"መርሸንቲ ሓወይ ኣይክርስዖን'የ" - ተኸስተ ስብሃቱ

ተኸስተ ስብሃቱ

ምንጪ ስእሊ, DM

መግለጺ ስእሊ, ተኸስተ ስብሃቱ

ተኸስተ ስብሃቱ ይበሃል። ኣብ ከተማ ማንሃይም ጀርመን እዩ ዝነብር። ማንሃይም ኣብ መጸንበር ራይንን ነካርን ዝበሃሉ ክልተ ወሓይዝ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ባደን-ቩርተንበርግ (ሃገረ ጀርመን) እትርከብ ኰይና ልዕሊ 300,000 ተቐማጦ ዘለዋ፡ ብንግድን ኢንዱስትርን ዝሞቐት ምጭውቲ ከተማ'ያ።

ኤርትራውያን ካብ ፈለማ 70'ታት ጀሚሮም'ዮም ኣብ ማንሃይም ክሰፍሩ ጀሚሮም።

ተኸስተ ከኣ ሓደ ካብ'ቶም ቀዳሞት ሰፈርቲ ናይታ ከተማ ኮይኑ፡ ኣብ 1973 ብሜንካዕ ዝፍለጥ ናይ ምእራም ምንቅስቓስ ብምስታፉ ምስ ብጾቱ ዝተቐንጸለ ንዮውሃንስ ስብሃቱ ሓው እዩ።

እቲ ኣብ 1972 ካብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ዝተሰለፈ ዮውሃንስ ስብሃቱ፡ ብፍልጠቱ ኮነ ብትዕግስቱ ካብቶም ጸብለል ዝበሉ ሒደት ኤርትራውያን ምሁራት እዩ ነይሩ።

ተኸስተ ናብ ማንሃይም ካብ ዝሰፍር ድሮ 43 ዓመት ኰይኑዎ ኣሎ። እንሆ ኸኣ ሕጂ፡ ዋላ'ኳ ሓደ ሓያል ናይ ግልን ገድልን ህይወት እንተ ኣሕለፈ፡ ዕዉት ዝዀነ ናብራ ድሕሪ ምምራሕ ኣብ ናይ ጥሮታ ዕድመ በጺሑ ቀሲኑ ይነብር ኣሎ።

ነበርቲ ማንሃይም፡ ልክዕ ከም'ቶም ኣብ ካልኦት ከተማታት ጀርመን ዝነብሩ ኤርትራውያን፡ ብስነ-ሓሳብ ተኸፋፊሎም ኣብ ዝተፈላለዩ ማሕበረሰባት ተጐዛዝዮም'ዮም ይነብሩ ነይሮምን ኣለውን።

ኣብ ማንሃይም ዝነብሩ ቀዳሞት ስድራ-ቤታት ኤርትራውያን ኣብ ዉላድ በጺሖም፡ ደቆም ዓብዮምሎም፡ ሕጂ ዕድመ ኣርኪቡዎም ይርከብ። ገሊኦም ድሮ ሓሊፎም፡ ገሊኦም ብሕማምን እርጋንን ተጠቒዖም ሰለይ ይብሉ ኣለዉ።

እቲ ዜሕዝን ግን እንትርፎ ሓደ-ክልተ፡ ንኤርትራ ዝተመልሰ ሰብ የብሎምን።

ምናዳ እቶም ምስ ሓፋሽ ዉድባት ህዝባዊ ግንባር ኰይኖም ንነዊሕ እዋን ዜገልግሉ ዝነበሩ ዜጋታት ንኤርትራ ካብ ምብጻሕ ሓሊፎም ንሓዋሩ ክግዕዙ ኣብ ዘይክእልሉ ኵነታት ይርከቡ።

ናይ ተኸስተ ዛንታ ግን ፍልይ ይብል። ስለምንታይ?

line

ተኸስተ ካብ ኣቦኡ ኣቦይ ስብሃቱ በርሀን ካብ ኣዲኡ ኣደይ ለተሱስ ገብረማርያም ብ1952 ኣብ ጉራዕ እትበሃል ዓቢ ታሪኽ ዘለዋ ዓዲ ተወልደ።

ጉራዕ ኣብ ሓደ ሰፊሕ ጎልጎል፡ ኣብ ደቡባዊ-ምብራቕ ደቀምሓረ ትሽዓተ ኪሎ ሜትር ርሒቓ እትርከብ ዓዲ'ያ።

ኣብ ፈለማ ሓምሳታት ኣባላት ቀዳማይ ኣሰምብለያ ኤርትራ ዝተመርጸሉ፡ እቲ ብሕቡራት መንግስታት ናይ ኤርትራ ቅዋም ዝተነድፈሉ፡ ናይ ኣንድነታውያን ሓይሊ ዝዳበረሉ፡ ተድላ ባይሩ ከም ዋና ጸሓፊ ዝተመርጽሉ፡ ኤርትራ ብኢትዮጵያን ብፈደራላዊ ስምምዕ ዝተጻወደትሉ፡ ወትሃደራት ኢትዮጵያ ከተማታትን ወደባትን ኤርትራ ዝተቛጻጸርሉ፡ ኣቦይ ወልድኣብ ወልደማርያን ማሕበር ሰራሕተኛታት ዘቋቈምሉ ዘመን ነበረ።

በቲ ዘመን'ቲ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ኤርትራ መዓስከራቶም ዝተኸልሉ እዋን ነበረ፣ እንኮላይ ኣብ ጉራዕ።

ኣቦይ ስባህቱ በርሀ ኣብ ከባቢኦም ዝቐሰምዎ ናይ ጽርግያ ምህናጽ ተሞኵሮ ስለ ዝነበሮም ተኸስተ ብንእሽትኡ ኸሎ ብስራሕ ምኽንያት ኣብ ኣውራ ጐደና (ሃይወይ) ንክሰርሑ ንኣዲስ ኣበባ ተጓዕዙ።

ኣደይ ለተሱስ ንተኸስተን ዓቢ ሓዉን ሒዘን ኣብ ዓዲ ተረፋ።

ኣቦይ ስባህቱ ግን፡ ድሕሪ ሒደት ዓመታት፡ ኣብ መገዲ ናዝሬት ብሓደጋ መኪና ሞቱ።

ካብ ሽዑ ጀሚሩ ህይወት ኣደይ ለተሱስን ክልቲኦም ደቀንን ተለወጠ። ተኸስተን ሓዉን ከኣ ቀልጢፎም ክዓብዩን ሰብኡት ክኾኑን ተገደዱ።

ኣቶ ርእሶም ትኩእን ኣፈወርቂ ትኩእን ዝተባህሉ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነብሩ ዝነበሩ ሓወቦታቱ ንዮውሃንስ ባዕላቶም ንከምህርዎ ወሰኑ።

ኣብ ዓሰርተ ክልተ ዕድሚኡ ካብ ኣዲኡን ንእሽቶ ሓዉን ተፈልዩ ንኣዲስ ኣበባ ከደ። ኣደይ ለተሱስን ተኸስተ ወደንን ግን ኣብ ዓዲ ተረፉ።

ተኸስተ ምስ ወላዲቱ ኣደይ ለተሱስ ብ2001

ምንጪ ስእሊ, DM

መግለጺ ስእሊ, ተኸስተ ምስ ወላዲቱ ኣደይ ለተሱስ ብ2001

ታሪኽ ዮውሃንስ ስባህቱ፡ ዓቢ ሓዉ ንተኸስተ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ

ዮውሃንስ ብተፈጥርኡ ትኩር ስለ ዝነበረ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ትምህርቱ ኣይሓመቐን።

ዋላኳ ንዕኡ ቋንቋ ኣምሓርኛ ሓዲስ ቋንቋ እንተነበረ ከይተሰናበደ ንሓዲስ ኵነታቱ ብግቡእ ገጠሞ።

ንኣዲኡን ንንእሽቶ ሓዉን ኣጆና ክሓልፈልና'ዩ ኢሉ እናተባብዐ ድማ ሞራሎም ንከይውድቕ ተስፋ ይህቦም ነበረ። እንተ ንሱ ኸኣ ኣብ ትምህርቱ ዓወታት ክጕናጸፍ ጀመረ።

ዮውሃንስ ኣብ ሻሙናይ ክፍሊ ምስ በጽሐ ብትምህርቱ እቲ ዝለዓለ ነጥቢ ብምምጻእ ዓቢ ዓወት ክጓናጸፍ ከኣለ፣ ኣብ ዊንጌት፡ እቲ ዓቢ ዝና ዝነበሮን ዝበለጸን ቤት ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ከኣ ኣተወ።

ኣብ ዊንጌት ንመግዝኢ-ቀንጠመንጥን መሐሸሺን 15 ቀርሺ ንወርሒ ክወሃቦ ምስ ጀመረ ነቲ ገንዘብ ምስ ኣዲኡ እናተኻፈለ ትምህርቱ ቀጸለ።

ዮውሃንስ ከምኡ እናበለ ንስድርኡ ካብታ ዘይብሉ እናሓገዘ፡ ፖለቲካ ኤርትራ እናተኸታተለን ሓሳቡ እናተጠልፈን ክኸይድ ጀመረ። ኣንባብን በሊሕን ስለ ዝነበረ ንሃገራዊ ስምዒቱ እናሐየለ ከም ዝኸይድ ገበሮ።

ክሳብ ክንደይ ኣዝዩ በሊሕ ከም ዝነበረ ብዙሓት ናይ ሽዑ መዘነታቱን ይምስክሩሉ'ዮም።

ኰይኑ ድማ ዮውሃንስ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዜሕልፍ ልዑል ነጥቢ ብምምጻእ ካብ ኢድ ንጉስ ሃይለስላሴ ሰዓት ከም ዝተቐበለ ዘርኢ ስእሊ ከም ዘሎ ሓዉ ተኸስተ ይምስክር።

ኣይጸንሐን፡ ዮውሃንስ ኣብ ካልእ ዓለም ተሰጋገረ - ዓለም ተምሃሮ ዩኒቨርሲቱ ኣዲስ ኣበባ።

ቍጠባ እናጽነዐ፡ ናይ ባዕሉ መጻሕፍቲ እናንበበ፡ ምስ መምህራኑ እናተኻትዐ ትምህርቱ ጀመረ።

ኣብ'ቶም ሽዑ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዝካየዱ ዝነበሩ ክትዓትን ቍርቍሳትን እናተሳተፈ ንኤርትራዊ ሃገራውነት ዓትዒቱ ተታሓዞ። እቲ ዝወሃቦ ዝነበረ ናይ ዩኒቨርሲቲ ኣበል ከኣ ንኣዲኡ ወርሒ-ወርሒ ይሰደለን ነበረ።

ኣብ ትርፊ ጊዜኡ እናሰርሐ ተወሳኺ ኣታዊ ብምምእራር ንኣዝማዱ ዝረድኣሉ እዋን ከም ዝነበረ ተኸስተ ሓዉ ይምስክረሉ።

እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ብሸነኽ ተምሃሮ ዝተኸሰተ ፖለቲካዊ ምዕባሌ - ናይ መጨረስታ ስሳታትን ፈለማ ሰብዓታትን ምዃኑ'ዩ - ጽዑቕ ስለ ዝዀነ ንክዝንቶ ብመልክዕ መጽሓፍ'ምበር ብሓጸርቲ ሓተታታት ኣይግለጽን'ዩ።

ታሪኽ ናይ በዓል ብርሃነመስቀል ረዳ፡ ዘርኡ ክሕሸን ከምኡ'ውን በዓል ዮሃንስ ስባህቱ ዝነበርዎ ምንቅስቓሳት ታሪኹ ነዊሕን ሕልኽልኽ ዝበለን'ዩ።

'መሬት ንሓራሲኡ' ዚብል ጭርሖ፡ ቅድሚ ደርጊ ነቲ ጭርሖ ከም ናቱ ጌሩ ምውሳዱ፡ በቶም ናይ ሽዑ ተመሃሮ ዝተጀመረ ምዃኑ በዓል ፕሮፈስሰር ባህሩ ዘውዴ ኣብ መጻሕፍቶም ይምስክሩ'ዮም።

ዮውሃንስ ብንእሽትኡ

ምንጪ ስእሊ, DM

መግለጺ ስእሊ, ዮውሃንስ ብንእሽትኡ

ዮውሃንስ ከኣ ሓደ ካብ'ቶም ብክልሰ ሓሳብ ማርክስነት-ለኒንነት ልዑል ኣፍልጦ ስለ ዝነበሮ ፍጹም ክልሰ-ሓሳበኛ ከም ዝነበረ ፈለጥቱ ይምስክርሉ።

ኣማሓደርቲ ዩኒቨርሲቲ ኣካይድኡን ምንቅስቓሱን ንመንግስቲ ሃይለስላሴ ዜስግእ ኰይኑ ስለ ዝረኸብዎ ንሓወቦታቱ ጸዊዖም ንክጥንቀቕ መዓድዎ። እንተ ንሱ ግን ኣይሰምዖምን።

ንባህርያቱን ዕምቈት ፍልጠቱን ካሪዝማኡን ዘስተብሃሉ ናይ ጸጥታ ሰባት ንዮውሃንስ ካብ ቀጽሪ-ዩኒቨርሲቲ ከም ዝርሕቕን ንኣሰላ ከም ዝስደድን ገበሩ።

ኣብ ኣሰላ ኸኣ ከም መምህር ካልኣይ ደረጃ ኰይኑ ንኸገልግል መደብዎ።

ኣብ ኣሰላ'ውን እንተዀነ ብፖለቲካዊ እምነቱ ክጕስጕስ ጀመረ፣ ሓያሎ መምህራንን ተምሃሮን ከኣ ብመጐትኡ ተመሲጦም ኣንጻር መንግስቲ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካየዱ።

ብእኡ ሰንኪ የውሃንስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣተወ። ዳኛ ኸኣ ንሸውዓተ ዓመት ፈረድዎ።

ምስክነይቲ ኣደይ ለተሱስ ወደን ትምህርቱ ወዲኡ ክሓልፈለን እናተጸበያ እንተ ንሱ ግን ኣብ ቤት ማአሰርቲ ብምእታዉ ሓርበተን።

ብዕድል ግን ዮውሃንስ ድሕሪ ናይ ሸውዓተ ወርሒ ማእሰርቲ በቲ ንጉስ ሃይለስላሴ ንሓያሎ እሱራት ዝገበሩዎ ምሕረት ናጻ ተባሂሉ ተፈትሐ።

ተፈቲሑ ግን ናብ ቃልሱ'ዩ ዝተመልሰ። ኣርሒቑ ዝሓስብ ክልሰ-ሓሳበኛ ስለ ዝነበረ ምትእስሳሩ ምስ ካልኦት ገስገስቲ ተምሃሮ - ከም በዓል ዋልልኝ መኰነን፡ ጥላሁን ግዛው፡ ብርሃነመስቀል ረዳ ዝኣመሰሉ - ኣሐዪሉ ቃልሱ ቀጸለ።

ዮውሃንስ ንክምረቕ ሒደት ኣዋርሕ ምስ ተረፎ'ዩ እዚ ኹሉ ዕግርግርን ማእሰርትን ዘጓነፎ፣ ድሕሪ ማእሰርቲ ናብ ዩኒቨርሲቲ ንክምለስ ከኣ ዓንቀጽዎ።

መጻሕፍቱ እናንበበ፡ ባዕሉ ፍልጠቱ እናዳበረ ኣብ ኢትዮፕያን ሄራልድ ዝበሃል ጋዜጣ-እንግሊዝ ከም ሪፖርተር ስራሕ ጀመረ። ብዶሞዙ ንኣዲኡ ንሓውን ካልኦት ድኻታት እናሓገዘ ናብራኡ ክመርሕ ጀመረ።

ንመናበሪ ስድርኡ ድኳን ከም ዝኸፍተሎም እውን ተኸስተ ሓዉ ይዝክር።

እቲ ሽዑ ዝነበረ ፖለቲካዊ ቅልውላው ንዮውሃንስን ብጾቱን ነፋሪት ጠሊፎም ንክዕዘሩ ገይሩ'ዩ ክበሃል ይከኣል።

በዓል ዮውሃነስ ስብሃቱ፡ ሙሴ ተስፋሚኪኤል፡ ኣማኒኤል ዮውሃንስ፡ ደበሳይ ገብረስላሴ ብ1971 ነፋሪት ጨውዮም ናብ ሊብያ ብምብራር፡ ካብኡ ድማ ንሜዳ ኤርትራ ብምምላስ ናብቲ ብ'ዓላ' ዝፍለጥ ኢሳያስ ኣፍወርቂ ዝመርሖ ዝነበረ ጕጅለ ከም ዝተጸንበሩ ሰነዳት ይገልጹ።

ኣይጸንሑን፡ በዓል ዮውሃንስን ብጾቱን ብኣካይዳ ሜዳ ኤርትራ ስለ ዘይቀሰኑ በዳሂ ምንቅስቓስ ጀመሩ።

እቲ ዜሕዝን ዉጽኢት ናይቲ ብ"መንካዕ" ዝፍለጥ ምንቅስቓስ ሓሓሊፉ ይጥቀስ'ዩ፣ ብዕሊ ምሉእ ጸብጻብ ግን ብሸነኽ መንግስቲ ጌና ኣይተዋህቦን።

እቶም ዝተቐዝፉን ኣብቲ ናይ ሽዑ ቕዝፈት ዝወዓሉ ተጋደልትን ግን ኣስማቶም ኣብ ሶሻል ሚድያ ብተደጋጋሚ ይጥቀስ'ዩ።

"ምጽናት መንካዕ"

ተጋዳላይ ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ ኣብ "ኤርትራ ኣብ ቀራና መገዲ" (Eritrea at a Crossroads) ዘርእስቱ መጽሓፉ ብዛዕባ "መንካዕ" ብምጽሓፍ ሓጺር መብርሂ ሂቡሉ ኣሎ።

ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ ካብቶም ፈለማ ሰብዓታት ናብ ህዝባዊ ሓይልታት ዝተሰለፉ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ትካላት እቲ ውድብ ዘገልገለን ናጽነት ክርኢ ዝበቕዐን ገዲም ተጋዳላይ ህዝባዊ ግንባር'ዩ።

ብድሕሪ ናጽነት ድማ ኣብ ብርክት ዝበሉ ዝለዓሉ ጽፍሕታት መንግስቲ ዘገልገለ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ወጻኢ፡ ካብ መንግስቲ ምስ ተፈልየ ምስ ዓበይቲ ኣህጕራውያን ትካላት ብምትእስሳር ዝሰርሐ ምሁር'ዩ።

ዓንደብርሃን፡ ካብ'ቶም ኣብ ኢድ ሓለዋ ሰውራ ዝኣተዉ፡ ገለ-ገለ ኣስማት ዝጸነቱ ምሁራት ተጋደልቲ - በዓል ዮውሃነስ ስባህቱ፡ ሙሴ ተስፋሚካኤል፡ ኣፍወርቂ ተኽሉ፡ ሃብተስላሴ ገብረመድሂን፡ ታረቐ ይሕደጎ፡ ርእሶም ፋርማሲስት ዝበሃሉ ተጋደልቲ - ብምርቋሕ ኣብ መጽሓፉ ኣስፊሩዎ ኣሎ።

ዳን ኮኔል ዝተባህለ ብዛዕባ ሰውራ ኤርትራ ዀነ ብዛዕባ ኵነታት ጽባሕ-ናጽነት ዝጸሓፈ ኣሜሪካዊ ጸሓፊ፡ ኣብቲ ዜቕረቦ ጸብጻብ እቲ ብ"መንካዕ" ዝፍለጥ ጕጅለ ዝጠለቦ ጽገናታት፡ ዝረኸቦ ጐነጽን ቕዝፈትን ብምጥቃስ፡ ብድሕሪ ተርእዮ "መንካዕ" ከመይ ኢሉ እቲ ብ"ሓለዋ ሰውራ" ዝፍለጥ ደሃኺ መሓውር ሰውራ ከም እተፈጥረ የብርህ። ምስኡ'ውን እቲ ብምስጢር ዝተተኽለ ሕቡእ ሰልፊ ነቲ ቃልሲ ንምቍጽጻር ከም ዘገልገለ ይገልጽ።

ብርክት ዝበሉ ጸሓፍቲ በቲ ኣብ ሜዳ ኤርትራ (1973-75) ኣንጻር መራሕትን ተሓባበርቲ ምንቅስቓስ "መንካዕ" ዝተኻየደ ቀንጻሊ ስጕምቲ ብትሪ ይነቕፉዎን "ጸሊም ታሪኽ" እናበሉ ይገልጹዎን'ዮም።

እቲ ዜሕዝን፡ ገሊኦም ጸሓፍቲ ቃልሲ ኤርትራ ንብሉጻት ተቓለስቲ ደቃ ብኢዳ ከም ዝቕንጸሉ ብምግባራ ጌና መዕለቢ ዘይተረኽቦ ፍጻሜ ምዃኑ ይገልጹ።

ሚከላ ሮንግ ብወገና፡ ኣብቲ ዉሩይ መጽሓፋ (I Didn't Do It For You) ከም ዜስፈረቶ፡ እቲ ጕዳይ ከመይ ኢሉ ብጻዕዳ በለቕ ወይ ከኣ ኖራ ተሸፊኑ ከም ዝተሰግረ ትገልጽ።

እንተ ተኸስተ ግን "ኣነ ብህይወተይ ክሳብ ዘለኹ ጕዳይ ዮውሃንስ ሓወይ ኣብ ፍትሒ ከይበጽሐ ልበይ ኣይክዓርፍን'ዩ" ይብል።

ተኸስተ ብሰንኪ ዮውሃንስ ሓዉ ዜሕለፎ መከራ

ከም ግቡእ፡ እዚ ዛንታ ቀንዲ ኣትኵሮኡ ኣብ ተኸስተ'ምበር ኣብ ዮውሃንስ ከተኵር ኣይምተገብአን።

ይዅን'ምበር፡ ተኸስተ ባዕሉ ኣብ ዕላሉ ብዛዕብኡ ዘይኰነስ ኣብ ዛንታ ሓዉን ብጾቱን ስለ ዜድሃበ ብዛዕባ እቲ ጌና ዘይሓወየ ቍስሉ ጸቒጡ'ዩ ተዛሪቡ።

"ዮውሃንስ ብ1975 ምስ ተቐትለ" ይብል ተኸስተ፡ "ኣነ'ውን ተለኪመ ነይረ'የ። ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ሓለዋ ሰውራ አእትዮምኒ ነይሮም'ዮም። ንሱ ከይኣክል ድማ ቅድሚ ምፍትሐይ ንክጋደል ናይዝጊ ክፍሉ ባዕሉ ሓቲቱኒ ነይሩ" ኢሉ ይጥቅስ። "ንኣደይ ዝረድኣ ሰብ የብላን" ኢሉ ብምምጓት ከኣ ድሕሪ ክንደይ ኰለል ብሱዳን ኣቢሉ ንሃገር ጀርመን ከም ዘምርሐ ይዛረብ።

"ኣብ ጀርመን'ውን እንተዀነ ሓው ዮውሃንስ ምዃነይ ምስ ተፈልጠ ኤርትራውያን ኣነ ከም ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ገይሮም ይርእዩኒ ነይሮም" ብምባል ነቲ ዜሕለፎ መከራ ይዝክር። "ተነጺለ'የ፣ ተኸሲሰ'የ፣ ተዋሪደ'የ፣ ጨኪኖምለይ ... ክዝክሮ'ውን ኣይደልን" ይብል ተኸስተ።

"ከም ሓቁ፡ እቶም ብክፉእ ዓይኒ ዝርእዩንን ኣልዒሎም ዝጥርጥሩንን ዝጥቅኑንን ዝነበሩ ሰባት ኣይኰኑን ኣሕዋቶም ተቐቲሎሞም፣ ኣነ'የ ሓወይ ዘጥፋእኩ። መርሸንቲ ዮውሃንስ ሓወይ ከይኣኽለኒ ድማ ተመሊሶም ንዓይ ከሳቕዩንን ክንጽሉንን ኣይምተገብአን። ኰይኑ ግን! እንቋዕ ኣብ ጽላለ በጺሐ ኣእምሮይ ኣይሰሓትኩ" ብምባል ብትካዜ ይዛረብ።

"እንቋዕ ነቲ ኹሉ ጸቕጢ ክሽከሞ ከኣልኩ፣ ነቲ ኣሉታዊ ሸነኹ ናብ ኣወንታዊ በንዚና ለዊጠ ኣብ ህይወተይ ብዘመዝገብኩዎም ዓወታት እደዓዓስ'የ። እቲ ዘጕህየኒ ኣደይ ኣብ ሰማንያን ሓሙሽተን ዕድሚኣ ኢያ ሞይታ፣ ብዛዕባ ሃለዋት ዮውሃንስ ወዳ ባጫ'ምበር ብዕሊ ዝተነግራ ደምዳሚ ዘረባ ከይተነግራ'ያ ሓሊፋ። እዝስ ምስ ምንታይ ይቝጸር?" ኢሉ።