ዶክተር ቀሺ ብርሃነ ኣስመላሽ፡ “ዓድና ዘይትምለሶ ዓዲ ኰይኑ ብምትራፉ የጕህየኒ”

ምንጪ ስእሊ, Birhane Asmelash
ኣብ እዋን ስርዓት ደርግ (1974-1991) ሰባት ብዝወዓሉዎን ዘይወዓሉዎን ብጥርጣረን ፖለቲካዊ መርገጺኦምን ከካብ ቤቶም፡ ካብ ስርሖም፡ ካብ መንገዲ ብጥቈማ፡ ገለኢኦም እውን ተለኪሞም ብጃምላ ይእሰሩሉን ይቕተሉን ምንባሮም ኣብ ከተማታትን ገጠራትን ኤርትራን ኢትዮጵያን ከይተረፈ ሕሱም እዋን ዘሕለፉ ሰባት ይዝክሩዎ።
ኣብቲ እዋን ኣብ ከተማ ዓዲ ቀይሕ ሓካማይ (ድረሰር) ኰይኖም ዝሰርሑ ዝነበሩ ቀሺ ብርሃነ ብሓደ ሰብ ተጠቊሞም ተኣስሩ።
እንተኾነ ብሰንኪ ወንጌላዊ እምነቶም ድዩ ወይስ ብኻልእ ምኽንያት ከምዝተኣስሩ ኣይፈለጡን። ኣብቲ እዋን ብዙሓት ሰባት ከይተነግረሎም በቲ እተኣስሩዎ ዝጠፍኡ ከምዝነበሩ ቀሺ ብርሃነ ይዛረቡ።
“ኣብ ዓዲ ቐይሕ ተኣሲረ ናብ ካርሼሊ ኣስመራ ምስ ገዓዝኩ፡ መብዝሕትኦም እቶም እሱራት አእጋሮም ብፋሻ ተጀኒኖም ሓንከስ-ሓንከስ ክብሉ ምስ ረኣኹ ገሪሙኒ ምስሓተትኩ፡ ከብዲ እግሮም ምስተቐጥቀጡ አእጋሮም በሻዕሻዕ ከም ዝበለ ነጊሮሙኒ” ብማለት ነቲ ሕሉፍ ይዝክሩ።
ቀሺ ብርሃነ ኣብቲ ዝተገብረሎም ምርመራ፡ ኣብ እምነቶም ጸኒዖም ነቲ ዝቐረበሎም ክሲ ስለዝነጸጉዎ፡ [ እቲ ክሲ እንታይ እዩ ነይሩ ]ብዘይ ገለ ፍሉጥ ገበን ካብ ካርሸሊ ንቤት-ማእሰርቲ ሰንበል ሰጊሮም ንዓሰርተ ሓደ ኣዋርሕ ተኣስሩ።
በብእዋኑ መተኣስርቶም ሓደ-ብሓደ እናተወስዱ ክርሸኑ ይዕዘብ ስለ ዝነበሩ ኣስማት እቶም ሰባት ክጽዋዕ እንከሎ ይስቀቑ ከምዝነበሩ ይዛረቡ።
እቲ ከምዘእሰሮም ዝኣምንሉ፡ መሳርሕቶም ፈለማ ኣብ ‘ምርመራ ገበን’ (ካርሸሊ)፡ ዳሕራይ ከኣ ኣብ ሰምበል ምሰኦም ተኣሲሩ ከምዝነበረ የዘንትው።
“ምስቲ ዘእሰረኒ ሰብ ክፍሊ እንዳ ሕሙማት ብሓንሳብ ነይርና። ኣብታ ክፍሊ፡ ሕሙማትን ንሞት ዝተፈርዱ ሰባት ኢና ኔርና። ዋላ’ኳ እቶም ካልኦት መተኣስርተይ ነቲ ዘእሰረኒ ሰብ ከም ጸላእየይ ገይረ ክርእዮ እንተ ቀሰቡኒ፡ ኣነ ግን ኣንጻር መትከል ወንጌላዊ እምነተይ ስለ ዝዀነ ብሕማቕ ኣይርእዮን ነይረ።
"እኳ`ድኣ ን24 ሰዓታት ኣብ ሓደ ክፍሊ ብሓባር ንነብር ስለ ዝነበርና፡ ጥዕና ኸኣ ስለ ዘይነበሮ (ኣእምሮኡ ስለ ዝሰሓተ)፡ ብዝከኣለኒ መጠን እሕግዞን እከናኸኖን ነይረ። ኣብ መጠረስትኡ፡ ዮሴፍ ንሓሙሽተ ዓመት ስለ ዝተፈርደ ኣብኡ ገዲፈዮ ወጺአ” ይብሉ ቀሺ ብርሃነ።
ብ1980 ኣቢሉ፡ ብዉሑዱ ከም በዓል መምህር ዘርኣይ (ሓለቓ ምድላው መምህራን ዝነበረ)፡ ኣቶ መስፍን ባርያጋብር (ናይ ኤርትራ ፋርማሲ ሓላፊ ዝነበረ)፡ ኣቶ መስፍን ሰሎሞን (ናይ ተሌኮሙኒከሽን ኤንጂኔር) ዝነበረ ክርሸኑ ከምዝዝክሩ ይሕብሩ።
“ከም እሱራት ኣብ ፍጹም ራዕዲ ኢና ንነብር ኔርና። ካብ ናትና ዝኸፍአ ግን ስድራና፡ ናብራኦም ዛሕዛሕ ኢሉ ብዙሕ ላዕልን ታሕትን ኢሎም ተሳቕዮም’ዮም ” ይብሉ ቀሺ ብርሃነ።
ሓደ መዓልቲ፡ ከም ናቶም ሽምን ስም ኣቦን ዘለዎ፡ ብርሃነ ኣስመላሽ ዝተባህለ ትግራዋይ ተቓላሳይ ወያናይ ምስ ብጾቱ ብርክት ዝበሉ ተጋደልቲ ወያነ ከም ዝተረሸነ ብራድዮ ተነግረ።
“ነቲ ዝተረሸነ ሰብ ኣነ ብኣካል እፈልጦ ነይረ - ኣብ ቤት ትምህርቲ ቀዳማዊ ሃየለ ስላሴ ካልኣይ ደረጃ ናይ ፊዚክስ መምህር’ዩ ነይሩ፣ ሕያዋይ ሰብ’ዩ ነይሩ” ይብሉ ቀሺ ብርሃነ።
“ኣብ ቤት ማእሰርቲ እንከሎና ንዕኡ ዝመጽአ መግቢ ብጌጋ ናባይ ከምጽእዎ - ናተይ ከኣ ናብኡ ክኸይድ እዝክሮ ... ብኸምኡ ከኣ እዩ ምሳይ ተኣሲሩ ከም ዝነበረ ተረዲኡኒ” ክብሉ ይዝክርዎ።
ኣዲኦም ንቀሺ ብርሃነ ግን ወደን ዝተረሸነ መሲሉወን ሰንቢደን ብዙሕ ጎሃያ። ዳሕራይ ግን እቲ ዝተረሸነ ሰብ ካልእ ብርሃነ ኣስመላሽ ምንባሩ ፈሊጠን። “ይኹን’ምበር ሽዑ ኣደይ ኣኺሉ ተሪፉዋ’ዩ!” ይብሉ ቀሺ ብርሃነ።
ኣብቲ እዋን ናብራ እሱር ኰነ ናብራ ስድራኡ ኩሉ ስቓይ እዩ ነይሩ። ቀሺ ብርሃነ ሽዑ ኣብ ርእሲ ማእሰርቶም ብርቱዕ ሕማም ሽኮር ስለ ዝነበሮም መዓልታዊ መርፍእ እናተወግኡ ስለዝነብሩ ቤተሰቦም ሰለስተ ጊዜ ንሰሙን ምግብን ቅያር ክዳንን ሒዞምሎም ይመጽኡ ነይሮም።
“ኣነ ጥዕና ስለ ዘይነበረኒ እቲ ክሽነ ቤት ማእሰርቲ ጸባን እንቋቕሖን ይህቡኒ ነይሮም፣ ቀትርን ምሸትን ከኣ ዓደስ ብእንጀራ ይወሃበና ነይሩ፣ ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ስድራና ዘምጽኡልና ምግቢ ነይሩ’ዩ” ኢሎም የዘንትዉ። እቲ መግቢ እኹል ስለ ዝነበረ ምስ እሱራት ተጋደልቲ ኰይኖም ብሓባር ተኻፊሎም ይበልዕዎ ከም ዝነበሩ ይዝክሩ።
ትምህርቲ ድሕሪ ማእሰርቲ
ድሕሪ’ቲ ኹሉ ጸበባ ብ1981 ናጻ ተባሂሎም ብዕድል ካብ ቤት ማእሰርቲ ተፈትሑ። “እቲ ዝፈጸምካዮ ገበን ካብ ጕድለት ንቕሓት ስለ ዝዀነ ናጻ ኢልናካ ኣሎና” ዝብል ናይ ምስክር ወረቐት ተዋሂቡዎም ካብ ቤት ማእሰርቲ ብህይወቶም ተገላገሉ።
በቲ ዝወረዶም ግፍዒ ከይተሰናበዱን ሞራሎም ከይወደቐን ንብድሆታት ህይወት ክገጥሙ ዳግማይ ብድድ በሉ። ድሕሪ ማእሰርቲ ናብ ስርሖም ክምለሱ ጠለብ ምስ ኣቕረቡ ፍቓድ ረኸቡ። ኣብ ክንዲ ንዓዲ ቀይሕ ዝምለሱ ግን ኣብ ኣስመራ ተመዲቦም ክሰርሑ ተፈቕደሎም። ዕለታዊ ስርሖም እናሰርሑ ምሸት-ምሸት ከኣ ትምህርቶም ይቕጽሉ ነበሩ።
ሃገራዊ መልቀቕ ፈተና (ማትሪክ) ተፈቲኖም ስለ ዝሓለፉ ኣብ ጎንደር ከይዶም ኣብ ሕክምና ኮሌጅ ኣተዉ። መምህራኖም ጀርመናውያን ብምንባሮም፡ እኹል ክንክን ይገብሩሎም ከም ዝነበሩ’ውን የዘንትዉ። እንተኾነ ኣብ ጸሎተ ኣምልኾ ብግቡእ ይሳተፉን ይነጥፉ ስለ ዝነበሩ ተጻብኦታት ኣጓነፎም። ብሰንኩ ከኣ ንሓደ ዓመት ካብ ትምህርቶም ተዓናቐፉ። መቕጻዕቶም መስ ወድኡ ከኣ ናብ ትምህርቶም ተመሊሶም ብ1989 ብሕክምና መዓርግ ተመሪቖም ኣብ ኣስመራ ተመዲቦም ስርሖም ጀመሩ።
ሓድሽ ህይወት ኣብ ኣስመራ
ቀሺ ብርሃነ ብጊዜ ናጽነት ኤርትራ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ሕክምና-ኣእምሮ (ሳይካያትሪ) ሆስፒታል የገልግሉ ነበሩ። ኣብቲ እዋን ድሮ ሓዳር ገይሮም ብድሕሪኡ ናብ ኣስመራ ተመሊሶም ምስ ቃለ-ህይወት ቤተ ክርስትያን ካብ 1993-1999 ሰርሑ። እቲ ስራሕ ምስ ልምዓት ሃገር ዝተኣሳሰረ’ዩ ነይሩ።
ቀሺ ብርሃነ ኣብ ኣስመራ ዘሕለፍዎ ናይ ስራሕ ጊዜ ሕውስውስ ዝበለ ምንባሩ ይዝክሩ። በቲ ቤተክርስትያን ኣቢሎም ካብ ወጻኢ ናይ ሆስፒታል ኣቑሑት እናምጽኡ፡ ዘድሊ ሓገዝ እናበርከቱ ይሰርሑ’ኳ እንተነበሩ መንግስቲ ግን ብተጻብኦታት ንከይሰርሑ ዕንቅፋት ከምዝኾኖም ይዛረቡ።
“እቲ ህዝቢ ሓገዝ እናድለዮ ክነሱ መንግስቲ ግን ምሒር ኣብ ምቍጽጻር ብምትኳር ነቲ ስራሕ ይብድሎ ነበረ” ይብሉ። “ናይ ምቍጽጻር ዓቕሚ ስለ ዘይነበሮ ድማ ስራሕካ ደው ንኸተብሎ ይግድደካ፣ ነቲ ስራሕ ባዕሉ ንከይሰርሖ’ውን ዓቕሚ ኣይነበሮን፣ ነቶም ዓቕሚ ዝነበሮም ሰባትን ትካላትን ንከይሰርሑ ከኣ ጣልቃ እናኣተወ የሸግረና ነይሩ” ኢሎም ነቲ ዘጓንፎም ዝነበረ ሽግር ይገልጽዎ።
ብሰንኪ እቲ ግሉጽነት ዘይነበሮ ኣሰራርሓን ጸቕጥን ነቲ ስራሕ ክጸልኡዎ ጀሚሮም። “ንኣብነት ኣብ ጊዜ ዉግእ ባድመ እቲ ሰራዊት ናይ ሕክምና ዕጥቂ ኣይነበሮን፣ ነቲ ዉጉእ ንምርዳእ ላዕልን ታሕትን ክንብል እንከለና ‘መን በለካ’ ብዘስምዕ ኣገባብ ስራሕና ይዕንቅፉና ነይሮም” ብማለት ነቲ ሽዑ ዝተመኰሩዎ ይገልጹ።
ጕዕዞ ናብ ስደት
ቀሺ ብርሃነ ብ1999 ናይ ክልተ ዓመት ማህደረ-ትምህርቲ [ናጻ ናይ ትምህርቲ ዕድል] ረኺቦም ብዛዕባ ‘እስላማዊ መጽናዕቲ’ ንኬጽንዑ ንዓዲ እንግሊዝ ምስ ስድርኦም ተጓዕዙ።
ትምህርቶም ወዲኦም ነቲ ብሕክምና ዝሰልጠንሉ ሞያ ንከይወድቕ - ምእንቲ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ንኽጥቀምሉ - ፈተና ገይሮም ተዓወቱ። ብዝያዳ ግን እቲ መንፈሳዊ ስራሕ ይዓጅቦም ስለ ዝነበረ ህውኽ ኢሎም ኣብ ስራሕ ሕክምና ኣይኣተዉን።
ኣብ መንፈሳዊ ዓለም ንክነጥፉ ስነ-ሃማኖት (ቲዮሎጂ) ተማሂሮም ንቕሽነት ክለብሱ ኸኣ ተወሳኺ ሰለስተ ዓመት ተማሂሮም መዓርግ ቅሽነት ለበሱ።
ኣብቲ እዋን መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ወንጌላውያን ኣመንቲ ዝወስዶ ዝነበረ ስጕምትታት ሕማቕ ከምዝነበረ ዝገልጹ ዶክተር ቀሺ ብርሃነ: መንፈሳዊ ጐስጓስ ከካይዱ ጀመሩ።
ቀሺ ብርሃነ በቲ ማሕበሮም ኣቢሎም ንእሱራት ኤርትራ - መራሕቲ ሃይማኖት ኰኑ ኣባላት ማሕበር - ጸሎት ኪገበሩሎምን ኣብ መጋባእያታት ወጺኦም ብቕሉዕ ይጣበቕሎም ምንባሮም ይዛረቡ።
“እቲ ኣብዚ ኣብ ዓዲ ስደት ኰይነ ዘበርክቶ መንፈስዊ ኣገልግሎት ኣብ ዓድና እንተዝዀነለይ ንፈጣሪ ብዙሕ መመስገንኩ። ግን እምነተይ ኰነ መንፈሳውነተይ ኣብ ሃገርና ንከይኣቱ ጸገም ስለ ዝፈጥር በታ ዓቕመይ ኣብዚ ኰይነ ንክሰርሕ ወሲነ”።
ብሰንኪ ሃይማኖታዊ እምነቶም ንዝተኣስሩ ንከም በዓል ዶክተር ክፍሉ ገብረመስቀል፡ ኣብ ኣስመራ ዩኒቨርሲቲ መምህር ዝነበሩ፡ ንዓሰርተ ሸሞንተ ዓመት ብእምነቶም ገበነኛ ተባሂሎም ዝተኣስሩ፣ ንከም በዓል ዶክተር ፍጹም ገብረንጉስ፡ ሓኪም ስነ-ኣእምሮ፡ ኣባል ኦርቶዶክስያዊት ቤት-ክርስትያን፡ ንሶም’ውን ብ 2004 ተኣሲሮም ጌና ኣብ ዝኣተውዎ ዘይፍለጡ ኣማኒን ካልኦት ኣማኢትን ብምዝካር ፈጣሪ ኣብ ዘለውዎ ሸላታት ጽንዓት ክህቦም ይጽልዩን ኣብ ዝነብሩሉ ዓዲ ኢንግሊዝ ሰላማዊ ሰልፊ ብምውዳብ ጸገሞም ንዓለም ይነግሩሎም።
ቀሺ ብርሃነ ህዝቢ ኤርትራ ጸጋ ሃገር ምዃኑ ብምጥቃስ፡ “ዓድና ዘይትምለሶ ዓዲ ኰይኑ ብምትራፉ የጕህየኒ ... እቲ ሃገር ከልምዕ ዝኽእል ሓይሊ ኣብ ደገ’ዩ ዘሎ ... ገና ኸኣ ሰብ ይስደድ ኣሎ። እዚ ኣንፈት’ዚ እንድሕሪ ዘይተለዊጡ ሃገርና ኣይክሓልፈላን’ዩ” ብምባል መንፈሳውነት ንሃገር ከምዘሐይል እምበር ከምዘየዳኽም የረድኡ።
ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ናጽነት ሃይማኖታት ብተደጋጋሚ ክትክሰስ እኳ እንተጸንሐት መንግስቲ፡ "ብዛዕባ ኤርትራ ግጉይ ስእሊ ኣሎ ኮይኑ'ምበር ኤርትራ መሰል ሃይማኖታት እተኽብር" ምዃና እዩ ዝገልጽ።
ንዛንታ ዶክተር ቀሺ ብርሃነ ኣስመላሽ ኣገዳሲ ኰይኑ ዝረኸቡዎ ኣህጕራዊ ማሕበር፡ ብጕዕዞ ህይወቶም ብቋንቋ እንግሊዝ ሓደ መጽሓፍ ጽሒፎምስ ኣብ ምዝዛሙ ይርከብ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







