መዓልቲ ስደተኛታት፡ "ዳርጋ ብዘይ ገበንካ ምእሳር ማለት እዩ" - ብዝበዛ ጉልበት ዝፍጸሞም ስደተኛታት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብሰንኪ ሕማቕ ኣተሓሕዛ ስራሕተኛታት ወትሩ ዝውቀስ ከባቢ፡ እቲ 23 ሚልዮን ስደተኛታት ዘለውዎ ዞባ ማእከላይ ምብራቕ እዩ። ጸብጻብ 2017 ኣህጉራዊ ውድብ ሰራሕተኛታት ከም ዘመልክቶ፡ መብዛሕትኦም እዞም ወጻእተኛታት ኣፍሪቃውያንን ኤስያውያንን እዮም።
እቲ ሸቂሎም ዝልእክዎ ገንዘብ ከኣ ዓንዲ ሕቘ ምጣነ ሃብቲ ሃገሮም እዩ። ዓለማዊ ባንክ ከም ዝብሎ፡ ኣብ 2020፡ 540 ቢልዮን ዶላር ልኢኾም። እዚ ኸኣ እዘን ማእከላይን ትሑትን እትዋት ዘለወን ሃገራት፡ ካብ ንመማዕበሊ ዝወሃበን ሓገዝን ቀጥታዊ ወፍሪ ወጻኢን ዝረኽባኦ ዝለዓለ ምዃኑ ይፍለጥ።
እንተዀነ፡ ኣብ ልዕሊ'ቶም ዝተሓተ ዝበሃል ክፍሊት'ውን ዘይረኽቡ፡ መከላኸሊ ድሕነትን ጥዕናን ኣብ ስራሕ ዘይብሎም፣ ኣብ ማሕበር ሰራሕተኛታት ክጽንበሩ ዘይከኣሉን ወጻእተኛታት ዝወርድ ግፍዒን ምዝመዛን መወዳእታ የብሉን።

ምንጪ ስእሊ, Banchi Yimer
ቢቢሲ፡ ነዚ ምግሃስ ደው ንምባልን ግዳያት ንምሕጋዝን ብዝብል ዕላማ ናይ ገዛእ ርእሶም ትካል ንዘቘሞ ሰለስተ ሰባት ረኺቡ ኣዘራሪብዎም ኣሎ።
ልክዕ ከምዚ ብዘይ ገበን ቤት ማእሰርቲ ከም ምእታው ዝቝጸር ምዃኑ፡ ኣብ ሊባኖስ ትሰርሕ ዝነበረት ኢትዮጲያዊት ባንቺ ይመር ትገልጽ።
"ብመሰረት'ቲ 'ከፋላ' ዝበሃል ኣገባብ፡ ሰራሕተኛ ገዛ ኴንካ ምኽዳም፡ ልክዕ ከምዚ ብዘይ ሓደ ገበን ቤት ማእሰርቲ ምእታው እዩ፡" ትብል፡ እታ ከም ሰራሕተኛ-ስደተኛ ኰይና፣ ሓደ-ሓደ ግዜ'ውን ብዘይ ሰነድ፡ ንሸውዓተ ዓመት ኣብ ሊባኖስ ዝነበረት ባንቺ ይመር።
"ኣብ ሓደ ገዛ እየ ተቘጺረ፣ እንተዀነ ኣብ እንዳ ኣዝማዶም ከይተረፈ ከጽርን መግቢ ክገብርን ይሓቱኒ ነይሮም፡" ትብል እታ ኢትዮጲያዊት፡ ንቢቢሲ።
መብዛሕትኡ ግዜ 18 ሰዓታት ንመዓልቲ ትሰርሕ ነይራ። ኣብ ርእሲኡ፡ ብዘይ መሰረታዊ ቀረባት፡ ንዝወርዳ ጾታዊ ትንከያታት'ውን ክትነጽግ ይነብራ።
"ኣብ ግዜ ቝሪ ይዅን ኣብ ወቕቲ ምቘት ዝዀነ መሳርሒ፣ መውዓዪ ይዅን መዝሓሊ ክጥቀም ኣይፍቀደለይን ነይሩ፣ ነብሰይ ንኽሕጸብ'ውን እኹል ማይ ኣይረክብን ነይረ፡" ትብል።
"ኣመና ዘጽልእ እዩ ነይሩ፣ ሰነዳተይ ምስቲ ዘስርሓኒ ዝነበረ ሓዲገ ካብቲ ገዛ ሃዲመ ከይደ።"
ደሓር ግን፡ ካብቲ ዓንኬል ጭቈና ንምልቓቕ፡ ሞያዊ ክእለታ ከተዕብን፡ ትምህርቲ ቋንቋ እንግሊዝኛ ክትጅምርን ከም ዘለዋ ተገንዘበት።
ከምኣ ዝኣመሰላ ሓያለ ሰራሕተኛታት ድማ ረኸበት'ሞ፡ ግዜ ከይወሰዳ ክውደባ ከም ዘለወን ተገንዘበት። "እና ለኛ በስደት" [ንሕና ንዓና ኣብ ስደት] ዝብል ማሕበር ከኣ ኣብ 2017 መስረተት።

ምንጪ ስእሊ, Banchi Yimer
"ጓል ኣንስተይቲ፡ ብዛዕባ ዝዀነ ጸቕጢ ጉዳያታ ብነጻ ክትዛረበሉ እትክእል ውሑስ ሃዋሁ ኢና ክንፈጥር ደሊና፡" ትብል።
ኣብ መጀመርታ 70 ደቂ ኣንስትዮ፣ ወርሓዊ 5-10 ዶላር እናኸፈላ ነዚ ማሕበር ተጸቢረናኦ። ባንቺ ከም እትብሎ፡ ገለኣተን ልዕሊ ደመዎዘን እየን ዝኸፍላ ነይረን። እዘን ኣባላት፡ ቡን፡ መግቢ፡ ገለ ቀመማት እናሸጣ፡ ባህላዊ መደባት እናወደባ፡ ኣታዊታት እዚ ትካል ክብ ንምባል ሰሪሐን።
"እቲ በዚ መልክዕ ዝተረኽበ ገንዘብ ድማ፡ ነተን ጾታዊ ዓመጻት ዝወረደን ደቀንስትዮ ናብ ኢትዮጲያ መምለሲአን ከም ዝውዕል ጌርና፤ መምለሲ ቲኬት ነፋሪት ካብ 300-400 ዶላር ንሓንቲ እዩ።"
እዚ ትካል'ዚ ኣብ 2018፡ ንሓንቲ ብኸቢድ ሓደጋ ምንዳድ ሓዊ ዝተሃስየት ወሲኽካ፡ 25 ደቀንስትዮ ንሃገረን ከም ዝምለሳ ገይሩ እዩ። ኣብ 2019 ናብ ካናዳ ምኻድ ድማ ስርሐን ንኽዓቢ ከም ዝሓገዘ ትገልጽ።
"ኣብ ካናዳ ልዕሊ 350 ሽሕ ዶላር ኣሜሪካ ከተኣኻኽብ ክኢለ እየ፡" ትብል'ሞ፡ "እዚ ድማ ን ልዕሊ 700 ኢትዮጲያውያን ይዅና ዘይኢትዮጲያውያን ሰራሕተኛታት ክንሕግዝ ኣኽኢሉና እዩ።"

ምንጪ ስእሊ, Egna Legna Besidet
ኣብ ልዕሊ'ቶም ዓመጽቲ ዝዀኑ ኣስራሕቲ ዝግበር ሕጋዊ ስጕምቲ ዘይምህላው ግን፡ ንባንቺ ሓደ ካብቲ ተስፋ ዘቝርጻ ነገራት እዩ።
"መብዛሕትአን ኤምባሲታት ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ብዛዕባ ሰራሕተኛታት ዜጋታተን ብዙሕ ኣይግደሳን እየን፣ ናብኣተን ቀሪብና እንተሓተትና እውን ዝሕግዛ ኣይኰናን። ናብ ፖሊስ እንተሓበርካ'ውን፡ ሓደ-ሓደ ግዜ ንሳቶም'ውን ተመሊሶም ነታ ሰራሕተኛ ናብቲ ኣስራሒኣ እዮም ኣሕሊፎም ዝህብዋ፡" ብምባል ነቲ ኵነታት ዝያዳ ተብርህ።
ንሳ ከም እትብሎ፡ ገለ ፖሊስ ንኣስራሕቲ ዝህብዎ መጠንቀቕታ፡ ተመሊሱ ንዝያዳ ምትህልላኽን ሕማቕ ኣተሓሕዛን ዝደፍእ ይኸውን።
"ክሳብ ሕጂ ዝተኣስረ ኣስራሒ ኣይገጠመንን፣ እቶም ከቢድ ዝበሃል ገበን ጾታዊ ዓመጽ ዝፈጸሙ'ውን ክእሰሩ ክሳብ ሕጂ ኣይረኣኹን፡" ትብል።
"ንዝወረደኒ ጾታዊ ዓመት ክከላኸል ኢለ ብምብኣሰይ፡ ብግምጣሉ ኣነ እየ ግዳይ ማእሰርቲ ኰይነ፡" ትብል ኣን ኣቡንዳ ዝተባህለት ኣብ ኩዌት ትሰርሕ ዝነበረት ፊሊፒናዊት።

ምንጪ ስእሊ, Sandigan Kuwait
ከም ብዙሓት ፊሊፒናውያን፡ ኣን ኣብ 2000 ድሕሪ ምምራቓ፡ ብመገዲ ደለልትን ወኪላትን ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ሰሙን እያ ንኽትሽቕል ኩዌት ዝኣተወት። ንሳ፡ ኵሉ ዓይነት ስራሕ ገዛ፡ ማለት ምኽሻን፡ ጽሬት፡ ምሕጻብ ክዳውንቲ፡ ምዕራይ መስመራት ቱቦ ማይ [ጽሩይን ረሳሕን]፡ ጽገና ኤሌክትሪክ ዝኣመሰሉ ነገራት ትዓምም።
ክትመጽእ እንከላ፡ ወርሓዊ 450 ዶላር ክኽፈላ ምዃኑ'ኳ እንተ ተነግራ፡ ብግብሪ ግን 200 ዶላር እዩ ኰይኑ። ከም ሰራሕተኛ ገዛ ድማ፡ ኣብቲ ትሰርሓሉ ገዛ እያ ትነብር።
"ንቐለበይ፡ እቲ ተረፎም ጥራይ እዮም ዝህቡኒ፣ እኹል'ውን ኣይኰነን። ደሓር ግን ገለ ዝብላዕ ክሰርቕ ግድን ኰይኑኒ። ሓደ መዓልቲ ምስ ረኸቡኒ ግን፡ ብግቡእ ክቕልቡኒ ብዘይምኽኣሎም፡ ክሓፍሩ ጥራይ ከም ዝግባእ እየ ነጊረዮም፡" ክትብል ንቢቢሲ ትገልጽ።
እዚኣ እታ ቀዳመይቲ ካብተን ዘተታሕዘትለን መዓልቲ እያ፤ ሞባይል ተሌፎን ክትጥቀም ተረኺባ'ውን ተቐጥቂጣ እያ። ኣን፡ ዝሓሸ ካልእ ስራሕ ንኽረኽበላ ንወኪላ ሓቲታቶ፣ እንተዀነ ዝገድድ እምበር ዝሓይሽ ሲ ኣይተረኽበን።
"ሽዑ ኣስራሒየይ፡ ክጋሰሰኒ ፈቲኑ። ብጥርሙስ ኮካኮላ ገይረ ደም ንደም ክሳብ ዝኸውን ሃሪመዮ፡" ኢላ ተዘንቱ።
ብሰንኪ'ዚ ድማ ንኽልተ ዓመት ተኣሲራ። ምስ ተፈትሐት ግን፡ ዳግማይ ኣብ ናይ ገዛ ስራሕ ከምዘይትምለስ ኣቕቢጻ፣ ኣብ ድኳን ስራሕ ረኺባ።
ኣብ 2008፡ ኣብ ጽንብል ማሕበረኮም ፊሊፒንስ፡ ምስ ብዙሓት ፊሊፒናውያን ሰራሕተኛታት ተራኺባ፡ ተመሳሳሊ ዛንታታት ግህሰትን ዓመጽን ክትሰምዕ ከኣ ዕድል ረኺባ።

ምንጪ ስእሊ, Ann Abunda
'እቶም ሃለዋቶም ዝጠፍአ፡ ገሊኦም ኣብ ማእሰርቲ ዘለው እዮም፡ ገሊኦም ከኣ ሞይቶም እዮም፡' ይብል፡ ማሄንድራ ፓንዲ ዝተባህለ ኣብ ስዑድያ ዝሰርሕ ዝነበረ ወዲ-ኔፓል።
ማሄንድራ ካብ ዓዱ ንስዑድያ ከምርሕ እንከሎ፡ ምስ ምሉእ ተስፋኡ እዩ ተበጊሱ። ማእለያ ዘይብሉ ገንዘብ ክረክብ ተተስፍዩ ድማ፡ ነቲ ስራሕ ዝረኸበሉ ደላሊ 500 ዶላር ተለቂሑ ከፊልዎ።
እንተዀነ ኣብ ስዑድያ ዝተጓነፎ ዘይከምቲ ዝተጸበዮ እዩ ነይሩ። ነዊሕ ሰዓታት ሰሪሑ፡ ንወርሒ 200 ዶላር ጥራይ ይኽፈሎ። ለቕሓኡ ክመልስ ከምዘይክእል ምስተረድአ ድማ፡ ኣብ ስርሓት ህንጻ ሚነዋለ ኰይኑ ለይተ-ለይቲ ተወሳኺ ስራሕ ጀመረ።
ማሄንድራ፡ እንተነውሐ ሰለስተ ሰዓታት ጥራይ እናደቀሰ፡ ንሰለስተ ዓመት ኣብ ስዑድያ ሸቂሉ፡ ተጐሳቝሉን ሓሪኑን፡ ኣብ 2009 ንዓዱ - ኔፓል - ተመልሰ።
"ዝዀነ ንስዑድያ ዝተበገሰ ሰብ ደው ከብሎ ጥራይ እየ ዝደሊ፡" ይብል ማሄንድራ።
ብዙሓት ካብ ማእከላይ ምብራቕ ዝተመልሱ ሰራሕተኛታት፡ ብመገዲ'ቲ ትካል፡ ኮሚቴ ምትሕብባር ስደተኛታት ኔፓል ኣቢሎም ይረኽብዎን ተመክሮኦም የካፍሉን።
"ሬሳ ናይቶም ኣብኡ ዝሞቱ ሰራሕተኛታት ንዓዲ ንምምጻእ፡ ብመገዲ ኤምባሲታትን ዝተፈላለየ ትካላትን ኣቢልና ንስድራቤት ንሕግዝ፡" ይብል።

ምንጪ ስእሊ, Mahendra Pandey
ንሱ ብተወሳኺ፡ "ጋር ነብሲ" ብምኽፋል ሂወት ሰለስተ መቕጻዕቲ ሞት ዝጽበዮም ዝነበረ ሰራሕተኛታት'ውን ኣድሒኑ እዩ።
ብሰንኪ ሕሱም ድኽነት፡ ከምቲ ንሱ ዝሓለፎ ብዙሓት ሰራሕተኛታት፡ ነቲ ዘጋጥም ሓደጋታት ስራሕ ዕሽሽ ስለዝብልዎ፡ ኣብቶም ሰራሕተኛታት ስደተኛታት ዘድሃበ፡ ግንዛበ ዝፈጥር ሰሚናራትን ዓውደ-ዘተታትን ከከይድ ከም ዝደሊ'ውን ይገልጽ።
"ሰደተኛታት ሸቃሎ ናይ ብሓቂ ጀጋኑ፡ ግን ከኣ ዝተጠልሙን ድሕሪት ዝተረፉን እዮም፡" ይብል። "ጠንቂ'ዚ ድማ፡ ሓይሊ ስለዘይብሎም እዩ፣ ስርሓይ ድማ ድምጾም ምጕላሕ ክኸውን እዩ።"




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







