'ኣብ ስደት'የ፡ ብሓሳበይ ምግጣም መሊኸ'

መግለጺ ቪድዮ, ስለ ግጥማዊ በይነ ተዋስኦ እንታይ ትፈልጡ?

ኣብ ኣጽቢ ተወሊዳ ዝዓበየት ገጣሚት ይርጋኣለም ኣብርሃ ኣብ ንእስነት ዕድሚኣ ናብ ዓዲ ዓረብ ተሰዲዳ። ብምኽንያት እቲ ናይ ስደት ህይወታ ድማ ግጥማዊ በይነ ተዋስኦ ክትመልኽ ከምዝሓገዛ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕትት ገሊጻ።