ኣንጎላ፡ ሰላም እትጸልእ ፍትሒ ግን እትደሊ ናይ መድረኽ ገጣሚት

ምንጪ ስእሊ, Joice Zau
ሰላም እትጸልእ ገጣሚት ጆይስ ዛኡ፡ ንርእሳ ሓናኽ እየ እኳ እንተበለት፡ ኣብ መላእ ኣንጎላ ካብ ዝፍለጡ ሰባት ሓንቲ እያ።
ስራሕታ ድማ ንብራዚል ኣብ ዓለምለኻዊ ውድድራት ክትውክል ኣኽኢሎምዋ ኣለው።
ፈለማ ኣብ 2020 ኣብ ፌስቡክ ብዝዘርግሐቶ ግጥሚ ኣቓልቦ ብዙሓት ሰባት ረኺባ።
ዛኡ፡ 'ስላም ቱንዳቫላ' ዝተባህለ ብናይ ውልቂ ቴሌቪዥን ኣብ ዝመሓላለፍ ቃላዊ ውድድር ስራሕታ ተቕርብ ነይራ።
እቲ መድረኽ፡ ስራሕቲ ገጠምትን መናእሰይ ኣንጎላ ሓሳቦም ብናጽነት ዝገልጽሉ መሰል ንምትብባዕን ዝዓለመ እዩ።
ብፍላይ ኣብ እዋን ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ ብዙሓት ናጽነታት ብከባብያዊ ኣመሓደርቲ ተጎስዮም ስለ ዝነበሩ፡ ኣብቲ ሽዑ ግዜ ኣብ ኣንጎላ ዝበጽሕ ዝነበረ ማሕበራውን ፖለቲካውን ጸቕጢታት ንምቅላዕ ስነ ጥበባዊ ስራሕታ ከተቕርብ ከም ዝጀመረት ትዛረብ።
ንሳ ብዛዕባ ፖለቲከኛታትን ኣብታ ሃገር ዘሎ ዘይምዕሩይነትን ኣብ ምእላይ ዝተራእየ ውድቀቶምን ክትነቅፍ ከላ፡ "ብጭርሖታት ኣታሊሎምና እዮም" ትብል።

It is unfair
That the chapters of a Machiavellian past are perpetuated to this day like 'fine dust' that flows into the indigestion of our stomachs
It is unfair
That the flag we once raised continues to shed the blood of our current pains and evaporate our dreams
ካብ ግጥሚ 2022 Vais Gostar (You will like it) ዝተወስደ

ንኣስታት 40 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ፕሬዝደንት ጆሴ ኤድዋርዶ ዶስ ሳንቶስ ብ2017 [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ካብ ስልጣን ምስ ወረደ ዝመጽኡ ለውጥታት እኳ እንተሃለው፡ ሕጂ'ውን ግን ኣብታ ሃገር ድላይካ ምዝራብ ሓደገኛ እዩ።
ነዚ'ዩ፡ ገለ እተቕርቦም ግጥምታት ዝርኣዩ ሰባት ሓቦኛ ስጉምቲ'ዩ ዝብሉ።
ጓል 25 ዓመት ጆይስ፡ ፖለቲካዊ ለውጢ ንምምጻእ ምትብባዕ ክፈጥር'ዩ ብዝብል ንሰለስተ ዓመታት ዝኣክል ሽማ ሓቢኣ ክትጽሕፍን ከተቕርብን ጸኒሓ።
2022 Vais Gostar [ክትፈትዎ ኢኻ/ ክትፈትውዮ ኢኺ] ዝብል ግጥማ ነቲ ኣብዚ ዓመት ኣብ መረጻ ዝወዳደር ዘሎ ገዛኢ ሰልፊ ኤምፒኤልኤ ከም ስግኣት እዩ ዝርአ።
ኣብዚ እቲ "ጎዳኢ ምሕደራ" ኢላ እትገልጾ ምምሕዳር እቲ ሰልፊ ትነቅፍ።
እዚ ሰልፊ፡ ኣንጎላ ናጽነታ ካብ እትረክብ ካብ 1975 ጀሚሩ ኣብ ስልጣን ዘሎ እዩ።
![ፕሬዝደንት ጃኦ ላውረንሶ [የማን] ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ኣትሒዙ [ጆሴ ኤድዋርዶ ዶስ ሳንቶስ [ጸጋም] ገለ ዕረያታት ገይሩ'ዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/640/cpsprodpb/6A2C/production/_97508172_gettyimages-835476042-3.jpg.webp)
ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣብታ ብነዳዲ ሃፍታም ዝኾነት ሃገር፡ ከም ድኽነትን ሕጽረት መሰረታዊ ኣገልግሎታትን ዝበሉ ማሕበራዊ ጉዳያት ብዙሓት ስለ ዝኾኑ፡ እታ ገጣሚት ስርዓት ዶስ ሳንቶስ ትነቅፍ።
ግን ክኣ እቶም ጸገማት ኣብ ትሕቲ ንዕኡ ስዒቡ ዝመጽአ ጃኦ ላውሬንሶ'ውን ምህላዎም ትገልጽ።
"ንዓይ ንምፍርሕ ኣባላት ስድራይ እናጸውዑ ዘፈራርሑንን ሓቂ ስለ ዝተዛረብኩ ዋጋ ከም ዝኸፍልን ዝዛረቡ ሰባት ነይሮም። ፈሪሐ፤ ንልዕሊ ሓደ ሰሙን ክኣ ካብ ገዛ ከይወጽእ ተነጊሩኒ" ትብል።
ኣብታ ሃገር፡ ዋላ'ውን ውሱን ምምሕያሻት ብናጽነት ናይ ምዝራብን ሰላማዊ ኩነታትን እንተሃለወ፡ ብዙሓት ስነ ጥበባውያን ግን ቅድሚ እቲ ክብሉዎ ዝደለዩ ነገር ምባሎምን ሰብ መዚ ምንቃፎምን ዳግመ ግምት [ክልተ ሻብ ይሓስቡ] ይገብሩ።
"ሕጂ'ውን ኣብ ምልኪ ኢና ዘለና፤ ሕጊ ብናጽነት ሓሳብና ክትገልጹ ትኽእሉ ኢኹም ይብል፤ እቲ ሓቂ ግን ካልእ እዩ። ብ2017 ሓድሽ ፕሬዝደንት ምስ መጽአ ነገራት ክልወጡ'ዮም ኢልና ነይርና። ግን ኩሉ ፖለቲካዊ ትያትር እዩ" ክትብል ንቢቢሲ ተዛሪባ።
ሕልምን ጋህድን
ብጫካ ማዮምቤ ኣብ ዝተኸበበት ከተማ ቻቢንዳ ከም ዝተወለደት እትዛረብ ጆይስ፡ በቲ ጽዑቕ ጫካ ኣብ ዝሓልፍ ሩባ እናሓምበሰት ከም ዝዓበየት ትገልጽ።
እዋን ቁልዕነታ "ሰላማውን ሕጉስን" ነይሩ ብምባል ትገልጾ። ኣብ ማእከል ጫካ ምዕባያ ብዛዕባ ዓለም ዘለዋ ኣረኣእያ ቅርጺ ኣትሒዙዎ እዩ ኢላ ትኣምን።
ናብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ምስ መጽአት ግን ኣብ ግጥሚ ዘለዋ ድልየት ክትፈልጦ ክኢላ።
"ካቢንዳ፡ ብጂኦግራፊያዊ ኣቀማምጥኣ ካብ ኣንጎላ ዝተነጸለት ዞባ እያ። ስለዚ፡ ሰባት ካብ ካቢንዳ ናብ ሉንዳ ንምኻድ ዘለዎም ሕልሚ ልክዕ ከምቲ ብራዚልያውያን ናብ ኣመሪካ ንምኻድ ዘለዎም ሕልሚ'ዩ" ክትብል ትገልጾ።
ዛኡ፡ ኣብ 2014 ኤሌክትሪካል ኢንጅነሪንግ ንክተጽንዕ ናብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር መጺኣ።

ኣብቲ ግዜ፡ ኣብ ካቢንዳ ነቲ ዝመረጸቶ ክፍሊ ትምህርቲ ዝኸውን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ [ዩኒቨርሲቲታት] ኣይነበራን።
ግን ክኣ፡ ኣብቲ ዓብዪ ከተማ ዝተጸበየቶ ነገር ክውን ኣይኮነላን።
"እታ ትኽክለኛ ሉንዳ ማዕረ እታ ንዓመታት ኣብ ርእሰይ ዝሃነጽኩዋ ኣይኮነትን" ኢላ።
ኣብታ ሃገር ዘሎ ማሕበራዊ ዘይምዕሩይነት ሰብ መዝን ፖለቲካዊ ውሳነታቶምን ዝሓቱ ግጥሚታት ንክትጽሕፍ ምኽንያት ካብ ዝኾኑዋ እቲ ሓደ እዩ።
እዚ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝዘርግሓቶ ቪድዮ ብዙሓት ተቀባቢሎምዎ፤ ብርክት ዝበሉ ዓለምለኻዊ ዕድመታት ክኣ ክመጽኡላ ጀሚሮም።
ብ2021፡ ኣብ ብራዚል ኣብ ዝተኻየዱ ክልተ ውድድራት [ኣብ ጓል ኣንስተይቲ ሻምፒዮን ቃላዊ ግጥሚ ሉሶፎን ክትዕወት እንከላ ኣብ ጉሊሄርሚና ሰላም ድማ ናይ መወዳእታ ተዓዋቲት ኮይና] ተሳቲፋ።
ብተወሳኺ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ሃገራዊ ውድድር ብራዚል -ስላም ብራዚል- ክትዕወት እንከላ ኣብ ላቲን ኣመሪካ ኣብ ዝካየድ ፍጻመ ቃላዊ ግጥሚ ኮፓ ኣሜሪካ ዲ ስላም ንብራዚል ክትውክል እያ።
"ስነ ጥበብ ኣእምሮና ክሓስቦ ብዘይኽእል ጎደና ናይ ምውሳድ ዝንባለ ኣለዎ" ትብል።
ኣብዚ ዓመት፡ ዛኡ ንብራዚል ኣብ ክልተ ዓለምለኻዊ ውድድራት ክትውክላ እያ፤ እቲ ሓደ ኣብ ፈረንሳ ዝካየድ ክኸውን እንከሎ እቲ ካልእ ኣብ ቤልጅም ክካየድ እዩ።
"ሃገረይ ንዘይኮነት ክውክል እንከለኹ ዝተፈለየ ነገር ይመስል" ብምባል እትስሕቕ ዛኡ፡ "ግን ክኣ ንኣንጎላ ዝውክል ዘለኹ መሲሉ'ዩ ዝስምዓኒ። ኣብቲ ውድድር ንብራዚል እንተወከልኩ'ውን ወትሩ ኣንጎላዊት ከም ዝኾንኩ ወግዓዊ ስለ ዝገብሩዎ ሰብ ካበይ ከም ዝመጻእኹ ምፍላጡ ኣይተርፍን" ኢላ።
ኣብ ኣንጎላ፡ ቃላዊ ምንቅስቓስ ኣብ ቀረባ ግዜያት እናሰፍሐ ዝመጽእ ዘሎ ኮይኑ መብዛሕትኦም ደቂ ተባዕትዮ ዝርኣይሉ'ዩ ነይሩ።
ዛኡ፡ ግን ግደ ደቂ ኣንስትዮ'ውን ትኹረት ክወሃቦ ከም ዝግባእ ትዛረብ።
"ደቂ ኣንስትዮ'የን ነዛ ሃገር ዘለዓዕልኣ። እዚ ኽኣ ኣብቶም ዘይስሩዕ ዕዳጋታት ምርኣይ ይክኣል፤ ብዙሓት ነጋዶ ደቂ ኣንስትዮ'የን። እዚ ኣብ ህይወትና ዘለዎ ቁጠባዊ ኣበርክቶ ልዑል'ዩ" ትብል።

I absolutely hate peace
Screw it, morals and good customs, the laws of physics that govern nature in time and space, I hate peace and I'm not of peace
Peace doesn't mean anything to me, peace doesn't represent me
Peace, a rag to a stained social fabric, peace is feigned
Peace, pretends that freedom springs, while it makes us products on a conveyor belt and controls us through antennas
Peace, wreaks havoc in winter, comes with a smile that opens like a flower in spring and corrupts our cries for justice
ካብ Between Peace and Love, I prefer Loveዝተወስደ

ኣንጎላ፡ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ነሓሰ መረጻ ክተካይድ ወጢና ኣላ።
ዛኡ ግን ኣብቲ እዋን ከጋጥም ንዝኽእል ነገራት ግምት ንምሃብ ትጽገም።
"ሰባት ብዓይኒ ፖለቲካ ንነብሶም ክገልጹ ሕጂ'ውን ይፈርሑ'ዮም። ንክሓስቡ'ውን እዮም ዝፈርሑ። ብዙሕ ክንሰርሖ ዝግብኣና ነገራት ኣሎ" ኢላ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







