብቐንዱ ከኣ ብጉዳይ ኮቪድን ኣንበጣን ንምዝታይ ስለምንታይ መገሻ ኣድለየ ዝብል ሕቶ ብሰፊሑ ይዝረበሉ ኣሎ።

ነባሪ ሚላኖ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣቶ ደስበለ መሓሪ፡ "ካልእ ዘይተገልጸ ዝራኸቡሉ ጉዳይ እንተዘይሃልዩ መራሕቲ ዓለም ንኮቪድ-19 ብሓባር ንምቅላስ ብሓገዝ ቴክኖሎጂ እናሰርሑ፡ ኣብዪን ኢሳይያስን እውን ብኸምኡ ዘይራኸቡሉ ምኽንያት ኣይረኣየንን" ይብል።

ምናልባት፡ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሰክፍ ዝርገሐ ኮሮናቫይረ ስለ ዘየሎ፡ ንኽልተኣዊ ርክብ ዝዕንቀፍ ስግኣት የሎን ካብ ዝብል ገምጋም ብዝነቅል ሓሳብ እውን ክኸውን ይኽእል እቲ ርክብ ተደልዩ።

እንተኾነ፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ዕለታት ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ቀሪቡ፡ ሕማም ኮሮና ቫይረስ፡ ኣብ ዘመናዊ ታሪኽ ዓለም፡ ብኹሉ መለክዒታት ዘይተገመተ-ሃንደበታዊ ኲናት ምዃኑ፡ ኣመጻጽእኡ ኰነ ናበይ ገጹ ከምዝምዕብል ክፍለጥን ክግመትን ስለ ዘይከኣል፡ ብዘይካ "ምርጋጥ" [ዕጽዋ] ካልእ ሕርያ ከም ዘየሎ ገልጺ ነይሩ።

ድሕሪ እዚ መግለጺ፡ ሰባት ብዝተኻእለ መጠን ካብ ቤቶም ንኸይወጽኡን ምንቅስቓሶም ክድርቱን ልዑል መምርሒ እናተዋህበ፡ ዕላማ መገሻ ፕረዚደንት እቲ ዝተገልጸ ነገር ጥራሕ እንተኾይኑ እቲ ምንቅስቓስ ኣሰካፊ እዩ ይብል ደስበለ መሓሪ።

ነባሪ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ዶክተር ሃይለ ሓጎስ ብወገኑ፡ "ኣብዚ ቐረባ እዋናት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት 'ተጸሊኡዎ፡ ሓሚሙ፡ ሞይቱ' ክበሃል ስለ ዝቐነየ፡ ፕረዚደንት ምስ ምሉእ ጥዕንኡ ኣብ ንጡፍ ስራሕ ምህላው ንምርኣይ ክኸውን ይኽእል'ዩ" ዝብል ግምቱ የቕርብ።

ዶክተር ሃይለ ሓጎስ
መግለጺ ስእሊ, ዶ/ር ሃይለ ሓጎስ

ይኹን እምበር፡ ካልኦት ከኣ፡ እቲ ብማሕበራዊ መራኸቢታት፡ ፕረዚደንት ሓሚሙ፡ ሞይቱ፡ ዝብል ሓቅነት ዘይብሉ፡ ብተደጋጋሚ ሓሶት ምዃኑ ዝቃላዕ ዘሕፍርን ዘነውርን ናይ ፈጠራ ወረ፡ ናይ በሃልቱ ናይ ጭንቀት ምልክት እዩ፤ ኣብዚ ቕንያት እዚ ጥራሕ ዘይኮነ ሓያሎ ግዜ፡ ቤላ-ቤለው፡ ሞት ሕማምን ሞትን ፕረዚደንት ተወርዩስ ነፊሱ እዩ ይብሉ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ኣብዚ መወዳእታ እዋን ምስ መራኸቢታት ሃገር ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት 'ጉዳይ ኢትዮጵያ፡ ልክዕ ከም ጉዳይና ስለ እንርእዮ ብቐረባ ክንከታተሎ ኢና' ኢሉ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።

መገሽኡ፡ ብምኽንያት ኮሮና ቫይረስ፡ ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ ክናዋሕ ከምዝኽእል ዝዝረበሉ ዘሎ ኣብ እዋን ብምዃኑ፡ እቲ ብምኒስተር ዜና የማነ ገብረመስቀል ዝተዋህበ ምኽንያት መገሻ እኹል ኣይኮነን ይብል ዶክተር ሃይለ ሓጎስ።

ኣብቲ ብመራኸቢ ብዙሓን ዝተፈነወ ናይ ምሳሕ እንግዶት ስእሊ፡ ክልቲኦም መራሕትን መሳርሕቶምን ነቲ ብዓለማዊ ውድብ ጥዕና ዝወሃብ ምኽርን መምርሕን ዝምልስ መሸፈኒ ኣፍ ማስክን እኹል ምርሕሓቕን ከምዝነበረ ዘርኢ ይመስል።

ኣብ ናይ ምሳሕ እንግዶት ጥራሕ ዘይኮነ ከኣ ክልቲኦም መራሕቲ ትማሊ ኣብ ዘመረቑዎ ናይ መስኖ ትካል ኣፎም ብማስኬራ ሸፊኖም፡ ኣብ አእዳዎም መከላኸሊ ጓንቲ ወድዮም ብቕቡል ርሕቀት ተራእዮም።

እቲ መገሻ ናይ መስኖ ልምዓት ንምምራቕ እንተነይሩ ክሳብ ክንድኡ ህጹጽ ድዩ ዝብል ሕቶ ምልዓሉ ግን ኣይተረፎን።

ደስበለ መሓሪ ኣብ ሚላኖ
መግለጺ ስእሊ, ደስበለ መሓሪ

ኣብቲ ብለበዳ ኮሮና ቫይረስ ብቐጻሊ ዝዝረበሉ ዝነበረ ናይ ወቕቲ፡ ንሓያሎ መዓልታት ንህዝቢ ወግዓዊ መግለጺ ኣይሃበን ተባሂሉ ዝተሓምየ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ዳሕራይ፡ "ለበዳ ኮሮና ኣተኲሮና ኪዘርግ፡ ከሰንፈናን ኪመልከናን ስለዘይብሉ፡ ተታሓሒዝናዮ ዝጸናሕና ልምዓታዊ መደባት ብዓጸፋ ከነሕይሎን፡ ማዕረ መኸተ ንኲናት ኮሮና፡ መኸተ ልምዓትና ኣሐዪልና ክንሰርሕ ኢና" ስለዝበለ፡ እዚ ንኢትዮጵያ ዝገበሮ መገሻ ኣካል ናይቲ 'ኣይንጸዓድን ኢና' ዝብል መንፈስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ'ዩ ዝብሉ ደገፍቲ'ውን እውን ኣለው።

ኣብዚ ናይ ፕረዚደንት መገሻ እዋን፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ እቲ ብኣቆጻጽራ እታ ሃገር ን23 ነሓሰ 2012 ክካየድ ተወጢኑ ዝነበረ ሃገራዊ ምርጫ፡ ብምኽንያት ኮቪድ-19 ክናዋሕ ከምዝኽእል ዝዛረበሉን ክልልላዊ መንግስቲ ትግራይ በይናዊ ክልላዊ ምርጫ ከካይድ ከምዝኽእል ዝገልጸሉን ዘሎ እዋን ብምዃኑ፡ መገሻ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ 'እዛ ብርኩታ እምኒ ኣላታ' ክብል ይገልጾ ደስበለ መሓሪ።

ብመሰረት መምርሒ ዓለማዊ ውድብ ጥዕና፡ ነብሲ ወከፍ ሃገር፡ ካብ ጎዶቦ ገይሹ ንዝመጽእ ዝኾነ ይኹን ሰብ፡ ብውሕዱ ንኽልተ ሰሙን ክውሸብ ከምዘለዎ እየን ዝገብራ ዘለዋ። ኢትዮጵያን ኤርትራን እውን ነቲ መምርሒ ኣመሓላሊፈን ይሰርሓሉ እውን ኣለዋ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስን መሳርሕቱን ንዓዲ ምስ ተመልሱ'ኸ እቲ ናይ ምውሻብ ጉዳይ ከመይ ክኽውን እዩ? ዝበሃል ዘሎ ሕቶ እውን ኣሎ - ግን ኣብ እዋኑ ክምለሽ እዩ።